“ህዝቢ ትግራይ ከባቢኡ ንምሕዋይ ካብ ምስራሕ ዝበኾረሉ እዋን የለን” -ኣይተ ተስፋይ ተክለሃይማኖት

ትማሊ ፅቡቅ ኣብ ስራሕቲ ምሕዋይ ከባቢ ዝነብርና ኢና ሎሚ ‘ውን ናብኡ ንክንምለስ ፅቡቅ ፃዕሪ እናገብና ንረከብ ኣለና። ነዚ ብዓብዩ ዝሰርሖ ዘሎ ድማ እቲ ህዝብና ‘ዩ ነቲ ህዝቢ ዘተሓባብር ዘሎ ‘ውን እቲ ታሕታዋይ ኣመራርሓ ‘ዩ ።

ስለዚ ሐዚ ‘ውን ከምትማሊ እቲ ህዝቢ ተወዲቡ ኣብ ናይ ውልቂ ተኸላ ይኹን ኣብ ናይ ሓባር ተኸላ ውፂታዊ ስራሕ ክሰርሕ ክኽእል ኣለዎ። ትማሊ ዘጥረዮ ድኒ ኣብዚ ፀገም እዋን ተጠቂሙሉ ‘ዩ። ሐዚ ኣብ ዝረሃወ እዋን ድማ ነቲ ተፈጥሮ ንምሕዋይ ክሰርሕ ኣለዎ። ናይ ቀፃሊ ሂወትና ክነውሕስ ሐዚ ብርሰት ክንከላከል ኣለና።

ነዚ ዝበሉ ዳይሬክተር ልምዓትን ኣጠቓቕማን ደኒ ቢሮ ሕርሻን ሃፍቲ ተፈጥሮን ትግራይ ኣይተ ተስፋይ ተክለሃይማኖት ምስ ጋዜጣ ወጋሕታ ኣብ ዝነበሮም ፃንሒት ኣብ ትግራይ ዝገበር ዘሎ ንጥፈታታት ወፍሪ ሓምለዋይ ልምትን ካል ኦት ተዛመደቲ ዛዕባታት ከምስዕብ ኣቅሪብናዮ ኣለና፤ ሰናይ ንባብ!

ወጋሕታ:- ኣብዚ እዋን ኣብ ትግራይ ዘሎ ሽፋን ደኒን ዘሎዎ ኩነታትን እንታይ ይመስል?

ኣይተ ተስፋይ:– ቅድም ክብል ከምዝፍለጥ ካብ ዝነበረና 3 ሚእታዊ ናብ 16.84 ሚእታዊ በፂሑ ነይሩ ‘ዩ። በቲ ዝተፈጠረ ኲናት ምኽንያት እዚ ሽፋን ደኒ ክጉዳእ ክኢሉ ‘ዩ።

ማለት ‘ውን እቲ ኲናት ባዕሉ ጉድኣት ዘብፅሓሉ ኣሎ፤ ካሊእ ከአ በቲ ኲናት ዝተፈጠረ ፀገማት ተኸቲሉ ካብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ካብ መረበቶም ዝተፈናቀሉ ወገናት ምስቲ ዝነብረ ዕፅዋን ክባን ‘ውን ተተሓሒዙ ንምግቢ መብሰሊኡ ይኹን ንዘለዎ ጉድለት ምግቢ ከማልእ ክብል፤ ኣግራብ እናቆረፀ ‘ዩ ሂወቱ ኣትሪፉ።

እዚ ብሙዃኑ ኣብ ፅቡቅ እዋን ዘፍረዮ ሃፍቲ ሽፋን ደኒ ኣብ ሕማቅ እዋን ሂወቱ ከትርፈሉ ብምኽኣሉ ፅቡቕ ‘ዩ ዋላ እንተበልና፤ ይኹን እምበር እቲ ሽፋን ብጣዕሚ ዝተጎድ አሉ ኩነታት ‘ዩ ዘሎ። ሓዚ ናይ ትግራይ ሽፋን ደኒ ቅድሚ እቲ ኲናት ካብ ዝነበሮ ሽፋን ደኒ 16.84 ሚእታዊ ሐዚ ኣብ ምንታይ ኩነታት ‘ዩ ዘሎ እንትብሃል ኣብ ፅንዓት ዘሎ እንተኾነ ‘ውን ብጣዕሚ በቲ ኲናት ተጎዲኡ ከምዘሎ ‘ዩ።

ማለት ‘ውን ብሰማይን ብመርየትን ብዝድርበይ ቁንብላታት ነዲዱ ‘ዩ። እቲ ሕብረተ ሰብ ‘ውን ናይ መግቢ ክፍተቱን መሰረታዊ ጠላባቱን ክምልእ ክብል ደኒ እናብረሰ ክንብር ዝተገደደሉ ኩነታት ‘ዩ ተፈጢሩ ነይሩ። ስለዚ እቲ ናይ ትግራይ ሽፋን ደኒ ኣብ ዝተሓተ ብርኪ ከምዘሎ ‘ዩ እቲ ዘለና መረዳእታ ዝሕብር።

ወጋሕታ:- ካብ ዝሓለፈ ዓመት ኣፈፃፅማ ስራሕ ዝተረኽበ ኣውንታውን ኣሉታውን ተሞክሮ ትምህርቲ ክውሰዶም ዝኽእል እንታይ ነይሮም? ከመኡ ከዓ ዝሓለፉ ዓመታት ካብ ዝተተኸሉ ፈልስታት ክንደይ ዝኾኑ ፀዲቆም?

ኣይተ ተስፋይ:- ኩሉ ከምዝፈልጦ እቲ ሕብረሰብ ከባቢኡ ኣብ ምሕዋይ ንነዊሕ ዓመታት ብዙሕ ስራሕቲ እናሰርሐ ዝመፅአ ‘ዩ። ኣብ ዕቀባ ሓመድን ማይን ጠልን ይሰርሕ። ፈልስታት ተኸላ ይተክል። ቀፂሉ ከኣ ምንክብካብ ይኸይድ ከምኡ እናበለ፤ ከባቢኡ ንምሕዋይ ካብ ምስራሕ ዝበኾረሉ እዋን የለን።

እቲ ህዝቢ ኣብዚ ፅቡቅ ስራሕቲ ሰሪሑ ‘ዩ። እቲ ቅድም ኢልና ዝጠቀስናዮ ቁፅሪ ሽፋን ደኒ ዝነብረ ‘ውን በዚ ናይዚ ህዝቢ ፃዕሪ ዝመፅአ ፅቡቅ ውፅኢት ‘ዩ ነይሩ። ኣብ እዋን እቲ ዅናት ‘ውን እንተኾነ ኣብቲ ሓደ ኲናት እንትኻየድ ኣብቲ ኻሊእ ብዝረኸቦ ናይ ሰላም ኣገጣሚ ብምጥቃም ናይ ተኸላ ፈልሲ እናሰርሐ ዝኸደሉ ‘ዩ ነይሩ። ስለዚ ኣብ 2013፣ 2014ን 2015ን ዓ.ም ኩሉ ናይ ተኸላ ፈልሲ እናሰርሐ ‘ዩ መፂኡ ።

ኣብዚ እዋን ብድምር ድማ ልዕሊ23 ሚልዮን ፈልሲ ኣፍሊሱ ካብዚ ልዕሊ 16 ሚልዮን ፈልሲ ወይ ካብቲ ዘፍለሶ 79 ሚእታዊ ዝተኸሎ እንትኾን፤ በቲ ሐዚ ዝረኸቦ ሃዋህው ሰላም ድማ ናይ ክንክን ስራሕቲ እናሰርሐ መፂኡ ‘ዩ። ስለዚ ኣብ ቀዳማይ ፈልሲ ቆፀራና ናብ 77 ሚእታዊ ዝፀድቀ እንትኾን፤ ኣብ ናይ ካልኣይ ቆፀራና ድማ 68 ሚእታዊ ከምዝፀደቀ ‘ዩ እቲ መረዳእታ ዝሕብር። እዚ ድማ ሳላ እቲ ሕብረተሰብ ዝገብሮ ፃዕሪ ‘ዩ።

ድሕሪ እቲ ኩነታት ዘሎ ኣንፃራዊ ሰላም ‘ውን እቲ ዝነብረ ናይ ብርሰት ሓደጋታት ኣብ ዝኸፍአ ብርኪ ዝነበረሉ ኩነታት ስለዝነብረ፤ ካብ ላዕሊ ክልል ክሳብ ታሕቲ ጣብያታት ቁሸታትን ምስ ዘለው ኣመራርሓን ሕብርተሰብን እቲ ዘሎ ፀገም ዘቲናን ተረዳዲእናን እቲ ብርሰት ከይዱ ከይዱ ከም ህዝቢ ናብ ፀገም ዘእትወና ስለዝኾነ፤ ከመይ ገይርና ነዚ ብርሰት ደው ክነብሎ ከምዘለና ዘቲና ተረዳዲእና ስለዚ ትኽክል ‘ዩ ደን እንተጠፊኡ ክንጠፍእ ኢና ኢሉ፤ ናይ ቀፃሊ ሂወትና ክነውሕስ ሐዚ ብርሰት ክንከላከል ኣለና ብምባል፤ ኣብዚ መዳይ ልዕሊ 83900 ዝኸውን ህዝቢ ረኺብና ፅቡቅ ምርድዳእ ‘ውን ገይርና። ሐዚ ኣብዚ ፅቡቅ ለውጥታት ‘ውን እናተረአይሉ ዘሎ ኩነታት ‘ዩ ዘሉ።

ኣብዚ እዋን እቲ ሕብረሰብ ካብቲ ዝሓለፈ ፀገማት ወፂኡ ብዝተረጋግአ ኩንታት ሎሚ ‘ውን ከምቲ ናይ ትማሊ ተጠናኺሩ ክቅፅል ኣለዎ። ብውልቀን ብሓባርን ኣብ ዝግበር ናይ ምሕላውን ምልማዕን ስራሕቲ ተጠናኺሩ ክቅፅል ኣለዎ። እዚ ድማ ሓደ ካብ ዝረኽብናዮ ፅቡቅ ነገር ተበግሶ እቲ ሕብረተሰብ ‘ዩ። ዝሓለፈ ኣብ ፀገም ኣብ ስቃይ ኣብ መከራ ኢና ነይርና ይኹን እምበር ብተበግሶ ሕብረተሰብ እዞም ዝረኽበናዮም ውፂትን ትምህርትን ረኺብና ኢና።

ወጋሕታ:- ነዚ ሐዚ ዘሎ ውፍሪ ሓምላዋይ ልምዓት እንታይ ምድላዋት እናተገብሩ ፀኑሖም? ሐዚ ዘሎ ወፍሪ ተኸላ ፈልስታት እንታይ ተሰሪሖም እንታይ ተሪፎም?

ኣይተ ተስፋይ:- ኣብዚ ዓመት ልዕሊ 58ሚልንን558 ሽሕን 241ን ፈልሲ ክነፍልስ ኢልና ተሊምና እናሰራሕና ነይርና፤ ይኹን እምበር ከምቲ ዝፍለጥ ጣብያታት ፈልስታትና ዓንየንን ውሽጣዊ ናውታተን ተጓሒለንን ‘የን።

እዚ ከምዘሎ ኮይኑ ብዝተረፈናን ብዝረኽብናዮን ዓቅሚን ናብ አ33ሚልየንን 207ሽሕን 433ን ፈልሲ ተዳልዩ፤ ነዚ ዝኸውን ናይ ቅድመ ኩነት ስራሕቲ ‘ውን ተዛዚሞም፤ ነቲ ኣብ ታሕቲ ዘሎ መሓውርና ‘ውን ስልጠናን ኦሬንተሽንን ተዋሂቡ፤ ንሱ ‘ውን ብደረጅኡ ነቲ ናይ ጣብያታት ኣመራርሓን ሰራሕተኛን ስልጠናንን ኦሬንቴሽንን ሂቡ፤ ብሓፈሻ ክውሰድ ዝግብኦ ጥንቃቀ ብዝምልከት ሰፊሕ ምንቅናቅ ተገይሩ ናይ ጉድጓድ ኳዕትን ጠሊ ምዕቃብን ተኻይዱ ሐዚ ዝናብ ዘለዎም ከባቢታት ተኸላ ጀሚርና ኣለና።

ክሳብ ሐዚ ዝተተኸሉ ፈልስታት ድማ ልዕሊ 8ሚልየንን 636ሽሕን 933ን ፈልሲ ማለት ‘ውን ካብቲ ንክትከል ዝተዳለወ ፈልሲ 26 ሚእታዊ ክሳብ ሐዚ ተተኺሉ ኣሎ። ሐዚ ‘ውን እቲ ናይ ተኸላ ክኢላ ናብ ታሕቲ ወሪዱ እናተኸታተለን ድጋፍ እናሃበ ‘ዩ ዝርከብ ዘሎ። እቲ ስራሕቲ ብኸምዚ ‘ዩ ዝቅፅል ዘሎ።

ወጋሕታ:- ብሓፈሻ ኣብዚ ዓመት ንክትከሉ ዝተዳለው ዓይነታት ፈልሲ እንታይ እንታይ ‘ዮም?

ኣይተ ተስፋይ:– ካብ ክትከሉ ተዳልዮም ዘለው ዓይነታት ፈልስታት ፍራምረ፣ ንቀለብ እንስሳት፣ ናይ ጥሙር ሕርሻን ዝበሉ ከም ኣርቃይ ዝበሉን ካልኦትን ኣዳሊና ኣለና። ኣብ ከተማታት ‘ውን መጠን ዋዕይ ንምቅናስ ዝሕግዙ ተኽልታት ኣዳሊና ኣለና። ስለዚ እቶም ናይ ተኸላ ስራሕቲ ብኸምዚ ኸፋፊልና ኢና ተዳሊና ዘለና።

ወጋሕታ:- ምስ ኣብ ቢሮኹም ዘለው ከፍለታትን መዳርግቲ ኣካላትን ተቀናጅኻን ተዋዲድኻን ኣብ ምስራሕ እንታይ ይመስል?ሓደ ሓደ ግዘ ሓበሬታት ኣብ ዝወሃበሉ እዋን ዝተፈላለዩ ቁፅርታት ዝወፅእሉ ኩነታት ኣለው ንምንታይ ከምኡ ኾይኑ?

ኣይተ ተስፋይ:– እቲ ቁፅሪ ምፍልላይ ብዝምልከት ‘ቶም ሚድያታት ሓበሬታ ክወስዱ ዘለዎም ካብ ዝምልከቶ ትኽክልኛ ኣካል ‘ዩ። ምስ መዳርግቲ ኣካላት ኣብ ምስራሕ ግና ኸይድና ኸይድና ዕላማና ሓደ ‘ዩ። ኣብቲ ከባቢ፣ ኣብቲ ሕብረተሰብን ኣብቲ ሃገርን ለውጢ ምምፃእ ‘ዩ ዕላማና።

ብፍላይ ኣብዚ እዋን ገጢሙና ዘሎ ኩነታት ለውጢ ነባሪ ኣየር ኣብ ተፈጥሮ ትኹረት ተገይሩ እንተዘይተሰሪሑ ደን እንተዘይተተኺሉ ሂወት ‘ውን ክቅፅል ስለ ዘይኽእል ነዚ ኩሉ ሓጋዚ ኮይኑ ከርከብ ዘለዎ። ነኣብነት ከም ቢሮ እንተወሲድና ሕድ ሕድ ስራሕቲ እናተገምገመ ነዚ ዘድልዩ ዝተፈላለዩ ናይ ሎጅስቲካት ምውዳድ እናተገብረ፤ ኣብዚ ዘፈር ዝሰርሓ ብሮጀክታትን ፕሮግራማትን ዘለዋ ንክሕግዛ ምርድዳእ እናተገበረ ካብ ሓይሊ ሰብ ክሳብ ሎጅስቲክ መካይን ናይ ምሕጋዝ ኩነታት ‘ዩ ዘሎ።

ስለዚ እቲ ተዋዲድካ ምኻድ ፅቡቅ ‘ዩ ቀደሙ ‘ውን ናይ ምውዳድ ፀገም ኣይነብረናን ሐዚ ‘ውን ነዚ ገጢሙና ዘሎ ፀገም ነኒበይንኻ ከይድካ ክፍታሕ ከምዘይክኣል ስለ እንርዳእ ኩሉ በቢዝምልከቶ ምርድዳእን ምትሕግጋዝን እናተገብረ ‘ዩ ዝስራሕ ዘሎ። እዚ ተዘይህልው ነይሩ ሐዚ ነዚ ፈልሲ ክነፍልሰሉ እንኽለሉ ዕድል ኣይመነበረናን ነይሩ። ምኽንያቱ እተን ዝነበራና ትካላት ዓንየን እየን። ስለዚ እዚ ኹሉ ተሰሪሑ ዘሎ ገበርቲ ሰናይ ብዝገብሩልና ሓገዝ ‘ዩ። ስለዚ እቲ ዝገብሩልና ሓገዝ ኣጠናኺሮም ክቅፅሉ ይግባእ።

ወጋሕታ:- እቲ ተኸላ ዝካየደሉ ዘሎ ከባቢታት ብቀፃልነት ንክሕለውን ንክሓውን ከምኡ ‘ውን ናይቲ ከባቢ ማሕበረሰብ ‘ውን ተረባሒ ዝኾነሉ ዕድላት ዝፍጠረሉ ኩነታት ኣሎዶ?

ኣይተ ተስፋይ:- እዚ ሐዚ እንሰርሖ ዘለና ኣብ ናይ ማሕበረሰብ መፋስስቲ ‘ዩ። ኣብዚ ብውልቀ ዝተኽሉ ኣለው ብማሕበር ተወዲቦም ዝተኽሉ ኣለው እዮም። ኣንሕና ብቀዳምነት ንናይ ውልቀ ኢና ነብረታትዕ ቀፂልና ድማ ብማሕበር ተወዲቦም ኣልሚዖም ሸይጦም ንክጥቀሙ መናእሰይ ነብረታትዕ ከምኡ እናበልና ኢና ንኸይድ።

ንኣብነት ኣብ ምፍላስ ኣትኽልቲ ኣብ36 ማሕበራት ዝተወደቡ 360 መናእሰይ ፈልሲ ኣፍሊሶም ንክሸጡ ዕድል ተዋሂብዎም ኣሎ። ንክበራትዑ ኣብ ምግባር ኢና ዘለና። እዚ ዝስራሕ ዘሎ ስራሕቲ እቲ ህዝቢ ዋንነት ተሰሚዕዎ ብቀፃልነት ክሕልዎ ክከታተሎ ምርዳእ ይግበር ‘ዩ።

ካልኣይ ካብ ጋህፂ እንስሳትን ነፃ ንክኸውን ምርዳእ ተገይሩ ‘ዩ። ከምዚኦም ዝበሉ ናይ ቅድመ ኩነት ስራሕቲ ተወጊኖም ‘ዮም። ናብ ስራሕ ‘ኣቲና ዘለና። እቲ ሓረስታይ ፅባሕ ናብ ፃህያዩ ምእንቲ ክኸይድ እኹል ዝናብ ኣብ ዘለሉ ከባቢታት ተረባሪብና ተኸላ ክንውድእ ንሰርሕ ኣለና ኢና።

ወጋሕታ:- ኣብ መወዳእታ ኣብዚ ክለዓል ዝግባእ ዘይተልዓለ ሓሳብ መልኽቲ እንተሃልዩ ዕድል ክህቦም?

ኣይተ ተስፋይ:- ዘለኒ መልእኽቲ እቲ ካብ ሰናይ ሓጋዩ እናፀዓርና እናደኽምና እቲ ስራሕቲ ፈልሲ ናብዚ ኣብፂሕናዮ ኣለና። ከምዝፍለጥ ትማሊ ፅቡቅ ኣብ ስራሕቲ ምሕዋይ ከባቢ ዝነብርና ኢና ሎሚ ‘ውን ናብኡ ንክንምለስ ፅቡቅ ፃዕሪ እናገብና ንረከብ ኣለና ኢና። ነዚ ብዓብዩ ዝሰርሖ ዘሎ ድማ እቲ ህዝብና ‘ዩ ነቲ ህዝቢ ዘተሓባብር ዘሎ ‘ውን እቲ ታሕታዋይ ኣመራርሓ ‘ዩ ።

ስለዚ ሐዚ ‘ውን ከምትማሊ እቲ ህዝቢ ተወዲቡ ኣብ ናይ ውልቂ ተኸላ ይኹን ኣብ ናይ ሓባር ተኸላ ውፂታዊ ስራሕ ክሰርሕ ክኽእል ኣለዎ። ትማሊ ዘጥረዮ ድኒ ኣብዚ ፀገም እዋን ተጠቂሙሉ ‘ዩ። ሐዚ ኣብ ዝረሃወ እዋን ድማ ነቲ ተፈጥሮ ንምሕዋይ ክሰርሕ ኣለዎ። ህዝቢ ኣብዚ ዓይኑ ከይሓሰየ ክረባረብን ከባቢኡ ከለምዕን ንባዕሉ ‘ውን ክርባሕን ጋሕፅታት መሬት ‘ውን ንክከላኸል ብርሰት ‘ውን ንክከላኸል ክንቀሳቀስ ኣለዎ።

እቲ ኣመራርሓን ኣብዚ ክመርሕ፤ እቲ በዓል ሞያን ውን ነዚ ከረድእ እቲ ህዝብና ውን ኣብዚ ብፅቡቅ ክዋሳእ ኢና ንደሊ። ሚድያታት እትገብርዎ ዘለኩም ፃዕሪ እናነኣድና ከብዚ ብዝለዓለ ኣበርቲዕኹም ዝያዳ ህዝቢ ክተንቅሑን ምንቅስቃስ ልምዓት ንክትገብሩ በዚ ኣጋጣሚ ክላቦ ይደሊ።

ወጋሕታ:– ክቡር ግዜኦም ሰዊኦም ንዝሃቡኒ ሓበሬታን ሓሳባትን የቐንየለይ።

ኣይተ ተስፋይ:– ኣነ ‘ውን የቐንየልይ።

ኣብርሃ ሓጎሰ

ወጋሕታ 11 ሓምለ 2016 ዓ.ም

Recommended For You