ፅምብል መበል 116 ምስረታ ፖሊስ ኢትዮጵያ

ኣብ ዝሓለፈ ሰንበት 26 ሚያዝያ 2017 ዓ.ም ንመበል 116 መዓልቲ ፖሊስ ኢትዮጵያ፣ ‹‹እናዓበየት፣ እናተለወጠት ዘላ ሃገር›› ብዝብል መሪሕ ሓሳብ ቐዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ሓዊሱ ኣፈ ጉባኤ ታገሰ ጫፎ፣ ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ተመስገን ጥሩነህ፣ ኣፈ ጉባኤ ኣገኘሁ ተሻገር፣ኮሙሽነር ጀነራል ደመላሽ ገብረሚካኤል፣ ሚኒስትራት፣ ጀነራል መኮንነናት፣ ኣምባሳደራት፣ላዕለዋት ሓለፍቲ መንግስትን ብርክት ዝበሉ ካልኦት ዕዱማት ኣጋይሽን ኣብዝተረኸብሉ ኣብ ኣዳባባይ መስቀል ብልዑል ፅምብል ተኸቢሩ ውዒሉ ‘ዩ::

ኣብቲ ፅምብል ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ኣብ ዘስምዕዎ መደረ መደረ፣ ቕድሚ ኩሉ ነዚ ዓብዪ በዓል እዚ ክንተኣኻኸብ ዝገበርኩምና ኩሉኹም ኣባላት ሰራዊት ፖሊስ እንኳዕ ንመበል 116 ዓመት በዓል መስረታ ፖሊስ ብሰላም ኣብፀሐኩም ኣብፀሐና ክብል እፈቱ! ድሕሪ ምባል ከምዝስዕብ መልእኽቶም ኣመሓላሊፎም::

ኣብቲ እዋን ማይ ወቒዑ ምስ ምንባሩ ኣታሓሒዞም፣ ፖሊስ ፌዴራል ዘመናዊ ሰራዊት ምዃኑ ንምርግጋፅ ካብ ሰማይ ዝቐረበልና ዝናብ ብዝናብ ከምዘይንስኮን፤ ከምኡ ‘ውን ብፀሓይ ከምዘይንብዳህ ማለት ኣብ ኩሉ ኣፀጋሚ ነገር ሓሊፍና ሰላም ሃገርና እንሕሉ ምዃና፤ ዝበለፀ ድምቐት፣ ዝበለፀ መልክዕ ዝናብ ስለ ዝሃበና ንፈጠሪና ነመስግን ኢሎም::

ዝተኸበርኩም ኩሉኹም ኣባላት ሰራዊት ፖሊስ 116 ዓመት ማለት ንትካል ቐሊል ትርጉም ዝዋሃቦ ኣይኮነን:: ቕድሚ 100 ዓመት ኣብዚ ሕዚ እዋን ባንዴራን ሽምን ዘለዎም ሃገራት መብዛሕተኦም ከም ሃገር መፀውዒ ኣይነበሮምን:: ክንድዚ ዝኣክል ዓመት ምፅናሕ ናይ በዓሉ ጥቕሚ ዘለዎ ዋላ እንተኾነ ቐፃልነት ዘለዎ ስራሕን ሪፎርምን ንዘመን ዝጠልብ ዓቕሚ ምህናፅ እንተዘይተኻኢሉ ቑፅሪ ጥራሕ እኹል ክኸውን ኣይኽእልን::

ኣብ ሃገርና ሓደ ሓደ ድኹማት ሰባት ወሊዶም ብዕድሉ ይዕበ ይብሉ:: ትካል ብዕድሉ ኣይዓብን ትካል ብስራሕ፣ ብስልጠና፣ ብቴክኖሎጂ ‘ዩ ዝዓቢ:: ኣብዝሓለፉ ውሑዳት ዓመታት ኣብ ኢትዮጵያ ምህናፅ ትካላት ብሓፈሻ ናይ ሰላም፣ ድሕንነት ሓለውቲ ዝተሰርሐ ስራሕ ፅቡቕ ዋላ እንተኾነ ሕዚ ዓለም ምስ ዘለወትሉ ኩነታት ብቐፃልነት ብም ስልጣን ምዕጣቕን ምድላውን ካብ ኩሉ ሰራ ዊት ትፅቢት ዝግበር ‘ዩ:: ሎምዓንቲ ብዝረኣናዮ ዘኹርዕ ስራሕ ከይተዛናጋዕኹም ብቐፃልነት ዓቕሚ ክትሃንፁን ክተዕብዩን ብትሕትና እሓትት::

ዝተኸበርኩም ኣባላት ፖሊስ ካባኹም ንፅበዮ ናይ ኢትዮጵያ ረብሓ፣ ሰላምን ሓድነትን ብቐፃልነት ናይ ምርግጋፅ ስራሕ ‘ዩ:: ንሕና ከባቢ 130 ሚሊየን ህዝቢ ኢና:: ሓደ ከንኸውን እንተኽኢልና ግዝኣት ሓድነትን ብልፅግና ክነረጋግፅ ንኽእል ኢና:: ድሌት ፀላእትና ንዓና ምብታንን ምፍልላይን ‘ዩ:: ናይና ዕላማ ክኸውን ዘለዎ ብሄራዊ ድሌትና ነፂርና ምፍላጥ፣ ሰላምና ምሕላው፣ ተሓባቢርና ምስራሕ፣ ምስ ጎረቤት ህዝቢታት ብሓባር ምስራሕ እንትኸውን ካብዚ ዝሓልፍ ነገር እንተልዩ ድማ ከም ኣቦታትና ብስምዒት ሓርበኝነት ሓድነት ኢትዮጵያን ብሄራዊ ጥቕሚ ምኽባርን ናይ ኩሉ ግዜ ስራሕና ምዃኑ ከትዝክሩ ሓደራ ክብል እደሊ::

ኢትዮጵያ ብፃዕሪ ደቓ ንዘላኣለም ተኸቢራን ተሓፊራን ከትናብር ‘ያ:: ሓድነታን ሰላማን ተሓልዩ ብልፅግናኣ ክረጋገፅ ‘ዩ፤ ሰላምን ሓድነትን ኢትዮጵያ ዘይደልዩ ብዝተለመደ መንገዲ ብቕልፅና ይፈርሱ:: ንሕና ድማ ብሓድነትና ፀኒዕና ንነብር ክብሉ መልእኽቶም ዛዚሞም:: ኮሚሽነር ፌደራል ፖሊስ ኢትዮጵያ ጀነራል ደመላሽ ገብረ ሚካኤል ብወገኖም ኣብቲ እዋን ኣብ ዘስምዕዎ መደረ፤ ፖሊስ ኢትዮጵያ ካብ ዝምስረት ነዊሕ ዕድመ ዘቑፀረ ዋላ እንተኾነ ብዝግባእ ብዝተዋቐረ መልክዑ ብኣዋጅ ዝተጣየሸ 29 ሚያዝያ 1901 ዓ.ም ‘ዩ::

ሰላምን ድሕንነትን ሃገርና ናይ ምኽባር ሓላፍነት ብምውሳድ ‹‹ኣራዳ›› ብዝብል ስያመ ይፍለጥ ነይሩ ‘ዩ:: ካብኡ ከከም ስርዓተ መንግስቲ ፖሊሳዊ ኣገልግሎት እናሃበ ፀኒሑ ‘ዩ:: ፖሊሳዊ ኣገልግሎት እናሃበ ኣብዝነበረሉ እዋን ብዙሓት ዝምስገኑ ከምኡ ‘ውን ዘውቕሱ ተግባራት የሳልጥ ከምዝነበረ ንኹልና ግልፂ ‘ዩ::

ብ2010 ዓ.ም ኣብ ሃገርና ብዝመፀ ለውጢ ብፍላይ ናይ ለውጢ መንግስትና ብዝሃቦ ልዑል ትኹረትን ብዝገበሮ ናይ ፀጥታ ሪፎርምታት መበገሲ ፌዴራል ፖሊስ ኢትዮጵያ ኣካል ሪፎርም ብምዃን ኣብዝሓለፉ ሸውዓተ ናይ ሪፎርም ዓመታት ኣብቲ ትካል ኩለመዳያዊ ለውጢ ብምምፃእ ብብዙሕ መልክዑ ዓቕሚ ፖሊስ ምዕባይ ተኻኢሉ ‘ዩ::

ንኣብነት ፖሊስ ፌዴራል ኢትዮጵያ ዓቕሙ ምክልኻል ወንጀል ንምዕባይ ማሕበረሰብ ኣቀፍን ሓበሬታ ወንጀል ናይ ምክልኻል መሰረት ብምግባር ብቀንዱ ከም ሃገር ዝዋሃቡ ፖሊሳዊ ግቡኣት ክዋፃእ ዝኽእል ብሓይሊ ሰብ፣ ብዓቕሚን ዘመናዊ ዕጥቕን ዝተዋቐሩ ቐልጢፉ ዝበፅሕ ‹‹ፈጥኖ ደራሽ››፣ ናይ ፍሉይ ፀረ ራዕዲ ሓይታት ኮማንዶታትን ዝተፈላላዩ ናይ ስምሪታት ሓላፍነት ብምውሳድ መስዋእትነት ብምኽፋል ሓላፍነቱ ዝዋፃእ ሰራዊት ተፈጢሩ ‘ዩ::

ብተወሳኺ ግድብ ህዳሰና እምኒ ኩርናዕ ካብ ዝቕመጥ ጀሚሩ ሰራዊትና ምስ ካልኦት ናይ ፀጥታ ኣካላት ብምዃን ድሕንነቱ እናረጋገፀ ዝፀንሐን ኣብዚ ሕዚ ሰዓት ‘ውን ከም ሃገር ዘለዎ ራእይ ፖሊሳዊ ሓላፍነት ንምውፃእ ናይ ኮስታል ፖሊስ ንመጀመርታ ግዜ ኣብ ሃገርና ዝተዋቐረ እንትኸውን ንቐፃሊ ብመንግስቲ ንዝዋሃቦ ተልእኾ ዝዋፈር ይኸውን::

ብኻሊእ ወገን ቕድሚ ሪፎርም ብምርመራ ወንጀል ብዝለዓለ ኩነታት ወንጀል ብምጥሓስ ዝፅላእን ዝውገዝን ዝነበረ ትካል በቲ ሪፎርም ልዑል ትኹረት ተዋሂብዎ ሓበሬታን መረዳእታን መሰረት ብምግባር ምርመራ ወንጀል ብምኽታታል ብፍላይ ስራሕቲ ብዝሰልጠነ ሓይሊ ሰብ ብዘመናዊ ፎረንሲክ ምርመራ ብምሕጋዝ ሰብኣዊ መሰል ብዘኽበረ መልክዑ ዓበይትን ጠንካራታትን ወንጀላት ብምምርማር ናይ ምፅራይ ዓቕሚ ፈጢሩ ‘ዩ::

ከም ሃገር በቲ ሪፎርም ካብ ዝተረኸበ ዓወት እቲ ሓደ ብምርመራ ዝመፀ ለውጢ እንትኸውን ከም መርኣዪ ቅድሚ ሕዚ ዘይነበረ ናይ ‹ዲ ኤን ኤ› ምርመራ ክጅምር ብምግባር ኣብዚ ሕዚ እዋን ካብ ሃገርና ሓሊፉ ንጎረቤት ሃገራት እውን እንተኾነ ኣገልግሎት እናሃበ ይርከብ:: ትምህርትን ስልጠናን ብዝምልከት ኣብ ኢትዮጵያ ፖሊስ ዩኒቨርስቲ እናተመርሐ ልዑል ቑፅሪ ዘለዎ መንእሰይ ናይ ፖሊስ ሓይልን ኣመራርሓን ካብ ኩሉ ክልላት ሃገርና ተቐቢሉ ብምብቓዕ ውፅኢታዊ ስራሕ እናሰርሐ ይርከብ:: ኣብ ቐረባ እዋን ዓለምለኸ ኣመራርሓ ፖሊስ ማእኸል ናብ ስራሕ ዘአቱ ይኸውን::

ናይ ወንጀል ምርመራን ምክልኻልን ስራሕና ሓገዝቲ ዝኾኑ ምስቲ ዘመን ዝኸዱን ዋና ናይ ቴክኖሎጂን ዕጥቕን ክንኸውን ዝኸኣልና እንትንኸውን ብፍላይ ብኽብሪ ተመሪቑ ኣገልግሎት ምሃብ ዝጀመረ ‹‹ኢትዮጵያን ፌዴራል ፖሊስ ኣፕ›› (EFPApp) መተግበሪ ብምጥቓም ኣብዚ ሕዚ እዋን ብደረጃ ዓለምለኸ ተወዳዲሩ ብሉፅ ናይ ፖሊስ መተግበርያ Best police application ኣዋርድ ብዝበሃል ቐዳማይ ኮይኑ ክስዕር ክኢሉ ‘ዩ::

እዚ ኣብ ቐረባ ብሕቡራት ዓረብ ኢሚሬትስ ኣብ ዱባይ ኣብ ዝካየድ ብዓለም ለኸ ናይ ፖሊስ ጉባኤ መድረኽ ትካልና ሽልማቱ ዝቕበል ይኸውን:: ነዚ ድማ መላእ ሰራዊት ሃገርና፣ ሃገራት ጎረቤት፣ ሓው ፖሊስ ኣፍሪካ ብሓፈሻ ናይ ዓለም ፖሊስ ሓዊሱ እዚ ኣፕ ዘበርከትና ስለዝኾና ኩልኹም፣ ኩልና እንኳዕ ደስ በለኩም ደስ በለና ክብል እፈቱ::

ብተወሳኺ ናይ ቴክኖሎጂ ዓቕምና ንምዕባይ ብዝተሰርሑ ስራሕቲ ሓይሊ ፖሊስ ድሮን ድጅታል ናይ መራኸቢ ሬድዮ ማእኸል ኮንትሮል ኮማንድ ከምኡ ‘ውን ካልኦት ዓቕሚታት ማእኸላት ቴክኖሎጂ ንምስፋሕ እናተሰርሐ ይርከብ:: ብኻሊእ መልክዑ ኣብ ፖሊስ ቕድሚ ሕዚ ዘይሕሰቡ ሕዚ ግና ብተግባር ዝተራእዩ ዘመናዊ ናይ ቴክኖሎጂ ተጠቐምቲ ሰብ ዋና ኮይና ኣለና:: ንቐፃሊ ‘ውን ተጠናኺሩ ዝቕፅል ይኸውን::

ኣብ ውሽጥን ደገን ዘለዉ ርክባትና ካብ ሃገር ውሽጢ ናይ ፀጥታ፣ ድሕንነትን ኣካላት ፍትሕን ከምኡ ‘ውን ካብ ወፃኢ ሃገር ካብ ዞባዊን ኣፍሪካ፣ ኢንተርፖል፣ ካብ ኣውሮፓ፣ ካብ ኤስያን ካልኦት ሃገራትን ዘለና ናይ ስራሕ ርክብ ምትሕብባር ብምጥንኻር ፖሊስ ሃገርና ክብሪ ዘለዎ ትካል ክኸውን ተኻኢሉ ‘ዩ:: በዙይ ብዓለምለኸ መድረኽ ምትሕብባር ፀጥታ ፖሊስ ሃገርና ንኣፍሪካ ብምውካል ብኣባልነት ቦርድ እናገልገለ ይርከብ::

ክቡር ቀዳማይ ሚኒስትር፣ ክቡራትን ክቡራንን ብሓፈሻ ኣብ ዝሓለፉ ናይ ለውጢ ዓመታት ብዝተሰርሐ ስራሕ ዝኾነ ዓይነት ዝተፈላላዩ ግዳያት ብብቕዓት ምውፃእ ዘኽእል ዝማዕበለ ዓቕሚ ብምፍጣር ሰላምን ድሕንነትን ሃገርናን ህዝብናን ካብ ምርግጋፅ ሓሊፉ በዚ ዘፈር እዞም እናተመዝገቡ ዘለዉ ለውጥታት ብፅሒትና እናተዋፃእና ንርከብ::

እዚ ውፅኢታዊ ስራሕና ዘዛናግዐና እንተይኮነስ ብዝበለፀ ከንተግህ ዝገብርና ብምዃኑ ንቐፃሊ ሓይሊ ፖሊስና ዝኾነ ሕገመንግስታዊ ተልእኾ ብቖራፅነት ብምውፃእ ናይ ሂወት መስዋእትነት ሓዊሱ ብምኽፋል ሰላምን ድሕንነትን ህዝብናን ሃገርናን ንምርግጋፅ ቃል ንኣቱ:: ኣብ መዋዳእታ ቀዳማይ ሚኒስትር ፌዴሪኢ ክቡር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ብዝሃብዎ ልዑል ትኹረትን ጠንካራን ኣመራርሓ ከምኡ ‘ውን ንመንግስቶም ብሽም ፖሊስ ሰራዊት ኢትዮጵያ ልዑል ምስጋና ከቕርብ እደሊ::

ህዝበና ስራሕ ፖሊስ ብምሕጋዝ በብግዚኡ ኣብ ንገብሮ ስራሕቲ ኣብ ጎንና ጠጠው ስለዝበለ ንመላእ ህዝቢ ኢትዮጵያ በዙይ ኣጋጠሚ ምስጋናይ ከቕርብ እደሊ:: ብጅግንነት ሃገር ምሕላውን ብሰብኣውንት ምግልጋልን ይግባእ ክብሉ ገሊፆም::

መኣርግ ገ/ሄር

ወጋሕታ 30 ሚያዝያ 2017 ዓ.ም

 

Recommended For You