ኣንፃር ጉሕለት ዝተጀመረ ስጉምቲ ተጣናኺሩ ይቐፅል

ጉሕለት ማለት ንብረት ህዝቢ ወይ ሃገር ብዘይ ኣግባብ ንናይ ውልቐ ጥቕምኻ ምውዓል ኮይኑ እዚ ድማ ኣብ ሓንቲ ሃገር ወይ ሕብረተሰብ ዘሕድሮ ኣሉታዊ ፅልዋ ቐሊል ኣይኮነን። ብዙሕ ኣሉታዊ ፅልዋታት ኣለዎ፤ ስኣን ገንዘብ ስራሕቲ ልምዓት ጠጠው ክብል ይገብር፤ ስራሕ ስእነት ክስፋሕፋሕ ይገብር፤ ብልሽውና ይስፋሕፋሕ፣ ዘይማዕርነት ይሰፍሕ፣ ህዝባዊ ተሓታትነትን ፖለቲካዊ ምላሽን ይልሕልሕ፣ ካልኦት ፀገማትን እናነገሱ ይኸዱ። ነዚ ንምክልኻል ድማ ሕጊ ምጥባቕ የድሊ።

ኣብዚ ሕዚ እዋን ብፍላይ ኣብ ክልል ትግራይ ከምዚ ዓይነት ፀገም ነጊሱ ኣሎ፤ ግዝያዊ ምምሕዳር እቲ ክልል ነዚ ብኣግባቡ ተረዲኡ ስጉምቲ ምውሳድ ጀሚሩ ኣሎ፤ ብፍላይ ኣብ ጉሕለት ሓፂነ መፂን ተጀሚሩ ዘሎ ሕጊ ናይ ምኽባር ወፍሪ ኣብ ከም ወራር መሬት፣ ዘይሕጋዊ ምስግጋር ደቂ ሰባትን ካልኦት ገበናትን ኣብ ዝነጥፉ ኣካላት ‘ውን ዝተጠናኸረ ስጉምቲ ክወስድ ኣለዎ።

እቶም ዝተጀመሩ ስጉምቲታት ተጣናኺሮም ክቕፅሉ ኣለዎም፤ እዚ ተጀሚሩ ዘሎ ሕጊ ናይ ምኽባር ስጉምቲ ሰላም ትግራይ ንምውሓስ፣ ልዕልነት ሕጊ ንምርግጋፅን ንዳግመ ሕውየትን ዕዙዝ ግደ ኣለዎ፤ እቲ ዝተጀመረ ተግባር ተጠናኺሩ ክቕፅል ድማ ኩሉ ኣብ ጎኒ መንግስቲ ጠጠው ኢሉ ክሕግዝ ይግባእ።

እዚ ሰላም ትግራይ ንምውሓስን ልዕልነት ሕጊ ንምርግጋፅን ዝስራሕ ዘሎ ስራሕ ተጣናኺሩ እንትቕፅል ትግራይ መሊስካ ንምህናፅ ኣብ ዝግበር ርብርብ ዝለዓለ ኣስተዋፅኦ ኣለዎ። ልዕልነት ሕጊ ንምርግጋፅን ኣብ ሓፂነ መፂን ዝተጀመረ ስጉምቲ፣ ኣብ ዘይሕጋዊ ወራር መሬት፣ ዘይሕጋዊ ስግግር ሰባትን ካልኦትን ተጠናኺሩ ክቕፅል እንተዘይክኢሉ እቲ ክልል ናብ ልምዓት ክሰጋገር ኣይኽእልን።

ሌባ ዕቤት ማሕነቖ ህዝቢ ወይ ሃገር ‘ዩ፤ ሌባ ንማንም ኣይጠቕምን፤ እቲ ዝጠቕም ኩሉ ካብ ሊብነት ተቖጢቡ ንምዕባለ ዓዱን ህዝቡን እንትሰርሕ ጥራሕ ‘ዩ፤ ኮይኑ ግና ሓደ ሓደ ኣካላት ብዛዕባ ግዝያዊ ጥቕሞም እምበር ረብሓ ህዝቢን ዕቤት ሃገርን ዘይግድሾም ስለዝኾነ ኣብ ስርቒ ተዋፊሮም ከበድቲ ጉድኣታት እናብፅሑ ይርከቡ። እዚኦም ብሕጊ ክግዝኡ ስለዝግባእ ዝተጠናኸረ ጉምቲ ክውሰዶም ኣለዎ።

ፖለቲካዊ መልክዕ ንምትሓዝ ምፍታን የረአ ‘ዩ፤ እዚ ማለት ገበንካ ሸፊንካ ብስርቒ፣ ህዝቢ እናጎዳእኻ ንምንባርን ካብ ተሓታትነት ንምምላጥን እንተዘይኮይኑ ካሊእ ትርጉም ዘለዎ ኣይኮነን። እቲ ተጀሚሩ ዘሎ ስጉምቲ ምስ ፖለቲካ ዝተሓሓዝ ከምዘይኮነ ብግቡእ ምግንዛብ የድሊ፤ ተጀሚሩ ዘሎ ስጉምቲ ምርግጋፅ ልዕነት ሕግን ምውሓስ ሰላምን ደሕንነትን ህዝቢ ትግራይን ጥራሕ ‘ዩ።

እቲ ዕላማ ሕጊ ብምኽባር ረብሓ ህዝቢ ንምርግጋፅ ‘ዩ፤ ካብዚ ወፃኢ ካሊእ ዕላማ የብሉን። ስለዝኾነ ኣብዚ ዝካየድ ዘሎ ልዕልነት ሕጊ ናይ ምርግጋፅ ስራሕ ሕብረተሰብ ሓጋዚ ክኸውን ይግባእ። ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ኣብ ጉዳይ ሰላምን ፀጥታን ምስ መላእ ህዝቢ ብምትሕብባር ሰፊሕ ርብርብ እናገበረ ይርከብ፤ ህዝቢ ‘ውን ልዑል ሓገዝ ብምግባር ዘተባብዑ ስራሕቲ እናሰርሐ ይርከብ።

እዚ ብዘይ ተሳትፎ ህዝቢ ዕውት ክኸውን ስለዘይኽእል ተሳትፍኡ አሐይሉ ክቕፅለሉ ይግባእ። ልዕልነት ሕጊ ብምርግጋፅ ኩነታት ፀጥታ ትግራይ ናብ ዝሓሸ ለውጢ ንምስግጋር መንግስቲ ፀጥታ ትግራይ ከጣናኽር ኣለዎ፤ ብኸምዚ መንግስቲ ኩሉ ብሕግን ስርዓትን መልክዕ ክሕዝ ናይ ምግባር ሓላፍነቱ ኣጠናኺሩ ክቕፅለሉ ኣለዎ።

ብሓፈሻ ኣብ ጉሕለት ሓፂነ መፂን ተጀሚሩ ዘሎ ሕጊ ናይ ምኽባር ወፍሪ ከም መበገሲ ብምውሳድ ኣብ ካልኦት ዘይሕጋዊ ተግባራት ከም ውራ ወርቂ፣ መኣድንን መሬትን፤ ክትራን፣ ስርቂ፣ ጭውያ፣ ዝውውር ሰባትን ካልኦት ተዛመድቲ ገበናትን ‘ውን ስርዓት ናይ ምትሓዝ ስራሕቲ ተጠናኺሩ ክቕፅል ይግባእ።

ወጋሕታ 18 ሓምለ 2016  ዓ.ም

Recommended For You