
ፕላኔትና መሬት ንደቂ ሰባት ሓዊሱ ንካልኦት እንስሳትን ከምኡ ‘ውን ንኣብዝሓ ሂወታውያን ንምንባር ምችውቲ ካብ ዝኾና ፕላኔት ሓንቲ ‘ያ። ይኹን ‘ምበር ብሓፈሻ ንሂወታውያን ብፍላይ ድማ ንደቂ ሰባት ምችውነታ ካብ እዋን ናብ እዋን ብዝተፈላላዩ ፀገማት እናተፈተን ‘ያ ትርከብ።
ፈተና ከብ ዝኾኑ ድማ ሓደ ምዝባዕ ነባሪ ኣየር ከምዝኾነ ናይቲ ዓውዲ ተመራመርቲ በቢእዋኑ ይግልፁ ‘ዮም። እዚ ፀገም ብሓፈሻ ናይ መላእ ዓለም ህዝብታት ፀገም እንተኾነ ‘ውን ኣብ ዘይማዕበላ ወይ ኣብ ምምዕባል ዝርከባ ሃገራት ዝነብሩ ናይዚ ፀገም ተጎዳእቲ እናኾኑ ከብ ዝመፅኡ ቀሊል ዘበን ኣይኮነን።
ብፍላይ ኣብ ትሕቲ ሰሃራ ዝርከቡ ህዝብታት ምስ ኩለ መዳይ ድኽነት፣ ብዙሕን ዝተሓላለኸን ፀገማታትና ምስ ፅልዋ ነባሪ ኣየር ተደማሚሩ ካብ ድኽነት ሓሊፉ ክሳብ ንጥምየት እንክንቃለዐሉ ኩነታት ይርኣይ ‘ዩ። ነዚ ዘስተውዐሉ ኣብ ዝተፈላላዩ እዋናት ዝነበሩ መራሕትና ነዚ ንድርቅ ንዕኡ ተኸቲሉ ንሕማምን ሞትን ዘቃልዓና ንምቅናስ ዋላ እኹል ‘ዩ ዘብሃል እንተዘይኮነ ‘ውን ኣብ ሓምላዋይ ልምዓት ፈተናታት እናገበሩ መፂኦም ‘ዮም።
እዚ ዘሎ መንግስቲ ‘ውን እንተኾነ ብዝበለፀ ልዑል ትኹረት ሂቡ ካብ ዝሰርሐሎም ነገራት ሓደ ልምዓት ሓምላዋይ ዓሻራ ‘ዩ። ክሳብ ሐዚ ብመልክዕ መርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ዓሻራ ንሽዱሽተ ተኸታታሊ ዓመታት እናተኻየደ መፂኡ ጥራሕ ዘይኮነስ ቀሊል ዘይብሃል ውፅኢት ‘ውን ከምዘምፅአን ሓመድ ከይሽርሸር ወይ ከይኸላእ ብዝላዓለ ብርኪ ምክልኻሉ ካብ ሚኒስቴር ግብርና ዝተረኸበ ሓበሬታ የመላኽት።
ሚኒስትር ግብርና ግርማ አመንቴ(ዶ/ር) ዝሓለፈ ሰሙን ከም ዘገለፅዎ፤ ኢትዮጵያ ካብ ዘለዉዋ 12 ዋሓዝቲ ብፍላይ ኣብ ዋሕዚ ዓባይ መርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ዓሻራ ብስፍሓት ብምስራሕ ኣብቲ ተፋሰስ ዓባይ ሽፋን እፅዋት ካብ ዝነበሮ 19 ሚኢታዊ ናብ 25 ሚኢታዊ ክብ ምባሉ ከምዝበሉን ኣብ ዝሓለፉ ሽድሽተ ዓመታት ዝተሰለጠ መርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ዓሻራ ኣብ ሓደ ሄክታር ዝነበር ምኸላእ ሓመድ 130 ቶን ዝነበረ ናብ 54 ቶን ምንካዩ ልዑል ውፂኢት ምኹኑ እቲ ሓበሬታ የመላኽት።
ከም መብሪሂ እቶም ሚኒስትር ዝዓረቑ ከባቢታት ንምልማዕ ብተሰርሑ ስርሓትታት ዝተረኸቡ ኣዎንታዊ ውፂኢታት ዘዕግብ ምኹኑ ፀሪሖም፣ ኣብ ቐፃሊ ‘ውን ዘላቒ ዝኾነ ስርሓቲ ዕቀባ ማይን ሓመድን ጎልቢቶም ክቐፅሉ ምኹኖም ኣፍሊጦም ‘ዮም።
ከምዝሓለፉ ዓመታት ሎሚ ዘበን ዝካየድ መርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ዓሻራ “ብምትካል ምንስርራእ” ዝብል መሪሕ ሓሳብ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብይ ኣሕመድ(ዶ/ር)፣ ምክትል ፕሬዚዳንት ናይጄሪያ ካሺም ሼቲማን፤ ላዕለዎት ሓለፍቲ ስራሕ መንግስቲን ከምኡ ‘ውን ካልኦት ኣባላት ዲፕሎማቲክ ማሕበረሰብ ኣብ ዝተረኸብሉ ተጀሚሩ ኣሎ።
ሓምለዋይ ዓሻራ ብጣዕሚ ዘፈር ብዙሕ ትሩፋታት ንኽርከብ ዝገበረ ስራሕ ‘ዩ። ኣብዚ ዓመት ዝትከል ፈልሲ ክሳብ 47 ነጥቢ 5 ቢሊዮን ከባቢ ከምዝበፅሕን እዚ ‘ውን ኣብ ዝቕፅል ዓመት ምስ ዝተከል እንትድመር ናብ 54 ቢሊዮን ክበፅሕ ከምዝኽእል ካብ ቤት ፅሕፈት ቀዳማይ ሚኒስትር ዝተረኸበ ሓበሬታ የመላኽት።
እዚ ድማ ብጣዕሚ ዝበረታታዕ ነገር ‘ዩ።እዚ ንልዕልና ኢትዮጵያ መርኣያ ኣብ ዝኾነ መርሃ ግብሪ ምንባር ሓምለዋይ ዓሻራ ኩሉ ሕብረተሰብን ዲፕሎማሰኛታት ማሕበረሰብን ንክሳተፍ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብይ (ዶ/ር) ፃውዒት ኣቕሪቦም ‘ዮም።
እዚ መርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ዓሻራ ብዘይ ዝኾነ ኣፈላላይ ነኹሉ ሂወታዊ ዝርብሕ ተግባር ነዚ ‘ውን ‘ዩ ደቂ ካልኦት ሃገራት ከይተረፉ ነዚ ተግባር እናድነቁን እናነኣዱን ይርከቡ። ንኣብነት ምክትል ፕሬዝዳንት ናይጄሪያ ካሺም ሼቲማ እዚ መርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ዓሻራ ኢትዮጵያ ንለውጢ ከባብያዊ ኣየር ተግባራዊ ምላሽ ብምሃብ ንኩለን ሃገራት መርኣያ ዝኸውን ከምዝኾነ ምግላፆም ተፀብፂቡ ‘ዩ።
በዚ መሰረት ካብ ከተማ ኣዲስ አበባ ጀሚሩ ኣብ ዝተፈላለያ ክልላት መበል ሸውዓይ መርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ዓሻራ “ብምትካል ምንስርራእ” ብዝብል መሪሕ ሓሳብ ምክያድ ከምዝጀመራ ይርኣይ ኣሎ። እዚ ፅቡቅ ነገር ኮይኑ እዚ ደንበር ዘይብሉን ንረብሓ ብዙሓት ዝኾነ ተግባር ብትኽክል ክትግበር ዝግባእ ተግባር ‘ዩ።
በዚ ኣጋጣሚ ዝኾነ እዋን ኣብ ናይ ህዝቢ ኣወቶብስ እናኸድኩ ኣብ ዝነበርኩሉ ምስ ምትካል ፈልሲ ተተሓሒዙ ዝኾነ ቀልዲ ዝመስል ግን ቀልዲ ዘይኮነ ነገር ሰሚዐ። ዝኾነ ወዲ ‘ዩ እንትርኣይ ኣከዳድንኡ ናብ ተኸላ ዘይኮነስ ናብ መርዓ ወይ ናብ ዓብይ ክብረ በዓል ዝኸይድ ‘ዩ ዝመስል። ናብ ወፍሪ ተኸላ ፈልሲ ኣብ ዝኸደሉ እዋን ነቲ ፈልሲ ኣብ ዝተኽለሉ ጭቃ ከይነኽኦ ብዘይምድላይ ነቲ ፈልሲ ተሰኪፉ ብምሓዝ ምስ ላስቲኩ ይተኽሎ።
ነዚ ዝረኣየ ኣብ ቀረብኡ ዝነበረ ካሊእ ወዲ ንምንታይ ከምኡ ትገብር ከምዚ እንተገይርካዮ ‘ኮ ኣይፀድቅን ‘ዩ ይብሎ። እቲ ወዲ ድማ ከም ቀልዲ ኣምሲሉ ፀገም የብሉን ኣብ “ሪፖርት ክፀድቅ ‘ዩ” ኢልዎ፤ክብሉ ሰሚዐ። እዚ ብጣዕሚ መሕዘኒ ‘ዩ።
ሐዚ እዚ ወዲ ከምኡ ብምግባሩ ንመን ጎዲኡ ንምንከ ጠቂሙ? እዚ ትኽክል ኣይኮነን። ምኽንያቱ እዚ ናይ ኩሉ ሰብ ፍጡር ጉዳይን ረብሓን ‘ምበር ናይ ውልቀ ሰብ ወይ ጉጅለ ኣጀንዳን ረብሓን ኣይኮነን። ስለዚ ከምዚ ዝበሉ ተግባራት ዝገብሩ ውልቀ ሰባት ካብ ሕማቅ ተግባሮም ንክእረሙን ንክቁጠቡን ክግበሩ ‘ዩ ዘለዎም።
ስለዚ ኩሉ ኣብ ወፍሪ ተኸላ ዝሳተፍ ሰብ ብግቡእ ቅደም ሰዓብ ተኸቲሉ ነቲ ፈልሲ ክተክል ‘ዩ ዝግባእ። እንተዘይኮይኑ ኣብ ወፍሪ ልምዓት ተሳቲፉ ዘይኮነ ዝብሃልስ ኣብ ክንዲ ልምዓት ኣብ ብርሰት ዝተሳተፈ ስለዝኾነ ከኹነን ‘ዩ።
ካሊእ ፈልሲ ንምትካል እንገብሮ ፃዕሪ ሰናይ ተግባር ኮይኑ ነቶም ዝተተኸሉ ፈልስታት ማይ ካብ ምስታይን ምኹስኳስን ሓሊፉ ክሳብ ኣብ ማእኸል ደኒ ዘለው ኣግራብ ምዕቃብ ዓብይ ትኹረት ካብ ኩሉ ዜጋ ብፍላይ ድማ ኣብዚ ዝተሰማረ ሰብ ሞያ ስርሖም ብግቡእ ክሰርሑ ኣለዎም።
ምሲዚ ተተሓሒዙ ሎሚ ቅነ ኣብ ምብራቅ ትግራይ ካብ ዝርከብ “ደኒ ዴስኣ” ምኽንያቱ ብዘይተነፀረ ወይ ዘይተሓበረ ሓደጋ ባርዕ ሓዊ ኣጋጢሙ ቀሊል ዘይብሃል ደኒ በሪሶም ‘ዮም። ብዝተገበረ ናይ ምክልኻል ስራሕቲ ከምዘሎ ኮይኑ ናይቲ ከባቢ ኣፀጋሚ ኣቀማምጣ፣ሓያል ንፋስን ኩነታት ኣየርን ከቢድ ብምዃኑ ክሳብ ሕዚ ብሳይንሳዊ መንገዲ ዝተዓቀነ ሓደጋ ባርዕ 43 ሄክታር ዝኸውን ልዑል ጉድኣት ከምዝበፅሖ ተሓቢሩ ‘ዩ።
ሕዚ ዘሎ ኩነታት በቲ ዝተገበረ ኩለመደያዊ ርብርብ እቲ ናይ ቃፀሎ ምስፍሕፋሕ ከይዲ ዝቐነሰ ‘ኳ እንተኾነ ብቐፃሊ ሓደጋ ክኸውን ዝኽእል ሰፊሕ ድጉል ሓዊ ዘሎ ብምዃኑን ብቐፃሊ ፍሉይ ትኹረት ዝሓትት ወሳኒ ሓደጋ ከምዝኾነ ተገሊፁ ‘ዩ።
ስለዚ ኣብ ወፍሪ ተኸላ ፈልሲ እንገብሮ ምንቅስቃስ ከምዘሎ ከይኑ ብግቡእ ክትከሉን ምስተተኸሉ ድማ ግቡእ ምንክብሓብ ምግባር ኣገዳሲ ‘ዩ። ሳዕቤን ሓደጋ ብርሰት ንምቅናስ በቢከባቢኡ ነቲ ከባቢ ኣብ ግምት ብምእታው ቐፃሊ ዝተወደበን ዝተሓባበረን ርብርብ ከምዘድሊ ክፍለጥ ይግባእ። ብሓፈሻ ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ዝተመዝገበ ውፂኢታዊ ወፍሪ ሓምለዋይ ዓሻራ ንዝበለፀ ውፅኢት ተጠናኺሩ ክቅፅል ይግባእ።
እዚ ዓምዲ ኣብ ዝተፈላለዩ ፖለቲካዊ፣ ኢኮኖሚያዊን ማሕበራዊን ጉዳያት ዜጋታት ናፃ ሓሳቦም ዝህብሉ እዩ። ኣብዚ ዓምዲ ዝወፅኡ ፅሑፋት ናይ ክፍሊ ምስንዳእ ቅዋም አይኮኑን።
ኣብርሃ ሓጎስ
ወጋሕታ 26 ሰነ 2017 ዓ.ም