ምትካል ፈልሲ-ውሕስነት ምንባር  

ኣብ ዝሓለፉ ሽዱሽተ ክረምታዊ ዓመታት ኢትዮጵያ ብርክት ዝበለ ፈልስታት ተኺላ ‘ያ። መንግስቲ ንሓምለዋይ ልምዓት ብዝሃቦ ትኹረት ኩሉ ሰብ ኣብ ጎኒ መንግስቲ ብምዃን መስተንክራዊ ስራሕ ሰሪሑ ‘ዩ።

ሓምለዋይ ልምዓት ገረብ ካብ ምግራብ ወይ ገፀምድሪ ማራኺ ካብ ምግባር ሓሊፉ ኢኮኖሚ ሃገር ኣብ ምዕባይ ልዑል ተራ ይፃወት። እዚ ብሓባር እናተሰርሖ ብምምፅኡ ድኽነት ኣብ ምቕናስ ናይ በዓሉ ዓብዪ ኣወንታዊ ግደ እናተፃወተ ‘ዩ። ኢትዮጵያውያን ኣብ ፕሮግራም ሓምላዋይ ዓሻራ ብሓባር ብምብጋሶም ንዓለም ዘድንቕ ውፅኢት ኣምፂኦም ‘ዮም። እዚ ዘርእየካ ሓድነት ዘለዎ ስራሕ እንተተሰሪሑ ዘይስራሕ ነገር ከምዘየለ ‘ዩ።

‹‹በመትከል ማንሰራራት›› ብዝብል ሃገራዊ መሪሕ ቓል ዝተጀመረ ናይ ሎሚ ዘበን ፕሮግራም ሓምላዋይ ዓሻራ ከም ኩሉ ግዜ ቓልና ብምኽባር ታሪኽ እንሰርሐሉ ‘ዩ። ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ዝተተኸሉ ፈልስታት ፀዲቖም ንናይ ሕዚን ፅባሕን ወለዶን ተስፋን ብምዃን ‘ዮም። ሕዚ እንተኽሎም ዘለና ተኽልታት ንናይ ፅባሕ ወለዶ ዓብዪ ተስፋ ‘ዮም። ወይ ናይ ህልውና ጉዳይ ‘ዮም ከንብል ንኽእል ኢና። እንትንተክል ሃገር ትለምዕ፣ ትውልዲ ካብ ድኽነት ይድሕን፤ ከምኡ ‘ውን ንዘለዉ ፀገማት መፍትሒ ምሃብ ማለት ‘ዩ።

ምትካል ፈልሲ ምህርትን መፍረያይነትን ንምውሳኽ ዓብዪ ዓቕሚ ዘለዎ ምዃኑ ብምርዳእ ኩሉ ሕብረተሰብ ብትኹረትን ትግሃትን ክሰርሐሉ ይግባእ። ኣብዚ ሕዚ እዋን ፈተና ናይ ዓለም ካብ ዝኾኑ ነገራት ምውሳኽ ሙቐት ብቀዳምነት ዝጥቐስ ጉዳይ ‘ዩ። ምውሳኽ ሙቐት ኣየር ብምዝባዕ ምድሪ ናብ በረኻነት ዝቕይር ‘ዩ። እዚ ድማ ንወዲ ሰብ ሓዊሱ ኣብ ምድሪ ንዝርከቡ ሂወታውያን ኩሎም ናይ ህልውና ሓደጋ እናኾነ ይርከብ። ነዚ ዓብዪ ፈተና ህልውና ዝኾነ ጉዳይ ድማ ከንቓለሶ ወይ ጠጠው ክነብሎ ንኽእል ኣብ ምትካል ፈልሲ ኣበርትዒና ብምስራሕ ‘ዩ።

ተፈጥሮኣዊ ለምለም ከባቢታት ብዘለዎም ክቕፅሉ፤ እናደረቑ ዝነበሩ መፋስሳት ማይን ክምለሱ፤ ምህርትን ኣፍራይነትን ብምዕባይን ቁጠባዊ ረብሓታት ክውስኽ እንተተደልዩ ፈልሲ ምትካል ናይ ግድን ‘ዩ። ኣብዚ ጉዳይ እዚ መንግስቲ ትርጉም ዘለዎ ዓብዪ ስራሕ ‘ዩ እናሰርሐ ዝርከብ። ምትካል ፈልሲ ንኢኮኖሚ ኣብ ምዕባይ ዘለዎ ትርጉም ልዑል ስለዝኾነ ባህልና ከንገብሮ ድማ ኣለና። ፈልሲ ብምትካልና ብርክት ዝበሉ ፀገማት እናወገድና ኢና፤ ኣብ ዝሓለፉ ሽዱሽተ ዓመታት ዝተተኸሉ ፈልስታት እንተርኢና ናይ ገረብ ሽፋን ክውስኽ ኣኽኢሉ ‘ዩ።

ስለዚ ምትካል ፈልሲ ናይ ህላወ ጉዳይ ስለዝኾነ ግድን ‘ዩ። እዚ ብዝተጠኛኸረ መልክዑ ክካየድ ኣለዎ፤ ፕሮግራም ሓምለዋይ ዓሻራ ንናይ ሕዝን ፅባሕን ወለዶ መሰረት ህይወት ስለዝኾነ ኩሉ ዜጋ ብትኹረት ክምልከቶን ክሰርሐሉን ይግባእ። ኩሉ ሰብ ዓሻራኡ ከቐምጥ ኣለዎ። ፈልሲ ምትካል መሰረት ሃፍቲ ሃገርና ስለዝኾነ ኣብ ምትካል ፈልሲ ኩሉ ቖልዓን ዓብይን እንተይበለ ግብኡ ክዋፃእ ናይ ግድን ይኸውን።

ከምእቲ ልዕል ኢለ ዝገለፅከልዎ፤ ረብሓ ምትካል ፈልሲ ብዙሕ ረብሓ ‘ዩ ዘለዎ። ውሕስነት ምግቢ ብዘይ ሓምለዋይ ዓሻራ ምርግጋፅ ከቢድ ‘ዩ። ምትካል ፈልሲ ካብ ህይወትና ፈሊና ከንርኢ ኣይንኽእልን። ወዲ ሰብ ብዘይ ኦክስጅን ክነብር ከምዘይኽእል ይፍለጥ ‘ዩ፤ ተኽሊታት ድማ ፍልፍል ኦክስጅን ‘ዮም። ኣብ ዝሓለፉ ሽዱሽተ ዓመታት ሓምለዋይ ዓሻራ ብምትግባር ዝደረቑ ዓይኒ ማያትን ቀላያትን ናብ ንቡር ክምለሱ ምኽኣሎም ጥራሕ እንተይኮነስ ምድረ በዳ ኮይኖም ዝነበሩ ቦታታት ብሓምላዋይ ክሽፈኑ ክኢሎም ‘ዮም።

መሬት ብውሕጅ ተሸርሺሩ ወይ ተሓፂቡ  ዝኸይድ ነይሩ፤ ሕዚ እዚ ፀገም እዚ ክቕንስ ክኢሉ ‘ዩ። ናይ ተፈጥሮ ሃፍቲ ብዝግባእ ተሓልዩ ናብ ወለዶ ክመሓለፍ እንተኾይኑ ኣብዚ ጉዳይ እዚ ምርብራብ ንፅባሕ ይፅናሕ ዘይበሃል ጉዳይ ‘ዩ። ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ዝተተኸሉ ፈልስታት ብምንፅር ምቑፅፃር ምስፍሕፋሕ በረኻነትን ለውጢ ነባሪ ኣየርን ልዑል ኣበርክቶ ጌሮም ‘ዮም። መንግስትን ህዝቢን ኢትዮጵያ ነዚ ብዝግባእ ተረዲኡ ንምክልኻል ለውጢ ነባሪ ኣየርን ካልኦት ፀገማትን ቐዳምነት ሂቡ እናሰርሐ ይርከብ።

ሓምላዋይ ዓሻራ ኣብ ምክልኻል ብምርብራብ ሓደጋ ለውጢ ኣየር ምክልኻል ጥራሕ ኣይኮነን፤ ዝጠለለ መሬት ክህሉ፤ ዋሕዝቲ ማያት ክውስኹን ልምዑነት ሓመድ ክውስኽን ልዑል ተራ ኣለዎ። ናይ ሎሚዘበን መርሃ ግብር ሓምለዋይ ዓሻራ ‹‹በመትከል ማንሰራራት›› ዝብል መሪሕ ሓሳብ ዝተወሃቦ ኮይኑ፤ ኣብዚ ዓመት 7 ነጥቢ 5 ቢልዮን ፈልሲ ንምትካል መደብ ተታሒዙ እናተሰርሐ ይርከብ። እዚ ዕውት ክኸውን ኩልና ኣበርትዒና ከንሰርሐሉ ይግባእ። ምኽንያት ጉዳይ ህላወ ስለዝኾነ።

ብዝሃ ህይወት ምዕቃብን ምሕብሓብን መሰረት ህላወ ወዲ ሰብን ካልኦት ሂወታውያንን ‘ዩ፤ ህዝቢ ብምኽንያት ለውጢ ነባሪ ኣየር፣ ፕሮግራም ሓምለዋይ ዓሻራ ሓምለዋይ ቁጠባዊ ዕብየት ኩነታት ንምፍጣር ኣዝዩ ወሳኒ ብምዃኑ ናብ ሕቶ ዝቐርብ ጉዳይ ኣይኮነን። ፈልሲ ምትካል ጥዑይ ከባቢ ኣየር ክህል ምግባር ጥራይ ኣይኮነን፤ ኣግራብ ንምግራብ፤ ንቀለብ እንስሳ፣ውሕስነት ምግቢ ንምርግጋፅ ‘ውን ዓብዪ ትርጉም ኣለዎ። ከባቢ ብምልማዕ ጥዑይ ሕብረተሰብ ንምፍጣር ዘለዎ ግደ ልዑል ‘ዩ።

ስለዚ ምትካል ፈልሲ ምስ ምክልኻል ለውጢ ነባሪ ኣየር ጎኒ ንጎኒ ናይ ምንባር ውሕስና ዘረጋግፅ ብምዃኑ ኩሉ ሕብረተሰብ ቐንዲ ዋኒኑ ክገብሮ ይግባእ። ሕዚ ፈልሲ ብምትካል ህልውና እዚ ወለዶን ፅባሕን ንምርግጋፅ ስለዝኾነ ብርብርብ ከንተክል ኣለና። ስለዚ ሎሚዘበን ኣብ ዝግበር ሻውዓይ ፕሮግራም ሓምላዋይ ዓሻራ ዕውት ክኸውን ዓብይን እንሽተይን ኩሉ ከም ትማሊኡ ክረባረብ ኣለዎ።

 እዚ ዓምዲ ኣብ ዝተፈላለዩ ፖለቲካዊ፣ ኢኮኖሚያዊን ማሕበራዊን ጉዳያት ዜጋታት ናፃ ሓሳቦም ዝህብሉ እዩ። ኣብዚ ዓምዲ ዝወፅኡ ፅሑፋት ናይ ክፍሊ ምስንዳእ ቅዋም አይኮኑን።  

መኣርግ ገ/ሄር

ወጋሕታ 3 ሓምለ 2017 ዓ.ም

Recommended For You