ሰብ ሃፍቲ ኣዲስ ኣበባ ንሰራዊት ምክልኻል ሓገዝ ኣረኪቦም

ኣዲስ ኣበባ (ኤፍ ቢ ሲ):- ሰብ ሃፍቲ ኣዲስ ኣበባ ንሰራዊት ምክልኻል ሃገር ዘተኣኻኸብዎ ደገፍ ንምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣረኪቦም ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ መስዋእቲ ብምኽፋል ንህልውና ሃገር ነዝዋደቕ ዘሎ ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ደገፍ ዝኸውን 2 ቢሊየን ብር ንምትኽካብ ቃል ምእታዉ ይዝከር።ብመሰረት እዚ እቶም ሰብ ሃፍቲ ዘተኣኻኸብዎ ደገፍ ንምክትል ከንቲባ እታ ከተማ ወይዘሮ ኣዳነች ኣቤቤ ኣረኪቦም።

ወይዘሮ ኣዳነች፥ ህዝብን ሰብ ሃፍቲን ንሰራዊት ምክልኻል ሃገር ዘለዎ ደጀንነት ብዝግባእ ምርግጋፅ ትፅቢት ከምዝግበረሉ ብምግላፅ ንዝተገበረ ደገፍ አመስጊነን።

 ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣብ እዋናዊ ኩነታት ኢትዮጵያ ኣድሂቡ ምስ ሰብ ሃፍቲ መድረኽ እንተኣካይድ፣ እቶም ሰብ ሃፍቲን ማሕበረሰብ ንግዲን ንሰራዊት ምክልኻል ፌዴሪኢ ዝኸውን ልዕሊ 1 ቢሊየን ብር ሓገዝ ንምትእኽኻብ ቃል ኣቲዮም ነይሮም።

ኣብቲ መድረኽ ዘተ፣ ኣብ ሰራዊት ምክልኻል ፌዴሪኢ ዋና መተሓባበሪ ስራሕቲ ህንፀት ሰራዊት ሌተና ጄነራል ባጫ ደበሌን ምክትል ከንቲባ ወይዘሮ ኣዳነች ኣቤቤ ተረኺቦም።

ምክትል ከንቲባ ወይዘሮ ኣዳነች ኣቤቤ፣ ሰብ ሃፍቲን ኣባላት ማሕበረሰብ ንግዲን ኣዲስ ኣበባ ብልዑል ሃገራዊ ስምዒት ንጅግና ሰራዊት ምክልኻልን ግድብ ህዳሰን ዝኸውን ሓገዝ ንምግባር ቃል ከምዝኣተዉ ኣብ ትዊተር ገፀን ፅሒፈን።

ኣብ ትግራይ ዝተበላሸወ መሰረተ ልምዓት ንኽፅገን ህዝቢ እውን ናብ ልምዓቱ ንኽምለስ ብምሕሳብ ከምዝኾነ ኣገንዚበን።

እቲ መድረኽ ዘተ ልዑል ስምዒት ፍቕሪ ሃገር ዝተርኣየሉ ከምዝነበረ ዝገለፃ እተን ምክትል ከንቲባ፣ ንሰራዊት ምክልኻል ዝኸውን ልዕሊ 1 ቢሊየን ብር ሓገዝ ንምትእኽኻብ ኣብ ስምምዕነት ከምዝተበፅሐ ኣብሪሀን።

እቲ ዝተኣተወ ቃል ኣብ ሓፂር እዋን ኣተኣኻኺቦም ኣታዊ ንምግባር ኮሚቴ ከምዝተጣየሸ እውን ገሊፀን።

ወጋሕታ 8 ሓምለ 2013 .

Recommended For You