‹‹ኢዜማ ካብ ስልጣን ንላዕሊ ንሃገርን ህዝቢ ሰላምን ቐዳምነት ይህብ›› ኣይተ የሺዋስ ኣሰፋ

መሰረት ገ/ዮሃንስ

ኣዲስ ኣበባ፡- ናይ ኢትዮጵያ ዜጋታት ማሕበራዊ ፍትሒ(ኢዜማ) ካብ ስልጣን ንላዕሊ ንሃገር ሰላም ቐዳምነት ከምዝህብ ናይቲ ፓርቲ ኣቦ ወንበር ኣይተ የሺዋስ ኣሰፋ ኣፍሊጦም።

ናይቲ ፓርቲ ኣቦ ወንበር እዚ ዝበሉ ኣብ ዞባ ጋሞ አብ ዙርያ ኣርባ ምንጭ ወረዳ ዘይሴ ፍሉይ መረፃ ክልል ንህዝቢ ኣብ ዝተዳለወ ፕሮግራም ምስጋና እዩ።14 ሰነ 2013ዓ.ም ኣብ ዝተኻየደ ሃገራዊ መረፃ ሰላማውን ዴሞክራሲያውን ንክኸውን ኢዜማ ናይ ባዕሉ ግደ ከምዝተፃወተ ኣዘኪሮም እዮም።

ኢዜማ ኣብ ዘይሴ ፍሉይ ክልል መረፃ ብምስዓሩ ፤ደቂ ኣንስትዮ ዝገበርኦ ዝነቃቕሕ ተሳትፎን ንመረፃ ሰላማውነትን እቶም ኣቦ ወንበር ምስጋና ኣቕሪቦም እዮም።‹‹ህዝቢ ዘይሴ ከይዲ መረፃ ኢትዮጵያዊ ጨዋነት ብምርኣዮም ፣ ድምፂ መውሃቢ ሳፁን ብምሕላውን ኣብ ቆፀራ ዝገበሮ ህልኽ ዘወድእ ቑፅፅር ንካልእ ኸባቢ ፅቡቕ መርኣያ እዩ›› ኢሎም።

ኢዜማ ንሃገርን ህዝብን ሰማዊነት ቐዳምነት ከምዝህብ ዝተዛረቡ ኣይተ የሺዋስ ፣ስልጣን ኾነ ሕቶ ህዝቢ ምምላስ ዝከኣል ሃገር ሰላም እንትኾን ጥራሕ ከምዝኾነ ገሊፆም።ኣብ ዙርያ መረፃ ዘሎ ዝኾነ ዓይነት ፀገማት ብሕጋዊ መገዲ ጥራሕ ንምፍታሕ ፓርቲኦም ድልው ከምዝኾነ ገሊፆም።ኣብ መንጎ ፓርትታት ምፍላላይ ሓሳብ’ምበር ናይ ሃገር ምፍልላይ ከምዘየለ ሃገራዊ ልምዓት ኣጀንዳታት ንክሳኽዑ ኢዜማ ምስ መንግስቲ ሓቢሩ ከምዝሰርሕ ኣረጋጊፁ እዩ።

ኣይተ የሺዋስ ኣብ ሃገራዊ መረፃ ኢዜማ ዘይሴ ፍሉይ መረፃ ክልል ንክስዕር ንዝመረፆን ንዘይመረፆን ህዝቢ ከምኡ’ውን ንዝተሰዓሩ ፓርትታት ምስጋና ኣቕሪቦም እዮም።

ኣብ መረፃ ክልል ዘይሴ ንቤት ምኽሪ ተወከልቲ ህዝቢ ሰዓሪ ዝኾኑ ኣይተ ኣብርሃም ኣቦሼ ብወገኖም፣ ኢዜማ ንዝመረፀ ህዝቢ ከምኡ’ውን ብሓሳብ ብጊዜ ብገንዘብን ብናውትን ንዝሓገዙ ኹሉ ምስጋና ኣቕሪቡ እዩ።

ብዘይ ቃልሲ ነፃነት ከምዘይርከብ ዝገለፁ ኣይተ ኣብርሃም፣ ‹‹ነፃነት እንተሃልዩ ናይ ዜጋታት መንነት፣ሉኣላውነት ፣ታሪኽ ፣ቋንቋ፣ባህሊ ፣ባዕልካ ንባዕልካ ምምሕዳር ኹለንተናዊ ልምዓት ብቐሊሉ ይረጋገፅ እዩ ኢሎም።ህዝቢ ዘይሴ ን47 ዓመታት ባዕልካ ንባዕልካ ናይ ምምሕዳር እናቕረበ እንተፀንሐ’ውን ክሳብ ኸዚ መልሲ ከምዘይረኸቡ ጠቒሶም፤ ኣብ ቐፃሊ እዝን ካልኦት ሕቶታት ህዝብን ንክምለሱ ብትኹረት ከምዝስራሕ ኣመልኪቶም እዮም።

‹‹6ይ ሃገራዊ መረፃ ዲሞክራስን ፍትሓውን ነይሩ ፤ዲሞክራሲ ኣብ ሃገርና ንክረጋጋፅ ዶክተር ኣብይ ኣህመድ ዓብይ ግደ ተፃዊቶም እዮም››ዝበለ ድማ መንእሰይ ኣማኑኤል ገብሚካኤል እዩ።ኣብ ኢትጵያ ዴሞክራሲ ንምስፋን ቐዳማይ ሚኒስትር ቆሪፆም ከምዝተልዓሉ ኹሉ ኣብ ክልል ፣ዞባ ፣ወረዳን ቀበሌን ዘለዉ ኣመራርሓታት ካብኦም ክመሃሩ ኣለዎም›› ኢሉ።

ወይዘሮ ዉባየሁ ተፈሪ ዝተብሃላ ነባሪት ብወገነን ‹‹6ይ ሃገራዊ መረፃ ከም ሃገር ዴሞክራስያውን ኹሉ ፓርትታት ብመዓርነት ዝተሳተፍሉ እዩ››ኢለን።

ኣብቲ መረፃ ዉሑዳት ፀገማት እንተነበሩ’ውን ካብ ካልኦት መረፃታት ኣንፃር ዝሓሸ ሰላማውን ፍትሓውን ከምዝኾነ ዝገለፃ ወይዘሮ ዉባየሁ ፣ደቂ ኣንስትዮ ዘይሴ ኣብቲ መረፃ ንዝገበረኦ ንቁሕ ተሳትፎ ንካልኦት መርኣያ ከምዝኾን ኣመልኪተን እየን።

ኣብ ኢትዮጵያ ፖለቲካ ታሪኽ ዘይተለመደ ባህሊ ንምፍጣር ዝተዳለወ ምስጋና ፕሮግራም ኣብ መንጎ ፓርትታት ኣብ ቐፃሊ ከም ባህሊ ክልመድ ከምዘለዎ ተገሊፁ እዩ ክብል ፀብፃብ ግዜኢ የመልክት።

ወጋሕታ 8 ሓምለ 2013 .

Recommended For You