ንዕውትነት ወፍሪ ኣገልግሎት ወለንታዊ ኩሉ ይሳተፍ

ወለንታዊ ኣገልግሎት ማለት ዜጋታት ብዘይ ዝኾነ ዓይነት ግዴታ ገንዘቦም፣ ጉልበቶም፣ ፍልጠቶምን ሰናይ ኣተሓሳስባኦምን ንልምዓት ሕብረተሰብን ድሕንነት ኣከባብን ኣስተዋፀኦ ዝገብሩ ‘ዮም። እቲ ተግባር ድማ ኣብ ሰብኣዊ ኣረኣእያ ዝተመስረተ ሰናይ ተግባር ‘ዩ።

ከምኡ ‘ውን ወለንታዊ ኣበርክቶ ነፍሲ ወከፍ ሰብ ኣብ ዝተፈላለየ ዓውድታት መኽሰብ ከይደለየ ማለት ብዘይ ክፍሊት ንዝፈልጦ ይኹን ንዘይፈልጦ ሰብ፣ ሰብኣዊነት ጥራሕ መሰረት ብምግባር ዝገብሮ ሰናይ ኣበርክቶ ማለት ‘ዩ። ከምኡ ‘ውን ወለንታዊ ኣገልግሎት ዕድመ፣ ፆታ፣ ብሄር ከይፈለየ ኣብ መትከል ሰብኣውነት ተመርኲሱ ዝወሃብ ወይ ዝፍፀም ንጥፈት ‘ዩ።

ብሃይማኖት፣ ዓሌት፣ ፖለቲካ፣ ፆታ፣ ዕድመ ወዘተ መሰረት ዝገበረ እንተኾይኑ ምስ ረብሓ ዝተኣሳሰረ ስለዝኸውን ካብ ፅንሰ ሓሳብ ተግባር ወለንታዊ ኣገልግሎት ወፃኢ ‘ዩ ዝኸውን። ሰብኣውነት መሰረት ጥራሕ ገይሩ ዝወሃብ ኣገልግሎት እምበር ምስ ጥቕምን ኣድልዎን ዝተሓሓዝ ጉዳይ ኣይኮነን።

መንግስቲ ኣብ ናይ ሎሚ ክረምቲ ኣብ ምልጋስ ደም፣ ጥዕና ብፍላይ ተመሓላለፍቲ ኣብ ዝኾኑ ሕማመማት ከም ኤች ኣይ ቪ ኤድስ፣ ምጥንኻር ትምህርቲ፣ ኣብ ልምዓት ሕርሻ፣ ምትካል ፈልሲ፣ ሰላምን ፀጥታን፣ ዓቕሚ ንዘይብሎም ምሕጋዝ፣ ማለት ከም ሓብሓቢ ዘይብሎም ብዕድመ ዝደፍኡ ወገናት፣ ወለዲ ንዘይብሎም ህፃናትን ካልኦትን ነገራት ንምሕጋዝ ትልሚ ኣውፂኡ ናብ ስራሕ ኣትዩ ኣሎ። ብዙሓት ኣካላት ድማ እናተሳተፉ ይርከቡ።

ናይ ሎሚ ዘበን ወፍሪ ክረምታዊ ኣገልግሎት ወለንታዊ ስራሕ ኣብ ትግራይን ሲዳማን ተጀሚሩ ኣሎ። እቲ ብቅድሚ ትማሊ ኣብ ትግራይ ተጀሚሩ ዘሎ ኣገልግሎት ወለንታዊ ከንርኢ እንተለና ላዕለዎት ሓለፍቲ መንግስቲ ፌዴራልን እቲ ክልልን ተረኺቦም ኣጀሚሮሞ ‘ዮም።

ኣብዚ ጉዳይ እዚ መንግስቲ ፌደራል 23 ሚልዮን ብር ብምስላዕ ኣብ ትግራይ ኣብ ትሑት መነባብሮ ንዝርከቡ 20 ወገናት መንበሪ ገዛ ንምሕዳስ ወፍሪ ጀሚሩ ኣሎ። እዚ ኣብ ከተማታት መቐለን ውቕሮን ንዝነብሩ ማለት ኣብ ትሑት ብርኪ መነባብሮ ንዝርከቡ ወገናት ተጠቀምቲ ዝገብር ‘ዩ።

እዚ ዓቕሚ ንዘይብሎም ወገናት ንምሕጋዝ ዝተሰልዐ ገንዘብ ኣብ መዓልኡ ክውዕልን ካልኦት ስራሕቲ ተጣናኺሮም ክቕፅሉን ኩልና ሓላፍነትና ከንዋፃእ ይግባእ። እዚ ተጀሚሩ ዘሎ ወፍሪ ኣገልግሎት ወለንታዊ ዕውት ክኸውን ኩሉ ተሳትፍኡ ከሐይል ይግባእ።

እዚ ዓቕሚ ንዘይብሎም ወገናት ገዝኦም ንምሕዳስ ተባሂሉ ተመዲቡ ዘሎ ገንዘብ እኹል ‘ዩ ኢልካ ዝውሰድ እኳ ተዘይኮነ ኮይኑ ግና ካልኦትና ብዝኸኣከልና ኩሉ ተሓጊዝና ፅቡቕ ስራሕ ክስርሕ ይኽእል ‘ዩ። እቲ ቀንዲ ነገር ነዚ መር ሃ ግብሪ እዚ ንምዕዋት ኩሉ ክረባረብ ኣለዎ።

ተጀሚሩ ዘሎ ሃገራዊ ወፍሪ ወለንታዊ ስራሕ ተጣናኺሩ ክቕፅል እንተኾይኑ ብዙሕ ተሳታፊ ክህልው እንተሎ ‘ዩ። ብምትሕግጋዝ ኩሉ ዕዉት ክኸውን ይኽእል ‘ዩ። እቲ ዓብዪ ቁምነገር ምትሕግጋዝን ምድግጋፍን ‘ዩ። ኣብ ከምዚ ዝበለ ሰናይ ተግባር ኩሉ ብምስታፍ ዜግነታዊ ሓላፍነቱ ክዋፃእ ኣለዎ።

ኣብቲ ክልል ብዙሓት ዓቕሚ ዘይብሎም ወገናት ገዝኦም ፈሪስዎምን ብዙሓት ኣብ ፀገም ዝርከቡ ኣለዉ። እዚኣቶም ዝሓሸ ህይወት ክህልዎም ብዝኸኣልናዮ ከንሕግዞም ኣለና። ኣብዚ ሰናይ ተግባር እዚ ብምስታፍ ናይ ሕሊና ዕግበት ከንረክብ ንኽእል ኢና።

ወፍሪ ኣግልግሎት ወለንታዊ ስራሕ ከም ባህሊ ብምውሳድ ከንተሓጋገዝ ኣለና፤ እዚ ተግባር እዚ ወገናት ብምሕጋዝ ኣዝዩ እናዳበረ እንተኸይዱ ሃገር ንምህናፅ ዘለዎ ኣስተዋፀኦ ‘ውን ቐሊል ዝበሃል ኣይኮነን። ስለ ዝኾ ‘ውን ‘ዩ መንግስቲ ብዕቱብ እናሰርሐሉ ዝርከብ።

ብሓፂሩ ኣገልግሎት ወለንታዊ ኣቕሊልካ ዝረአ ኣይኮነን፤ ወፍሪ ኣገልግሎት ወለንታዊ ስራሕ ብዙሕ ማሕበራዊን ኢኮኖሚያዊን ፀገማት ሕብረተሰብ ዝፈትሕ ‘ዩ፤ ብፍላይ እዚ ስራሕ እዚ ግዜ ንዘይህቡ ፀገማት ንምፍታሕ ኣዝዩ ጠቓሚ ‘ዩ። ጥንኩር ማሕበረሰብ ንምህናፅ ዘለዎ ኣስተዋፀኦ ቐሊል ኣይኮነን። ስለዚ ነዚ ብዝግባእ ብምርዳእ ኩሉ በቢዝኸኣሎ ብምስታፍ ኣብዚ ፕሮግራም እዚ ልዑል ኣበርክቶ ክገብር ይግባእ።

ወጋሕታ 27 ሰነ 2016 ዓ.ም

Recommended For You