ጋንታ ኩዕሶ እግሪ ስሑል ሸረ ልዕሊ 1 ነጥቢ 4 ሚልዮን ዋግኦም ዕጥቂ ስፖርት ሓገዝ ተገይርሉ

ኣዲስ ኣበባ፡ጋንታ ኩዕሶ እግሪ ስሑል ሸረ ልዕሊ 1 ነጥቢ 4 ሚልዮን ዋግኦም ዕጥቂ ስፖርት ሓገዝ ተገይርሉ፡፡እዚ ዝተገለፀ ጋንታ ኩዕሶ እግሪ ሱሑል ሸረ ምስ ሳርያን ጋርመንት ን5 ዓመት ውዕሊ ኣብ ዝተፈራሪሙሉ ‘ዩ ።

ኣብቲ ሰነድ ስምምዕነት ዝተረኸቡ ኣካቢ ቦርድ ጋንታ ኩዕሶ እግሪ ስሑል ሽረ ኣይተ ተኽላይ ገብረመድህን ከም ዝበልዎ፣ እዚ ክለብ ቅድሚ ኹናት ትግራይ ጠንካራ ተወዳዳሪ ከምዝነበረ ብምዝኽኻር፣ ኮይኑ ግና በቲ ዝነበረ ኹናት ብርክት ዝበሉ ተፃወቲ ጉድኣት በፂሕዎም ‘ዩ፡፡

ኣብታ ክለብ ‘ውን ብርክት ዝበለ ንብረት ከም ዝተጉሓለን ወሲኾም ብምግላፅ፣ እንተኾነ ሕዚ በቲ ተረኺቡ ዘሎ ሃዋህው ሰላም እዚ ክለብ ክጥንክርን ተወዳዳሪ ክኾንን ሓገዝ ኩሉ ነባራይ ከምዘድልዮ ገሊፆም። እቲ ሕዚ ዝተገበረሉ ሓገዝ ከም መተባብዒ ‘ኳ ዝጠቅሞ እንተኾነ ምስ ዘጋጠሞ ጉድኣት እንትነፃፀር እኹል ስለዘይኮነ፣ ዝያዳ ተወዳዳራይ ንክኸውን ትፅቢት ዝግበረሉ ክለብ ብምዃኑ በርቲዑ ክሰርሕን ካልኦት ‘ውን ነቲ ክለብ ክሕገዙ ፀዊዖም።

ፕረዝደንት ጋንታ ኩዕሶ ሰሑል ሸረ ኣይተ ፍረዝጊ ገብረኺዳን ብወገኖም፣ ንሕና ነዚ ክለብ ኣብ ዝላዓለ ብርኪ ንኽበፅሕ ኩሉ ዝካኣለና ክንገብር ኢና። ነባሪ ከተማናን ከባቢናን ኣብ ጎንና ኮይኑ ክሕግዘና ንፅውዕ ድሕሪ ምባል ምምሕዳር እታ ከተማ ንዝገብሮ ዘሎ ደገፋት ምስግነኦም ኣቕሪቦም።

መኣርግ ገ/ሄር

ወጋሕታ 26 መጋቢት 2016 ዓ.ም

Recommended For You