ኣብ ከተማ ኣኽሱም ወፍሪ ክታበት ፀረ ፅግዕተኛ ሓሳኹ ተኻይዱ

ኣዲስ ኣበባ፡-ኣብ ከተማ ኣኽሱም ኣብ ወፍሪ ክታበት ፀረ ፅግዕተኛ ሓሳኹ ብምውዳድን ብምድግጋፍን ስለዝተሰርሐ ኣብ ሓፂር ግዜ ኣወንታዊ ውፂኢት ከምዝተመዝገበ ቤት ፅሕፈት ጥዕና ከተማ ኣኽሱም ገሊፁ።

ሓላፊ ቤት ፅሕፈት ጥዕና ከተማ አኽሱም ኣይተ ኣብርሃለይ ሸፋራው ከምዝገለፅዎ ኣፈፃፅማ መደባት ወፍሪ ክታበት ዕደላ ፀረ ፅግዕተኛ ሓሳኹ ኣብ ሓሙሽተ መዓልቲ ካብ ዝተትሓዘ ትልሚ 27 ሽሕን 454 እቲ ዝተፈፀመ ድማ 26 ሽሕን 387 ብሚኢታዊ 96.1 ከምዝኾነ ገሊፆም።

ኣብ ወፍሪ ክታበት ፀረ ፅግዕተኛ ሓሳኹ ኣወንታዊ ተግባር ክምዝገብ ዝኸኣለ ብምኽንያት ሰራሕተኛታት ቤት ፅሕፈት ጥዕናን ሰራሕተኛታት ቤት ፅሕፈት ትምህርቲን ተናቢብናን ተደጋጊፍናን ምስራሕ ‘ዩ ክብሉ ኣይተ ኣብርሃለይ ሸፋራው ገሊፆም ክብል ሓበሬታን ርክብን ከተማ ኣኽሱም ፀሪሑ ቤት ፅሕፈት ጉዳያት ኮሙዩኒኬሽን ትግራይ ፀብፂቡ።

ወጋሕታ 19 መጋቢት 2016 ዓ.ም

Recommended For You