
መበል 13 ሻምፒዮናው ኣትሌቲክስ ትሕቲ 20 ዓመትን መበል 4ይ ሻምፒዮናው ኣትሌቲክስ ትሕቲ 18 ዓመትን ኣብ ስታድየም ድሬዳዋ ተጀሚሩ ኣሎ። ብንጉሆኡ ዝተጀመረ እቲ ሻምፒዮና ብዝተፈላለዩ ርሕቐታት ብዝተኻየዱ ውድድራት መፃረይን ፍፃመን ዝደመቐ ‘ውን ‘ዩ ነይሩ።
እቲ ተመሳጣይ ዝነበረን ብርቱዕ ንሕንሕ ዘስተኣናገደን ውድድር ፍፃመ መሰናኽል 3 ሽሕ ሜትር ትሕቲ 20 ዓመት ደቂ ተባዕትዮ ንተመልከትቲ ሓፍ ከፍ ዘበለ ‘ዩ ነይሩ። ብርክት ዝበሉ ኣትሌታት ተመጣጣኒ ንሕንሕ ኣብ ዝገበርሉ ውድድር ኽልተ ኣትሌታት ወርቂ ሜዳልያ ንምስዓር ኣብቲ ናይ መወዳእታ ሚኢቲ ሜትር ዘደንቕ ቓልሲ ገይሮም።
ኣብ 2024 ኣብ ፔሩ ሊማ ኣብ ዝተኻየደ ሻምፒዮና ኣትሌቲክስ ዓለም ትሕቲ 20 ዓመት በቲ ርሕቐት ብሪ ሜዳልያ ክዕወት ዝኸኣለ ኣትሌት ኣካዳሚ ስፖርት ኢትዮጵያ ሃይሉ ኣያሌው ኣብቲ ናይ ትማሊ ፍፃመ ክስዕር ‘ዩ ዝብል ግምት ተዋሂብዎ ነይሩ።
እቲ መንእሰይ ኣትሌት ከምቲ ትፅቢት ዝተገበሮ ኣብቲ ውድድር ብዙሓት ዙራት እናመርሐ ዘደንቕ ብቕዓት እንተርኣየ ‘ውን ኣብ መወዳእታ ብሽርፍራፍ ሰከንድታት ተቐዲሙ ከይሰዓረ ተሪፉ ‘ዩ። ብ8:51.82 ብምእታው ኻልኣይ ኾይኑ ዝዛዘመሉ ሰዓት ኾይኑ ተመዝጊቡ። ኣወዳድእኡ ዘፀበቐ ኣትሌት ኤሌክትሪክ ኢትዮጵያ ዲንቃ ፍቃዱ ነቲ ህልኽ ዘወድእ ውድድር ብ8:51.76 ሰዓት ቐዳማይ ኾይኑ ወዲኡ። ጀማል ጁሃር ካብ ኮንስትራክሽን ኦሮሚያ 8:53.23 ብምእታው ሳልሳይ ደረጃ ሒዙ።
ዝሕል ዝበለ ንሕንሕ ዝተረኣየሉ ፍፃመ መሰናኽል 3 ሽሕ ሜትር ትሕቲ 20 ዓመት ደቂ ኣንስትዮ ብሰዓራይነት ኣትሌት ፖሊስ ኣምሓራ ኣለምናት ዋለ ተዛዚሙ። ኣለምናት ነቲ ንሕንሕ ብዓወት እንትዛዝም ዘመዝገበቶ ሰዓት ‘ውን 9:49.06 ‘ዩ። ብሸሞንተ ማይክሮሰከንድ ዘንጊዓ 9:47.13 ዝዛዘመት ኣትሌት ኤሌክትሪክ ኢትዮጵያ ኬና ቱፋ ኻልኣይ ደረጃ እንትሕዝ፤ ዘሪቱ ዳባ ካብ ከተማ ሸገር 9:51.61 ብምዝዛም ሳልሰይቲ ኾይና።
ናይ መጀመርታ ንጥፈታት ሜዳ እቲ ሻምፒዮና ውድድር ፍፃመ ብትሕቲ 20 ዓመት ደቂ ተባዕትዮ ዝላ ብራኸ ውድድር ተጀሚሩ ኣሎ። ኣብቲ ፅቡቕ ንሕንሕ ዝተረኣየሉ ኣብዚ ውድድር ኣትሌት ባንኪ ንግዲ ኢትዮጵያ ዝኾነ ዳል ማች 2.06 ሜትር ብራኸ ብምዝላል ሰዓራይ ኾይኑ። 2.03 ሜትር ዝዘለለ ናይ መቻሉ ኣትሌት ኦስሎ ኡጁሉ ኻልኣይ ኾይኑ ዝዛዘመ እንትኸውን፤ ፓሊፓ እክማን ካብ ሲዳማ ቡና 2.00 ሜትር ብምዝላል ናይ ነሓስ ሜዳልያ ደረጃ ሒዙ።
ካብ ስታድየም ድሬዳዋ ወፃኢ ኣብ ዝተኻየደ ፍፃመ ምድርባይ ጦር ትሕቲ 20 ዓመት ደቂ ኣንስትዮ ሩት ኣሬር ካብ ከተማ ኣዳማ 45.65 ሜትር ብምድርባይ ሰዓሪት ኾይና። እታ ናይ ከተማ ሸገር ዱኩ ኔንቆ ፍማ 44.92 ሜትር ብምድርባይ ኻልአይቲ ኾይና እንትዛዝም፤ ናይ ባንኪ ንግዲ ኢትዮጵያ ኣትሌት የሺወርቅ ኣንማው 44.116 ሜትር ብምድርባይ ዝቕልፅ ደረጃ ሒዛ።
ኣብቶም ናይ ሰኑይ መርሃግብርታት ድሕሪ ሰዓት ኽልተ ውድድራት ናይ ሜዳ ተግባራት ፍፃመ ረኺቦም። እቲ ቐዳማይ ምድርባይ ዲስከስ ትሕቲ 18 ዓመት ደቂ ኣንስትዮ እንትኸውን፤ ብሰዓራይነት እታ 30.63 ሜትር ክትድርቢ ዝኸኣለት ኣትሌት ኣካዳሚ ስፖርት ኢትዮጵያ ራሄል ቶሎሳ ተዛዚሙ። 28.50 ሜትር ዝደርበየት ኣትሌት ክልል ኦሮሚያ ድጋፌ ሹሌ ሹር ኻልአይቲ ኾይና እንትዛዝም፣ ኣትሌት ኣብርሀት ሃይሉ 21.88 ብምድርባይ ካብ ክልል ትግራይ ሳልሰይቲ ኾይና ፈፂማ።
ኻልእ ዝላ ብራኸ ትሕቲ 18 ዓመት ደቂ ተባዕትዮ ፍፃመ እንትረክብ ናይ መሰልጠኒ ኣትሌቲክስ ጥሩነሽ ዲባባ ኣትሌት ዲየን የን 1.92 ሜትር ብምዝላል ሰዓራይ ኾይኑ። 1.89 ሜትር ዝዘለለ ተወዳዳራይ ክልል ኦሮሚያ ኣትሌት ብሩኽ እያሱ ኻልኣይ እንትኸውን፤ ኦግል ኡጁሉ ካብ ኢትዮ ኤሌክትሪክ 1.70 ሜትር ብምዝላል ናይ ነሓስ ደረጃ ሒዙ።
ኣብ ድሬዳዋ ምስቲ ዘሎ ሙቖት ተተሓሒዙ ብርክት ዝበሉ ውድድራት ካብ ንጉሆ ብተወሳኺ ብምሸት ምክያዶም እቲ ልስሉስ ኣየር ነቲ ሻምፒዮና ፍሉይ ድባብ ኣላቢስዎ።
በሪሁ ኣረጋ
ወጋሕታ 21 ጉንበት 2017 ዓ.ም