በዓላትና ንሰላም ሃገርና

ኢትዮጵያ ብርክት ዝበሉ ባህላዊን ሃይማኖታዊን በዓላት ዝበዓሉላ ሃገር’ያ፡፡ባህላዊ በዓላት ባህላዊ ስርዓቶምን እዋኖምን ሓሊዮም እንትበዓሉ ሓድነት ህዝብታት ኣብ ምጥንኻርን ሰላም አብ ምፅናዕን ዓብይ እጃም ይፃወቱ’ዮም፡፡ሃይማኖታዊ በዓላት’ውን ብተመሳሳሊ ህዝብታት ሃገርና ሓድኖቶም ንምጥንኻርን ሰላም ዘላቒ ንክኸውንን ምትሕልላይን ምክእኣልን ብዘጠናኽር መገዲ ይኽበሩ’ዮም፡፡

ኣብዚ ሐዚ እዋን እንኽብሮ ዘለና መበል 1445 በዓል ዒድ ኣልፈጥር እንትኽበር’ውን መላእ ተኸተልቲ እምነት እስልምና ብምትሕግጋዝን፣ብሓልዮትን ከምኡ’ውን ዘላቒ ሰላም ንክህልው ብምግባርን ሓድነት ህዝብታት’ውን ብዘጠናኽር ክኸውን ይግባእ፡፡

ህዝብታት ኢትዮጵያ ባህሊ ምትሕግጋዝ ዘለዎም ህዝብታት ምዃኖም ይፍለጥ፤እዚ ባህሊ ኣብ እዋን በዓላት ተጠናኺሩ ክቕፅል ይግባእ፡፡ህዝበ እስልምና ሰላም ሃገርን ሕብረት ህዝብን ንክጠናኸር ብግንባር ቐዳምነት ግደኡ ክዋፃእ ኣለዎ፡፡

ሰላም መሰረት እስላምና ‘ዩ፡፡ህዝበ እስልምና እምነትን ኽብርን ኻልኦት እምነታት ብዝሓለወ መገዲ ርክብ ሕድ ሕድ ህዝብታት ልዕሊ ዝኾነ እዋን ብዝበለፀ ከጠናኽር ይግባእ ፡፡ ኢትዮጵያ ናይ ሰዓብቲ ዝተፈላለዩ እምነታት ብምዃና ኹሎም ኢትዮጵያውያን መንፈስ ኣፈላላይ ብምውጋድ ብምትሕግጋዝ፣ ብምፍታውን ብምክእኣልን ክነብሩ የድሊ፡፡

ኣብ ወርሒ ረመዳን ብህዝበ እስልምና ካብቶም ካልኦት ኣዋርሕ ዝፍለየሉ ምኽንያት ሰባት ፅቡቕ ሰብእና ዝረኣየሉ፣ ንወገን ምብፃሕ፣ ሰባዊ ሰብእና ዝዓዘሉን ምስ ፈጣሪ ዘሎ ርክብ ዝጠናኸረሉን ብምዃኑ ‘ዩ፡፡እዚ ተግባር እዚ ኩሉ ግዜ ክኸውን ይግባእ፡፡እዚ ሰናይ ተግባር ንሰላም ሃገርን ንሓድነት ህዝብታትን ኣዚዩ ጠቓሚ ስለዝኾነ ድሕሪ እቲ በዓል’ውን ቐፃላይ ክኸውን ይግባእ፡፡

ኣብዚ ዘለናዮ እዋን ሰላም ሃገር ንምዝራግ ዝተጋገየ መረዳእታ እናፈጠሩ ኣብ መንጎ ህዝብታት ጥርጣረ ንኽዓስል ዝሰርሑ ኣካላት ህዝቢ ሰላም ንኽስእን እናገበሩ ‘ዮም። ናይዚኦም ሽርሒ ንምፍሻል ኹሎም እምነታት ተቐራሪቦም ክሰርሑ ይግባእ፡፡ዝያዳ ድማ ኣብ እዋን በዓላት ዝመሓላለፉ መልእኽቲታት ንዚ ኣብ ግምት ብምእታው ዘላቒ ሰላም ንክህልውን ሓድነት ህዝብታት ንክጠናኸር ዝገበር ክኸውን ኣለዎ፡፡

ሃገራዊ ረብሓታት ምርግጋፅ ንኽከኣል ሓባራዊ መንነታትን ሃገራዊ እሴታትን ንክጠናኸሩ ኣብ ዘኽእሉ ጉዳያት ኹሉ ብምስታፍ ብፅሒቱ ክዋፃእ እንተሎ ስለዝኾነ ህዝበ ሙስሊም ድማ ናይ ባዕሉ እጃም ክዋፃእ ይግብኦ፡፡ኣቦታት ሃይማኖትን ዑላማታትን ኣብ ማሕበረሰብ ተሰማዕነት ዘለዎም ሰባትን ብምትሕብባር ንህዝቢ ብፅቡቕ መገዲ ናይ ምምራሕ ሓላፍነቶም ክዋፅኡ ኣለዎም፡፡

ሰባት ፍልፍሎም ዘይተረጋገፀን ብውልቀሰብ ደረጃ ንዝዝርግሑ መረዳእታታት ኣሚኑ ናይ ምቕባል ልምዱ እናዓበየ መፂኡ ኣሎ፡፡ እዚ ኣካይዳ ንሃገርን ወለዶን ዘይጠቅም ብምዃኑ ዝኾነ ጉዳይ ናይ ምሕታትን ምርግጋፅን ባህሊ ኣብ ምዕባይ ጠመተ ተገይሩ ክስራሕ ግድን ይኸውን፡፡

ናይቲ እምነት ተኸታሊ ዝኾነን ዘይኮነን ኩሉ ዝተለመደ ሰብኣውነት ብምርኣይ እቲ በዓል ብሰላም፣ ብፍቕሪ፣ ብምትሕብባርን ብምክብባርን ክኽበር ኣለዎ፤ ኣብ ሓደ ሓደ ከባቢታት ዝረአ ናይ ሰላም ምዝራግ ዝፍታሕ ብሰላማዊ ዘተ እንትኾን ብምኽንያት ጎንፂ እናሞቱን እናቖሰሉን ከምኡ ‘ውን እናተመዛበሉ ዘለዉ ናይ ሓንቲ ሃገር ዜጋታት ብምዃኖም ኩሉ ወገን ነቲ ጎንፂ ጠጠው ብምባል ናብ ሰላማዊ ዘተ ክኣትዉ ይግባእ፡፡

ኣብቲ በዓል ኣብ ኢትዮጵያ ሰላም ዝፀንዐሉ፣ ዕብየት ዝረጋገፀሉ ንክኸውንን ዝተፀገሙ ‘ውን ናብ መረበቶም ንኽምለሱን ፀሎት ክገብር ይግባእ፡፡ኣስተምህሮ እቲ እምነት ጎረቤቱ እናጠመየ ንዓርሱ ፀጊቡ እንተሓዲሩ ግቡእ ስለዘይኮነ ህዝበ እስልምና ነዚ ብምርዳእ ዓቕሙ ብዝኽእሎ መጠን ንጎረቤቱ ከካፍልን ክሕግዝን ይግባእ፡፡ብሓድነትና ብምትሕልላይ ድማ ሰላም ሃገር ዘላቒ ንክኸውን ምስራሕ የድሊ፡፡

ወጋሕታ 03 ሚያዝያ 2016 ዓ.ም

Recommended For You