መፍረያይነት ዝውስኹ ፈልስታት ፍራምረን ኣሕምልቲ ገደናን ናብ ሓረስቶት እናተዘርግሑ ‘ዮም

ኣዲስ ኣበባ:- ኣብ ክልል ትግራይ መፍረያይነት ዝውስኹ ፈልስታት ፍራምረን ኣሕምልቲ ገደናን ናብ ሓረስቶት እናተዘርግሑ ምዃኖም ቢሮ ሕርሻን ሃፍቲ ተፈጥሮን ግዝያዊ ም ምሕዳር እቲ ክልል ኣፍሊጡ።

ነቶም ፈልስታት ናብ ሓረስቶት እቲ ክልል እናቕረበ ዝርከብ ኣብ ከተማ መቐለ ዝርከብ ባዮ-ቴክኖሎጂ ዝተብሃለ ውልቃዊ ትካል እንትኸውን፤ እቶም ፈልስታት መስኖ ተጠቒምካ ዝለምዑ ምዃኖም ቢሮ ሕርሻን ሃፍቲ ተፈጥሮን ግዝያዊ ም ምሕዳር እቲ ክልል ኣፍሊጡ።

ዳይሬክተር ልምዓት መስኖ እቲ ቢሮ ኣይተ በሪሁን ኣረጋዊ ንግልጋሎት ዜና ኢትዮጵያ ከምዝገለፅዎ፤ ኣብ ትግራይ ብሓላፍነቱ ዝተወሰነ ውልቃዊ ማሕበር ባዮ-ቴክኖሎጂ ፈሊሶምን ተባዚሖምን ናብ ሓረስቶት እናቐረቡ ዝርከቡ ፈልስታት ፍራምረን ኣሕምልቲ ገደናን መፍረያይነት ብልዕሊ 50 ሚኢታዊ ንክውስኽ ዝገብሩን ሕማም ዝፃወሩን ‘ዮም።

ካብ ዝሓለፈ ታሕሳስ ክሳብ መወዳእታ ለካቲት 2016 ዓ.ም ‘ውን 150 ሽሕ ዝኾኑ ሓረስቶት ምሩፅ ዘርእታት ብምጥቃም 54 ሽሕ ሄክታር መሬት ብመስኖ እናልምዑ ከምዝርከቡ ተዛሪቦም። ተወሲዶም ብሓረስቶት እቲ ክልል እናለምዑ ካብ መንጎ ዝርከቡ ፍራምረን ኣሕምልቲ ገደናን ፈልስታት ኣራንሺ፣ ፓፓያ፣ ሎሚን፣ ዘይትሁን፣ ሙዝ፣ ማንጎ፣ ኣፕል፣ ድንሽ፣ ቀይሕን ፀዓዳ ሽንጉርትን፣ ኮሚደረን በርበረን ይርከብዎም።

ናብቶም ሓረስቶት እናተዘርግሑ ዝርከቡ ዓሌታት ብፍርያት ምግቢ ዓርስኻ ንምኽኣል ንዝግበር ፃዕሪ ንምሕጋዝ ከምዘኽእሉ ‘ውን እቶም ዳይሬክተር ገሊፆም። ኣብ ዝቕፅሉ ኣዋርሕ እቲ በጀት ዓመት ‘ውን እቲ ትካል ግልጋሎቱ ብምስፋሕ 200 ሽሕ ሓረስቶት ተጠቀምቲ ንምግባር ዝተዋደደ ትልሚ ኣውፂኡ እናሰርሐ ከምዝርከብ ኣመላኺቶም።

እቶም ብዘመናዊ መገዲ ፈሊሶምን ተባዚሖምን ናብ ሓረስቶት እናተዘርግሑ ዝርከቡ ዓሌታት ካብቶም ብባህላዊ ሜላ ኣሰራርሓ ዝዳለዉ ዓሌታት ልዕሊ 50 ሚኢታዊ መፍረያይነት ከምዝውስኹን ሕማም ከምዝፃወሩን ብዝተገበረ ፈተነ ከምዝተረጋገፀ ተፈሊጡ።

ካብ መጋቢት ክሳብ መወዳእታ ሓምለ 2016 ዓ.ም ኣብ ዘለዉ ሓሙሽተ ኣዋርሕ ሸሞንተ ነጥቢ ሽዱሽተ ሚሊዮን ፈልስታት ብምፍላሕን ብምብዛሕን ልዕሊ 200 ሽሕ ንዝኾኑ ሓረስቶት ተጠቀምቲ ንምግባር ምድላው እናተገበረ ምዃኑ ገሊፆም።

በሪሁ ኣረጋ

ወጋሕታ 19 መጋቢት 2016 ዓ.ም

Recommended For You