‹‹ስራሕቲ ግድብ ኣባይ ብጥንካረ መንግስቲን ህዝቢን እናተዛዘመ ይርከብ›› – ዶክተር ኣረጋዊ በርሀ

ዓብዪ ግድብ ህዳሰ ኢትዮጵያ 24 መጋቢት 2003 ዓ.ም ብነበር ቐዳማይ ሚኒስትር መለስ ዜናዊ ምጅምሩ ዝፍለጥ ‘ዩ። እዚ ግድብ እዚ ብምትሕብባር ህዝቢ ኢትዮጵያ እናተሃነፀ ዝርከብ ኮይኑ ሕዚ 24 መጋቢት 2016 ዓ.ም 13 ዓመት ኣቑፂሩ ኣሎ። እዚ ግድብ ኣብ ከይዲ ዝተፈላላዩ ዲፕሎማሲን ቴክኒካዊን ዕንቕፋታት እናተሳገረ መፂኡ ‘ዩ። እቶም ዘጋጥምዎ ዝነበሩ ሕልኽላኻት ብፍላይ ድማ ቐዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ብዝገበርዎ ምስትኽኻላት እናተሰርሐ መፂኡ ሕዚ ናብ ምዝዛም ገፁ እናተቓረበ ይርከብ። እቲ ግድብ ቐንዲ ዕላምኡ ሓይሊ ኤሌክትሪክ ንምፍልፋል እንትኸውን ኣብዚ ሕዚ እዋን ብዝተወሰነ ደረጃ ምፍልፋል ጀሚሩ ኣሎ። ብምዃኑ ሓፈሻዊ ኩነታት እቲ ግድብ እንታይ ከምዝመስልን ክሳብ ሕዚ ዘሎ ተሳትፎ ህዝቢን መንግስትን ከምኡ ‘ውን ካልኦት ተተሓሓዝቲ ጉዳያትን ኣድሂብና ምስ ዋና ዳይሬክተር ቤት ፅሕፈት መተሓባበሪ ህዝባዊ ተሳትፎ ዓብዪ ግድብ ህዳሰ ኢትዮጵያ ዶክተር ኣረጋዊ በርሀ ዝገበርናዮ ቓለ መሕትት ሙሉ ትሕዝትኡ ከምዚ ዝስዕብ ቐሪቡ ኣሎ።

 ወጋሕታ፡- ዓብዪ ግድብ ህዳሰ ኢትዮጵያ ካብ ዝጅመር 13 ዓመቱ ኣቑፂሩ ኣሎ። እዚ ግድብ እዚ ኣብዚ ሕዚ እዋን ኣብ ምንታይ ኩነታት ወይ ብርኪ ከምዝርከብ ተዝገልፁልና?

ዶ/ር ኣረጋዊ፡– ፅቡቕ፤ ዓብዪ ግድብ ህዳሰ ኢትዮጵያ ብምትሕብባር መላእ ህዝቢ ኢትዮጵያ እናተሰርሐ ከምዝርከብ ዝፍለጥ ‘ዩ። እዚ ግድብ እዚ ኣብዚ ሕዚ እዋን ኣብ ምንታይ ኩነታት ወይ ብርኪ ይርከብ ንዝብል ሕቶ፣ ሕዚ ዘለዎ ኩነታት ኣብ ፅቡቕ ደረጃ ‘ዩ ዝርከብ።

ከምዚ ክብል እንተለኹ ብማእኸላይ(ኣቪሬጅ) ክረአ እንተሎ 95 ሚኢታዊ ተሰሪሑ ‘ዩ። ብማእኸላይ ዝገለፅክዎ ምኽንያት ዝተፈላለዩ ክፋላት ስለ ዘለዎ ‘ዩ። ከፋፊልካ ክረአ እንተሎ እቲ ፕሮጀክት ዘካትቶ ከም ስራሕቲ ሲቢል (civil works)፣ ኤሌክትሮ መካኒካልን ሃይድሮሊክ ስቲል ስትራክቸርን (Electromechani­cal & hydraulic steel structures) ህንፀት ዝመሳሰሉ ዝተፈላለዩ ስራሕቲ ኣለዉ።

ሕዚ እቲ ህንፀት ኣብ ናይቲ ሲቪል ኢንጅነሪግ ናብ 98 ሚኢታዊ እናበፅሐ ‘ዩ። ናይ ሃይድሮሊክን ካልኦት ስራሕትን ድማ ቐስ ብቐስ ብጥንቓቐ እናተሰርሑ ስለዝኾኑ እንዚኦም ድማ ካብቶም ካልኦት ብተወሰነ ደረጃ ትሕት ኢሎም ከባቢ 80 ሚኢታዊ በፂሖም ይርከቡ። ኮይኑ ግና ብሓፈሻ ብማእኸላይ ክረአ እንተሎ 95 ሚኢታዊ በፂሑ ይርከብ።

እዙይ ማለት እቲ ግድብ ናብ ከባቢ 42 ቢልዮን ሜትር ኪዩብ ማይ ሒዙ ይርከብ። እዚ ካብቲ ዝተተለመ 74 ቢልዮን ሜትር ኪዩብ መብዛሕትኡ መጠን እቲ ማይ ተታሒዙ ኣሎ። እዙይ ማለት ከምዝፍለጥ እቶም ተርባይናት ምፍልፋል ኤሌክትሪክ ጀሚሮም ‘ዮም። ክልተ ተርባይናት ኣብ ስራሕ ‘ዮም ዝርከቡ። ኣብ ቀረባ እዋን ድማ ከባቢ 5 ተርባይናት ስራሕ ክጅምሩ ‘ዮም።

እዚ ኤሌክትሪክ ንመላእ ኢትዮጵያ ዝኸውን ኮይኑ ገሊኡ ድማ ናብ ደገ ማለት ናብ ጎረቤት ሃገራት ከም ናብ እኒ ሱዳን፣ ኬንያን ጁብቲን ዝመሳሰላ ሃገራት እናተለኣኸ ‘ዩ ዝርከብ። እቲ መስመር ኣብ ምዝርጋሕ ስለ ዝርከብ ናብ ካልኦት ከም ናብ ታንዛንያን ደቡብ ኣፍሪካን ዝበላ ሃገራት ‘ውን ንምልኣኽ ትልሚ ኣሎ። እዚ ግድብ እዚ ብምትሕብባር ህዝቢ ኢትዮጵያ እናተሰርሐ ዝርከብ ምዃኑ ዝፍለጥ ‘ዩ። እዚ ክብል እንተለኹ ኣብ ውሽጥን ደገን ዘሎ ህዝቢ ኢትዮጵያ፣ ከምኡ ‘ውን ብምትሕብባር ፈተውቲ ኢትዮጵያ ኣብዚ ብርኪ እዚ ክበፅሕ ክኢሉ ‘ዩ።

ወጋሕታ፡- ክሳብ ሕዚ ብናይ ኣብ ደገ ዘሎ ይኹን ኣብ ውሽጢ ብዘሎ ህዝቢ ዝተገብረ ናይ ገንዘብ ሓገዝ እንታይ ከምዝመስል ተዝገልፁልና?

ዶ/ር ኣረጋዊ፡– ብሓፈሻ ከንሪኦ እንተለና ተሳትፎ ህዝቢ ብጣዕሚ ዝገርም ነገር ‘ዩ። ከምቲ ቕድም ዝበልክዎ እቲ ህዝቢ ብምትሕብባሩ ‘ዩ እዚ ግድብ እዚ ኣብዚ ሕዚ በፂሕዎ ዘሎ ብርኪ ክበፅሕ ክኢሉ ዘሎ። ህዝቢ ንልምዓት ዘለዎ ድሌት፣ ወይ ሃገር ንምቕያር ዘሎ ድሌትን ተሳትፎን በቲ ቕድሚ ሕዚ ጀሚሩ እናተሳተፎ ዝመፀን ሕዚ ‘ውን ዝገብሮ ዘሎ ጠንካራ ተሳትፎ ምርግጋፅ ይከኣል ‘ዩ።

ህዝቢ ኢትዮጵያ በዚ ደረጃ ክረአ ዝኽእል ምንቕስቓስ ወይ ተሳትፎ ‘ዩ ዘለዎ። እቲ ግድብ ካብ ዝጅመር ኣትሒዙ ክሳብ ሕዚ ልዑል ናይ ልምዓት ቓልሲ ‘ዩ ዘካይድ ዘሎ። ክሳብ ሕዚ ናብ ከባቢ 19 ቢልዮን ብር ኣስተዋፅኦ ገይሩ ‘ዩ። እዙይ ጥራሕ ኣይኮነን ብጉልበት ‘ውን እናሓገዘ ‘ዩ ዘሎ።

ምኽንያቱ ናይ ኣባይ ተፋሰስ ኣድላይ ናይ ሓምላዋይ ሽፋን ክረክብ ስለ ዘለዎ ብውሕጅ ተሓፂቡ ዝኸይድ ሓመድ ነቲ ግድብ ከይመልኦ ብኡ ኣቢሉ ‘ውን ዕድመ እቲ ግድብ ከይሓፅር እናገበረ ‘ዩ። ስለዚ ካብ ገንዘቡ ንለዓሊ ብጉልበቱ ‘ውን እናሓገዘ ‘ዩ ዝርከብ። ህዝቢ ከምቀደሙ ደገፉ ሕዚ ‘ውን ኣጣናኺሩ እናቀፀለ ‘ዩ ዘሎ። በቢወርሒ ዝግበር ዘሎ ምውፃእ እናቐፀለ ‘ዩ ዘሎ።

ንኣብነት እትተወሲድና ‹‹8100›› ብዝብል ሓፂር መልእኽቲ በቢወርሑ ልዕሊ 10 ሚልዮን ብር ‘ዩ ህዝቢ ዘዋፅእ ዘሎ። ካሊእ ‘ውን ከም ቦንዲ ብምግዛእ ካልኦት ኣብ ዝግበር ዘሎ ምውፃእ ኣዝዩ ዝነኣድ ‘ዩ። ህዝቢ ከምቲ መጀመርታ ነዚ ግድብ እዚ ንምውዳእ ቓል ዝኣተዎ ብኹሉ ዓይነት እናተረባረበ ‘ዩ ዝርከብ። ከምኡ ‘ውን ኩሉ ህዝቢ በቢሞይኡ ዝተፈላለዩ ኣስተዋፅኦ እናገበረ ‘ዩ። እዚ ኩሉ ብገንዘብ እንትትመን ቐሊል ዝበሃል ኣይኮነን።

ህዝቢ ይኹን መንግስቲ ካብ መጀመርታ ኣትሒዙ ክሳብ ሕዚ ነዚ ፕሮጀክት እዚ ዝኸኣሎ ኩሉ እናገበረ ‘ዩ። ኮይኑ ግና ናይና ቤት ፅሕፈት ዝፈልጦ ካብ ህዝቢ ዝተዋፀአ ‘ዩ። ብቐጥታ ንቖፃፀሮን ንከታተሎን ህዝቢ ዝገበሮ ኣስተዋፀኦ ‘ዩ። እዚ ድማ ክሳብ ሕዚ 1 ነጥቢ 9 ቢልየን ብር ከምዝተኣከበ ኢና ንፈልጥ። ብወገን መንግስቲ ‘ውን ብዙሕ ኣስተዋፀኦ እናገበረ ‘ዩ።

ብፍላይ ኣብ ኣድላዪ ዝኾነ ኩነታት መንግስቲ ብዙሕ ሓገዝ እናገበረ ‘ዩ። ብኹሉ መዳይ ማለት ብፀጥታ ይኹን ብዲፕሎማሲ መንግስቲ ብርቱዕ ስራሕቲ ተዘይሰርሕ ነይሩ እዚ ግድብ እዚ ኣብዚ ሕዚ በፂሕዎ ዘሎ ብርኪ ክበፅሕ ኣይምኸኣለን ነይሩ። ናይ መንግስቲ ኣስተዋፅኦ ብኹሉ መዳይ ክረአ እንተሎ ብጣዕሚ ብዙሕ ‘ዩ።

መንግስቲ ብቖራፅነት ተላዒሉ ክሳብ ሕዚ ሰፋሕቲ ስራሕቲ ‘ዩ እናሰርሐ ዝርከብ። ኣብዚ ግድብ እዚ ናይ መንግስቲ ቖራፅነት ልዑል ‘ዩ። ልክዕ ኣብ ዘመን ሃፀይ ሚኒሊክ ህዝቢ ኢትዮጵያ ንጣልያን ንምምካት ብሓደ ልቢ ዘሚቱ ዝሰዓረ ሕዚ ዘሎ መንግስቲ ‘ውን ህዝቢ ብምትሕብባር እዚ ግድብ እዚ ናብዚ ደረጃ እዚ ክበፅሕ ገይሩ ‘ዩ። ቕድም ኢለ ከምዝበልክዎ ናይ መንግስቲ ኣስተዋፅኦ ድማ ኣዝዩ ብዙሕ ‘ዩ።

ወጋሕታ፡- መንግስቲ ኣብዚ ግድብ እዚ ህዝቡ ብምትሕብባር ዝገብሮ ዘሎ ስራሕ ምስ ናይ ታሪኽ ዓድዋ ብኸመይ ክመሳሰል ይኽእል?

ዶ/ር ኣረጋዊ፡- መንግስቲ ኣብዚ ግድብ እዚ ብዲፕሎማሲ ይኹን ብጉዳይ ፀጥታን ካልኦት ነቲ ግደብ ዘድልዩ ነገራትን ኣብ ምስራሕ ልዑል ቖላሕታ ብምሃብ እናሰርሐ መፂኡ ‘ዩ። ሕዚ ‘ውን ብዝለዓለ ትኹረት እናሰርሐ ይርከብ። ዝኾነ ዓይነት ስሕተት ከየጋጥም ጥቡቕ ዝኾነ ክትትል እናገበረ ይርከብ። ብምዃኑ ኣብዚ ግድብ እዚ ህዝቢን መንግስትን ኢትዮጵያ ንኻልኣይ ግዜ ከም ናይ ዓወት ኩናት ዓድዋ ‘ዩ ታሪኽ ዝሰርሕ ዘሎ። ናይ ህዝብን መንግስትን ምትሕብባር ተራእዩ ዘይፈልጥ ‘ዩ።

ኣዝዩ ዘሕጉስ ምቕንጃው ስለ ዘሎ ዝተፈላለዩ ፀላእቲ ዝሓፍርሉን እቲ ግድብ ኣብ ፅቡቕ ደረጃ ንምብፃሕን ተኻኢሉ ‘ዩ። እዚ ግድብ እዚ ብምትሕብባር ህዝብን መንግስትን ኣብዚ ብርኪ እዚ ምብፅሑ መንግስቲ ይኹን ህዝቢ ንኢኮኖሚያዊ ለውጢ ሃገርና ዘለዎ ቑርፀኝነት ዘርኢ ‘ዩ። ብሓፈሻ ህዝቢ ኢትዮጵያ ኣብ ልምዓት ዘለዎ ምልዕዓልን ተሳትፎን ልክዕ ኣብ ዓወት ኩናት ዓድዋ ዝገበሮ ተሳትፎ ወይ ዝተረኣየ ሓድነት ዝመሳሰል ‘ዩ።

ወጋሕታ፡- መንግስትን ህዝቢን ተናቢቡ ብምስርሑ እዚ ግድብ እዚ ኣብዚ ብርኪ እዚ በፂሑ ኣሎ። ኣብ ከይዲ ህንፀት እቲ ግድብ ሓድነት ህዝቢታት ኣብ ምጥንኻርን ከምኡ ‘ውን ምስ ጎረቤት ሃገራት ዲፕሎማሲ ኣብ ምጥንኻር እንታይ ይመስል?

ዶ/ር ኣረጋዊ፡– መንግስቲ ኣብዚ ናይ ኣባይ ዙርያ ተፋሰስ ዝርከቡ ሃገራት ብምልኦም ንምትሕብባር ቕድሚ ሕዚ ጀሚሩ ፃዕሪ እናገበረ መፂኡ ‘ዩ። ዝተፈላለዩ ስምምዕነታት ምስዝተፈላለዩ ሃገራት እናገበረ መፂኡ ‘ዩ። ዋላ ምስ ተፃራሪ ዝኾኑ ሃገራት ማለት ምስ ከም እኒ ግብፂ ሱዳን ብሓባር ንምጥቓም መንግስቲ ኢኒሼቲቭ ብምውሳድ ኣብ ስምምዕነት ንምብፃሕ ብዙሕ ፃዕሪታት ገይሩ ‘ዩ።

እኒ ግብፂ ግና ናይ ቀደም ናይ ባዕዳዊ ኣገዛዝኣ ዝነበረ ኣተሓሳስባ ሂዞም እቲ ስምምዕነት በዚ ብናይ ቐደም ክኾነሎም ‘ዮም ዝደልዩ። ብፍላይ ብ1929ን 1959 ዓ.ም ዝነበረ ንኢትዮጵያ ዘግለለ ስምምዕነት ወይ ንኢትዮጵያ ዘየሳተፈ ስምምዕነት ነዚ ከቕፅሉ ‘ዮም ዝደልዩ።

ኮይኑ ግና ኢትዮጵያ ምስ ካልኦት ተፋሰስ ሃገራት እናተረዳደአት ነቲ ናይ ቀደም ውዕል ዋጋ ዘይብሉ ምዃኑ ብምርግጋፅ ሓዱሽ ውዕላት ክፈራረሙ ፃዕሪ እናተገበረት ‘ያ ትርከብ። ስለዚ ዝተፈላለዩ ሃገራት ኣብ ዙርያ ተፋሰስ ኣባይ ዘለዉ ስምምዕነታት ዝተገበረሎም ኣለዉ፤ኣብ ከይዲ ዘለዉ ‘ውን ኣለዉ። ስለዚ በዚ መልክዕ እዚ ምስ ካልኦት ተፋሰስ ሃገራት ዝግበር ርክብን ምትሕብባርን እናቐፀለ ‘ዩ ዘሎ።

እኒ በዓል ግብፂ ግና ነዚ ንምጭንጋፍ ብዙሕ ስራሕ ‘ዮም ዝሰርሑ፤ ብፍላይ ምስ ዝተፈላለዩ መንግስታት ብጎኒ እናተራኸቡ ብምቕብጣርን ተሓባቢሮም ጥቅሞም ንምኽባርን ወይ ድማ ግብፂ ናይ ባዕላ ጥቅሚ ንምሕላው ጥራሕ ፃዕሪ እናገበረት ‘ያ ትርከብ። ኮይኑ ግና መንግስቲ ኢትዮጵያ ነዚ ብምግንዛብ ጥንክር ዝበለ ዲፕሎማስያዊ ስራሕቲ ብምስራሕ፣ ምርድዳኣትን ስምምዓትን ብምፍጣር ንምፍርራም እናሰርሐ ‘ዩ ዘሎ። መንግስቲ ነዚ ኣግረሲቭ ዝኾነ ናይ ግብፂ ኣካይዳ ካብ ቑፅፅር ወፃኢ ከይኸውን ገይሩ ‘ዩ።

ዲፕሎማሲያዊ ዓወታት ክምዝገቡ ክሳብ ሕዚ እናተሰርሐ ብምምፅኡ እዚ ግድብ እዚ ናብዚ ሕዚ በፂሕዎ ዘሎ ብርኪ ክበፅሕ ክኢሉ ‘ዩ። ዲፕሎማሲያዊ ዓወታት በብግዚኡ እናተማሓየሸ ‘ዩ ዝኸድ ዘሎ፤ እዚ ናይ መንግስቲ ቑርፀኝነትን ብትልሚ ናይ ምንቕስቓስን ክእለት ዘርኢ ‘ዩ። ካብዚ ንላዕሊ ፐብሊክ ዲፕሎማሲ እንብሎ ኣሎ፤ ማለት ካብ ስሩዕ ዲፕሎማሲ ጎኒ ንጎኒ ፐብሊክ ዲፕሎማሲ ዝበሃል ስራሕ ብወገን ቤት ፅሕፈትና ይስራሕ ‘ዩ።

እዚ ፐብሊክ ዲፕሎማሲ መብዛሕትኡ ህዝቢ ምስ ህዝቢ ርክብ ብምፍጣር ብማዕረ ናይ ሓባር ተጠቓምነትን ፍትሓዊ ብዝኾነ መንገዲ ናይ ሓባር ኣጠቓቕማ ማእኸል ብምግባር ከባቢታት ብምልኡ ማለት ምብራቅ ኣፍሪካ ይኹን ካብዚ ንላዕሊ ህዝቢ ተሓባቢሩ ብሓባር ክለምዕ ወይ ክጥቀም ኣብ ምግባር እናተሰርሐ ‘ዩ።

ምኽንያቱ እቲ ማይ ንኹሉ ብስምምዕነት እኹል ‘ዩ፤ ምኽንያቱ ኣጣቃቕማ እንተኺኢልናሉ እኹል ማይ ‘ዩ ዘሎ፤ ተሓባቢርና ብምልማዕ ብዙሕ ውፅኢት ምምፃእ ይከኣል ‘ዩ። ብምዃኑ ፐብሊክ ዲፕሎማሲ ወይ ህዝቢ ምስ ህዝቢ ርክብ እናተሰርሐ ‘ዩ ዘሎ። ስለዚ ክልቲኦም ማለት ስሩዕ ዲፕሎማሲን ፐብሊክ ዲፕሎማሲን ፅቡቕ ውፅኢት ‘ዮም ዘምፅኡ ዘለዉ።

ወጋሕታ፡- እዚ ግድብ እዚ ካብ ዝጅመር ኣትሒዙ ህዝቢ ዝተፈላለዩ ተሳትፎታት እናገበረ መፂኡ ‘ዩ፤ ብገንዘብ ካብ ምሕጋዝ ብተወሳኺ እቲ ግድብ ብደለል ከይመልእ ኣብ ናይ ሓምላዋይ ዓሻራ ማለት ምትካል ፍልሲ ‘ውን ብዙሕ ምርብራብ እናገበረ መፂኡ ‘ዩ። ብብርቱዕ ተሳትፎ ህዝብን መንግስትን ናብ ምዝዛም ገፁ እናኸደ ምዃኑ ብተፈላላዩ ኣካላት እናተገለፀ ‘ዩ። ንሶም ‘ውን ገሊፆሞ ኣለዉ፤ ካብ ሕዚ ንደሓር ከ እቲ ቀርዩ ዘሎ ስራሕቲ መሊኡ ክዛዘም ካብ መን እንታይ ትፅቢት ይግበር?

ዶ/ር ኣረጋዊ፡– ፅቡቕ፣ ከምዝበልካዮ ህዝቢ ካብ ብገንዘብ ሓገዝ ብተወሳኺ ኣብ ሓምላዋይ ዓሻራ ‘ውን እቲ ግድብ ብደለል ከይመልእ ብሰፊሑ እናተንቐሳቀሰ መፂኡ ‘ዩ። እዚ ስራሕ እዚ ብብርኪ ዓለም ለኸ ሽልማት ‘ውን ዝተረኸበሉ ምዃኑ ዝፍለጥ ‘ዩ።

እዚ ከምዘለዎ ኮይኑ ብዛዕባ ግድብ ኣባይ ብዝምልከት ብቤት ፅሕፈትና ወገን ድማ ናብ 40 ዝኾኑ ዩኒቨርስቲታት እንተይቀረዩ ተኣኻኺቦም ከምኡ ‘ውን ህዝቢ ብምልዕዓል ብምስታፍ እቲ ከባቢ ናይ ምልማዕ ስራሕቲ እናተሰርሐ ‘ዩ ዝርከብ። ፅቡቕ ውፅኢት ‘ውን እናምፀአ ‘ዩ ዝርከብ። ስለዚ እዚ ስራሕ እዚ ጠቕላላ ህዝቢ ብጉልበት፣ ፍልጠን ገንዘብን እናተሳተፈሉ ዘሎ ኩነታት ‘ዩ ዘሎ።

ቅድም ከምዝገለፅክዎ ዕድመ እቲ ግድብ ነዊሕ ክኸውን ወይ ንመፃኢ ወለዶ ዝሰጋገር ክኸውን ናይ ምግባር ስራሕቲ ‘ዩ ዝስራሕ ዘሎ። እዚ ግድብ እዚ ካብ ፀልማት ናብ ብርሃን ዘሳጋግር ‘ዩ፤ ብዙሕ ኢኮኖሚያዊ፣ ፖለቲካዊን ማሕበራዊን ጥቅሚ ዘለዎ ‘ዩ። ነዚ ተሓሳቢ ብምግባር ‘ዩ ብትኹረት ዝስራሕ ዘሎ። ቐንዲ ቑልፊ ነገር ድማ ሓድነትን ሕብረትን ህዝቢ ‘ዩ። ብሕብረት እንተተሰሪሑ ዝተደለየ ውፅኢት ወይ ዕቤት ንምምፃእ ዝኸብድ ኣይኮነን። ካብ ድሕረትን ድኽነትን ከንወፅእ ንኽእል ኢና።

ሳላ ብሕብረት እናሰራሕና ዝመፃእና ክሳብ ሕዚ ዘሎ ውፅኢት ‘ውን ብዓይንና እናረኣና ኢና። ህዝቢ ብናይ በዓሉ ዓቕሚ ብዘይ ምንም ልቃሕ ኣብዚ ብርኪ እዚ ከብፀሖ ክኢሉ ‘ዩ። ህዝቢ ተተሓባቢሩ ሃገርና ናብ ዝለዓለ ደረጃ ንምብፃሕ ዘፅግም ኣይኮነን። ሕዚ ድማ እቲ ዝቐረየ ሙሉእ ብሙሉእ ክዛዘም ህዝቢን መንግስቲን ከም ናይ ትማሊኡ ብኹሉ መዳይ ምትሕብባሩ ኣጣናኺሩ ክቕፅል መልእኽተይ ከመሓላልፍ እደሊ።

ወጋሕታ፡- ግዚኦም ሰዊኦም ንዝሃቡና መብርሂ የቕንየልና።

ዶ/ር ኣረጋዊ፡- ኣነ ‘ውን ስለ ዝጋበዝኩምኒ የቕንየለይ።

መኣርግ ገ/ሄር

ወጋሕታ 19 መጋቢት 2016 ዓ.ም

Recommended For You