ተሓቆንቲ ትካላት መስተ ማይ ትግራይ ብዝተዋደደ ኣገባብ ይስረቓ ኣለዋ ተባሂሉ

ኣዲስ ኣበባ:- ድሕሪ ኲናት ፅገና ዝተገበረለን ተሓቆንቲ ትካላት መስተ ማይ ትግራይ ይጎሓላን ይስረቃን ስለዘለዋ ግቡእ ሓለዋን ክንክንን ክግበረለን ቢሮ ማይን ኢነርጂን ትግራይ ኣተሓሳሲቡ፡፡

ቢሮ ማይን ኢነርጂን ትግራይ ናብ ኹለን ከተማታት፣ ወረዳታትን ጣብያታት ትግራይ ኢሉ ከምዝፀሓፎ ፤ ድሕሪ ኲናት ፅገና ዝተገበረለን ተሓቆንቲ ትካላት መስተ ማይ ኣብ መላእ ትግራይ ብዝተዋደደ ኣገባብ ኮነ ተባሂሉ ብጉግይ ኣተሓሳስባ ይጎሓላን ይስረቃን ከምዘለዋ ብምሕባር፤ ነዚ መዕነዋይ ተግባር ደው ከብላን ግቡእ ሓለዋን ክንክንን ክገብራ ፀዊዑ፡፡

ብተወሳኺ ካብ ዞባ ክሳብ ጣብያ በቢብርኩ ዘሎ ኣመራርሓን ኣካላት ፀጥታን ብምዉዳድ ህዝቢ ኣተሓባቢርካ እቲ ዝግበር ዘሎ መዕነዋይ ተግባር ሕብረተሰብና ኣብ ልዕሊ ፀገሙ ተወሳኺ ፀገም ንምፍጣር ዝዓለመ ተግባር ከምዝኾነ ዝሓበረ እቲ መግለፂ፤ ብዘይወዓል ሕደር ድማ ዝኾነ ዓይነት ኣብ ግልጋሎት ዝወዓላ መሳርሒ ተሓቆንቲ ትካላት መስተ ማይ ካብን ናብን ንከይጓዓዓዝ፣ ኣብ ሕድሕድ ኬላ ክትትልን ተፍትሽን ክግበር እቲ ቢሮ ኣፍሊጡ።

ከምኡ ‘ውን ዝኾነ ኣካል ክሸጥን ክዕድግን ዝተረኸበ ብሕጊ ተሓታቲ ከምዝኸውን ብምግላፅ፤ እቲ ሕብረተሰብን በቢከባቢኡ ዘሎ ምምሕዳርን ብዝተወደበ ኣገባብ እተን ዝጥቀመለን ትካላት መስተ ማይ ንብረቱ ምዃኑ ተረዲኡ ጉሒላታት ከቃልዕን ሓለዋን ክንክንን ክገብር ነተሓሳስብ ኢሉ፡፡ ኣብዚ መነወሪ ተግባር ዝተሳተፉ ኣካላት ድማ ካብ እኩይ ተግባሮም ክዕቀቡ እቲ ቢሮ ኣጠንቂቁ።

እቲ ቢሮ፣ ገበርቲ ሰናይ ብምትሕብባርን ሕብረተሰብ ብምስታፍ ብውስን ሃፍቲ ብርክት ዝበላ ትካላት ማይ ፅገና ብምክያድ ናብ ግልጋሎት ክኣትዋ ፃዕሪ ከምዝግበረ ብምግላፅ፤ ይኹን ‘ምበር ብምኽንያት ስርቂ ተሓቆንቲ ትካላት ማይ ህዝብና ንዓፀቦን ንማይ ፃምእን ከምኡ ‘ውን ንማይ ወለድ ሕማማትን ተቃሊዑን እናተቃልዐ ይርከብን ከምዘሎ እቲ መግለፂ ኣፍሊጡ፡፡

ከም ገልፃ እቲ ቢሮ፤ ቢሮ ማይን ኢነርጂን ብክልል መንግስቲ ትግራይን ብናይ ገበርቲ ሰናይ ሓገዝ ወሃብቲ ኣካላትን ብምውዳድ ፍሉይ ትኹረት ተዋሂብዎ ኣብ ገጠርን ከተማን በቢዓመቱ ኣብ ቀረብ መስተ ማይን መስኖን ስራሕቲ ኢነርጅን ንነዊሕ ዓመታት ብርክት ዝበሉ ሕብረተሰብ ተጠቃማይ ዝገብር ዓበይቲ ናይ ልምዓት ስራሕቲ እናሰርሐ መፂኡ ‘ዩ፡፡

ኾይኑ ግና ብመንግስቲ ገበርቲ-ሰናይን ሓገዝ ወሃብቲ ኣካላትን ተሃኒፆም ንሕብረተሰብ ግልጋሎት እናሃቡ ዝነበሩ ትካላት መስተ ማይ በቲ ዝተፈጠረ ኵናት ብዝበፅሖም ዕንወት ብርክት ዝበሉ ናይ መስኖን መስተ ማይ ትካላትን ውፅኢት ኢነርጂን ብምዕናውን ብምዝራፍን ብቐሊሉ ዘይሓዊ ፀገማት ኣብ ኩሉ ከተማታትን ገጠራትን ትግራይ ሕፅረት ቐረብ ፅሩይ ዝስተ ማይ ከምዘጋጠመ ወሲኹ ገሊፁ ‘ዩ፡፡

ኣብርሃ ሓጎስ

ወጋሕታ 19 መጋቢት 2016 ዓ.ም

Recommended For You