“ብኣና ወገን ኣብ ትግራይ ሓንቲ ጥይት ናይ ምትኳስ ድሌት የብልናን” – ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ (ዶ/ር)

ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ሓሙስ ኣተገባብራ ባጀት መንግስቲ 2017 ብዝምልከትን ካልኦት ጉዳያትን ካብ ኣባላት ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ንዝቐረቡ ዝተፈላላዩ ሕቶታት ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ምላሽ ምሃቦም ዝዝከር ‘ዩ። ኣብ ናይ ሎሚ እዋናዊ ሕታምና እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ብኣባላት ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ንዝተለዓሉ ብፍላይ ምስ ትግራይ ዝተኣሳሰሩ ሕቶታት፣ ኣፍደገ ባሕሪን ዲፕላማሲያውን ብዝምልከት ዝሃብዎ መልስታትን መብርሂታትን ከምዝስዕብ ቐሪቡ ኣሎ።

ድሕንነትን ሰላምን

ጉዳይ ድሕንነትን ሰላምን ብዝምልከት፤ ቀንዲ ጠንቂ ፀገም ድሕንነትን ሰላምን ኢትዮጵያ ግጉይ ፖለቲካዊ ኣረኣእያ ‘ዩ። ውፅኢት ፀቢብ ፖለቲካዊ ኣተሓሳስባ ‘ዩ። ናይዚ ቀንዲ ኣብነት ሓደ ኣብ ኢትዮጵያ ፖለቲካዊ ሕመቅ ዝፈጠሮ ፀገም ‘ዩ። ፖለቲካዊ ሕመቕ ኣብ ሃገርና ሰፊሕ ‘ዩ። በዚ ምኽንያት ድማ ፖለቲካዊ ድንቁርና ጎንፅን ባእስን ይፈጥር። ሎሚ ኣብ ኢትዮጵያ ዘለዉ ፖለቲካዊ ሊሂቃት ወይ ፖለቲካዊ ኤሊት ዝበሃሉ እንተርኢኻዮም ከምቶም ናይ ቀደም መሳፍንትን መኳንንትን ከምዝበሃሉ ‘ዮም።

ትግራይ

ንትግራይ ብዝምልከት ፕሪቶርያ ንህዝቢ ትግራይ እፎይታ ኣምፂኢሉ ‘ዩ። ህዝቢ ትግራይ በብመዓልቱ ደቁ ካብ ምጥፋእ ድሒኑ ‘ዩ። ንኢትዮጵያ ‘ውን ሓዱሽ ባህሊ ፈጢሩሉ ‘ዩ። ለካ መንግስቲ እናሰዓረ፣ ሰላም ይበልፅ ኢሉ፣ ውግእ ጠጠው ኣቢሉ፤ ንዝተዋግኡ ሓይልታት መንግስታዊ ስልጣን ብምሃብ ንብዙሓት ሃገራት ልምዲ ዝኾን፤ ንዓና ‘ውን ሓዱሽ ባህሊን ልምድን ፈጢሩ ‘ዩ።

ካብዚ ወፃኢ ግልጋሎት ብዝምልከት እንተርኢና ኣብ ትግራይ ቴሌኮሙኒኬሽን ኣይነበረን፣ መብራህቲ ኣይነበረን፣ ባንኪ ኣይነበረን፣ መጓዓዝያ ኣየር ኣይነበረን፣ ትምህርቲ ኣይነበረን፣ ፋብሪካታት ስራሕ ደው ኣቢለን ነይረን ‘የን። እዚ ኩሉ ድሮ ተጀሚሩ ‘ዩ፤ ስልኪ ዘይምህላው ማለት እኮ ኣብዚን ኣብቲን ዝነበሩ ስድራ ቤታት ክራኸቡ ኣይክእሉን ነይሮም ማለት ‘ዩ።

ኣብቲ ክልል መንግስቲ ኣይነበረን፤ ደሓረ መንግስቲ ተጣይሹ ‘ዩ፤ ንሓደ ክልል ንትግራይ ይኹን ንኦሮሚያ፤ ንኦሮሚያ ወይ ንደቡብ መንግስቲ ምህላው ኣገዳሲ ‘ዩ። መንግስቲ እንተፈሪሱ መንግስቲ ዳግም ምውዳብ ኣዝዩ በዳሂ ‘ዩ። ድኹም መንግስቲ እንተኾነ ‘ውን ነቲ ክፍተት እናመላእኻ ምኻድ ዘድሊ። ስለዚ መንግስቲ ተፈጢሩ ‘ዩ።

ብዛዕባ ዝተመዛበሉ ህዝቢ ብዝምልከት ራያን ፀለምትን 100 ሚኢታዊ ተመሊሱ ‘ዩ። እንታይ ተሪፉ እንተይልና ካብ ወልቃይት ዝተመዛበሉ ኣይተመለሱን።ዲዲኣር ኣብ ግብሪ ኣይወዓለን። ፕሪቶርያ ብዙሕ መኽሰብ ኣለዋ። እቲ ዝተረፈ ወልቃይት ‘ዩ። ክምለሱ ኣለዎም። ኣብዚ መንግስቲ ፅኑዕ መርገፂ ከም ዘለዎ ብተደጋጋሚ ገሊፁ ‘ዩ። ተመዛበልቲ ዜጋታትና ኣሕዋትና ናብ መረበቶም ክምለሱ ኣለዎም።

ነዚ ድማ ብኹሉ ወገን ሓይልታት ክተሓባበሩ ኣለዎም። ዲዲኣር ‘ውን ኣብ ግብሪ ክውዕል ኣለዎ። ምኽንያቱ ዕጡቓት ሓይልታት ኣብ ባጀት መንግስቲ ንነዊሕ እዋን ምቕማጥ ንልምዓት ዝጎድእ ‘ዩ፤ ናይ ግዜ ጉዳይ ‘ምበር ነቲ ክልል ዝጎድእ ‘ዩ።ክትግበር ኣለዎ። ትፈልጡ ኢኹም ጀሚርናዮ ነይርና ግና ኣይቀፀለን። ሓደ ሓደ ግዜ እዞም ክልተ ጉዳያት ከም ፀገም ፌደራል መንግስቲ ተገይሮም ንምስኣል ይፍተኑ። እዚ ጌጋ ‘ዩ። መንግስቲ ፌደራል ጉዳይ ትግራይ ብሰላማዊ መንገዲ ንምፍታሕ ልዑል ድሌት ኣለዎ።

ትግራይ እንተዘይተቐይራ ኢትዮጵያ በይና ክትቅየር ‘ያ ኢልና ኣይንኣምንን፤ ሓቂ ንምዝራብ። ስለዚ ነዚ ድማ ‘ዩ ከምቲ ኣቐዲሙ ዝተባህለ፣ እቶም ዝተኣስሩ እሱራት ክፍትሑ ዝብል ጫውጫውታ ዝነበረ ንሕና ምስ ገበርናዮ ድማ ሰላም ስለ ዝሓይሽ ‘ዩ። ምክንያቱ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ምቕማጦም ኣፀጋሚ ስለዘይኮነ። ኣብዚ ዝርከብ ሰላም እንተሃልዩ ዕድል ንምሃብ ‘ዩ።

ብትግርኛ ሓደ ኣባሃህላ ኣሎ። “ንኣንጭዋ ፃዕረ ሞታ ንድሙ መፃወቲታ” ይበሃል። እዚ ማለት ድሙ ንኣንጭዋ ሒዛ እተንገላተዓ ነታ ድሙ ፀወታ ስለ ዝኾነ ‘ዩ። ንኣንጭዋ ግን ፃዕረ ሞታ ‘ዩ። ንገሊኦም ውግእ ፀወታ ክኸውን ይኽእል ‘ዩ። ንህዝብና ግን ናይ ፃዕረ ሞት ‘ዩ። ንገሊኦም ብዛዕባ ጎንፂ ምዝራብ ጉድኣት ዘይብሉ ክኸውን ይኽእል ‘ዩ፤ ስለ ዘይሞቱ። ንመንእሰያት ግን ጉድኣት ‘ዩ። ከም ትፈልጥዎ ድማ ህዝቢ ትግራይ ልቦና ዘለዎ ህዝቢ ስለዝኾነ ነዚ ነገራት ብብዙሕ ምሳሌኣዊ ኣዘራርባ ክገልፀ እንከሎ ንድሙ ፀወታን ዋዛን እንትኸውን ናይ ህይወትን ሞትን ጉዳይ ‘ዩ ብምባል ይገልፆ።

ሕጂ ኣብ ትግራይ ህዝቢ ትግራይ ኲናት ሚእቲ ካብ ሚእቲ ኣይደልን ‘ዩ። እዚ ሚእቲ ሚእታዊ ዘጠራጥር ኣይኮነን።ኣብኡ መኽሰብ የለን። ካብ ድሌት ህዝቢ ወፃኢ፣ ካብ ኣህጉራዊ ኩነታት ወፃኢ፤ ዓለም ትግራይን ካልኦትን እንተዝዋግኡ ኣይግድሶን ኣይንታዩን። ምኽንያቱ ብዙሕ ኩናት እናተኣናገደ ስለዘሎ። እዝኒ ይኹን ግዜ የብሉን። ዓለም ግዜ እንተትህልዋ ንሱዳን ምሰምዐት ነይራ። ጉዳይ ዓለም ዘይምርዳእ፤ ናይቲ እዋን ስትራተጂ ኲናት ዘይምርዳእ፤ ሕጂ ከም ቀደም እምባ ሒዝካ እምባ ምግዳፍ ምሕሳብ፤ ኢራንን እስራኤልን ዝተዋግአ እምባ ኣይኮነን። ግዜ ተቐይሩ ‘ዩ።

ገሊኦም ‘ውን መንግስቲ ኣብ መፃብብ ከምዘሎ ይዛረቡ። መንግስቲ ኣብ መፃብብ ‘ዩ ዘሎ፣ ሰራዊት ስለ ዝተበታተነ ሕጂ ‘ዩ እቲ ግዜ ዝብሉ ኣለዉ። እዞም ሰባት ንድሕሪት ተመሊሶም ታሪኽ ተዝጥምቱ እኹል ‘ዩ። ሶማልያውያን ንኢትዮጵያ ምስ ወረራ ሰራዊት ኣይነበረን። ፋሕ ዝበለ ሰራዊት ‘እኳ ኣይነበረን። ጣልያን ንኢትዮጵያ ከትወርር እንተላ ሰራዊት ኣይነበረን። ከበሮ ‘ዩ ነይሩ። ኢትዮጵያ ድማ ነብሳ ክትከላኸል ናይ ግድን ሰልፊ ዝሓዘ ሰራዊት ኣየድልያን ‘ዩ። ታሪዃ ከምዚ ኣየርእን ‘ዩ። ዝሓሸ ዓቕሚ ኣለና፣ እንተኾነ ግን ዋላ ከምኡ ይኹን ካልኦት ከምኡ ክሓስቡ የብሎምን።

ካልእ ዘሕዝን ድማ ዝሕግዙና ሰባት ኣለዉ። ዝሕግዙና ሃገራት ኣለዉ። ኣይሽምካይ ንዓኹም ንነብሶም ክሕግዙ ኣይኽእሉን። ሞራላዊ ደገፍን ምሕጋዝን በበይኑ ‘ዩ። ኣብ ስታድየም ኮፍ ኢልካ ምንጭብጫብን ናብ ሜዳ ኣቲኻ ኩዕሶ ምፅዋትን በበይኑ ‘ዩ። ከምቲ ትርእይዎ ዘለኹም ኣብ ዓበይቲ ውግኣት ‘ውን እንተኾነ ምድግጋፍ ፀገም ኮይኑ ኣሎ፤ ኣብ ንኣሽቱ ውግኣት ይትረፍ። ምኽንያቱ ቁጠባ ዓለም ኣብ ዓለም ንዘለዉ ሰባት ንምሕጋዝ እኹል ኣይኮነን። እዚኦም ትሑታት ገምጋማት ‘ዮም። ንትግራይ ዘድልያ ሰላም ‘ዩ። ትግራይ ዘድልያ እቲ ጉዳይ ብዝርርብን ዘተን ምፍታሕ ‘ዩ።

ኣብዚ ክቡር ቤት ምኽሪ ሓንቲ መልእኽቲ ከመሓላላፍ ይደሊ። መራሕቲ ሃይማኖት ኩለን እምነታትን ኣብዚ ዘለኹምን ካሊእ ስራሕ የብልኩምን፤ ብቕልጡፍ ትግራይ ናብ ጎንፂን ኩናትን ከይትኣቱ ሐዚ ስራሕኩም ጀምሩ። ድሕሪ ምጅማሩ ምዝራብ ፋይዳ የብሉን። ሕጂ ሰብ ሃፍቲ፣ ኤምባሲታት፣ ምሁራት፣ እቲ ኲናት ሕጂ ከይጅመር፤ ምኽንያቱ ሕጂ እንተተጀሚሩ ከምቲ ቕድሚ ሕዚ ንፈልጦ ኣይኮነን። ነገር ክበላሾ ይኽእል ‘ዩ።

ሕዚ ግዴኹም ተዋፅኡ፤ ብኣና ወገን ኣብ ትግራይ ሓንቲ ጥይት ናይ ምትኳስ ድሌት የብልናን። እንተኽኢልና ክነልምዕ ኢና ንደሊ። ኣብ ትግራይ ንዘሎ ህዝቢ ትግራይን ህዝቢ ኢትዮጵያን ክፍለጥ ዘለዎ ኩናት ኣየድልን። ጉዳይና ብሰላምን ዘተን ክንፈትሖ ንኽእል ኢና። ሎሚን ትማልን ብብዙሕ መዳይ ሓደ ኣይኮነን። ስለዚ ኩናት ይቕረ።ጥንቃቐ ምግባር ፅቡቕ ‘ዩ፤ ስለዘይጠቅመና ጉዳይና ብጎንፂ ዘይኮነስ ብዝርርብን ዘተን ክንፈትሖ ኣለና።

ክልል ኣምሓራ ይኹን ኦሮሚያ ትግራይ ይኹን ካልእ ክልል ፍልልያት እንተሃልዮም ብዘተ ክፍታሕ ይግባእ ። ሰባት ሕገ መንግስቲ ኣኽቢሮም፣ ከላሽን ኣቐሚጦም፤ ሓሳብ ተዓጢቖም ክመፁ እጃምኩም ክትፍፅሙ ትፅቢት ይግበረልኩም።

ምኽክር

ኩልኹም ከም እትፈልጥዎ ምኽክር ብዝምልከት ኩሉ ግዜ ዘይርከብ ዕድል ‘ዩ። ምኽክር ኣብ ኢትዮጵያ ንነዊሕ እዋን ተፀቢናዮ ዝፀንሐ ጉዳይ ‘ዩ። ሕጂ እቲ ዕድል መፂኡ ኣሎ፤ ንጥቀመሉ። ብዙሕ ኣጀንዳ ተኣኪቡ፤ ገሊኡ ንፖሊሲ እታዎት ዝኸውን ‘ዩ። ገሊኡ ድማ ንምምሕያሽ ሕጊ ዝኸውን ‘ዩ። ገለ ካብኡ ክንዛተየሉ ኢና። ኩሉ ክምለስ ‘ዩ ማለት ኣይኮነን። እንተወሓደ ህዝባዊ ሕቶ ምዃኑ ተገንዚብና ክንዛተየሉ ኢና። ኩሉ ውልቀ ሰብን ኩሉ ፓርትን እንተዝሳተፈሉ ፅቡቕ ምኾነ።

ንትግራይ ብዝምልከት ቀልጢፋ ናብ ዘተ ክትኣቱ ዘለዋ ኮይኑ ይስምዓኒ። ምኽንያቱ መጀመርያ ህዝቢ ትግራይ ምልዛብ ይፈልጥ ‘ዩ። ካልኣይ፣ ጉዳያት ኣለዎ። መንግስቲ ፌደራል ዘልዕሎ ጉዳይ ኣሎ፣ ኣምሓራ ዘልዕሎ ጉዳይ ኣሎ፤ ናይ ኦሮሚያ ጉዳይ ዝለዓል ኣሎ። እቲ ጉዳይ ክለዓል ኣለዎ። እዚ ጉዳይ ኣወግድዎ፣ ኣዐርዩለይ።

ኣሕዋተይ እንተኾንኩም ነዚ ጉዳያት ፍቱሕለይ ምባል ይግባእ። እቲ ዝሓለፈ ኲናት ብዙሕ ዋጋ ስለዝኸፈለና ድሕሪ ደጊም ክሳራ ኣይክህሉን ‘ዩ። ብዙሕ ዓወታት ኣመዝጊብና ኢና። ኣብ ዝሓለፉ ሓሙሽተ ሽዱሽተ ዓመታት ብልፅግና ንኢትዮጵያ ዝሰርሖ ናይ ኢኮኖሚ ስራሕ ብዘይ ምግናን ኣብ ኢትዮጵያ ንሓምሳ ወይ ስልሳ ዓመት ዘይተሰርሐ ‘ዩ። ሕቶ የብሉን፤ ኣብ ኢትዮጵያ መሰረታዊ/ኣገዳሲ ለውጢ ኣሎ።

ዲፕሎማሲ

ዲፕሎማሲ ብዝምልከት ከምቲ ዝተባህለ ዓለም ብዘይተገመተ ኣንፈት ትኸይድ ኣላ። ምንም መትሐዚ የብሉን። ምድምማፅ የለን። ንግሆ ኲናት፤ ድሕሪ ቀትሪ ዕርቒ፤ ፅባሕ ኲናት ‘ዩ። ኣብዚ እዋን ከምዚ ናትና ድኻ ሃገር ብጥንቃቐ ክትጎዓዝ ኣለዋ። ቀዳማይ፣ ኣዕሩኽ ኣለዉና። ንፈተውትና ክንከላኸል ኣለና። ካልኣይ፣ ዘይፈትዉና ኣለዉና። ነዚኦም ከነህድኦም ‘ውን ኣለና።

ጎረባብትና

ጎረባብትና ብዝምልከት ኢትዮጵያ ካብኣቶም ወፃኢ ህላወ የብላን። ንሳቶም ‘ውን ካብ ኢትዮጵያ ወፃኢ ህላወ የብሎምን። ኣብ ነንሕድሕድና ኣዚና ኣገደስቲ ኢና። ኢትዮጵያ ምስ ወረስና ዶባታ ኣይተሓንፀፁን። ምስ ኩሉ ዘካትዕ ‘ዩ። ምስ ሱዳን ዘከራኸር ‘ዩ፤ ምስ ኤርትራ ‘ውን የከራኽር ‘ዩ። ዶባት ኣይተሓንፀፁን። እቲ ናይ ንግዲ ስርዓት ኣይተረጋግዐን።

ሓቀኛ ስምምዕ የለን። ዘይሕጋዊ ምስግጋር ‘ዩ። እዚ ዝወረስናዮ ዕዳ ‘ዩ። ዘይተፈትሑ ጉዳያት ‘ምበር ንፁር ዶባትን ዝምድናን ኣይነበረናን። በዚ ምኽንያት ውፅእ እትው ዝብል ነገር ኣሎ። ናይና እምነት ልክዕ ከም ሓምላዋይ ዓሻራ ‘ዩ። ከም ተኽሊ ፈልሲ ‘ዩ። ኣብ መንጎ ኣባናን ኣብ ጎረባብትናን ዘሎ ርክብ ከምኡ ‘ዩ። ፅቡቕ ዘርኢ ንዘርእ። ንኣብነት ብዛዕባ ቀይሕ ባሕሪ ክንዛረብ ኣለና። ብዛዕባ ሰላም፣ ብዛዕባ ስርዓት ንግዲ ንዛረብ ንትክል፤ ፅቡቕ ዘርኢ ‘ዩ። ድሕሪ ግዜ ድማ ናብ ኣግራብ ክዓብዩ ‘ዮም። ብግርጭትን ሓይልን ኣይንገብሮን ኢና።

ብሰላም ብዘተ ክፍፀሙ ‘ዮም።ንምንታይ? ንረብሓ ኩሉ። ኢትዮጵያ ሰላም ስኢና እንተተጎዲኣ ጎረባብትና ካብ ኢትዮጵያ ዘይንእስ መከራ ክወርዶም ይኽእል ‘ዩ። መብዛሕትኡ ቁጠባ ንሓድሕዱ ዝተኣሳሰር ‘ዩ። ንኣብነት ኣስታት ፍርቂ ናይቲ ፀሊም ዕዳጋ ዝበሃል ብጎረባብቲ ሃገራት ዝፍፀም ‘ዩ። እዚ ቁጠባ ብዙሕ ስለ ዝስከም ይጉዳእ። ከይንጎድኦም ክንጥንቀቕ ኣለና፣ ግን ከዓ ከነኽብሮም፣ ሉኣላውነቶም ከነኽብር ይግባእ። ንኣብነት ኤርትራ ልኡላዊት ሃገር ‘ያ፣ ብሓይሊ ኣካል ኢትዮጵያ ክትከውን ኣይንደልን ኢና። ሃገር ምዃን መሰላ ‘ዩ። ጅቡቲ ሉኣላዊት ሃገር ‘ያ። ክትኽበር ኣለዋ። ሶማልያ ሉኣላዊት ሃገር ‘ያ፣ ክትኽበር ኣለዋ፤ ኣብዚ ሕቶ የለን።

ኢትዮጵያ ሉኣላዊት ሃገር ‘ያ፤ ኣፍደገ ባሕሪ እንተዘይረኺባ ግና ሃገር ክትከውን ኣይትኽእልን ‘ያ። እዚ ብኣታቶም ክኽበር ኣለዎ። ብሓባር ንምንባር ዘድሊ ምሃብን ምውሳድን ‘ዩ። እዚ ናይ ምዝርራብ ጉዳይ ‘ዩ። ብምዝርራብ ክኸውን ኣለዎ። ናብ ጣና ከይደ ሓንቲ ሑፃ እንተዝድርብይ ጣና ኣይርበሽን። ጎረባብትና ክፈልጡ ዘለዎም ቓላይን ባሕርን ክፈልዩ ኣለዎም።

ኢትዮጵያ ብንኣሽቱ ሑፃታት ኣይትርበሽን። ብንኣሽቱ ሑፃታት ኣይንበታተንን ኢና። ኢትዮጵያ ዓባይ ባሕሪ ‘ያ። ዓባይ ሃገር ‘ያ። እዚ ክንርድኦ ኣለና። ኣብ ዝደለይዎ ግዜ ክርብሹ ከምዝኽእሉ ገይሮም ክሓስቡ የብሎምን። እዚ ግቡእ ኣይኮነን። ኢትዮጵያ ነቶም ዝርብሹዋ ብምክልኻል ክተልምዕ ትኽእል ‘ያ። ምኽንያቱ ዓባይ ሃገር ስለ ዝኾነት።

እቲ ምርባሽ ዝጎድእ ነቶም ቐላያት ‘ዩ። ንባሕርታት ኣይኮነን። እዚ ምርዳእን የድሊ። እዛ 130 ሚልዮን ህዝቢ ዘለዋ ሃገር፣ ብተነፃፃሪ ልዑል ሃብቲ ዘለዋ ሃገር፣ ምስ ጎረባብትና ተወዳዳሪት ኣይኮነትን፤ ዘመናዊ ወተሃደራዊ ሓይሊ ዘለዋ ሃገር፣ ብቴክኖሎጂ ዝተዓጠቐት ሃገር፣ ንኲናት ከም ኣማራፂ እንተቖፂራ ብዝኾነ መዐቀኒ ናብ ውድድር እትቐርብ ሃገር ኣይኮነን። ግና ኲናት ሕማቕ ነገር ‘ዩ።

ንኣብነት ብወገን ኤርትራ ኩናት ክለዓል ‘ዩ ዝብል ወረ ይስማዕ ‘ዩ። ብወገንና ግን ሓንቲ ጥይት ኣይክትትኮስን ‘ያ። ምኽንያቱ ብዙሕ ዘገድሰና ነገራት ስለዘለና። ብዙሕ መሳጢ ፕሮጀክትታት ኣብ ኢድና ኣለና። ክንሰርሕ ኢና ንደሊ። ኣብ ጎንና ኩናት ክህሉ ኣይንደልን ኢና። ኤርትራ ሓው ህዝቢ ‘ዩ፤ ህዝቢ ሶማል ሓው ህዝቢ ‘ዩ፤ ከምኡ ‘ውን ሱዳን ሓው ህዝቢ ‘ዩ ሓቢርና ክንዓቢ ኢና ንደሊ።

ድሌት ምኽባርን ሰላምን በኣኣቶም ወገን ‘ውን ብተመሳሳሊ መንገዲ ክርእይዎ ንደሊ። ዳርጋ ሰላማዊ ዝምድናና ምስ ኩሎም ጎረባብትና ክንሕሉ ንደሊ። ኣብ ዝሓለፉ ሸውዓተ ዓመታት ምስ ዝኾነ ጎረቤት ኣይተዋጋኣናን ኣብ ቀፃሊ ‘ውን ውግእ ኣይንመርፅን። ምትሕብባር፣ ሰላም፣ ምዝርራብ፣ ዘተ ጥራይ ኢና ንደሊ። ህዳሴ ንዓና ጥራሕ ዘይኮነስ ንኹሉ ‘ዩ።

ሓይሊ ኤሌክትሪክ ናብ ኤርትራ ከንዝርግሕ ንደሊ፤ ናብ ሱዳንን ሶማሊያን ‘ውን ብተማሳሳሊ። ብሓባር ክንዓቢ ኢና ንደሊ። እዚ ኣተሓሳስባ እዚ ናይ ኩሉ ስምዒት ክኸውን ተስፋ እገብር። ብኣና ወገን ኣብ ለውጢ ኢና ዘለና፤ ልምዓት እናመዝገብና ኢና። ንዓቢ ኣለና ኢና፤ እዚ ከይበላሸወና ምስ ኩሎም ኣሕዋትና ብሰላም ክንነብር ንደሊ። ብሰላም ክንነብር ዘየኽእለና ጉዳይ እንተሃልዩኸ? ንነብስና ክንከላኸል ኢና።

ብወገን ኢትዮጵያ ድማ ብዙሕ ዘፍርሕ ነገር የለን። ነዚ ክቡር ቤት ምኽሪ ብርግፀኛ ክርድኦ ዝደሊ ነገር እንተሃልዩ ኢትዮጵያ ከምዘይትበታተን ‘ዩ። ዓርሳ ንምክልኻል እኹል ዓቕሚ ኣለዋ። ኢትዮጵያ ከትብልፅግ ‘ያ። ንምብልፃግ ዘኽእል እኹል ዓቕሚ ኣለዋ። ኢትዮጵያ ፀላእቲ ነይሮማ ‘ዮም። ሕዚ ‘ውን ኣለዋ። ኮይኑ ግና ዓይኖም እናረኣየ ከንብልፅግ ኢና። የቕንየለይ!

ወጋሕታ 3 ሓምለ 2017 ዓ.ም

Recommended For You