‹‹መናእሰይ ብስምዒት ተደፋፊኦም ብኤች ኣይ ቪ/ኤድስ ከይተሓዙ ወለዲ ደቖም ብግቡእ ክከታተሉን ክመኽሩን ይግባእ›› -ኣይተ ሃብታሙ ካሳ

ኣብ ናይ ሎሚ ጋዜጣ ወጋሕታ ሕታምና፣ ጋሻና ዝኾኑ ኣይተ ሃብታሙ ካሳ ይበሃሉ፤ ኣይተ ሃብታሙ ኣብ ሚኒስቴር ጥዕና ፌዴሪኢ መራሒ ፈፃሚ ስራሕ ምክልኻልን ምቁፅፃርን ኤች ኣይ ቪ/ኤድስ መተሓባበሪ ዴስክ ሓላፊ ‘ዮም።

ከም ሃገር ብፍላይ ብደረጃ ክልል ትግራይ ምስቲ ኣጋጢሙ ዝነበረ ኩናት ተተሓሒዙ ዝርገሐ ህሉው ኩነታት ኤችኣይቪ/ኤድስ እንታይ ከምዝመስል? እናነከየ ድዩ ወይስ እናወሰኸ? ኢሉ ‘ውን ኣብ ምክልኻል እቲ ቫይረስ እንታይ እናተሰርሐ ከምዝኾነን ካልኦት ተዛመድቲ ሕቶታትን ኣድሂብና ከምዝስዕብ ፃኒሒት ገይርና ኣለና። ሰናይ ንባብ።

ወጋሕታ፡- ኣብዚ ሕዚ እዋን ሕማም ተማሓላላፊ ኤችኣይቪ/ኤድስ ብሃገር ደረጃ እናወሰኸ ድዩስ ወይስ እናቀነሰ ዝርከብ? ብሓፈሻ ኣብ ምንታይ ኩነታት ይርከብ?

ኣይተ ሃብታሙ፡– ከምሃገር ኩነታት ኤችኣይቪ/ ኤድስ ኣብ ምንታይ ኩነታት ይርከብ ንዝብል ሕቶ፣ ከም ሃገር ሕዚ ዝተፀንዐ ነገር የለን፤ ቕድሚ ሕዚ ዝተፀንዐ ከምዘማላኽቶ ግና እናቐነሰ ከምዝኾነ ‘ዩ ዘማላኽት፤ ኮይኑ ግና እዚ ንናይ ነባራዊ ኩነታት ዝገልፅ ኣይኮነን፤ ምስፍሕፋሕ ናይ ኤች ኣይ ቪ ብሓፈሻ ኣብ ማሕበረሰብ መጠን ዝርገሐ ንዝሓለፉ ከባቢ 20 ዓመታት ካብ ግዜ ናብ ግዜ እናቐነሰ ‘ዩ መፂኡ፣ ነገር ግን ሓፈሻዊ መጠን ምስፍሕፋሕ ናብ ዜሮ ወሪዱ ማለት ኣይኮነን።

ምስፍሕፋሕ ኤች ኣይቪ ትሕቲ ሓደ ሚኢታዊ እንትኸውን ለበዳ ካብ ንብሎ ንተሓቲ ‘ዩ ከም ሓፈሻዊ ክግለፅ እንተሎ፤ እዚ ማለት ግና ኣብ ሓደ ሓደ ክልላት ዘሎ ካብዚ ንለዓሊ ‘ዩ። ልዕሊ 3 ሚኢታዊ ዝኾኑ ክልላት ኣለዉ፤ ንኣብነት ከም ኣዲስ ኣበባ፣ ጋምቤላ ምጥቃስ ይከኣል ‘ዩ።

ካልኦት ልዕሊ 1ሚኢታዊ ዝኾኑ ማለት ቐላል ዘይበሃሉ ‘ውን ኣለዉ ‘ዮም። ንኣብነት ከም ክልል ኣምሓራ፣ ትግራይ፣ ከምኡ ‘ውን ከም ድሬዳዋን ሃረርን ምጥቃስ ይከኣል ‘ዩ። ብሓፂሩ ምስፍሕፍሑ ካብ ክልል ናብ ክልል ይፋላለ ‘ዩ፤ ኣብ ሓደ ሓደ ክልል ትሕቲ1፣ ኣብ ገሊኡ ልዕሊ1፣ ኣብ ገሊኡ ትሕቲ 2፣ ኣብ ገሊኡ ልዕሊ 2 ሚኢታዊ እንትኸውን ኣብ ገሊኡ ድማ ልዕሊ 3ሚኢታዊ ‘ዩ፤ ስለዚ ካብ ክልል ናብ ክልል ናይ ምስፍሕፋሕ መጠኑ ዝተፈላላየ ‘ዩ ምባል ይከኣል።

ኣብ ገጠርን ከተማን እንተተመልኪትና፣ ኣብ ከተማ ከንርኢ እንተለና 3ሚኢታዊ እንትኸውን፣ ኣብ ገጠር ድማ ናብ 0ነጥቢ4 ‘ዩ፤ ስለዚ እዚ ዘርኢዮ ምስፍሕፋሕ እቲ ኤች ኣይ ቪ/ ኤድስ ኣብ ከተማን ገፀርን ከምዝፋላለ ‘ዩ፤ ከምኡ ‘ውን ኣብ ሓደ ሓደ ማሕበረሰብ ትሑት እንትኸውን ኣብ ሓደ ሓደ ማሕበረሰብ ግና ምስፍሕፍሑ ልኡል ‘ዩ። ብፍላይ ኣብ ከም ነብሰን ሸይጠን ዝሓድራ ከባቢ፤ ቤት ህንፀት፣ ንልዕሊ 24 ሰዓት ካብ ገዝኦም ወፂኦም ዘሽከርክሩ ሽፌራት ምጥቓስ ይከኣል ‘ዩ።

ኣብዚ ሕዚ እዋን ኣብዚ ሰሙን ዝወፀ ሓዱሽ መፅናዕቲ ድማ ኣሎ፤ እቲ መፅናዕቲ ኣብ መናእሰይ ደቒ ኣንስትዮን ደቒ ተባዕትዮን መጠን ምስፍሕፋሕ እቲ ቫይረስ እናወሰኸ እናኸደ ከምዝኾነ ዝገልፅ ‘ዩ፤ ንሱ ‘ውን 1 ነጥቢ 7 ሚኢታዊ ከምዝኾነ ‘ዩ ዝገልፅ፤ ኣብ ኣብያተ ትምህርትን ካብ ኣብያተ ትምህርቲን ወፃኢ ዘለዉ ማለት ዕድሚኦም 24ን ካብኡ ንታሕቲን ዓመት ዝኾኑ ከም ሓዱሽ እናተተሓዙ ከምዝኾኑ፤ ናይ ምስፍሕፋሕ ኤች ኣይቪ ኤድስ እናወሰኸ ይኸይድ ከምዘሎ እቲ መፅናዕቲ ይገልፅ፤ ስለዚ እዚ ዘርእየና ኣብ ከምዚኦም ዝበሉ ማሕበረሰብ ምስፍሕፋሕ እቲ ቫይረስ እናወሰኸ ይኸይድ ምህላዉ፤ ከምቲ ቕድም ኢለ ዝበልክዎ ኣብዚ ኩሉ ዝተሓዝ ዘሎ መንእሰይ ‘ዩ እኳ እንተዘይበልና እቶም ዝበዝሑ ግና መናእሰይ ደቂ ኣንስትዮን ደቒ ተብዕትዮን ‘ዮም።

ካብ ቦታ ናብ ቦታ ምስፍሕፋሕ እቲ ቫይረስ ዝተፈላላየን ዝለዓለን ምዃኑ ዘርእዩ መረዳእታታት ኣለዉ፤ እቲ መፅናዕቲ ግና ኣዝዩ ዝፀንሐ ‘ዩ፤ ንናይ ሕዚ ነባራዊ ኩነታት ዘንፀባርቕ ኣይኮነን፤ ሕዚ ግና ሓዱሽ መፅናዕቲ እናተኻየደ ‘ዩ፤ ስለዚ በዚ መፅናዕቲ ኣብ ሓፈሻዊ ማሕበረሰብ ዘሎ ምስፍሕፋሕ እንታይ ይመስል ዝብል እናተፀንአ ስለ ዝርከብ ናይ ሕዚ ነባራዊ ኩነታት በዚ ዝምለስ ‘ዩ ዝኸውን፤ ናይ ቕድሚ ሕዚ ኣዝዩ ዝፀንሐ መፅናዕቲ ስለ ዝኾነ ነቲ ናይሕዚ ዘሎ ኩነታት ክገልፆ ኣይኽእልን፤ ምኽንያቱ ተቓያያሪ ‘ዩ።

ንኣብነት ኣብዛ ሃገር እዚኣ ብዙሓት ውግኣት ተኻይዶም ስለ ዝኾኑ እሞ ድማ እቲ ኩናት ኤች ኣይቪ /ኤድስ ንምስፍሕፋሕ ናይ በዓሉ ግደ ስለዘለዎ፤ ዝተፈለየ ኩነታት ክህሉ ከምዝኽእል ምግማት ይከኣል ‘ዩ። በቶም ኵናትን ካልኦት ምኽንያታትን ስዒቡ ዝተፈጠረ እንታይ ‘ዩ ንዝብል፤ ብሓፈሻ እቲ ዝርገሐ ይውስኽ ድዩ ዘሎስ ይቕንስ ንዝብል ሕቶ ከምቲ ቐድም ዝበልክዎ እቲ መፅናዕቲ ዝምልሶ ‘ዩ ዝኸውን። ተዘይኮይኑ ካብ መፅናዕቲ ወፃኢ እናወሰኸ ወይ እናነከየ ይኸድ ኣሎ ከትብል ኣይትኽእልን ኢኻ። ብፍላይ ኣብቐፃሊ ዓመት መፅናዕቲ መሰረት ገይሩ ዝወፅእ ሓበሬታ ዝምልሶ ‘ዩ ዝኸውን።

ወጋሕታ፡- ኣብዙርያ ምክልኻል እዚ ቫይረስ ዝስራሕ ዘሎ ስራሕ ከ እንታይ ይመስል?

ኣይተ ሃብታሙ፡- ኤች ኣይቪ ኤድስ ኣብ ደሞም ካብዝርከቦም ወገናት ውሽጢ 90 ካብ ሚኢቲ መርሚርና በፂሕናዮ ኣለና፤ ናይ ቫይረስ ኦፕሬሽን እንብሎ ኣሳራርሓ ኣሎ፤ ንሱ ‘ውን ብቫይረስ ዝተተሓዙ መርሚርካ ብምፍላጥ ክሕከሙ ምግባር ማለት ኣብ ደሞም ዘሎ ናይቲ ቫይረስ መጠን ክቕንስ ምግባር ‘ዩ፤ እዚ ናይ ቫይረስ ኦፕሬሽን ይበሃል።

ኣብዚ ጉዳይ እዚ 90 ሚኢታዊ ሰሪሕና ኢና፤ ኣብ ደሞም ቫይረስ ምህላዉ ምስተፈለጠ መድሓኒት ክወስዱ ይግበር፤ ናብ ካልኦት ንከየማሓላልፉ ዝሕግዝ ስራሕ ‘ውን ተሰሪሑ ‘ዩ። ንኣብነት ካብ ጥንስቲ ኣዶ ናብ ዕሸል ከይመሓላለፍ። ካብ ኣዶ ናብ ህፃን ቫይረስ ኤችኣይቪ ኤይድስ ከይመሓላለፍ ኣገልግሎት ብምጥንኻር ኣድማዒ ስራሕ ተሰሪሑ ‘ዩ።

ዝርገሐ ኤችኣይቪ/ኤይድስ ንምግታእ ዝግበር ፃዕሪ ክሕይል ብምግባር ዝተሰርሐ ስራሕ ከምዘለዎ ኮይኑ፤ ኣብ ተቓላዕቲ ክፋላት ሕብረተሰብ ፍሉይ ትኹረት ብምግባር እናተሰርሐ ይርከብ። ብሓፈሻ ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ምስፍሕፋሕ ኤችኣይቪ ኤድስ ብምክልኻልን ምቁፅፃርን ንምንካይ ኣብ ዝተሰርሑ ስራሕቲ ጭቡጥ ውፅኢት ተረኺቡ ‘ዩ።

ወጋሕታ፡- ንኤች ኣይ ቪ/ ኤድስ ተቓላዕቲ ዝኾኑ ክፋል ማሕበረሰብ እንመን ‘ዮም? ኣብዚኦምስ እንታይ ዓይነት ስራሕ እናተሰርሐ ‘ዩ?

ኣይተ ሃብታሙ፡- ብጥቕልሉ ከንርኢ እንተለና፣ ኣብ ከተማታት ኣዲስ ኣበባን ድሬዳዋን፣ ክልላት ሃረርን ጋምቤላን ዘሎ መጠን ስርጭት ልዕሊ ክልተ ሚኢታዊ ‘ዩ። ከምኡ ‘ውን ከም ኣብ ነብሰን ሸይጠን ዝሓድራ፣ ናይ ነዊሕ ርሕቀት መራሕቲ መካይን፣ ናይ መዓልቲ ሰራሕተኛታትን ናይ ሕጊ ተኣረምቲን ንኤችኣይቪ ተቓላዕቲ ‘ዮም።

እቲ ዝርገሐ ብዘድሊ መጠን ንምንካይ ድማ ኣብ ዝለዓለ ደረጃ ዝርገሐ ዘለዎ ከባቢታትን ተቓላዕቲ ክፋላት ሕብረተሰብን ትኹረት ብምግባር እናተሰርሐ ‘ዩ። ብዝለዓለ ነዚ ሕማም እዚ ተቓላዕቲ ዝኾኑ ክፋል ማሕበረሰብ ብምፍላይ ቖላሕታ ዘድልዮም ስለዝኾነ ትኹረት ብምሃብ እናሰራሕና ኢና ንርከብ፤ ኣብዚ ብፍላይ መራሕቲ ሃይማኖት መናእሰይ ብግዝያዊ ስምዒት ተዓሽዮም በቲ ሕማም ከይተሓዙ ሓላፍነቶም ክዋፅኡ ኣለዎም።

ወጋሕታ፡- ኣብ ክልል ትግራይ ምስቲ ዝነረ ኩናት ተተሓሒዙ ኤች ኣይቪ/ኤድስ እናተስፋሕፈሐ ከምዝኾነ ሓደ ሓደ ኣካላት ይዛረቡ ‘ዮም። እናወሰኸ እንተኾይኑ ንምግታእ ዝስራሕ ዘሎ ስራሕ እንታይ ይመስል?

ኣይተ ሃብታሙ፡– ከምዝፍለጥ ኩናት ኣብ ትግራይ ጥራሕ እንተይኮነስ ኣብ ካልኦት ከባቢታት ‘ውን ነይሩ ‘ዩ፤ ዋላ ሕዚ ‘ውን ንኣብነት ብኽፋል ኣብ ክልል ኣምሓራን ኦሮሚያን ኣሎ፤ ኢሉ ‘ውን ኣብ ዓፋር ነይሩ ‘ዩ።

ብሰንኪ ኩናት ዓመፅ ኣብ ደቒ ኣንስትዮ ስለ ዘጋጥም በዚ ኣቢሉ ወሲኹ ክኸውን ይኽእል ‘ዩ፤ ኣብዚ ክልል እዚ በዚ መጠን እዚ ወሲኹ ዝብል መፅናዕቲ የለን፤ ኣይተፀንዐን፤ ስለዚ ካብ ግምት ሓሊፍካ ብተጫባጥ ተቕምጦ መጠን ቑፅሪ የለን። ግና ከምቲ ዝበልክዎ ዓመፅ ስለ ዝካየድ ከምዝውስኽ ይግመት ‘ዩ። ኣብዚ ጉዳይ እዚ ብዝበለፀ በዓልቶም ክልላት ስለዝሰርሑ ንዓኣቶም ምጥያቕ ይሕሽ፤ ምኽንያቱ ፌዴራል ናይ ድጋፍን ምትሕብባርን ስራሕ ‘ዩ ዝሰርሕ ብበዝሒ።

ድሕሪ እቲ ስምምዕ ሰላም መንግስቲ ፌደራል ምስ’ቲ ክልል ኮይኑን ካልኦት ኣካላትን ብምዃን ኣብዚ ዙርያ እዚ ብዙሓት ስራሕቲ ሰሪሑ ‘ዩ፤ ከም ኮምፒተራትን ካልኦት ንትካላት ጥዕና ዘድልዩ ነገራትን ሓገዝ ተገይሮም ‘ዮም። ብዝተገብረ ርብርብ መብዛሕትኦም ትካላት ጥዕና ከም ካልኦት ክልላት ናብቲ ቕድሚ ኩናት ዝነበርዎ ኩነታት ንምምላስ ተኻኢሉ ‘ዩ።

ስለዚ እቲ ክልል ኣብ ምክልኻል ተመሓላለፍቲ ሕማማት ዝተፈላላዩ መንግስታዊ ትካላት ተጠቒሙ፣ መዳርግቲ ኣካላት ብምስታፍ ቕድሚ ሕዚ ዝሰርሖ ዝነበረ ስራሕ ማለት ቕድሚ ኩናት ናብ ዝነበረ ኩነታት ንምምላስ ቕድሚኣ ዝዋሃብ ቅድሚኣ ብምሃብ ተሰሪሑ ሕዚ ናብ ናይ ምክልኻል ፕሮግራም ተሰጋጊሩ እናሰርሐ ይርከብ። ኣብ ክልል ትግራይ ምስ እዚ ተተሓሒዙ ማለት ኣብ ምክልኻል ኤች ኣይ ቪ/ኤድስ ዘድሀበ ብዙሓት ጎስጓሳት ተኻይዶም ‘ዮም፤ እንተኒኢሱ ልዕሊ ሰለስተ ግዜ ምስቲ ክልል ብምትሕግጋዝ ኣካይድና ኢና።

ወጋሕታ፡- ምስ እዚ ተተሓሒዙ ኣብዚ ኣመት እዚ ካብ ዝተሰርሑ ስራሕቲ ከም ዕውት ስራሕ ዝጥቀስ እንተልዩ፤

ኣይተ ሃብታሙ፡– ብዙሓት ሰባት ብምምርማር ኤች ኣይቪ /ኤድስ ኣብ ደሞም ከምዘሎ ረኺብና መድሓኒት ክወስዱን ናብ ካልኦት ከየመሓላልፉን ገይርና ኢና፤ እዚ ኣብዪ ዓወት ‘ዩ፤ ንኣብነት ሓንቲ ኣዶ እቲ ቫይረስ ከምዘለዋ ምስ ተረጋገፀ እቲ ቫይረስ ካብታ ኣዶ ናብቲ ዕሸል ከይመሓላለፍ ኣብ ዝተገብሩ ስራሕቲ ዕውታት ‘ዮም።

ካብ ኣዶ ናብ ዕሸል ናይ ምትሕልላፍ ምክልኻል 12 ሚኢታዊ ዝነበረ ናብ 8 ሚኢታዊ ምውራድ ተኻኢሉ ‘ዩ፤ እዙይ ዓብዪ ዓወት ‘ዩ፤ ስለዚ ብሓፈሻ ኣብ ምክልኻል ኤች ኣይ ቪ ብሚድያ ጎስጓስ ስራሕ ምክልኻልን ተዳኺሙ ነይሩ ‘ዩ፤ ኣብዝሓለፈ ሓደ ዓመት ግና ኣብ ኩሉ ክልል መራሕቲ ሃይማኖት፣ ዓበይቲ ዓዲ፣ ተፅዕኖ ፈጠርቲን ሚድያን ተጠቒምና ጎስጓስ ምክልኻል ገይረና ኢና፤ ብፍላይ ብሚድያ ኣብዝሓለፈ ሓደ ዓመት ብዝለዓለ ደረጃ ኣጀንዳ ጌርና ኢና፤ ካሊእ ሰርቨይ ‘ዩ፤ ቕድም ከምዘልዐልኩልካ ኣብ መናእሰይ ዘሎ ዝርገሐ ኤች ኣይቪ እንታይ ከምዝመስል ኣብ ኣብያተ ትምህርትን ካብ ኣብያተ ትምህርትን ወፃኢ እንታይ ከምዝመስል ከንፈልጥ ክኢልና ኢና፤ እዚኦም ካብቶም ብዙሓት ዝተሰርሑ እቶም ውሑዳት ‘ዮም። ብመንፅር ኩሉ ፕሮግራምና ከንርኢ እንተለና እቲ ቐንዲ ካብ ኣዶ ናብ ዕሸል እቲ ቫይረስ ከይመሓላለፍ ‘ዩ፤ እቲ ቐንዲ ነገር ኣብዚጉዳይ እዚ ዕዉት ስራሕ ሰሪሕና ኢና፤ ሓዱሽ ዝተሓዝ ‘ውን ክቕንስ ገይርና ኢና፤ ኮይኑ ግና ኣብ ሓደ ሓደ ክፋል ማሕበረሰብ ናይ ምምሕልላፍ ኩነታት ይ ስትውዐል ‘ዩ።

ወጋሕታ፡- ክቀሪ ዘይግበኦ ሓሳብ እንድሕር ዘይሃልዩ መልእኽቲ እንተልይዎም ኣብ መወዳእታ ዕድል ክህቦም፤

ኣይተ ሃብታሙ፡– ከምቲ ቕድም ዝገለፅክዎ ኣብ ሓደ ሓደ ከባቢታት ዝርገሐ ኤች ኣይ ቪ ቫይረስ እናወሰኸ ‘ዩ ዝኸይድ ዘሎ፤ ንኣብነት ካብ ኣብያተ ትምህርቲ ወፃኢ ይኹን ኣብ ኣብያተ ትምህርቲ እናወሰኸ ስለ ዘሎ ምጥንቃቕ የድሊ፤ ሓደሽቲ ሰባት በቲ ቫይረስ እናተተሓዙ ‘ዮም ዝርከቡ፤ ኣብዚ መራሕቲ ሃይማኖት፣ ዓባይቲ ዓዲ፣ ፅዕንቶ ፈጠርቲ ኣካላት፣ ወለዲ፣ ቤተሰብ ወዘተ ኣብ ምክልኻል ግዲኦም ክፃወቱ ይግባእ፤ ብፍላይ ወለዲ ደቖም ክከታተሉን ክመኽሩን ይግባእ።

ወጋሕታ፡– ንዝነበረና ፃኒሒት የቕንየልና።

ኣይተ ሃብታሙ፡- ኣነ’ውን ስለ ዝዓደምኩምኒ የቕንየለይ።

መኣርግ ገ/ሄር

ወጋሕታ 18 ሓምለ 2016  ዓ.ም

Recommended For You