‹‹ዝበፅሐ ዕንወት ቀሊል ኣይኮነን፤ ኹሉ ናብ ንቡር ንምምላስ ብሓባር ኾይንካ ምስራሕ ወሳኒ ‘ዩ ›› – ኣይተ ጎበዛይ ኣረፋይነ

ኣብ ዝሓለፉ ኣርባዕተ ዓመታት ኹናትን ኮረናን ኣብ ሃገርና ብፍላይ ድማ ኣብ ትግራይ ዓብይ ፅልዋ ከምዝፈጠረ ዝዝከር ‘ዩ፡፡ ካብ ከተማታት ትግራይ ታሪኻዊትን ማእኸል ትካላት መምረቲ ዝኾነት ከተማ ዓድዋ ካብዚ ዝነበረ ፅዕንቶ ንምውፃእ ምስ ማሕበረሰብ እቲ ኸባቢ ብምትሕብባር ናብ ንቡር ኩነታት ንምምላስ እናተሰርሐ ከምዝኾነ ስራሕ መካየዲ ምምሕዳር ከተማ ዓድዋ ኣይተ ጎበዛይ ኣረፋይነ ይገልፁ፡፡

ኣይተ ጎበዛይ እዚ ትልሚ ተግባራዊ ንክኸውን ዉሑስ ዝኾነ ሰላምን ድሕንነትን ኣብ ምስፋን፣ ግዝኣታዊ ሓድነት ኣብ ምርግጋፅን ተመዛበልቲ ናብ መረበቶም ናይ ምምላስ ስራሕቲ ቅድምያ ተዋሂቡ ክስረሐሎም ዝግባእ ዓበይቲ ጉዳያት ‘ዮም ይብሉ፡፡ እዚኦም እንድሕር ተፈፂሞም ድሕሪኡ ክመፅእ ዝኽእል ስራሕቲ ልምዓት እናቐለለ ‘ዩ ዝኸይድ፤ ኹሉ ናብ ንቡር ንምምላስ ብሓባር ኾይንካ ምስራሕ ወሳኒ ‘ዩ፡፡

ዝሓለፈ ዝበፅሐ ዕንወት ቀሊል ኣይኮነን፤ እዚ ፀገም ዝበፅሖ ማሕበረሰብ ንምሕዋይ ኹሉ ክረባረብ ይግባእ ኢሎም፡፡ ምስ ኣይተ ጎበዛይ ኣረፋይነ ዝገበርናዮ ቃለ ምሕተት ሙሉእ ትሕዝትኡ ከምዝስዕብ ኣቕሪብናልኩም ኣለና፡፡ ሰናይ ንባብ!

 

ወጋሕታ ፡- ኩነታት ስራሕቲ ዳግመ ህንፀት ከተማ ዓድዋ ኣብዚ ሰዓት እዚ ኣብ ምንታይ ኩነታት ይርከብ?

ኣይተ ጎበዛይ፡– ከምዝፍልጥ ኣብ ትግራይ ዝበፅሐ በሰላ ቀሊል ዝባሃል ኣይኮነን:: ይኹን እንበር ናትና ሕብረተሰብ እዚ ፀገም በፂሑ ‘ውን ንውድቐት ኣሜን ኢሉ ዝቕበል ባህሊ ዘለዎ ማሕበረሰብ ኣይኮነን:: ስለዚ ዳግም ክሓዊ ክኽእል ኣለኒ ብምባል እቲ ሃዋህው ሰላም ዝፈጠረሉ ኣጋጣሚ ተጠቒሙ ንባዕሉ ‘ውን ዝሓውየሉ መንገዲ ፈጢሩ ‘ዩ ናብ ልምዓት እናኣተወ ዘሎ ::

ኸዚ ከም እንሪኦ ዘለና እቲ በሰላ ኣብ ውሽጡ ገይሩ ንቀፃሊ ብምእማት ኣብ ስርሑን ልምዓትን ‘ዩ ዝርከብ:: ብሰነ ኣእምሮ ንባዕሉ ኣረጋጊዑ ናብ ልምዓት ክኣትወሉ ዘኽእል መንገዲ ፈጢሩ ኣብ ዝተፈላለዩ ምድረኻት እናተረኸበ ናብ ውራዩን ልምዓቱን ዝኣትወሉን ኣንፈት ሒዙ ኸዚ ዝሓሸ ብርኪ ‘ዩ ዘሎ ክንብሎ ንኽእል ኢና:: ኣብ ዝሐሸ ብርኪ ክብል ከለኹ እቶም ፀገማት ከም ዘለዉ ኾይኖም ግና ብሓፈሻ ክንሪኦ ከለና ደሓን ‘ዩ ዝብል ክንወስዶ ንኽእል ኢና::

ወጋሕታ፡- ኣብ መሰረታዊ ግልጋሎት ከም ጥዕና፣ ቤት ትምህርቲ፣ መስተ ማይ ዝኣመሰሉ ዘሎ ምቅስቃስ እንታይ ይመስል?

ኣይተ ጎበዛይ፡– ኸዚ ከም ከተማ ኣብ ውሽጡ ዝረኸቦ እቶቱ ኣማዕቢሉ ዝረኽቦ ኣታዊ ‘ዩ ናብ ልምዓት ዝሰጋገር:: ብዓቕሙ ኣብዚ ዓመት እዚ ናብ ከባቢ 500 ሚልየን ዝኸውን ናይ ውሽጢ እቶቱ መሰረት ተገይሩ ብርክት ዝበሉ ስራሕቲ ተሰሪሖም ‘ዮም::

ካብቶም ዝተሰርሑ ስራሕቲ ብፍላይ ድማ ግልጋሎት ማይ ሰፊሕ ሕቶ ማሕበረሰብ ነይሩ ‘ዩ:: ነዚ ድማ ልዕሊ 20 ሚልየን ዝኾን ንማይ፣ ልዕሊ 30 ሚልየን ዝኾን ድማ ንመብራህቲ በጀት ብምስላዕ እቲ ሕብረተሰበ ግልጋሎት ማይን መብራህትን ክረክብ ኣኽኢልዎ ‘ዩ::

ኣብ ጥዕና ትምህርትን ብተመሳሳሊ ሰፊሕ ናይ ዕንወት ፀገም ኣጋጢምዎ ስለዝነበረ እዚኦም ዳግም ክሓውይሉ ዝኽእሉ ምስ ዝተፈላለየ ኣካላት ገበርቲ ሰናይ ብምትሕብባር ውሽጣዊ ዓቕሞም ተጓዲሎም ዝነበሩ ‘ውን ብምምላእ እቲ ዓንዩ ዝነበረ ክፍልታት ‘ውን ብኣግባቡ ክፅገን ብምግባር ስሩዕ ትምህርቲ ክወሃበሉ ዝኽእል መንገዲ ተፈጢሩ ‘ዩ ምባል ይካኣል ‘ዩ:: እዚ ክብል ከለኹ ብፍላይ ኣብ ትካላት ጥዕናን ትምህርትን ዝዓነወ ዕንወት ኸቢድ ‘ዩ::

እዚኦም ትካላት ንዝሓለፈ ዓመታት ዝተሃነፁን ምሉእ ዓቕሚ ዝነበሮምን ‘ዮም:: ስለዚ ናብ ዝነበርዎም ንክምለሱ ብመንግስቲን ገበርቲ ሰናይን ዓብይ ትኹረት ዘድልዮም ‘ዩ:: ብዘሎ ዓቕሚ ግና ናይ ጥዕናን ትምህርትን ፍታሕ ተገይርሎም ኣብ ግልጋሎት ‘ዮም ዝርከቡ::

ካብ ዝተፈላለዩ ኸባብታት ተመዛቢሎም ኣብ ከተማና ልዕሊ 2ሚኢቲ ሽሕ ተመዛባላይ ይርከብ፤ እዚኦም ሓዊስ ግልጋሎት ዝህብ ዘሎ ብምዃኑ ኣብዚ ዓመት ዳስ ‘ውን እናተሓወሶ ግልጋሎት ዝህበሉ ኩነታት ተፈጢሩ ኣሎ:: ድምር ኣቢልና እንትንሪኦ ከለና ግና እዚኦም መሰረታዊ ግልጋሎት ብዘለና ዓቕሚ ፈቲሕና ኣለና ኢልና ኢና ንሓስብ::

ወጋሕታ፡- ንመንእሰይ ስራሕ ዕድል ኣብ ምፍጣር ዝተሰርሑ ስራሕቲ እንተሃልዮም ? ብተወሳኺ ንቕድሚት ከም ትልሚ ዝተድሓዙ ዕድል ስራሕቲ ፈጠራ ኣለዉ ዶ?

ኣይተ ጎበዛይ፡- ከተማና ብርክት ዝበለ ስራሕ ዝሳአነ መንእሰይ ዘለዎ ‘ዩ:: ምስቲ ዝነበረ ኹናትን ኮረናን ተኣሳሲሩ ንዝሓለፉ ኣርባዕተ ዓመታት ብርክት ዝበለ መንእሰይ ካብ ስራሕ ተመዛቢሉ ‘ዩ:: ልዕሊ 500 ሚልየን በጀት ካብ ከተማና እቶትን ካብ ዝተፈላለዩ ገበርቲ ሰናይ ብምትሕብባር ሰፋሕቲ ፕሮጀክትታ ኣብዚ ዓመት ነይሮምና ‘ዮም::

ዝተፈላለየ ናይ ተፋሰስ፣ ስራሕቲ ኮብልስቶን ፣ ናይ መንገዲ ስራሕቲ ዝኣመሰሉ 53 ፕሮጀክትታት ኣብ ከተማና ነይሮም ‘ዮም:: ኣብዚኦም ዝተዋፈሩ መናእሰያት ብርክት ዝበሉ ‘ዮም:: ናይ ሶፍትኔት ይኹን እቶም ፕሮጀክትታት ኣብዚኦም ተዋፊሮም ዝሰርሑ መናእሰያት ልዕሊ 7ሽሕ ዕድል ስራሕ ተፈጢርሎም ‘ዩ::

እዚኦም ስራሕ ዕድል ዝተፈጠሮሎም መናእሰይ ሙሉእ ብሙሉእ ፀገሞም ፈቲሑ ናብ ቀፃሊ ዘሰጋግሮም ኢልካ ምሕሳብ እኳ እንተዘይተኻኣለ ኣብ ስራሕ ንክውዕሉ ዕድል ዝፈጠረ ስለዝኾነ ኣብዚ ዓመት ቀሊል ዘይባሃል ሓይሊ ኣሳቲፍና ኢና ኢልና ኢና ንሓስብ:: ንቀፃሊ ካብዚ ዝሓሸ ዕድል ስራሕ ክንፈጥር ክንኽእል ኣለና ዝብል ትልሚ ‘ውን ሒዝና እናተጉዓዝና ንርከብ::

ወጋሕታ፡- ብምኽንያት ኹናት ጠጠው ኢሎም ዝነበሩ ትካላት ናብ ስራሕ ተመሊሶም ክንብል ንኽእል ዶ?

ኣይተ ጎበዛይ፡- እቶም ዓበይቲ ትካላት ከም ኣልመዳ፣ እምነበረድ ዝኣመሰሉ ትካላት ከምኡ ድማ ናይ ውልቀ ሼዳት ዝምርሑ ዝነበሩ መናእሰይ ተወዲቦም እናሰርሑሉ ዝነበሩ ብርክት ዝበሉ ፋብሪካታት ነይሮም ‘ዮም፤ እዚኦም ዳርጋ ኹሎም ዓንዮም ‘ዮም ነይሮም:: እዘን ትካላት ኣብ ምሕዋይ ስራሕቲ ፅቡቕ ጅማሮታት ኣሎ::

እተን ዓበይቲ ትካላት ምሉእ ብሙሉእ ‘ውን ዓንየን ስለዝነበራ ናብ ስራሕ ዝኣትዋሉ መገዲ ብዙሕ ስራሕ እናተሰርሐ ‘ዩ:: ጉድኣተን ሰፊሕ ብምዃኑ ብዙሕ ናይ ፋይናንሻል ሓገዝ ስለዝደልዩ ‘ዩ ኾይኑ ግና ጅማሮታት ኣሎ:: ሱቕ ኣይተብሃለን:: ሱቕ ኢልካ ‘ውን ዘዋፅእ ስለዘይኾነ ጅማሮታት ስለዘለዉ ተስፋ ዘለዎ ነገር ‘ዩ ምባል ንኽእል::

ወጋሕታ፡- ኣብዚ ሐዚ እዋን ጉዳይ ሰላምን ፀጥታን ከተማ ዓድዋ ኣብ ምንታይ ኩነታት ይርከብ ?

ኣይተ ጎበዛይ፡– እቲ ኹናት ዝፈጠሮ በሰላ ኣሎ:: ብርክት ዝበለ መንእሰይ ኣብ ስራሕ ኣይነበረን:: በዚ ኹናት ዝተልዓለ ሒዝዎ ዝነበረ ስራሕ ዕድላት ስኢኑ ኣብ ከተማ ሰንፈለል ዝብልሉ ኩነታት ‘ዩ ተፈጢሩ:: በዚ ምኽንያት ኣብ ፀጥታ ከተማ ሓለሓሊፉ ፀገማት ይፍጠሩ ‘ዮም::

እዚኦም ፀገማት ምስቲ ማሕበረሰብ ብምዝርራብ ንምምካት በቢ ኸባቢኡ ብምውዳብ፤ ህዝባዊ ተሳትፎን ዘተን ብምግባር ፀጥታ ሓይሊ ‘ውን ምስ ሕብረተሰብ ኾይኑ እቶም ዝፍጠሩ ፀገማት ንምቅላል ይሰርሕ ኣሎ:: እቶም ውፅእ ዝበሉ ፀገማት እንትፍጠሩ ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ኾይኖም ናብ ሕጊ ዝቐርቡ፤ ብሕጊ ዝዳነይሉ ናይ ምግባር ፅቡቕ ስራሕ እናተሰርሐ ‘ዩ::

ኩነታት ፀጥታ ካብ ቁፅፅር ወፃኢ ይኽየድ ኣሎ ኢልካ ምዝራብ ኣይካኣልን፤ እንተጋጥም ‘ውን እቶም ዘጥፍኡ ኣካላት ካብ ቁፅፅር ወፃኢ ኣይኮኑን ኣብ ቁፅፅር ውዒሎም ናብ ሕጊ ዝቐርብሉ መገዲ ኣሎ ‘ዩ:: ኩነታት ፀጥታ ምስ ሕብረተሰብ ዘተ እናተገበረሉ ስለዝኾነ ፅቡቕ ውፅኢት እናተርአየ ‘ዩ ክባሃል ይካኣል::

ወጋሕታ፡- ምስ ክረምቲ ተደሓሒዙ ስራሕቲ ምትኻል ፈልስታትን እንታይ ዝተሓሰበ ነገር ኣሎ ?

ኣይተ ጎበዛይ፡- ኣብዚ ክረምቲ እቲ ዓብይ ጉዳይ ኢልና ካብ ዝሓዝናዮም እቲ ሓደ ምትካል ፈልስታት ‘ዩ:: ኣብ ዓመት ሓደ ግዜ እንረኽባ ዕድል ዝናብ ኣብ ወርሒ ሓምለ ጉድጓዳት ብምኹዓት ፈልስታት ምትካል ‘ዩ:: በቢ ቀበሊኡ ዝተጣየሹ ልምዓት ኮሚቴ ናይዚ ልምዓትን ፈልሲ ምትካልን ዝመርሑ ምሰኦም ዘተ ብምግባር ፕሮግራም ኣውፂእና ኣለና:: ልዕሊ 2ሚልየን

ዝኸውን ፈልስታት ብመንግስቲ ብቤት ማዛጋጃ ዝትከሉ ‘ዮም:: ምስቲ ሕብረተሰብ ብምዝርራብ ኣብ ዝተፈላለዩ ትካላት ‘ውን ዝትከሉ ‘ዮም:: በውልቆም ክተኽሉ ዝደልዩ ትካላት ‘ውን ኣለዉ፣ ቦታ ሓቲቶም ኸሊልና ዝሃብናዮም ትካላት ‘ውን ኣለዉ ‘ዮም:: እዚ ተደማሚሩ ብብርኪ ከተማ ልዕሊ ሓደ ሚኢቲ ሽሕ ፈልስታት ኣብዚ ክረምቲ ከምዝትከል ትልሚ ኣለና::

ምኽንያቱ ቅድሚ ኸዚ ተተኺሎም ዝነበሩ ተኽልታት ኹሎም በሪሶም ስለዝኾኑ ከም ሓድሽ ክስራሕ እንተኾይኑ ከምዚ ገይርና ተዋዲድና ክንሰርሕ ኣለና ዝብል ከም ሕብረተሰብ ዓብይ ምቅስቃስ ተገይሩ ኣሎ:: ሓምለ ዓሰርተ ኳዕትን ተኽልን ክጠቓለል ‘ዩ ዝብል ትልሚ ኣለና:: ምስ ተወከልቲ ልምዓት ‘ውን ዘተ ኣካይድና ኢና:: ኣብዚ ክረምቲ እቲ ዝዓበየ ስራሕና ተኽሊ ምትኻል ‘ዩ::

ወጋሕታ ፡- ካብ ፌደራል መንግስቲ ኾነ ግዝያዊ ምምሕዳር ኣብ ከተማ ዓድዋን ኸባቢኣን ትኹረት ገይሩ ክስረሐሎም ይግባእ ዝብልዎም ዓበይቲ ጉዳያት እንታይ ‘ዮም?

ኣይተ ጎበዛይ፡– ከም ፌደራልን ግዝያዊ ምምሕዳርን ከምኡ ‘ውን ከም ምምሕዳር ከተማ ዓድዋ ብሓባር ክሰርሑሉ ይግባእ ዝብሎ ነገር ኣብዚ ምሉእ ብሙሉእ ዝዓነወ ትካላት፣ ምሉእ ብሙሉእ ዝዓነወ ናይ ትግራይ ምንቅስቃስ ልምዓት ሰፋሕቲ ‘ዮም ቆፂርካ ዝውድኡ ኣይኮነን:: ጥቕልል ኣቢልና ክንሪኦ ከለና ግና እዞም ዝዓነዉ መሰረተ ልምዓት ንምሕዋይ ሓቢርካ ምስራሕ የድሊ ‘ዩ::

ፌደራል መንግስቲ ከም ትግራይ ብፍላይ ድማ ከም ዓድዋ ይዛረብ ስለዘለኹ ኣብ ዓድዋ ዝርከቡ ትካላት ብርክት ንዝበሉ ሕብረተሰብ ንመላእ ኢትዮጵያ ‘ውን ዝረብሓ ዝነበራን ዝሓሻ ዝባሃላ ትካላት ዓንየን ‘የን:: እዘን ዝዓነዋ ትካላት ምሕዋይ ማለት ንትግራይ ወይም ንዓድዋ ጥራሕ እንተይኾነስ ከም ኢትዮጵያ ‘ውን ስለዝረብሓን፣ ኣብ ኢትዮጵያ ‘ውን እተን ዝዓበያ ግብሪ ኸፈልቲ ስለዝነበራን፣ ከም ሃገር ዘምፀኦኦ ልውጢ ‘ውን ቀሊል ኣይነበረን::

ስለዚ እዚ ተመሊስኻ ንምምላስ ፌደራል መንግስትን ክልል መንግስትን ተዋዲድኻ ምስራሕ የድሊ:: ካብዚ ብተወሳኺ ድማ ዉሑስ ዝኾነ ሰላምን ድሕንነትን ኣብ ምርግጋፅ ፣ ግዝኣታዊ ሓድነት ኣብ ምርግጋፅን ተመዛበልቲ ናብ መረበቶም ናይ ምምላስ ስራሕቲ ቅድምያ ተዋሂቡ ክስረሐሎም ዝግባእ ዓበይቲ ጉዳያት ‘ዮም:: እዚኦም እንድሕር ተፈፂሞም ድሕሪኡ ክመፅእ ዝኽእል ስራሕቲ ልምዓት እናቐለለ ‘ዩ ዝኸይድ::

ኹሉ ናብ ንቡር ንምምላስ ብሓባር ኾይንካ ምስራሕ ወሳኒ ‘ዩ:: ዝሓለፈ ዝበፅሐ ዕንወት ቀሊል ኣይኮነን:: እዚ ፀገም ዝበፅሖ ማሕበረሰብ ሓቢርካ ንምሕዋይ ኹሉ ክረባረብ ይግባእ:: ኣብ ከምዚ ዝበለ ፀገም ዝበፅሖ ማሕበረሰብ ዝግበር ምድግጋፍ ወሳኒ ‘ዩ:: መሊስና ክንጥጥዕ ዝገብር ኩነታት ንክፍጠር ምትሕብባር ግድን ‘ዩ::

ወጋሕታ፡- ንዝነበረና ፃንሒት የመስግን::

ኣይተ ጎበዛይ ፡- ኣነ ‘ውን የመስግን::

መሰረት ገብረዮሃንስ

ወጋሕታ 4 ሓምለ 2016 ዓ.ም

 

Recommended For You