“ምሉእነት ኢትዮጵያ ክረጋገፅ ዝኽእል ኩሉ እምነት፣ ባህልን ታሪኽን ብማዕረ እንትቕመጥ ‘ዩ” – ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብይ ኣሕመድ (ዶ/ር)

ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ኣብ ዝሓለፉ ሰሙናት ምስ ዝተፈላላዩ ክፋላት ሕብረተሰብ ዘተ ኣካይዶም’ዮም፡፡ንክልል ትግራይ ሓዊሱ ምስ ኩሎም ክልላት ተወከልቲ ዝተፈላለዩ ማሕበረሰባት ኣብ ቤት ፅሕፈቶም ብዛዕባ ሰላም፣ ፀጥታን ልምዓት ካልኦት ተዛማድቲ ጉዳያት ነዝተልዓለሎም ሕቶታት መበርሂን ምላሽን ሂቦም’ዮም፡፡

ምስ ክልል ትግራይ ድማ ፍልይ ብዝበለ መልክዑ ኣብ ኣፈፃፅማ ውዕሊ ፕሪቶሪያን ምስኡ ዝትሓሓዙ ጉዳይ ዘትዮም፡፡በተመሳሳሊ ምስ ማህበረሰብ ኣቦታት ሃይማኖትን ትካላት ሃይማኖትን’ውን ዘተ ኣካይዶም ኣለው፡፡በዚ መሰረት ምስ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ኢትዮጵያ፤ምስ ሕብረት ወጌላዊያን ኣብያተክርስትያናትን እስልምናን ዘተ ኣካይዶም’ዮም፡፡ እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ምስ ኣቦታት ሃይማኖት ኣብ ዝገበርዎ ዘተ፤ምሉእነት ኢትዮጵያ ክረጋገፅ ዝኽእል ኩሉ እምነት፣ ባህልን ታሪኽን ብማዕረ እንትቕመጥ ‘ዩ ክብሉ ገሊፆም።

ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ምስ ሲኖዶስ ቤተ-ኽርስትያን ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ኢትዮጵያን ካብ ዝተፈላለዩ ኸባቢታት ምስ ዝተውፃእፅኡ ኣቦታት ሃይማኖትን ኣብ ዝገብርዎ ዘተ ከምዝገለፅዎ፤ መንግስቲ ኹሎም ማሕበራዊ እሴታት መሰረት ህልውና ሃገር ብምዃኖም ክጠናኸሩ ኣለዎም ኢሉ ይኣምን። ምሉእነት ኢትዮጵያ ክረጋገፅ ዝኽእል ኩሉ እምነት፣ ባህልን ታሪኽን ብማዕረ እንትቕመጥ ምዃኑ እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ገሊፆም።

ንኦርቶዶክስ ብዝምልከት ዝኾነ ዓይነት ዝተናወፀ ቕዋም የብለይን ዝበሉ እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር፤ ንኢትዮጵያ መሰረት፣ ፅኑዕ ዓምድን ዘይፈርስን ኣድላዪ ትካል ‘ዩ ክብሉ ኣብሪሆም።ኽርስትና፣ እስልምና፣ ቅዳሰን ኣዛንን መግለፂታት ኢትዮጵያ ምዃኖም ኣልዒሎም። ንሕና ንደልዮ እምነት ኾነ መንግስቲ ብናይ ባዕሎም ሕጊ፣ ስርዓትን መትከልን ንኽምርሑ፤ ከምኡ ‘ውን እቲ ሓደ ነቲ ኻልእ ዋልታ ብምዃኑ ኣድለይቲ ኣብ ዝኾኑ ጉዳያት ሓቢሮም ንኽሰርሑ ‘ዩ ክብሉ ገሊፆም።

ምስዚ ተተሓሒዙ ንትካላት እምነት ብዝምልከት ኣብ ቀረባ ኣዋጅ ስለዝወፅእ ትካላት እምነት ኣብቲ ኣዋጅ ብምዝታይ ሓሳቦም ከቐምጡ ከምዝግባእ ኣገንዚቦም። ሃገር ናይ ምምሕዳር ስራሕ ሚኢቲ ብሚኢቲ ናይ መንግስቲ ስራሕ ምዃኑ ዝገለፁ እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር፤ ወንጌል ከመይ ይስፋሕፋሕ ዝብል ድማ ናይ ኣቦታት ሃይማኖት ስራሕ ምዃኑ ኣብሪሆም። በዚ መሰረት ‘ውን ምትሕግጋዝ ግቡእ እንተኾነ ‘ውን ሓደ ኣብቲ ኻልእ ጣልቃ ከይኣተወ ምስራሕ ከምዝግብኦ ተዛሪቦም።

ወንጌል ዝስፋሕፋሕ ሃገር ንምሕላው፣ ወለዶ ንምህናፅ፣ ዓውዲ ሰላም ንምፍጣር ብዝኽእል መልክዑ ምዃኑ ጠቒሶም፤ ኣብ ኸምዚኦም ዝኣመሰሉ ጉዳያት መንግስቲ ሓገዝ ክገብረልና ይግባእ ኢልካ ሕቶ ምቕራብ ኣግባብ ምዃኑ ኣረዲኦም። ኣብ ዝሓለፉ ሓሙሽተ ዓመታት እምነትን መንግስትን ናፃን ገለልተኛን ኾይኖም ንክስርሑ፣ ሕጋዊ ኣፍልጦ ንክረኽቡ፣ ፀገማት እንተጋጥሙ ብዘተ ንኽፍትሑ ከምዝተገበረ ተዛሪቦም።

ንሃይማኖት ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ኢትዮጵያ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ጥራሕ 68 ዝምለኸሎም ቦታታት፣ 40 መሕደሪ ታቦት፣ ንመንበረ ጵጵስና፣ ንማእኸል ክልተ ብሓፈሻ 111 ቦታታት ልዕሊ ሓደ ነጥቢ ሓደ ሚሊዮን ካሬ መሬት ከምዝተውሃበ ኣፍሊጦም። ቋንቋን ባህልን ብዝምልከት ንምስፍሕፋሕ ብዘኽእል መልክዑ ምስራሕ ከምዝግባእ ገሊፆም፤ ንቋንቋ ብዝምልከት ቕሬታ እንትረኣዩ ብምዝታይን ብምዝርራብን ምፍታሕ ይግባእ ኢሎም።

ምስ ኣመራርሓታት ላዕለዋይ ቤት ምኽሪ ጉዳያት እስልምና ኢትዮጵያን ካብ ዝተፈላለዩ ክልላት ምስ ዝተውፃእፅኡ ኣቦታትን ኣብ ዝገበርዎ ዘተ፤ ኣብ 1966 ዓ.ም ሙስሊማት 13 ሕቶታት ዝሓዘ ዓብዪ ጎስጓስ ይገብሩ ከምዝነበሩ ኣዘኻኺሮም። ኣብ ኢትዮጵያ መንግስቲ ኣብ ዝቀያየረሉ ዘመን ‘ውን ምንቅስቓስን ሕቶን ሙስሊማት ከምዝነበረ ኣልዒሎም።

ናይ ሙስሊም ሕጋዊ ኣፍልጦ ምርካብ፣ መሰል ምውዳብ፣ ፍቓድ ህንፀት መስጊድ ከምኡ ‘ውን ንሸሪዓ ብዝምልከት ብርክት ዝበሉ ሕቶታት ይለዓሉ ከምዝነበሩ ዘዘኻኸሩ እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር፤ ካብቶም ዝተልዓሉ ሕቶታት ዝተመለሱ እንተሃለዉ ‘ውን ሕዚ ‘ውን ብዙሕ ከምዝተርፍ ኣብሪሆም።

ኢትዮጵያ ናይ ሙስሊም ኾነ ኽርስትያን ‘ውን ሃገር ብምዃና ብፍላይ ሙስሊም መናእሰይ ንሕና ኻልኣይ ዜጋ ኢና፣እናተደፋእና ኢና ንዝብል ኣተሓሳስባ ከስተኻኽሉ ከምዝግባእ ገሊፆም፤ ኣብ ሃገሮም ምስ ኻልኦት ኣሕዋቶም ብማዕረ ናይ ምንባርን ምሕታትን መሰል ከምዘለዎም ገሊፆም።

ኣብ ዝሓለፉ ኣርባዕተን ሓሙሽተን ዓመታት ኣብ ኣዲስ ኣበባ 124 ቦታታት ንመስጊድ መስርሒ፣ ሰለስተ መቓብር ቦታ፣ ሓደ ቦታ ንማእኸል ከምዝተውሃበ ገሊፆም፤ ኢትዮጵያ ዓቕሚ ብዝፈቐደ መልክዑ ሕቶ ትካላት እምነት ንምምላስ ንቐፃሊ ‘ውን ብዝተጠናኸረ ኩነታት ክስራሕ ‘ዩ ኢሎም። ዝወሰድዎ ቦታ ሓፂሮም ዘቐመጡ ትካላት እምነት ንዝተዓለመሉ ዕላማ ከውዕልዎ ይግባእ ክብሉ ‘ውን መተሓሳሰቢ ሂቦም።

ኢስላሚክ ዩኒቨርስቲ፣ ኢስላሚክ ትምህርትን ዓረብኛ ቋንቋን ንምጅማር ኣፍልጦ ይወሃበና ንዝተብሃለ ሕቶ ብዝምልከት ‘ውን፤ ንኻልኦት ትካላት እምነት ‘ውን ኣፍልጦ ንምሃብ ኣንፈት ስለዝተቐመጠ መፅናዕቲ ተፀኒዑ ብሓባር ክምለስ ‘ዩ ኢሎም። ትምህርቲ ዓረብኛ ቋንቋ ንዝብል ግና ኢትዮጵያውያን ዓረብኛ ቋንቋ ዘይምፍላጥና ጉድኣት ብምዃኑ ምእንቲ ንቢዝነስን ዲፕሎማሲን እንተዝጠናኸር ፅቡቕ ‘ዩ ክብሉ ገሊፆም።

ኣብ መንግስታዊ ኣብያተ ትምህርቲ ንስርዓት ኣከዳድና ብዝምልከት ምስ ሚኒስቴር ትምህርቲ ኣብ ዙርያ እቲ መምርሒ ክንዘራረብ ኢና ዝበሉ እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር፤ ብወገነይ ግና ኣብ ከባቢ ቤት ትምህርቲ ሲቪክ ዝኾነ ኣቀራርባ እንተዝህልው ፅቡቕ ‘ዩ ኽብሉ ተዛሪቦም።

ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብይ ከምዝበልዎ፤ ኢትዮጵያ ኣባል ዓለምለኻዊ ትካላት ዘይምዃና ጉድኣት ኣብፂሑላ ‘ዩ። ኣብ ኣባልነት ዓረብ ሊግ ‘ኳ ወንበር ተዓዛባይነት ብዘይምርካብና ብዛዕባ ኢትዮጵያ ዝደለይዎ ንኽዛረቡ ፈቒድና። እዚ ጉዳይ ንኹሉ ዝጠቅም ብምዃኑ መንግስቲ ኢትዮጵያን ሙስሊምን ብምትሕብባር ክንሰርሐሉ ይግባእ።

ኣብ ክልላት ዓፋርን ሶማሌን ዘተኣማምን ሰላም ንክህልው ዝተጀመረ ፃዕሪ ዝበረታታዕ ምዃኑ ገሊፆም፤ ንዕውትነቱ መንግስቲ ኣድላዪ ድጋፍ ከምዝገብር ኣፍሊጦም። ምስ ኣፍሪካን ኻልኦት ሃገራትን ምስ እምነት፣ ባህልን እሴትን እተን ሃገራት ዝፃረሩ ስምምዕነታት ተፈራሪመን ንዝተብሃለ ‘ውን ንኢትዮጵያ ዘይምችው ዓንቀፅ እንተሃልይዎ ኣይፍፀምን ኢሎም።

ምስ ተወከልቲ ካውንስል ወንጌላውያን ኣብያተ ክርስትያናት ኢትዮጵያን ኣባል ኣብያተ ክርስትያናትን ኣብ ዝገበርዎ ዘተ፤ ፕሮቴስታንትታት ከም ዜጋ መቓብርን መምለኽን ቦታ ክረኽቡ ይግብኦም ኢሎም። ሕቶኦም ዛጊድ ብዝተወሰነ ደረጃ ዝተመለሰ እንትኸውን፤ ቐፃሊ ብርኪ ብብርኪ ንኹሉ ናይ ምስትእንጋድ ስራሕ ከምዝስራሕ ገሊፆም፤ ነቶም ዝተጀመሩ ስራሕቲ ንምዝዛም ምትሕግጋዝ ወሳኒ ‘ዩ ኢሊም።

ኣብ ኢትዮጵያ ጴንጤ፣ ፕሮቴስታንትን ወንጌላውያንን ዝግብአኩም ቦታ ረኺብኩም ‘ዶ እንተተባሂሉ እንተበዝሐ ኽልተ ሚኢታዊ ‘ዩ ዝበሉ እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር፤ ህንፀት ቤተ ኣምልኾ ብዝምልከት ንዝተልዓሉ ሕቶታት ካብ ካልኦት ሃይማኖታት ልምዲ ብምውሳድ ምፍታሕ ከምዝከኣል ሓቢሮም።

ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብይ፤ ሕዚ ዘሎ መንግስቲ ናይ ፕሮቴስታንት ዘይኾነስ ናይ ኢትዮጵያ መንግስቲ ስለዝኾነ ብዝተፈለየ ወነንቲ ንምዃንን ደገፍቲ ንምዃንን ኣይትፈትኑ ኢሎም። ነዚ ሓቂ እንተረሲዕና ካብ ምቅርራብ ንላዕሊ ምርሕሓቕ ክነስፋሕፍሕ ኢና ዝበሉ እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር፤ ንምክፍፋል ድልየት ዘለዎም ሰባት ብዝሰኸነ መንፈስ ብምዝታይ ጥንኩር ትካል ብምህናፅ ንኢትዮጵያ ኹርዓት ምዃን ከምዝግባእ ገሊፆም።

ኣብ ውሽጢ ኢትዮጵያ ሰላምን ሓድነትን ምርግጋፅ እንተንኽእል ናይ ኽፋእ ሓሳብ ዘለዎም ሰባት ሃገር ንምውራር ከምዘይለዓዓሉ ገሊፆም፤ መንግስቲ ካብ ዘለዎ ድልየት ሰላም ዝተልዓለ እሱራት ከምዝፈትሐ፣ ኣብ ወፃኢ ሃገር ንዝነብሩ ዜጋታት ናብ ውሽጢ ሃገር ከምዘእተወን ንኣባላት ተወዳደርቲ ፓርትታት ስልጣን ከምዘካፈለን ተዛሪቦም።

ሓደ ሓደ ሰባት ብናይ ባዕሎም ኣተሓሳስባን መለክዕን ንዕኦም ሰላም ኢሎም ዝሓስብዎ እቲ ሕዚ ዘሎ መንግስቲ እንተዘይሃልዩ ጥራሕ ምዃኑ ሓቢሮም፤ ሰላም ክፍጠር ዝኽእል ኣፈላላያት ምኽባርን ሓቢርካ ናይ ምንባር ስርዓት ምምዕባል እንትከኣልን ምዃኑ ኣገንዚቦም።

በሪሁ ኣረጋ

ወጋሕታ 19 መጋቢት 2016 ዓ.ም

Recommended For You