ኩሉ ንሰላም ይስራሕ

ከምዝፍለጥ ሃገርና ብሰንኪ ውሽጣዊ ፖለቲካዊ ዘይምርድዳእ ተደጋገሚ ኩናት እናጋጠምዋ ይርከቡ:: ምስ ለውጢ መንግስቲ ተተሓሒዙ ኣብ መንጎ ህወሓትን መንግሰትን ዘጋጠመ ኩናት ንኸባቢ ክልተ ዓመት ፀኒሑ ዝተፈላላዩ ጉድኣታት ኣብፂሑ ‘ዩ:: ኮይኑ ግና መንግስቲ ንሰላም ብዝገበሮ ተደጋጋሚ ፃዕሪ ኣብ ፕሪቶርያ ብዝተገበረ ስምምዕ ሰላም መዕለቢ ረኺቡ ‘ዩ::

እዚ ተረኺቡ ዘሎ ሰላም ክቕፅልን ክዓሙቕን ኩሉ ሓላፍነት ተሰሚዕዎ ክሰርሕ ኣለዎ:: ስምምዕ ሰላም ፕሪቶሪያ ፈፂሙ ንድሕሪት ከይምለስ መንግስቲ ኣበርቲዑ እናሰርሐ ይርከብ፣ ዳግማይ ህልቒት ከይፍጠር ልዑል ትዕግስቲን ጠመተን ሂብካ ምስራሕ የድሊ::

ውዕል ሰላም ፕሪቶርያ ዘምፀኦ ዕድል ሰላም ብዝግባእ ከንጥቐመሉ ኣለና፤ ብምኽንያት ስምምዕ ሰላም ፕሩቶሪያ ቶኽሲ ደው ብምባሉ ዝጠፍእ ሂወት ደው ኢሉ ዩ፤ ዝቆሰሉ ሰባት ሕክምና ክረኽቡ፣ ተፈላልዮም ዝነብሩ ቤተሰባት ክራኸቡ፣ ምንቅስቃስ ተፀጊሞም ዝነበሩ ሰባት ምንቅስቃስ ክጅምሩ፣ ዝተኣሰሩ ክፍትሑ ወዘተ ዝገበረ ዩ:: ስለዚ እዚ ክዕቐብ ዩ ዝግባእ::

ብተወሳኺ መንግስቲ ነቲ ስምምዕ ስዒቡ መብራህቲ፣ ባንኪ፣ መንገዲ ኣየር፣ ቴሌኮሚኒኬሽን ናብ ንቡር ክምለሱ ገይሩ ዩ፤ በጣዕሚ ብዙሓት ኣገልግሎታት ስራሕ ክጅምሩ ገይሩ ዩ:: እዚ ኹሉ ዓብዪ ዓወት ‘ዩ፤ ብምኻኑ ህዝቢ እፎይታ ክረክብ ክኢሉ ዩ::

ከምዝፍለጥ ኣብ ድቡብ ኣፍሪካ ከተማ ፕሪቶሪያ ቐንዲ ካብ ዝነበራረቢ ዛዕባታት ኣገልግሎት ይመለስ፣ ስግግር መንግስቲ ትግራይ ይመስረት ዝብል ‘ዩ ነይሩ፤ እዚ ድማ ሚኢቲ ፐርሰንት ተመሊሱ ‘ዩ:: እዚ ድማ መንግስቲ ንስላም ዘለዎ ድልየት መርአያ ገይረካ ክውሰድ ይክኣል ‘ዩ::

ካሊእ ካብ መረበቶም ዝተመዛበሉ ሰባትን ‘ውን ምምላስ ጀሚሮም ይርከቡ:: መንግስቲ ልክዕ ኣብ ኢኮኖሚ ምንቕቓሕ ዝሰርሖ ኣብ ዝተመዛበሉ ሰባት ‘ውን ብጣዕሚ ፅቡቅ ምንቅስቃስ እናገበረ ይርከብ:: ብፍላይ ካብ ራያን ፀለምትን ዝተመዛበሉ ሰባት ናይ ምምላስ ስራሕ ፅቡቅ ጅማሮታት ኣለው::

እዚ ስራሕ ምምላስ ተመዛበለቲ ድማ ኣብ ትግራይ ጥራሕ ዝሰራሕ ዘሎ ዝኮነስ ኣብ ካልኦት ከባቢታት ሃገረና ንኣብነት ካብ ክልል ኣምሓራ እንተኾነ ‘ውን ናብ ክልል ኦሮምያ ብኣማኢት ኣሸሓት ከምዝተመለሱ ቀዳማይ ሚኒሰትር ኣብይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ብኣባላት ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ንዝቐረበሎም ሕቶታት መብርሂን ምላሽን እንትህቡ ገሊፆም እዮም::

ስግግር መንግስቲ ክልል ትግራይን ዋና ዋና ሓለፍቲ ህውሓትን ጉዳዩ ብሰላማዊ መንገዲ ንክፍታሕ ልዑል ድልየት ብምህላዎም ፅቡቕ ስራሕቲ እናሰርሑ ዮም ዝርከቡ:: እዚ ተጣናኺሩ ክቕፅል ኣለዎ:: ኮይኑ ግና ካብቲ መንግስትን ሓላፍቲ ህወሓትን ወፃኢ ነገር ክባለሸይ ዝደልዩ ሰባት የለዉን ማለት ኣይኮኑን:: ነዚኦም ከንቓለሶም ኣለና:: ፈፂሙ እቲ ዝተረኽበ ሰላም ንድሕሪት ክምለስ ምፍቓድ ኣየድልን::

ሰላም ተዘይሃልዩ ንኹሉ እዩ ዝጎድእ፤ ናይ ትማሊ ጥፍኣት ብዝደግም መንገዲ ምኻድ ኣየድልን፤ ፀገም እንተሃልዩ ድማ ኣርሒቕካ ብምሕሳብ ተዛቲኻ ክፍታሕ ኣለዎ:: በዚ ኣግባብ ብምኻድ እቲ ዝበፅሐ ጉድእት ንምሕያው ተሓባቢርካ ምስራሕ የድሊ:: እቲ ዝተፈጥረ ቁስሊ ብሓደ ግዘ ክሓዊ እኳ እንተዘይከኣለ ክሳብ ሕዚ ዘሎ ክያዶ ልዑል ስጉምቲ ‘ዩ::

ብዙሕ ጊዜ ፀገማት እንትፍጠሩ ብቅልጡፍ ናብ ጎንፂ ምእታው ኣየድልን:: ጊዜን ጉልበትን ኣኪብካ ኣብ ልምዓትን ሰላምን ምውዓል ‘ዩ ዘድሊ:: ብሓፈሻ ሰላም ብነፃ ስለዘይርከብ ብዙሕ ምስራሕ የድሊ፤ ሰላም ብብዙሕ ትዕግስቲን፣ ብብዙሕ ድኻምን እዩ ዝርከብ:: ስለዝኾነ ንሰላም ክኽፈል ዝግባእ ዋጋ ብምኽፋል ሰላም ምፅናዕ የድሊ::

ወጋሕታ 4 ሓምለ 2016 ዓ.ም

Recommended For You