ኣዲስ ኣበባ ትርኽቲ ብሄራዊነትን ምትእስሳርን ዝተረጋገፀላ ከተማ ንምግባር እናተሰርሐ ‘ዩ

ኣዲስ ኣበባ:- ኣዲስ ኣበባ ትርኽቲ ብሄራዊነትን ምትእስሳርን ዝተረጋገፀላ ከተማ ንምግባር እናተሰርሐ ‘ዩ ክብሉ ምክትል ፕሬዝዳንት ፓርቲ ብልፅግና ኣይተ ኣደም ፋራህ ገሊፆም።

“ቓል ብተግባር ንብልፅግና ኢትዮጵያ” ብዝብል ቴማ ፓርቲ ብልፅግና ከተማ ኣዲስ ኣበባ እናካየዶ ንዝነበረ ኮንፈረንስ መዛዘሚ መርሃ-ግብሪ ኣብ መዘከርታ ዓወት ዓድዋ እንትካየድ ኣይተ ኣደም ፋራህ ከምዝገለፅዎ፤ ኣዲስ ኣበባ ትርኽቲ ብሄራዊነትን ምትእስሳርን ዝተረጋገፀላ ከተማ ንምግባር ከም ፓርቲ ዓብዪ ልእኽቶ ኣለና። በዚ መሰረት ‘ውን እታ ርእሰ- ከተማ ትርኽቲ ምትእስሳር፣ ሓቛፋይነት፣ ኣካታታይነት፣ ሕብረ-ብሄራዊ ሓድነትን ሕውነትን ዝዓሰላ ከተማ ንምግባር ዝተጀመረ ስራሕ ተጠናኺሩ ክቕፅል ‘ዩ።

ከም ገለፃ ኣይተ ኣደም፤ ፓርቲ ብልፅግና ዝሓለፈ ፅቡቕ ታሪኽ ናብ ወለዶ ንምምሕልላፍን ናይ ሕዚ ወለዶ ናይ ዓርሱ ታሪኽ ንኽሰርሕን ንምኽኣል ዘለዎ ቖራፅነት ካብ መንጎ ዝተርኣየሎም ስራሕቲ መዘከርታ ዓወት ዓድዋ እቲ ሓደ ‘ዩ። እዚ ‘ውን ኣብታ ርእሰ-ከተማ ልዕልነት ትርኽቲ ምትእስሳር ንኽረጋገፅ ንዝግበር ፃዕሪ ሓጋዚ ‘ዩ።

ኣዲስ ኣበባ ብልፅግና ኢትዮጵያ ኢሉ ‘ውን ኣፍሪካ ዝረኣየላ ንምግባር እታ ከተማ ንመነባብሮ ምችውትን ከም ሽማ ዕምበባን ንክትኸውን ንዓለምለኸ ደረጃ ልምዓት ከተማ መሰረት ብዝገበረ መልክዑ ስራሕቲ ስለዝተሰርሑ ውፅኢታት እናተመዝገቡ ምዃኖም እቶም ምክትል ፕሬዝዳንት ሓቢሮም።

በዚ ‘ውን ዛጊድ ዝተሰርሑ ስራሕቲ እኹላት ‘ዮም ተባሂሉ ከምዘይሕሰብ ዝተዛረቡ ኣይተ ኣደም፤ ጅማሮ ብምዃኖም ኣብቶም ዝተረፉ ናይ መረፃ ዘመናት ‘ውን ነታ ከተማ ንዝተትሓዙ ትልምታት ብዝተማልአ መልክዑ ኣሳኺዕና ውፅኢታዊ ፓርቲ ምዃንና ነረጋግፀሉ ግዜ ‘ዩ ክኸውን ኢሎም።

ከንቲባ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣዳነች ኣቤቤ ብወገነን፤ ድሕሪ እቲ ለውጢ ኣብ ፈታኒ ሃገራዊ፣ ዞባዊን ዓለምለኻውን ኩነታት ውሽጢ ኾይንና ዘመን ዝሳገሩ ዓወታት እናመዝገብና ብምዃኑ ህዝቢ ኣብቲ ኸይዲ እምነትን ተስፋን ስለዘሕደረ ነቲ ፓርቲ ምሉእ ፈቓድ ክህብ ከምዝኸኣለ ተዛሪበን።

ከም ገለፃ እተን ከንቲባ፤ ኣብ ኣፈፃፅማ መፋርቕ ዘመን መረፃ ዝተመዝገቡ ዓወታት ብምልካዕ ኣብ ኣንፈታት ቐፃሊ ብምርድዳእ ምርብራብ ኣዝዩ ኣድላዪ ‘ዩ። እቲ ፓርቲ ኣብ ዝሓለፉ ክልተ ዓመትን መንፈቕን ንኣባላቱን ኣመራርሓታቱን ኣዋዲዱ ብምምርሑን ንህዝቢ ብቐጥታ ብምስታፉን ዘበረታትዑ ውፅኢታት ከመዝግብ ኽኢሉ ‘ዩ። ኣዲስ ኣበባ ኹሉ ብማዕረ ዝስተኣናገደላ ምዃና እናረጋገፀት ትርከብ ።

እታ ከተማ ብመንፅር ዘለዋ ሃገራዊ፣ ኣህጉራዊን ዓለምለኻውን ልእኽቶ ሰላማን ድሕንነታን ክኽበር ምግባር ቐዳማይ ውራይ ‘ዩ ኢለን። ከምገለፃ እተን ከንቲባ፤ ኣባላትን ኣመራርሓታትን እቲ ፓርቲ ተዋዲዶም ብዝሰርሕዎ ስራሕ ሽርሒ ፀረ- ሰላም ሓይልታት ምፍሻል ተኻኢሉ ‘ዩ።

“ንቓል ብተግባር” ብዝብል ቴማ ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ዝተሰርሑ ስራሕቲ ልምዓት ኣብ ዓለምለኻዊ መድረኽ ልምዲ ዝቕሰመሎም ክኾኑ ከምዝኸኣሉ ኣልዒለን፤ ብፍላይ ብሰብ ተኮር ስራሕቲ ኣብ ኣረጋውያን፣ ደቂ ኣንስትዮን መናእሰይን ብምስራሕ መነባብሮ ሕብረተሰብ ንምልዋጥ እናተሰርሐ ምዃኑ እተን ከንቲባ ተዛሪበን።

ዕላማ እዚ ኮንፈረንስ ዝለዓለ ምልዕዓል ብምፍጣር ንቐፃሊ ዓብዪ ልእኽቶ ንሰንቀሉን ነዚ ‘ውን ቓል ንኣትወሉን ‘ዩ ዝበላ እተን ከንቲባ፤ ኣብ ዝሓለፉ ክልተ ዓመታትን መንፈቕን ዝተረኸቡ ዓወታት ፈተናታት ዝነበርዎ እንተኾነ ‘ውን ነቲ ፈተና ብምሕላፍ ዘንፀባርቕ ዓወት ከምዝተመዝገበ ሓቢረን።

በሪሁ ኣረጋ

ወጋሕታ 19 መጋቢት 2016 ዓ.ም

Recommended For You