‹‹ቑጠባ ክዓቢ እንተኾይኑ ግዳማውን ውሽጣውን ፈተናታት ብኣግባቡ ክእለዩ ኣለዎም››  – መምህር ማህደር ተስፋኪሮስ

ኣብ ናይ ሎሚ ሕታምና ጋዜጣ ወጋሕታ ጋሻና መምህር ማህደር ተስፋኪሮስ ይበሃሉ፤ መምህር ማህደር ኣብ ዩኒቨርሲቲ ዓዲግራት ክፍሊ ትምህርቲ ኣካውንቲንግን ፋይናንስን ንሸውዓተ ዓማውቲ ዘምሃረ መንእሰይ ‘ዩ፤ ኣብ ዞባ ማእኸል ተምቤን ኣግበ ተወሊዱ።

ኣብ መሪሕነት፣ ስነ ቑጠባን ዓበዪ ኣበርክቶ ዝገበሩን ኣወንታዊ ፅዕንቶ ዝፈጠሩ ቐዳመወት ኣድሂቡ መፅሓፍ ‹‹ውሑዳት ብዙሓት›› ዝፅሓፈ ‘ዩ። ብምዃኑ ምስ መምህር ማህደር ታስፋኪሮስ ብዛዕባ ኢኮኖሚያዊ ኩነታት ትግራይን ካልኦት ተተሓሓዝቲ ጉዳያትን ኣድሂብና ፃኒሒት ገይርና ኣለና። ሙሉእ ትሕዝቶ ፃንሒት ከምዝስዕብ ቐሪቡ ኣሎ። ሰናይ ንባብ።

ወጋሕታ፡- ፈለማ ንቃለ መሕትት ፈቓደኛ ኾይንካ ንዝሃብካና ግዘ ብሽም ጋዜጣ ወጋሕታ እናመስገንኩ ሙሉእ ሽምካ፣ ኣተዓባብያኻ፣ ኹነታት ትምህርትን ስራሕኻን ንላለይ ?

መምህር ማህደር፡– ሽመይ ማህደር ተስፋኪሮስ ይበሃል፤ ኣብ ዞባ ማእኸል ተምቤን ኣግበ ‘የ ተወሊደ ዓብየ፤ቐዳማይን ኻልኣይን ብርኪ ትምህርተይ ኣብ ዞባ ማእኸል ተማሂረ፤ናይ መጀመሪያ ዲግሪ ኣብ ዩኒቨርስቲ መቐለ ኻልኣይ ዲግሪ (ማስተርስ) ድማ ኣብ ዩኒቨርሲቲ ዓዲግራት ተማሂረ፤ ድሕሪኡ ኣብ ዩኒቨርሲቲ ዓዲግራት ክፍሊ ትምህርቲ ኣካውንቲንግን ፋይናንስን ንሸውዓተ ዓማውቲ ኣምሂረ ሐዚ ‘ውን እናምሀርኩ ‘የ።

ወጋሕታ ፡- ምስ ሞያ መምህርነት ጎናጎኒ ኣብ ታሪኽ ቐዳመወት ጥበባውያንን መራሕትን ትግራይ ዘድሀበት መፅሐፍ ፅሒፍካ ኢኻ፤ መንእሰይ ትግራይ ኣብ ምንባብ ዘለዎ ተበጋሳይነት ከመይ ትገልፆ ? ኣንባባይ ክኸውን ተገይሩ ዶ ተቐሪፁ ኢልካ ትሓስብ?

መምህር ማህደር፡- ምንባብ ልዕሊ ኹሉ ዓርሱ ዝኽኣለ መስትያት ‘ዩ ኢለ እየ ዝኣምን። ቐዳመወት አያታትና ከመይ ዝበለ ጥንካረን ድኽመትን ነይርዎም ዝብል መረዳእታ ብምሓዝ፤እቲ ጥንኩር ጎኒ ክነቐፅሎ፤እቲ ኣብ መገዲ ህይወት ዝሰርሕዎ ስሕተት ከይድገም ድማ ቑልፊ መሳርሒ ምንባብ ‘ዩ። ኣነ ልዕሊ ኹሉ ምንባብ ዓርሱ ዝኽኣለ መስትያት ‘ዩ ኢለ ‘የ ዝኣምን።

ቐዳመወት ኣያታትና ከመይ ዝበለ ጥንካረን ድኽመትን ነይርዎም ዝብል መረዳእታ ብምሓዝ፤እቲ ጥንኩር ጎኒ ክነቐፅሎ፤እቲ ኣብ መገዲ ህይወት ዝሰርሕዎ ስሕተት ድማ ምእንቲ ከይድገም ቑልፊ መሳርሒ ንባብ ‘ዩ። ብምዃኑ ድማ ናብ ባህሊ ንባብ መንእሰይ ትግራይ እንትንመፅእ ዘንብብ ክህልው ይኽእል ‘ዩ፤ ኾይኑ ግና ብኣፃብዕቲ ዝቑፀር ‘ዩ ምባል ይከኣል።

ምኽንያቱ ድማ እቲ ዝነበረ መሪሕነት ንባብ ንምብርትታዕ ዝተወደበ ኣካይዳ ኣይዘርገሐን፤ እቲ መንእሰይ ንኸንብብ ዝገብር ምችው ሃዋህውን ቦታን ኣይተመቻቸወሉን፣ ብሓፈሻ ነዚ ዘበን ዝጠልብ ናይ ንባብ ማእኸል ኣይተሃነፀን እኳድኣስ ብግልባጡ ኣብ ክንዲ ንባብ መንእሰይ ዝጎድእን ሃገር ብቑጠባ ዘዳኽምን እንዳ መስተን ሓሸሽን ዝተፈላለዩ ወልፍታትን እናተስፋሕፈሐ ‘ዩ ፀኒሑ። እቲ ባህሊ ንባብ ዘዳበረ እንብሎ ‘ውን ርኡይ ግደ ኣይተፃወተን፤ንባዕሉ ‘ውን ኣይረብሐን፤ብዓብይኡ መንግስቲ ትፅቢት ዝግበረሉ ነገር ኣይገበረን።

ነዚ ድማ ‘ዩ እቶም ቐዳመወት ዝሰርሕዎ ታሪኽ በዓል ቅዱስ ያሬድ፣ ፈላስፋ ዘርኣያቆብ፣ ሃፀይ ዮሐንስ፣ ራእሲ ኣሉላ፣ ነጋድራስ ገብረህይወት ባይከዳኝ፣ ኣርኣያ ዘሪሁንን ኻልኦትን ምህዞኦም፣ ኣተሓሳስበኦምን የቕርብዎ ዝነበሩ መማረፂ ሓሳባት ኣንቢብና ኣይተረዳእናን፤ኣይንፈልጦምን ቐፂልና ድማ ዝግበኦም ክብሪ ኣይሃብናን፤ ነዚ ክፍተት ንምሕጋዝ ድማ እዛ መፅሓፍ ናይ ባዕላ ኣበርክቶ ይህልዋ ‘ዩ ኢለ ብምእማን ‘የ ፅሒፈያ። ንቐፃሊ ድማ ብሰፊሑ ሕድሕዶም ዝነበሮም ግደ ብመፅናዕቲ ተደጊፉ ንኽስራሕ ከምዚኦም ዝበሉ ሊቃውንቲ ምህላዎም ንምሕባር መበገሲ ‘ዩ።

መላእ ኣፍሪካን ዓለምን ዝኾርዐሎም በዓል ሞዛርት ድሕሪ ቅዱስ ያሬድ ‘ዮም፤ ስነ ቑጠባን ባህሊ ስራሕ ከመይ ክኸውን ከምዘለዎን ንምርኣይ ድማ በዓል ነጋድራስ ገብረህይወት ባይከዳኝ ቐዳመወት ‘ዮም፤ ድሕሪ 1983 ዓ/ም እተን ርኡያት ትካላት ትምህርትን ጥዕናን ንኽስራሓ ዓብዪ ግደ ዘበርከተት ማሕበር ልምዓት ትግራይ እያ፤ ኣብዚ ድማ ምስ መዳርግቲ ኣካላት ኮይኑ ስትራተጂክ ትልሚ ዝፈፀመን ፍሉይ ኻልኣይ ብርኪ ቤት ትምህርቲ ቓላሚኖ ዝመስረተን ኣርኣያ ዘሪሁን ‘ዩ።

ወጋሕታ፡- ዝተምሃርካዮ ትምህርትን ሐዚ እተምህሮ ዘለኻን ዝያዳ ምስ ቑጠባ (ኢኮኖሚ) ዝተሓሓዝ ብምዃኑ እቲ ሐዚ ተረኺቡ ዘሎ ሰላም ተጠቒምና መንእሰይ ትግራይ ብቑጠባ ንኽመሓየሽን ዘለና ፀጋታት ናብ ረብሓ ንምቕያር እንታይ ክግበር አለዎ?

መምህር ማህደር፡- ንስኺ ‘ውን ኣስተባሂልክዮ ትኾኒ ኢኺ ኣብ ቐረባ እዋን ዝወፀ መፅናዕቲ መብዛሕትኡ መንእሰይ ትግራይ ስራሕ ኣልቦ ‘ዩ፤ ስራሕ ኣልቦ ምዃን ድማ ዓርሱ ዝኽኣለ ፀቕጢ ዝፈጥር ‘ዩ፤ በቲ ኣፍቲ ክልል ዘሎ ቑጠባ እቲ መንእሰይ ንኽርባሕ፤ ፈለማ እቲ መንእሰይ ዘለዎ ዝንባለ ብዝተፈላለዩ መገድታት ስልጠና ንኽረክብ ካፍቲ ዘለዎ ጭንቀት ከውፅኦ ዝኽእል ኣብ ስነ ልቦናዊ ፈውሲ ዘድሀበ ሰፊሕ ምንቅስቓስ ተዝግበር፤ መናእሰይ ዘለዎም ጭንቅን ሻቕሎትን ወለዲ ‘ውን ክርድእሎም ዘይኽእሉሉ ብርኪ ‘ዩ ዘሎ።

መበገስታቱ ሓዘን ክኸውን ይኽእል፣ሰኣን ኣጆኻ ዝብሎ ክኸውን ይኽእል፣ ስእነት እቶትን እቲ ንዓማውቲ ዘባኸኖ ግዘ ክኸውን ይኽእል፤ እዚ ኹሉ ዘጋጠመ ፀገም በቃ ኣጋጢሙ ዝሓለፈ ‘ዩ፤ ነዚ ክቐርፍ ዝኽእል መንግስቲ ብዘላቕነት ኢዱ ብምእታው ክፈትሖ ዝኽእል ‘ዩ፤ ብኣውርኡ ድማ ባዕሉ እቲ መንእሰይ ነንርእሱ ተቐራሪቡ ሓዘኑን ሓሳባቱን ከውፀአሉ ዝኽእል ባይታታት እንተፈጢሩ፤ ቐፂሉ ዘሎ ፀጋታት ንምጥቃምን ቑጠባዊ ሓርነት ክህልዎን ኣብ ሕርሻ፣ ኣብ ደቀቕትን ኣናእሽተይን ትካላት ብዝተወሰነ መልክዑ እናነጠፈ ‘ዩ።

እዚ ድማ እንታይ ዓይነት ፀገማት የጋጥሞ ኣሎ ዝብል ምርኣይ ግድን ‘ዩ፤ ቐረብ እታወታት፣ ልቓሕ ገንዘብ፣ ተለቂሑ ጀሚሩ ድማ ምትእስሳር ዕዳጋ እንድሕር ዘየሎ ኣፀጋሚ ‘ዩ፤ ልዕሊ ኹሉ ሃፍቲ ሓይሊ ሰብ ‘ዩ፤ ኾይኑ ግና እቶም ዝጠቐስክዎም ፀገማት መንግስትን መዳርግቲ ኣካላትን ክፈትሕዎ ይግባእ።

እዚ ድማ ዝተፈላለዩ ናይ ስልጠና ማእኸላት ተዝጣየሽ ንኣብነት ኣብ ቱሪዝም ሰብ ሰራሕን ተፈጥራውን ፀጋታት ኣለዉ፤ቅርስታት ‘ውን ኣለው፤ እዚኣቶም ጥራሕ ብኣግባቡ ብምጥቃም ልዑል እቶት ክርከብ ይኽእል ‘ዩ፤ቕድም ክብል ዘንበብክዎ ኣብ ከተማ ለንደን ብእቶት ቱሪዝም ኣብ ዓመት ልዕሊ ሱሳ ቢሊየን ዶላር ከም ዝኾነ ሪአ ነይረ።

ብተመሳሳሊ ኣብ ትግራይ ኹነታት ፀጥታ ሙሉእ ብሙሉእ እንተተረጋጊዑ፤ብዙሓት መናእሰይ ብቑጠባ ተረባሕቲ ክኾኑ ይኽእሉ ‘ዮም፤ ብፍላይ ድማ ኣብ መዓድን ኣብ ትግራይ ኹሉ ዓይነት መዓድን ኣሎ፤ እቲ ዘሎ ሃፍቲ መዓድን ድማ ፍትሓዊ ብዝኾነ መገዲ መንእሰይ ተረባሒ ዝገብር ኣሰራርሓ ንኽዝርጋሕ መንግስቲ ፀቕጢ ተዝገብር ዝሐሸ ‘ዩ፤ምኽንያቱ ሐዚ ‘ውን ፍትሓዊ ዘይኮነ ኣካይዳ ተርእዮታት ስለ ዘለዉ፤ነዚ ተቖፃፂሩ ንብዙሓት መናእሰይ እቶት ዝኾነሉ መገዲ ክመቻቸው ይግባእ።

ነዚ ድማ እቲ ዝተምሃረ ሓይሊ ሰብ ናይ ባዕሉ እጃም ተዝዋፃእ እቲ መንእሰይ ካብ ስደትን ስእነት ስራሕን ምተናገፈ፤ ስደት ክብሃል ከሎ ድማ ዝሐሸ መማረፂ ረኺቡ ኣስተባሂሉ ተዝኸይድ ነይሩ ክንድቲ ኣይመሰከፈን፤ ኾይኑ ግና ብስንባደ ተላዒሉ ናብ የመን ብዘይሕጋዊ መገዲ እናወፀ ናብ ዝገደደ ብርኪ ህይወት ዝኣትው ብዙሕ ‘ዩ።

ቕድሚ ናብ ኣፀጋሚ ኹነታት ምእታውና ኣቐዲሙ ምስ መንግስቲ ኾይኑ ፍታሕ ዝገብር እቲ ዝተምሃረ ሓይሊ ‘ዩ፤ ብምዃኑ ድማ መንእሰይ ኣብ ዓዱ ተተኺሉ ተጠቃሚ ተዝኸውን ካብዘይተደለየ ጭንቂ፣ ዕንይንይን ዓርሰቕትለትን ክናገፍ ‘ተኾይኑ እቲ ዘለዎም ጭንቅን ሻቕሎትን መንግስቲ ክሪኦን ፍታሕ ክገብረሉን ይግባእ።

ወጋሕታ፡- ኣብ መእተዊ መፅሓፍካ ንወላዲትካን ንኣዴታትን ዘለካ ኽብሪ ብረዘንቲ ቃላት ገሊፅካዮ ኢኻ፤እሞ ግደ ውሳነ ምሃብን መሰልን ደቂ ኣንስትዮ ትግራይ፤ ዕድል ረኺበን ዶ ብፍላይ ኣብ ሃገራዊ ጉዳይ ተሰማዕነት ኣለወን ዶ ትብል ?

መምህር ማህደር፡– ብዛዕባ እዚ ኣመልኪተ ዝረኣኽዎ መፅናዕታዊ ፅሑፍ ከም ዝሕብሮ ደቂ ኣንስትዮ ኣብ መዓልቲ ልዕሊ ዓሰርተ ሰለስተ ሰዓታት ይሰርሓ ይብል፤ብፍላይ ኣባና ተደጋጋሚ ኵናት ነይሩ መተማ፣ዓድዋን ኻልኦትን እንትግበር መብዛሕትኡ ግዘ ናይ ኣቦ ሓላፍነት ኣፍታ ጓል ኣንስተይቲ ‘ዩ ዝወድቕ፤ ስለዝኾነ ድማ ስድራ ምእላይን ቖልዑት ምዕባይን ኣብ ኣዶ ‘ዩ ዝወድቕ፤ ኣነ ባዕለይ ኣቦይ ብቑልዕነተይ ስለዝተሰወአ ኣደይ ‘ያ ኣዕብያትኒ።

ነዚ ድማ ጓል ኣንስተይቲ እንተተኽቢራን እንተተሰሚዓን ኹሉ ፀገም ይእለ፤ እቲ ዘለዋ ፀጋ ንኽትጥቀም ምብርትታዕ ድማ ንዕብየት ሃገርን ንሰላምን ወሳኒ ‘ዩ። ይኹን‘ምበር ኣፍቲ ባይታ ዘሎ ሓቂ ግና ንይምሰል ዝግበር ‘ምበር ብሓቂ ዋጋ ደቂ ኣንስትዮ ተረዲኡና መሪሕነት ብዝግባእ ተዋሂብወን ኢለ ኣይኣምንን። ልዕሊ ኹሉ ኣብ ደቂ ኣንስትዮ ዘሎ ዋጋ ተገንዚብና ኣብ ጓል ኣንስተይቲ ዘለና ኣረኣእያ ክቕየር ኣለዎ።

ልዕሊ ኹሉ ሰብ ምዃና ተገንዚብና ዋጋ ምሃብ፤ብዓይኒ ፆታዊ ስምዒት ጥራሕ ካብ ምርኣይ ሓሊፉ ኹሉ ናይ ምግባር ተኽእሎ ናይ ምስራሕ፣ናይ ምውሳን፣መማረፂ ሰላም ኣብ ምሃብ ‘ውን ዓቕሚ ከም ዘለዋ ብተለምዶ ዘይኮነስ ብተግባር ክነርእይን ክነኽብርን ኣለና። ድሕሪኡ ንሳ ‘ውን ዓቕማ ትጥቀምን እቲ ኣብ ልዕሊኣ ዝበፅሕ ዘየድልይ መጥቃዕትን ምድፋርን ጠጠው ንኽብል ኣስ ተዋፅኦ ዝገብር ‘ዩ።

ወጋሕታ፡- ምሁር ኣካል መፍትሒ ፀገማት ‘ዩ ኢለ ይኣምን እሞ ንስኻ ካብ ሞያኻ ብተወሳኺ ኣብ ምንታይ ትነጥፍ ንተተካእቲ ወለዶ እንታይ ንምስራሕ ትሓስብ ?

መምህር ማህደር፡- ኣብ ኹሉ ጠቓሚ ዝኾነ ፕላት ፎርም ምስታፍ ግቡአይ ‘ዩ ኢለ ‘የ ዝሓስብ፤ ትርጉም ምንባረይ ድማ እቲ ዘለኒ ፀጋ ንኻልኦት ብምክፋልን ብሓባር ብምስራሕን ፅቡቕ ፍረ ንምምፃእ ምስ ተምሃሮ ይኹን ምስ መምህራን መሳርሕተይ ብምዃን ኣብ ኪነ ጥበብን ቱሪዝምን ዝኣመሰሉ ምንቅስቓሳት ብምግባር ብሰንኪ ኵናት ዝተፈጠረ በሰላ፤ ዘስዐቦ ሕፅረት ቑጠባዊ ዓቕሚ እቲ ማሕበረሰብ ብፍላይ መንእሰይ ናብ ስንባደ ስለ ዘእተዎ፤ ነዚ ከሕክም ዝኽእል ዝተፈላለየ ፕላት ፎርም ብምጥቃም ኣብ ወለንታዊነት ‘ውን ብምስታፍ ፅቡቕ ዓቕሚ ዘለዎም ኣናእሽተይ ኣሕዋትና ሰኣን ኣጆኹም ዝብሎም ምእንቲ ከይወድቁ ብፍላይ ኪነ ጥበብ ንዕብየት ኾነ ንጥፍኣት ዓብዪ ግደ ስለዘለዎ፤ ብጥዑይ መዋቕርን ኣካይዳን ተደጊፉ ዝሓሸ መማረፅታት ዝቐርበሉ መገድታት ኣብ ምፍጣር ዓቕመይ ዝፈቐዶ እናገበርኩ ‘የ፤ ዝያዳ ክሰርሕ ድማ ድሉው ‘የ።

ወጋሕታ፡- ሓፈሻዊ ፀገማት ክልል ትግራይ መንቀሊኡ ኾነ እቲ ሕዚ ዘለዎ ዘይምዕሩይ ኣካይዳ ብሰንኪ ዘይስሙር ፖለቲካ ዝመፀ ‘ዩ ኢለ ይኣምን፤ እሞ እዚ ዘይምዕሩይ ፖለቲካ ዘስዕቦ ዘሎ ኹለመዳያዊ ቕልውላው ደው ንኽብልን ህዝቢ ትግራይ ብሰላም ናብርኡ ንኸመሓይሽን እንታይ ክግበር ይግባእ?

መምህር ማህደር፡- ፖለቲካ ክጥዕይ ከሎ እቲ ዝድለይ ቑጠባ ይኹን ሰላማዊ መነባሮ ህዝቢ ይፍጠር ኢለ ይኣምን። እቲ ሐዚ ኣብ ባይታ ዘሎ ግና እዚ ኣይኮነን፤ ከም ቐንዲ ምኽንያት ዝቕመጥ ድማ እቲ መሪሕነት ውልቃውነት ዝሰዓሮ ብምዃኑ ራዕ ኢልና ክንወድቕ ገይሩና ‘ዩ፤ ኣነነት ዝሰፈኖ ኣካይዳን ኣብ ውልቃውን ቤተሰባውን ረብሓ ጥራሕ ብምድሃብ ክኽየድ ዝፀንሐ ክያዶ እናርአናዮ ፀኒሕና ኢና ፤ሐዚ ዝመፀ ኣመል ይኹን ቐዲሙ ዝፀንሐ ባህሪ ዓርሱ ዝኽኣለ መፅናዕቲ ዘድልዮ ‘ዩ፤ ብምዃኑ ድማ እቲ ውልቃውነት ዘስዓቦ ሳዕቤን ብውልቂ ምሕሳብን ምዝራብን ከምኡ ድማ ውልቃዊ ውሳነታት ብምሃብ ብዙሕ ሕልኽላኽ ፈጢሩ ‘ዩ፤ ናይዚ ፍታሕ ድማ እቲ መሪሕነት ዓርሱ ዝሪአሉ ዕድል ተዝፈጥር፤ ህዝቢ ኣብ ሓዘን፣ ኣብ ሻቕሎት ‘ዩ ዘሎ፤ ብኸመይ ዝበለ መገዲ ካፍቲ ዘለዎ ሻቕሎት ክናገፍ ይኽእል ኢልካ ብምሕሳብ ምስ መንግስቲ ፌደራልን ዓለምለኸ ትካላትን ብምዃን ትኹረት ተገይሩ ተዝስራሕ ፀገማት ናይ ምፍታሕ ዕድላት ዝፈጥር ‘ዩ።

እስካዕ ሐዚ ውልቃዊ ድሌታት ንምምላእ ብዙሕ ክያዶታት ተኸይዱ ብዙሕ ተኸሲሩ ‘ዩ፤ ሐዚ ድማ ንህዝቢ ዝረብሕ እንተኾይኑ ኣነነት ይኣክል ምባል ኸቢድ ኣይኮነን፤ እቲ ኻሊእ ኣብ ትግራይ ዝተለመደ ዘይልክዕ ኣካይዳ መንግስትን ፓርቲ ፖለቲካን ከም ሓደ ጌርካ ምርኣይ፤ ፖለቲከኛ ህዝቢ ኣይደልን እንተይሉ ብኻሊእ ዝትካእ ‘ዩ፤ መንግስቲ ግና እቶም መሰረታዊ ትካላትን ወሃብቲ ግልጋሎትን ከም ትምህርቲ፣ጥዕና ዝኣመሰሉ ነዚኦም ፀይሩ ከሳግር ዝኽእል መንግስዊ መዋቕርን ፖለቲካዊ መዋቕርን ተዝፈላለ ለውጢ ምተርኣየ ነይሩ፤ ብምዃኑ ድማ ኣብዚ ዝሐሸ ርድኢት ዘለዎምን ክመርሑ ዝኽእሉን ባዕሉ ህዝቢ ብመረፃ ይኹን ሓሳቡ ብምግላፅ ፍታሕ ተዝናዲ ዝሐሸ ፍታሕ ‘ዩ።

ወጋሕታ፡- ምሁር ክበሃል ከሎ ወናኒ ዓለምለኻዊ ኣተሓሳስባ ከም ምዃኑ ትግራይ ድማ ምስ ጎራብታ ይኹን ምስ ዓለም ፅቡቕ ምትእስሳርን ርክብን ንክህልዋ ከም ሃገር ዘለዉ ፀገማት፤ ኣብ ጎረቤትና ዝካየድ ዘሎ ኵናት ንዓና ‘ውን ኣሉታዊ ፅዕንቶ ዘምፅእ ምስ ምዃኑ እንታይ ክግበር ኣለዎ?

መምህር ማህደር፡- ኣብ ዝኾነ ይኹን ኹነታት ፀገማት ንምፍታሕ እቲ ዓብዪ ሕርያ ክኸውን ዘለዎ ብሰላምን ዘተን ምፍታሕ እንትከኣል ‘ዩ። ዘለዉ ኣፈላላያት ብዝተኽኣለ መጠን ብዘተ ጥራሕ ንኽፍታሕ ተዝፀዓር፤ ሐዚ ‘ውን እንተኾነ ኣብ ክልልና ዝርኣዩ ናይ ፀጥታ ፀገማት ብልዝብ ተዝፍታሕ፤ ግዳማውን ውሽጣውን ፈተናታት ብኣግባቡ ክእለዩን መንእሰይ ካብ ስራሕ ስእነትን ስደትን ተዝናገፍ ዝብል ሓሳብ ኣለኒ።

ወጋሕታ ፡-ኣብ ዝነበረና ፃኒሒት ንዝሃብካና ሰፊሕ መረዳእታ ብሽም ትካል ፕሬስ ኢትዮጵያ የመስግን።

መምህር ማህደር፡- ኣነ ‘ውን ኣዝየ የመስግን።

ሄርሞን ፍቃዱ

ወጋሕታ 27 ሰነ 2016 ዓ.ም

Recommended For You