በዓል ብዙሕ ኣመልን ቐታልን

 ትርሓስ ፍቃዱ

ልዕሊ ሓደ ዓመት ዘቑፀረ ለበዳ ቫይረስ ኮሮና ሐዚ’ውን ኣብ ዓለምና ዓብዪ ስግኣት እዩ። መበገሲኡ ኣብ ሃገረ ቻይና ግዝኣት ውሃን ዝገበረ እቲ ለበዳ መላእ ዓለም ኣባፂሑ ኣብዚ ሐዚ እዋን ብዝተፈላለዩ ሓደሽቲ ዓይነታት እናተኸሰተ ከምዝኾነ መፅናዕትታት የመላኽቱ። ጆን ሆፕኪንስ ኣብ ዘውፀኦ መረዳእታ ከምዘመላኽቶ ኣብ ስፔን ዝተረኸበ ሓዱሽ ቫይረስ ኮሮና ኣብ ብርክት ዝበሉ ሃገራት ኣውሮፓ ብቕልጡፍ እናተዛመተ ይርከብ።

ኣብ እንግሊዝ ብሰፊሕ ዝርኣይን B.1.1.7 ዝብል ስያመ ዝተውሃቦ ሓዱሽ ቫይረስ ዝተትሓዙ ሰባት ብሓፈሻ ልዕሊ 80 ሚኢታዊ እዮም። ኣብ እንግሊዝን ስፔይንን 80 ሚኢታዊ፣ ኣብ ኣየርላንድ 60 ሚኢታዊ ዝኾኑ በቲ ሓዱሽ ቫይረስ ከምዝተትሓዙ መፅናዕትታት ይሕብሩ። ከምኡ ውን ኣብ ስዊዘርላንድን ፈረንሳይን 40 ሚኢታዊ ዝኾኑ በቲ ሓዱሽ ቫይረስ ኮሮና ከምዝተትሓዙ ኣፍቲ ዘፈር ዝተገበረ ምርምር የመላኽት።

ኣብ ደቡብ ኣፍሪካ ኣብ ወርሒ ታሕሳስ ዝተረኸበን ሐዚ ኣብ ብራዚል፣ኣብ ኣሜሪካ ከተማ ካሊፎርኒያ ከምኡ’ውን ኣብ ካልኦት ከባብታት እናተስፋሕፈሐ ዘሎ እቲ ሓዱሽ ቫይረስ B.1.351 ዝብል ስያመ ዝተውሃቦ እንትኸውን እቲ ቫይረስ ካብ ኻልኦት ፍልይ ዘብሎ ቕድም ክብል ብኻልኦት ዓይነታት ቫይረስ ተታሒዞም ዝሓወዩ ሰባት ደጊሞም ንኽትሓዙ ናይ ምግባር ተኽእሎ ዘለዎ ካብ ምዃኑ ንላዕሊ ኽታበት ብቐሊሉ ዝላመድን፤ ነቶም ሕሙማት ንተወሳኺ ሕማም ዝዳርግ ኾይኑ ከምዝተረኸበን ተመራመርቲ ገሊፆም።

እቶም ሓደሽቲ ዓይነታት ቫይረስ ኮሮና ካብ መንጎ ዘለዎም ኣፀጋሚ ባህሪያት ንሕክምና ኽትትልን ንምክልኻልን ዝወሃቡ መድሓኒታት ብምልማድ ዘጥቅዕ ኾይኑ ከምዝተረኸበ ይገልፅ። ንኣብነት B.1.351 በዚ ዓይነት ቫይረስ ዝተትሓዙ ሰባት ብኣስትራንዚካል ኽታበት እንትወሃቦም ንተወሳኺ ሕማም ዝተዳረጉ እቲ ቫይረስ ነቲ ኽታበት ስለዝተላመዶን ናብ ብርኪ ምጥቃዕ ብምስግጋሩን ከምዝኾነ ተመራመርቲ ኔዘርላንድን ስፔይንን ገሊፆም።

 ተመራመርቲ B.1.1.7 ኢሎም ዝሰየምዎ ሓዱሽ ዓይነት ቫይረስ ኮሮና ብባህሪኡ ፕሮቲን ኣብ ውሽጡ ዘለዉዎ እንትኸውን በቲ ላዕለዋይ ክፋል ቫይረስ ንኽልጠፍ ይገብር፤ድሕሪኡ ብምኽንያት እቲ ፕሮቲን እቲ ቫይረስ ብኣፍንጫን ብጎሮሮን ከምኡ’ውን ብኻልኦት ኣካላት ሰውነት ተለጢፉ ንኽፀንሕ ዕድል ንኽረክብ ከምዝገብሮ ተዛሪቡ። በዚ ምኽንያት ድማ እቲ ቫይረስ ንምክልኻል ክበሃል ኣፍን ኣፍንጫን ብዘይተሓፀበ ኢድ ካብ ምሕሳይ ክንቑጠብ ከምዘለና፤መሸፈኒ ኣፍን ኣፍንጫን ማስክ ክንጥቀም ከምዘለና፤ኢድና በብግዚኡ ብሳሙና ክንሕፀብ ወይ ድማ ሳኒታይዘር ምጥቃም ኣድላዪ ከምዝኾነ ይምከር።

በቲ ዝፀንሐ ይኹን በቲ ሓዱሽ ቫይረስ ኮሮና ዝተትሓዙ ሰባት ትኩሳት፣ደረቕ ሰዓል፣ኣብ ከባቢ ኣፍልቢ ሕማቕ ስምዒት ምፍጣር ፀገም ምትንፋስን፤ ሕፅረት ምስሓብ ኦክስጅን ከም ምልክታት ከምዝርኣዩ ተመራመርቲ እቲ ዘፈር ይሕብሩ።

ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ንምኽንያት ወሰኽ ምስርጫው ሓዱሽ ዓይነት ቫይረስ ኮሮና፤ ምጥሓስ ኣብ ገዛ ንኽፀንሑ ዝወፀ መምርሒ ፣ናይ ኣፍን ኣፍንጫን መሸፈኒ ማስክ ዘይምጥቃም፣ ርሕቐት ዘይምሕላው፣ካብ ዓቐን ዝሓለፈ ሸለልተኝነት፣በዓላት ንምኽባር ምትእኽኻብ ዝመሳሰሉን ከምዝኾኑ ብስፍሓት ይዝረብ። ሓደሽቲ ዓይነታት ቫይረስ ኮሮና ብባህሪኦም ልክዕ ኣብ እንግሊዝ ከምዝተርኣየ ዓይነት ኸቢድ ሕማም ዘስዕቡ ዝተፈላለዩ ሕማማት ብምጥማር እቲ ቫይረስ ብቐሊሉን ብቕልጣፈ ካብ ሰብ ናብ ሰብ ብመልክዕ ለበዳ ክመሓላለፍ ብምግባር ንፅኑዕ ሕማም ልዕል ክብል ድማ ንሞት ዝዳርግ እዩ።

ተለዋዋጢ ባህሪ እቲ ቫይረስ በብእዋኑ ዝርከቡ ዓይነታት ቫይረስ ኽታበት ንምርካብ ዝግበር ፃዕሪ ዝተሓላለኸ ከም ዝገበሮ እቶም ተመራመርቲ ኣጠንቂቖም። እስካብ ሐዚ ብዘሎ መረዳእታ ትሽዓተ ሓደሽቲ ቫይረሳት ከምዝተረኸቡ ዝተገለፀ እንትኸውን እዚ ድማ ሃገራት ተረጋጊዐን ሓደ ውፁእ ዝኾነ ሜላ መከላኸሊ ወይ ድማ ኽታበት ተግባራዊ ንምግባር ዝርገሐ እቲ ቫይረስ ንምዕጋት ኣፀጋሚ ከም ዝገበሮ ምሁራት ሕክምና ይዛረቡ። ናይቲ ቫይረስ ሓደገኛነት ብቐሊሉ ንምግንዛብ ኣዝዩ ጥንኩርን ወነንቲ ዘበናዊ መሰረታዊ ጥዕና ዝኾና ኣሜሪካን ኣብ ኻልኦት ዓበይቲ ሃገራት ዝበፅሐ ጉድኣት ምርኣይ እኹል እዩ።

ማእኸል ሕማም ምክልኻልን ምቁፅፃርን ኣፍሪካ (ሲዲሲ ኣፍሪካ)ከምዘመላኽቶ ኣብ ኣፍሪካ ብቫይረስ ኮሮና ዝተትሓዙ ይኹን ህይወቶም እናሰኣኑ ዘለዉ ሰባት ዕድመኦም ካብ 30 እስካብ 39 ዓመት ዝርከቡ እዮም። እዚ ድማ እታ ኣህጉር ክንደየናይ ኣምራቲ ሃፍቲ ሰብ በዚ ለበዳ እናሰኣነት ከም ዝኾነት ዘመላኽት እዩ።

መረዳእታ ሚኒስቴር ጥዕና ፌዴሪኢ ከምዘመላኽቶ ለበዳ ቫይረስ ኮሮና ናብ ሃገርና ካብ ዝኣትው ጀሚሩ እስካብ ዝስፋሕፋሐሉ እዋን ልዕሊ 2.46 ሚሊየን ንዝኾኑ ሰባት ምርመራ ላብራቶሪ እቲ ቫይረስ ዝተገበረሎም እንትኸውን ልዕሊ 232 ሽሕ ዝኾኑ እቲ ቫይረስ ተረኺብዎም እዩ። ዓበይቲ ሰብ ውዕለታ ሃገርን ምሁራትን ሓዊሱ ልዕሊ 3 ሽሕ 200 ሰባት ህይወቶም ስኢኖም እዮም። ስርጭት እቲ ቫይረስ ሐዚ’ውን እናወሰኸ ‘ምበር እናነከየ ኣይኮነን። ብፍላይ ቑፅሪ ኣብ ፅኑዕ ሕማም ዝርከቡ ካብ ኻሊእ እዋን ንላዕሊ እናወሰኸ ይርከብ።

ካብ ሚኒስቴር ጥዕና ዝወፁ መረዳእታታት ከምዝሕብርዎ በብእዋኑ ብቫይረስ ኮሮና ተታሒዞም ናብ ሕክምና ዝኣትዉ ሕሙማት ካብ መንጎኦም ልዕሊ 900 ዝኾኑ ኣብ ውሽጢ ፅኑዕ ሕሙማት ሕክምና ዝርከቡ እንትኸውን፤ካብዚኣቶም ድማ ካብ 40 እስካብ 45 ዝኾኑ ኣርተፊሻል መሳርሒ መተንፈሲ ዝጥቀሙ እዮም። ካብ መንጎ ኣብ ፅኑዕ ክፍሊ ሕክምና ዝርከቡ ድማ 59 ሚኢታዊ ዝኾኑ ህይወቶም ከምዝሓለፈ እቲ መረዳእታ ይሕብር።

ኣብዚ ሐዚ እዋን ንዝርኣይ ፀገም ከም ዋና ምኽንያት እቲ ፀገም ካብ መንጎ ዝጥቀሱ ኣብ ውሽጢ እቲ ሕብረተሰብ እናተስተውዓለ ዘሎ ፀገም ዓብዪ ምዝንጋዕን እቲ ሕማም ጠፊኡ እዩ፤ወይ ድማ እቲ ሕማም ኣባይን ኣብ ስድራይን ከምኡ ‘ውን ኣብ ማሕበረሰብ ልዑል ጉድኣት ከብፅሕ ይኽእል ኢልካ ካብዘይምርዳእን ሕድሕድ ኣካል ትፅቢት ዝግበረሉ ግደ ብዘይምውፅኡ ከምዝኾነ ጥርጥር የብሉን።

ሐዚ እናተርኣየ ዘሎ ሸለልተኝነት ብፍላይ ርሕቐት ዘይምሕላውን ኣገደድቲ ናይ ምክልኻል ስጉምትታት ዘይምትግባር ኣብ ትካላት ሃይማኖት፣ትራንስፖርት፣ግልጋሎት ወሃብቲ ተሸከርከርትን ኣብ መዘናግዒ ቦታታት ብስፍሓት ዝርኣይ እዩ። ፈፀምቲ ኣካላት መንግስቲ፣ግልጋሎት ወሃብቲ ትካላት፣ስርዓት መከላኸሊ ሸለል እናበሉ ከም ዝርከቡ እናስተስተውዓለ ይርከብ። ትካላት ሚድያ ‘ውን ብዝግባእ ግንዛበ ኣብ ምፍጣርን ምንቕቓሕን ስርሖም ዘንጊዖም እዮም ምባል ይከኣል።

ሚኒስትር ጥዕና ዶክተር ሊያ ታደሰ ኣብ ቐረባ እዋን ንግልጋሎት ዜና ኢትዮጵያ ኣብ ዝሃብኦ መብራህርሂ ‹‹ላዕለዎት ሰበስልጣን መንግስቲ ቫይረስ ኮሮና ንምክልኻል ዘርኣይዎ ሸለልተኝነት ዘተሓሳስብ እዩ›› ክብላ ገሊፀን። እተን ሚኒስትር ከምዝገለፀኦ ስርጭት እቲ ቫይረስ ንምክልኻል ኣርኣያ ምዃን ዝግበኦም ሓደ ሓደ ሰበ ስልጣን መንግስቲ ከምዘይጥንቀቑ ኣብ ዝተፈላለዩ መድረኻት ተራእዩ እዩ። እዞም ነቲ ሕብረተሰብ ኣርኣያ ክኾኑ እዮም ዝተብሃሉ ዓበይቲ ሰበ ስልጣናት ሓዊሱ ኻልኦት ኣመራርሓታት መሸፈኒ ኣፍን ኣፍንጫን ማስክ ከይገበሩ ምንቅስቓስን ሕግታት እንትጠሓሱ ጠጠው ኢልካ ናይ ዘይምስትውዓልን ሸለል ናይ ምባል ከምዝርኣይ እተን ሚኒስትር ገሊፀን።

 ኣብ ቐረባ እዋን ኣብ ላዕለወት ትካላት ትምህርቲ ኣብ ፕሮግራም ምረቓ ተምሃሮ ዝነበረ ምዝንጋዕ ከስዕቦ ዝኽእል ፅልዋ ምግማት ኣየፀግምን። ኣካላት መንግስቲ ይኹኑ ፓርትታት ፖለቲካ ዓበይቲ መድረኻት ብምድላው ብርክት ዝበለ ቑፅሪ ዘለዎም ተሳተፍቲ ብዘይ ሓንቲ ጥንቃቐ ምትእኽኻብ እናተለመደ መፂኡ እዩ። ቐፂሉ ድማ ሃገር ለኸ መረፃ ከምዝኾነ ኣኼባታት ብበዝሒ ከምዝካየዱ ግልፂ እዩ። እዚ ኹነታት በዚ እንተቐፂሉ ከም ሃገር ብኢኮኖሚ፣ብፖለቲካ፣ብማሕበራውን ስነልቦናውን ጉዳያት ዋጋ ዘኽፍለና ክኸውን እዩ ኢለን።

ለበዳ ቫይረስ ኮሮና ብባህሪኡ ዝተወሰኑ ኣካላት ብዝገበርዎ ጥንቃቐ ጥራሕ ምክልኻል ዘይከኣል ብምዃኑ ናይ ኹሎም መዳርግቲ ኣካላትን ንህዝቢ ንቕሓተ ህሊና ምዕባይን ንቑሕ ተሳትፎ የድሊ። እቲ ናይ መንግስቲ ኣካል ኣዳልዩን ኣፅዲቑን ናብ ኻሊእ ብዘምሓላለፎ ሕጊ ጥራሕ እቲ ለበዳ ምክልኻል ኣይከኣልን። ምፍፃምን ንክፍፀም ምግባርን ግድን እዩ።

ናይቲ ዘፈር ምሁራት እቲ ዝነበረ ይኹን እቲ ሓዱሽ ቫይረስ ኮሮና ዓርስኻ ንምሕላው ቕድም ክብል እናተተግበረ ዝነበረ ሜላ መከላኸሊ ብኣግባቡን ብዝተጠናኸረ መገዲ ተግባራዊ ምግባር ዘዋፅእ እዩ። ብርክት ዝበሉ በቲ ቫይረስ ተታሒዞም ማለት ንብርክት ዝበሉ ዓይነታት ቫይረስ ዕድል ምሃብ ስለዝኸውን ስርጭት ቫይረስ ኮሮና ንምዕጋት መከላኸሊ ሜላታት ከይተሰላቸዉ ተግባራዊ ምግባር ጥራሕ እኹል ከም ዝኾነ ይመኽሩ። ስለዝኾነ ድማ በብእዋኑ ባህሪኡ እናቐያየረ ዝርከብ እቲ ቫይረስ ከም ሃገር እናብፀሖ ዝርከብን ከስዕቦ ዝኽእልን ኣሉታዊ ፅዕንቶ ናይ ምክልኻል ስራሕ ንፃት’ውን ግዘ ዘይወሃቦ ብምዃኑ ካብ ውልቀ ሰብ ጀሚሩ ኣብ ዝተፈላለዩ ብርክታት ዝምልከቶ ኹሉ ብሓላፍነት መንፈስ፤ ጥንቃቐ ክገብር ይግባእ ዝብል መልእኽትና እዩ። (ፍልፍል፣ ግዜኢ)

ወጋሕታ 7 ሚያዚያ 2013

Recommended For You