ንዳግመ ሕውየት ክልል ትግራይ ዝግበር ዘሎ ሓገዝ ንዝተሓሰበ ዕላማ ክውዕል ይግባእ

ከምዝፍለጥ ክልል ትግራይ ኣብ መንጎ ህወሓትን መንግስቲ ፌዴራልን ብዘጋጠመ ፖለቲካዊ ዘይምስምዕማዕ ስዒቡ ኩናት ብምውልዑ ዝተፈላላዩ ጉድኣት በፂሕዋ ‘ዩ፡፡

ኣብ ሂወትን ኣካልን ሰብ ዝበፅሐ ጉድኣት ከምዘለዎ ኮይኑ ኣብ ካልኦት ከም ማሕበራዊን ኢኮኖሚያውን ትካላት ‘ውን ቐሊል ዘይበሃል ጉድኣት በፂሑ ‘ዩ፡፡ ኮይኑ ግና እቲ ኩናት ብስምምዕ ሰላም ፕሪቶርያ መዕለቢ ምስረኸበ መንግስቲ ካብዚ እዋን ጀሚሩ ነቲ ኣብ ትካላት ዝበፅሐ ጉድኣት ኣብ ምሕያውን ኢሉ ‘ውን ሓደሽቲ መሰረተ ል ምዓት ኣብ ምሕናፅን እናነጠፈ ይርከብ፡፡

መንግስቲ ፌዴራል ምስ ግዝያዊ ምምሕዳር እቲ ክልል ብምትሕግጋዝ ዓንዮም ዝነበሩ ከም መዕርፎ ነፈርቲ፣ ኣብያተ ትምህርቲ፣ ጥዕና፣ ቱሪዝም፣ ሕርሻ ከምኡ ‘ውን ካልኦት ዘፈራት ናብ ዝነበርዎ ንምምላስ ስምምዕነት ካብ ዝተኸተመሉ ጀሚሩ ዝተፈላለዩ ስራሕቲ እናሰርሐ መፂኡ ‘ዩ፡፡

ሕዚ ‘ውን እናሰርሐ ይርከብ፡፡ ብተወሳኺ ኣብ ወርሒ ሰነ ኢንስቲትዩት ስግግር ሕርሻ ኢትዮጵያ ጨንፈር ትግራይ ኣብ ክልል ትግራይ ብክላስተር ንዝተወደቡ ሓረስቶት ዝውዕላ 22 ዘመናዊ ትራክተራት ብሓገዝ ኣረኪቡ ‘ዩ። እተን ትራክተራት፣ ኣብ ሸዱሽተ ወረዳታት ክልል ትግራይ ብክላስተር ንዝተወደቡ ሓረስቶት ክውዕላ ተገይሩ ‘ዩ፡፡

ብኻሊእ ወገን መንግስቲ ኣብዚ ቐረባ ሰሙን ጥራሕ ዝገበሮ ሓገዝ እንተሪእና ንግልጋሎት ፕሮግራም ልምዓታዊ ሴፍትኔትን ውሕስና ምግብን ዝውዕላ ብሓገዝ ዝለኣኸን 32 ተሽከርከርቲ ን32 ወረዳታት ሓጊዙ ‘ዩ። እቲ ዝተገብረ ሓገዝ ዝስትውዐሉ ሕፅረት እታዎታት ሕርሻ ሙሉእ ብሙሉእ ክፈትሕ እኳ ተዘይከኣለ ብዙሓት ፀገማት ንምፍታሕ ግና ዝሕግዝ ‘ዩ፡፡ ኣብ ምዕዋት ፕሮግራም ልምዓታዊ ሰፍትኔትን ምግቢ ውሕስናን ልዑል ግደ ኣለዎ፡፡

ሕዚ እቲ ሓገዝ ካብ 56 ተጠቀምቲ ፕሮግራም ልምዓታዊ ሶፍትኔትን ምግቢ ውሕስናን ተረባሕቲ ወረዳታት ነተን 32 ወረዳታት ክበፅ ክኢሉ ኣሎ፡፡ ከቢድ ፀገም ንዘለወን ወረዳታት ቀዳምነት ክረኽባ ተገይሩ ኣሎ፡፡ እተን ዝተረፋ ወረዳታት ‘ውን ኣብ ቀረባ እዋን ሓገዝ ተሽከርከርቲ ክረኽባ ‘የን፡፡ ብተወሳኺ 255 ኤሌክትሮኒክስ ን51 ወረዳታት ትግራይ ክረኽባ ክኢለን ኣለዋ፡፡ ከምኡ ‘ውን 45 ሞተር ሳይክል ካብ ትካል ፖሮግራም ስግግር ሕርሻን ነባሪ ኣየርን (CALM) እቲ ፕሮጀክት ኣብ ዝፍፀመለን ወረዳታት ተዓዲለን ‘የን፡፡

ኣብቲ ስነ ስርዓት ርኽክብ ተሽከርከርቲ፣ ግዚያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ኣይተ ጌታቸው ረዳ ዝተረኸቡ እንትኾኑ፣ ብፍላይ ዝተወደበን ህርኩትን ሓረስታይ ትግራይ ዘለውዎ ፀገማት ንምፍታሕ ዝሕግዛ ብምዃነን ብትኹረት ክስራሕ ኣለዎ ኢሎም ‘ዮም፡፡ ክኸውን ዝግበኦን ‘ውን ‘ዚ ‘ዩ፡፡ እተን ተዋሂበን ዘለዋ ተሽከርከርቲ ነቲ ዝተሓሰበሉ ዕላማ ጥራሕ ክውዕላ ኣለዎን፡፡

እቲ ሓገዝ ፀገም እቶም ሓረስቶት ንምቕላል ብዓብይኡ ዝሕግዝ ስለ ዝኾነ ነቲ ሓገዝ ብዝግባእ ኣብ መዓልኡ ክውዕል ምግባር ይግባእ፡፡ እዚ ተጎዲኡ ንዝፀንሐ ሕርሻ እቲ ክልል ብዓብይኡ ዝሕግዝ ስለዝኾነ ብፍላይ ብሰንኪ ሕፅረት እታዎታት ቐኒሱ ዝፀንሐ ፍርያት ሓረስታይ ንምድንፋዕ ሓጋዚ ስለዝኾነ እቲ ሓረስታይ ንበዓሉ ተረቢሑ ንማሕበረሰብ ‘ውን ክጠቕም ዝገብር ‘ዩ፡፡

መንግስቲ ካልኦት እታዎታት ሕርሻ ከም ትራክተራት ዝበሉ እታዎታት ‘ውን እናሓገዘ ‘ዩ ዝርከብ፡፡ ብትራክተር ምሕራስ ተጀሚሩ ኣሎ፤ እዚ ተጎዲኡ ዝነበረ ሕርሻ ትግራይ ንምንቅቃሕ ኣዝዩ ዝሕግዝ እንትኾን እዚ ድማ ኣብቲ ክልል ዝህልዎ ኣወንታዊ ግደ ዓብዪ ምዃኑ ብምርዳእ ዝመልከቶም ኣካላት በዝግባእ ኣብ ረብሓ ብምውዓል ኢኮኖሚ እቲ ክልል ዝያዳ ዝተነቃቐሐ ንክኸውን ግዴታዊ ሓላፍነቶም ክዋፅኡ ኣለዎም፡፡

ብሓፈሻ ተስፋ ትግራይ ንምግሃድ ግደ ሓረስታይ ልዑል ከምዝኾነ ብምርዳእ ቐፃላይ ዳግመ ሕውየት ትግራይ ንምርግጋፅ ንሓረስታይ ትኹረት ብምሃብ ክስርሑ ዝግበኦም ስራሕትታት እናተሰርሑ ‘ዮም፡፡ ብምዃኑ እቶም ሓረስቶትን ካልኦት ዝምልከቶም ኣካላትን ነዚ ሓገዝ ብግቡእ ብምጥቓም እቶት ሕርሻ ዝድንፈዐሉ ስራሕ ክሰርሑ ይግባእ፡፡

እቲ ሓረስታይ ካብ ተፀባይነት ምግቢ ወፂኡ ዓርሱ ዝኽእለሉ ኩነታት ንምፍጣር በርቲዕኻ ምስራሕ ግዴታ ‘ዩ፡፡ ከምዚ እንተኾይኑ ኢኮኖሚያዊ ለውጢ ክመፅእ ይኽእል ‘ዩ፡፡ ዝተገብረ ሓገዝ፣ ኣብቲ ክልል ኣብ ውሽጢ ሴፍቲኔት ፕሮግራም ንዝሳለጡ ስራሕቲ ዝሕግዝ ኮይኑ መንግስቲ ኣብዚ ዓመት ኣብቲ ክልል ፕሮግራም ሴፍቲኔት ንምቕፃል መደባት ሒዙ እናተንቐሳቀሰ ምዃኑ ዘማላኽት ‘ዩ፡፡

ስለዚ ንዳግመ ሕውየት ትግራይ ዝግበሩ ዘለዉ ሓገዛት ፕሮግራም ሴፍቲኔትን ካኦትን ልምዓትን ንዳግመ ሕውየት ዝሕግዝ ስለዝኾነ እቶም ሓገዛት ብዝግባእ ኣብ መዓለኦም ብምውዓል ብውሕሉል መንገዲ ነቲ ዝተሓሰበ ዕላማ ምጥቃም ይግባእ፡፡ ከምዚ ክኸውን ድማ ብፍላይ ነዚ ጉዳይ ዝምልከቶ ኣካል ኩሉ እጃሙ ክዋፃእ ግድን ይኸውን፡፡

ወጋሕታ 11 ሓምለ 2016 ዓ.ም

Recommended For You