‹‹ተሓጋጊዝና ጠንኪርና ብምስራሕ ሃገርና ከንቕይር ኣለና›› – ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር)

ዳማይ ሚኒስትር ኣብይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ምስ ካብ መላእ ኢትዮጵያ ዝተውፃእፅኡ ተወከልቲ ፖለቲካዊ ፓርቲታትን ተወከልቲ ሰብ ሞያ ጥዕናን ዘተታት ኣካይዶም ‘ዮም። እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ ዘካየድዎ ዘተ ኣብ ሓሳባትን መልእኽታትን መሰረት ዝገበሩ ኮይኖም ከምዚ ዝስዕብ ኣቅሪብናዮ ኣለና። ሰናይ ንባብ!

ምስ ተወከልቲ ፖለቲካዊ ፓርቲታት

ከምዚ ዓይነት መድረኽ ዘተ ምድላዉ ሓደ ምስፋሕ ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ‘ዩ። ከምዚ እንገብሮ ዘለና ኣብ መንግስቲ ዘሎ ክፍተት ካባኻትኩም ከንሰምዕ እንተለና ስራሕና ንምፍታሽ ስለዝጠቕመና ‘ዩ። ኮይኑ ግና ኣብሶልዩትሊ ዲሞክራስያዊ ሃዋሃው ተተፀቢኹም ዲሞክራሲ ኣይተረደአኩምን ማለት ‘ዩ። ዝተጀመሩ ነገራት ኣለዉ ዝቐረዩ ነገራት ‘ውን ኣለዉ።

ብኣና ወገን ሃዋህው ዲሞክራሲ ንምስፋሕ ብዝምልከት ክልተ መሰረታዊ ሓሳባት ኣለዉ። እቲ ቐዳማይ ንሕንሕ ‘ዩ። ካልኣይ ድማ ምትሕብባር ‘ዩ። ጥዕና ዘለዎ ንሕንሕን ምትሕብባርን ኢና ንገብር። ንሕንሕ ጥራሕ እንተኾይኑ ናብ ግጭትን ቕርሕንትን ዘምርሕ ስለዝኾነ ዘይምርድዳእ ክፍጠር ይኽእል ‘ዩ።

ብዝግበአና ጉዳይ ንተሓባባር፣ ክንነሓነሐሉ ዝግበአና ጉዳያት ድማ ንሕንሕ ንገብር። ነዚ ባላንስ ገይርና ኢና ንኸይድ። ኣብ ንሕንሕን ምትሕብባርን ሚዛን ምሕላው የድሊ። ኩሉ ብንሕንሕ እንተገይርናዮ ውፅኢታዊ ኣይንኸውንን ኢልና ኢና ንኣምን።

ሕዚ ዘሎ ኣድሚንስትሬሽን ምስ ዝነሓንሑ ፖለቲካዊ ፓርቲታት 273 ሰባት ብዝተፈላላየ ደረጃ ብኣመራርሓ ተሳቲፎም ይሰርሑ ኣለዉ፤ 4 ሚኒስትራት ኣለዉ፤ ከባቢ 4 ሚኒስትር ዲኤታታት ኣለዉ፤ ሓለፍቲ ቢሮታት ኣለዉ። ብደረጃ ዞባታት ‘ውን ኣለዉ። እዚ ብወገን መንግስቲ ምትሕብባር ከምዘሎ ዘርኢ ‘ዩ።

ኮይኑ ግና እዙይ እኹል ኣይኮነን። እንደልዮ እናካተትና ዝሓሸት ኢትዮጵያ ከንፈጥር ኣለና። ግን ፓርቲታት ብሓደ እክብ ኢሎም ጠንካራ ሓሳብ ሃልይዎም ክመፁ ኣለዎም። ብጣዕሚ ብርክት ዝበለ ፓርቲ ‘ዩ ዘሎ። ኩሉ ሰብ ዝደልዮ ድማ ኣቦ ወንበር ፓርቲ ‘ዩ።

ኣቦ ወንበራት ፓርቲታ እንተንእክብ ናብ ስሳ ወይ ሰብዓ ትፅግዑ ኢኹም፤ ካቢኔ ኢትዮጵያ ድማ 20 ‘ዩ እቲ ካቢኔ በዓሉ ኣይኣክልን። እክብ እንተንብል ግና ብኣና ወገን ክፍቲ ‘ዩ፤ ምስ ዝንሓንሑና ሰባት ንምስራሕ ፍፁም ፀገም የብልናን። እቲ ቐንዲ መዐቐኒ ግና ኢትዮጵያ ሓንቲ ሃገር ኮይና ከትቕፅል ብወገን መንግስትን ተናሕናሕቲ ፓርቲታትን ዝተወሰነ ልምድታት ምግዳፍ የድሊ።

ብተደጋጋሚ ኣልዒለ ኣለኹ ከምእኒ ዶክተር በለጠ ሞላ፣ ፕሮፌሰር ብርሃኑ ኣብ ዝተፈላላዩ ጉዳያት ከም ምምሕያሽ ማክሮ ኢኮኖሚ ሓሳብ የልዕሉን ይከራኸሩን ‘ዮም። ንዓይ ዝቀለኒ ግና ናይ ባዕለይ ሰባት ፓርቲ ኣኪበ ካቢኔ ምግባር ይቐለኒ። ካቢኔ ወሲደ እንድሕር ዘየፅዲቐ ክሰርሕ ኣይክእልን። ንሳቶም ማለት እኒ ዶክተር በለጠ ሞላ ድማ ኣባላት ካቢኔ ‘ዮም።

ግልፂ ‘የ ዝፈቱ፤ ኩሉ ኣጀንዳ ስኽኢሎም ከምዝቕበሉ ገይርኩም ኣይትሕሰቡ። ኣብ ተፈላላዩ ነገራት ሓሳብ የቕርቡ ይከራኸሩን ይጥይቑን ‘ዮም። ከምዚ ዓይነት ልምምድ እንድሕር ዘይተለማሚድና ብሓባር ሃገር ክንሃንፅ ስለዘይንኽእል ‘ዩ። ካብ ውግእን ስደትን ስለዘሕይሽ ኢና ሓቢርና ንሰርሕ። ብኣና ወገን ዘሎ ሓሳብ ንሕንሕ ጥራሕ እኹል ኣይኮነን ድጋፍ ‘ውን የድሊ ‘ዩ ኢልና ኢና ኣሚና ንሰርሕ ዘለና።

ዋላ ኣይንረዳዳእ ብምትሕብባር ሃገር ምህናፅ ይሕሽ ኢልና ኢና ንሰርሕ ዘለና። ከምዚ ሓሳብ ኣለና፤ ንሰርሕ ኣለና፤ ዝጎደለ እንተልዩ ክነስፍሖ ኢና። ንኣብነት ተጋሩ ሃገሮም እናገልገሉ ዝነበሩ ኣብ እዋን ኩናት ካብ ስራሕ ወፃኢ ዝኾኑ ኣለዉ ዝተባህለ ክነፃሪ ኢና፤ ከምዚ እንተሃልዩ ክነስተኻኽል ኢና። ንምስትኽኻል ድልዋት ምዃና ምግንዛብ የድሊ።

ካብ ልምምድ ዲሞክራሲ ዝተለዓለ ግና በቢቦትኡ ውስንነት ኣለዉ ‘ዮም። ኣብ ታሕቲ ወረዳን ዞባታትን ጥራሕ እንተይኮነስ ኣብ ላዕሊ ‘ውን፤ ንሕና እዚ ካበይ ክነምፀኦ ኣብ ኢትዮጵያ ቕድሚ ሕዚ ዲሞክራሲ ኣይነበረን። ቕድሚ ሕዚ ዘይነበረና ልምምድ ዲሞክራሲ ሚኢቲ ፐርሰንት ልምንታይ ኣይተትግብሮን እንተይልኩምኒ ኣፀጋሚ ‘ዩ። ለውጢ እናረኣና ዝጎደለ ነገር እናመላእና ተንኸይድ ድማ ዝሓሸት ሃገር ንምፍጣር ዝሕግዝ ይመስለኒ።

ኣብ ዝሓለፈ ብደረጃ ክልልን ዞባን ፀገም ኣለና ኢልኩም ናብ ቦርድ መረፃ ኣፕላይ ገይርኩም ኢኹም፤ ቦርዲ መራፃ ናይና ተሳትፎ ክጥይቕ እንተሎ ብሚኒስትርን ሚኒስትር ዲኤታን ኢና ውክልና ሂብናዮ። ተዛራሪብና ኩሉ ኣብ ክልልን ዞባን ዝነበረ ኬዝ ከምዝተፈትሐ እፈልጥ ‘የ።

ከምዚ ዝገበርና ከይዕፈን ስለዝደለና ኢና። ሕዚ ‘ውን ዝቐሪ ነገር እንተልዩ ፀገም የብሉን እናፃረና ክነስተኻኽል ኢና። ከምዝበልኩሞ ምስ ኣኽራሪነት፣ ስርቒ፣ ዲሞክራሲ ኤክሰርሳይስ ምስ ምግባር ተተሓሒዙ ኣብ ብልፅግና ፀገም ኣሎ ዝበልኩሞ ትኽክል ‘ዩ። ነዚ ኢና እናገምገምና ካብ ሓላፍነት ነውርድን ንኣስርን። ንሕና ኩሉ ብልፅግና ምንም ፀገም የብሉን ዝብል ኣተሓሳስባ የብልናን።

ዲሞክራስያዊ ሃዋህው ይስፋሕ እንትበሃል እንተሎ ንመን ‘ዩ ዝሰፍሕ እንተይልና ብሓደ ኢዱ ጠበንጃ ሒዙ ብሓሳብ ዝካራኸር እንተይኮነስ ብሓሳብ ጥራሕ ዝኣምንን ብሓሳብ ዝከራኸርን ‘ዩ። እንተደልዩ ብሓሳብ ተዘይደልዩ ብጠበንጃ እንተኾይኑ ዘኽይድ ኣይኮነን። እዙይ ብደንቢ ምልምማድ የድሊ። እንተተኻኢሉ ብኮሮጆ እንተዘይተኻኢሉ ብካልቾ ዝበሃል ነገር ኣይሰርሕን።

ቐንዲ ነገር ኣራት ኪሎ ዝበሃል ነገር ኣይሰርሕን። ዲሞክራሲ ከንለማመድ ኣለና። ብኮሮጆ ይኹን ብካልቾ ጉዳይ ሕቶ ኣራት ኪሎ ተዘይተመሊሱ ዲሞክራሲ ዘይተቐበለ ሰብ ብዙሕ ‘ዩ። ከምዚኦም ዝበሉ ሰባት ድማ ዕድሚኦም ልክዕ ይደኽሙ ‘ምበር እቲ ሕዚ ዘሎ ዓውዲ ከምዚ ዓይነት ኣይፈቕድን።

ሕጊ ዘይኣኽበርካ ዲሞክራሲ ዝበሃል ነገር የለን። ዲሞክራሲ ብምኽባር ‘ዩ መሰል ዝሕተት። ብሓደ ወገን ፖለቲከኛ ብኻሊእ ወገን ራዕዳዊ፣ ብሓደ ወገን ብልፅግና ብኻሊእ ወገን ራዕዳዊ፣ ብሓደ ወገን ጋዜጠኛ ብኻሊእ ወገን ራዕዳዊ ምዃን ትኽክል ኣይኮነን። ሓዲኡ ምምራፅ ‘ዩ።

ከምዚ እንተኾይኑ ሓይሊ ዝጥቐም እቲ ስልጣን ዘለዎ ዝተመረፀ መንግስቲ ጥራሕ ‘ዩ። ሕዚ ሓይሊ ምጥቓም ናይ መንግስቲ ‘ዩ፤ ፅባሕ ብመረፃ ክትስዕሩ እንተለኹም ድማ ሓይሊ ናይ ምጥቓም ስልጣን ናይኩም ይኸውን። ዲሞክራሲ ከንለማመድ እንተዘይክኢልና፣ ብሓይሊ ንኣምን እንተኾይና ኣብ ኢትዮጵያ ንሓስቦ ለውጢ ክነምፅእ ኣይንኽእልን።

ንቐፃሊ መረፃ ካብ ዝሓለፈ ዝሓሸ ዲሞክራስዊ ምህዳር ክህሉ ከንሰርሕ ኢና። ፀገም እንተሃልዩ እናተዛራረብና ከንፈትሖ ኣለና። ንቐፃሊ ዝሓሸ መረፃ ክነካይድ ከንሰርሕ ኢና። ኮይኑ ግና ብወገን ተናሕናሕቲ ፓርቲታት እክብ ኢልኩም ጥንክር ተትብሉ ንሕና ብኣና ወገን ንምሕጋዝ ድልዋት ኢና። ምድግጋፍ ክህሉ ኣለዎ።

ሓሳብ ብናፃ ናይ ምግላፅ ሕገመንግስታዊ መሰልኩም ኣብ ምኽባር ዘሎ ውስንንት ድማ ንዓና ዝምልከት ኮይኑ እዙይ ንሕና ንፍትሾ ጉዳይ ‘ዩ ዝኸውን። ዝኾነ ሰላማዊ ሓይሊ ሓሳቡ ብናፃ ምግላፅ ከምዝኽእል ብሕጊ ሪኮግናይዝ ዝኾነ ጉዳይ ‘ዩ። መንግስቲ ዓቕሙ ብዝፈቀዶ መሰረት ፀገማት ምሳኹም ኮይኑ ንምስትኽኻል ፍቓደኛ ‘ዩ።

ሕገ መንግስቲ ብዝምልከት ንእሸት ፀገም ዘለዎ መሲሉ ይረኣየኒ። እቲ ህፀት ብዛዕባ ለውጢ ዘሎ ኣተሓሳስባ ኮይኑ፤ መንግስቲ ሕገ መንግስቲ ክቕይር እንተዘይክኢሉ ከመይ ኢሉ ናይ ለውጢ መንግስቲ ክበሃል ይኽእል ዝብል ኣተሓሳስባ ኣሎ። እዚ ትኽክል ኣይመስለንን። ምኽንያቱ ለውጢ ሕግታት፣ ፖሊሲታት፣ መምርሕታት ወዘተ ክሕዝ ይኽእል ‘ዩ። ብዙሕ ለውጢ ኣሎ ‘ዩ።

ሕገ መንግስቲ ዘይለወጠ ከመይኢሉ ናይ ለውጢ መንግስቲ ይበሃል ዝብል ኣተሓሳስባ እንተልዩ ትኽክል ኣይመስለንን። ሕገመንግስቲ ይልወጥ ዶ ኣይልወጥን ንርእዮ ጉዳይ ይኸውን። ሕገ መንግስቲ ምቕያር ናይ መንግስቲ ጥራሕ ስራሕ ኣይኮነን። እዚ መንግስቲ እዚ በቲ ሕገ መንግስቲ ዝተፈጠረ ሓደ ኣካል ‘ዩ። ቐዲድካ ካሊእ ምፅሓፍ ይከኣል ‘ዩ።

ኮይኑ ግና ንደልዮ ለውጢ ከምፀአልና ኣይኽእልን። ብልፅግና ካቢኒኡ ብምስታፍን ብምውሳንን ዝቕይሮ እንተኾይኑ ናይ ኢትዮጵያ ሕገ መንግስቲ እንተይኮነስ ናይ ብልፅግና ህገ መንግስቲ ‘ዩ ዝኸውን ዘሎ። እዚ ድማ ዝተፈላላዩ ሕብረተሰብ ብዘይ ምስታፍ ስለዝኾ ሕገ መንግስቲ ክበሃል ኣይከኣልን።

ምሳኻትኩም ሓደ ኣካል ኮይና ብቐንዲ ቐንዲ ጉዳያት ሕገ መንግስቲ ክስተኻኸል ኣለዎ ተባሂሉ ዝተኣመነሉ ብሓባር ምሳኹም ኮይና ንምስትኽኻል ድልዋት ኢና። እዚ ንሕና ‘ውን ቅዋምና ‘ዩ። ነዚ ኢና ኢንኩሉሲቭ ናሽናል ዲያሎግ የድሊ ‘ዩ ንብል ዘለና። መንግስቲ ከም ማንም መንግስታት ኣፍሪካ ሕገ መንግስቲ ናይ ምቕያር ስልጣን ኣለና። ኮይኑ ግና ትኽክል ኣይኮነን ኢልና ኢና ንኣምን። ግዜ ሂብና ከንፍትሾ ንኽእል ኢና። ግን ንሕና ስለ ዝደለና ጥራሕ ኣይኾንን።

ብዛዕባ ትግራይ ዝምልከት ብርክት ዝበሉ ጉዳያት ተላዒሎም ‘ዮም፤ መጀመርታ ዝተመዛበሉ ሰባት ናይ ምምላስ ጉዳይ ንሕና ሚኢቲ ፐርሰንት ድልዋት ኢና፤ ቕድሚ ሕዚ ‘ውን ድልዋት ነይርና ሕዚ ‘ውን ድልዋት ኢና፤ ኣብ ራያ እኮ ዝተመዛበሉ ሰባት መሊስና ኢና። ኣብ ወልቃይት (ምዕራብ ትግራይ) ‘ውን ተመሳሳሊ ድሌት ‘ዩ ዘለና።

ምስ ግዝያዊ መንግስቲ ዝተዘራረብናሉ እዞም ተመዛቢሎም ዘለዉ ሰባት ንፖለቲካ መጥቐሚ እንተይኮኑስ ናብ ቦተኦም እንተዝምለሱ ዝብል ‘ዩ። ናብ ቦተኦም እንትምለሱ ካብ ማንም ንላዕሊ ኢትዮጵያ ተጠቓሚት ‘ያ። ብኣና ወገን ሓደ ግዜ ጥራሕ ኣይኮነን ዓሰርተ ግዜ ኢና ትልሚ ኣውፂእና።

ስለዚ ጉዳይ ትግራይ ብዙሕ ግዜ ዘየተሓሳስበና ከይመስለኩም፤ ዘጨንቐና ጉዳይ ግና ብግልፂ ከትፈልጡ ንእሽተይ ዘመን ተለዊጡ ‘ዩ። ቕድሚ ከባቢ 4ዓመት ዝነበረና ዓቕሚ ውግእ፣ ቴክኖሎጂ ምስ ናይ ሕዚ ንእሽተይ ይፈላለ ‘ዩ።

ስለዚ ብዝተኸኣለ መጠን ማክሲማም ውግእ እንተነቕሪ ይሕሽ፤ ንምንታይ ከምትፈልጥዎ ቅድሚ ሕዚ ኣብ ዝነበረ ውግእ ተዛሪበ ኣለኹ ልዕሊ ኩሉ ካብ መናእሰይ ትግራይን ኣዴታትን ንላዕሊ ዝተጎድአ የለን። ከምእቲ ትፈልጥዎ ንመናእሰይ ከውድኡ ስኽኢሎም ዝፍክሩ ኣለዉ። መወቲ ግና ነቲ ጉዳይ ከይፈለጡ ስኽ ኢሎም ይጠፍኡ፤ ከምዚ ከይፍጠር ኢና ማክሲማም ትዕግስቲ ንገብር ዘለና።

ኣብ ትግራይ ክስራሕ ዝግበኦ፣ ክለምዕ ዝግበኦ ነገር እኹል ስራሕ ተሰሪሑ ‘ዩ ኢልና ኣይንኣምንን። ዝግበሩ ፈተነታት፣ ኣንኮንስቲትሽናል ልምምዳት ከምዘለዉ ከይፈለጥና ቐሪና ኣይኮናን። ብዝግባእ ኢና ንሪኦ። ሓቂ ንምዝራብ ኢትዮጵያ ብሎው ኢንፎርስመንት ኤጄንሲስ ብጣዕሚ ልዑል ዓቕሚ እናሃነፀት ‘ያ። እቲ ምኽንያት ድማ ዓለም ዘስግእ ስለዝኾነ ‘ዩ። ሓደገኛ እናኾነ ስለዝመፅእ ዘሎ ‘ዩ። ስለዚ ብዛዕባ እዚ ም ሕሳብ የድሊ።

ምስ ተወከልቲ ሰብ ሞያ ጥዕና ኣብ ሴክተር ጥዕና ብርክት ዝበሉ ስራሕቲ ተሰሪሖም ‘ዮም። ቕድሚ ለውጢ ዝነበረ ምክልኻል ቤዝ ዝገበረ ወይ ቅድሚኣ ዝሃበ ሄልዝ ፖሊሲ ድሕሪ ለውጢ እዚ ምክልኻል ከምዘለዎ ኮይኑ ኮይኑ ግና ንዝሓመመ ብማዕረ ግምት እንተዘይሂብና ካብ ምክልኻል ዝሓለፈ ዝሓምም ሰብ ዘይሕከምሉ ኩነታት ክፍጠር ስለ ዝኽእል ኣብዚ ‘ውን ብፍላይ ድሕሪ ለውጢ ትኹረት ተገይርዎ ‘ዩ። ን30 ዓመት ዝፀንሐ ፖሊሲ ጥዕና ሪቫይዝ ገይርና ኢና፡፡

ኣብ ምክልኻል ልምዓት ኮሪደር ንምንታይ ነፂልኩም ከምዝረኣኽምዎ ዋላ እንተዘይፈለጥኩ እንሰርሖ ጠቕላላ ስራሕ ንምክልኻል ብተግባር ዝሕግዝ ‘ዩ። ንዎክ ዝኸውን መንገዲ፣ ስፖርቲ መስርሒ፣ መውዓሊ ህፃናት ከም እንዚኦም ዝበሉ ስራሕቲ ከም ፖለቲከኛ ከይወሰድኩም ኣብ ኣፍሪካ ዘሎ ፕሮጀክት ኣይኮነን፤ እዚ ብጣዕሚ ፍሉይ ‘ዩ፤ ብጣዕሚ ዘኹርዕ ‘ዩ።

መበገሲ ሕማም ዝነበሩ ቦታታት ኢና ናብ መዘናግዕን ጥዑይን ቦታ ቀይርናዮም ዘለና። ፖሊሲ ጥዕና ሪቫይዝ ምስገበርና ኣዋጅ ጥዕና ሰርቪስን ቑፅፅርን ቐይርና ኢና። ኣዋጅ ዓቕሚ ቑፅፅር ክዓቢ ከምዘለዎ፤ ከምኡ ‘ውን መድሓኒት ፈንድ ኣመሓይሽና ኢና። እንተናእሰ ሚኒማም 18 ዝኾኑ ናይ ጥዕና ስታንዳርድ ኣመሓይሽና ኢና። ዝጎደለ ክህሉ ይኽእል ‘ዩ እናርኣና ክነማሕይሾ ኢና።

ምስ ፋይናንስ ብዝተተሓሓዘ፣ ቕድሚ ውሑድ ዓመታት ንሚኒስትር ጥዕና ተባሂሉ ዝፈስስ ዝነበረ ሃፍቲ ከባቢ 70 ቢልዮን ብር ነይሩ። ሕዚ ናብ ከባቢ 130 ቢልዮን ብር ‘ዩ ዝፈስስ ዘሎ። እዚ ብዩኒቨርስቲን ስራሕቲ ህንፃን ኣቢሉ ዝኸይድ ኣየካትትን፤ ንሚኒስትር ጥዕና ዝፈስስ ጥራሕ ‘የ ዝብል ዘለኹ። ግና እዚ ‘ውን እኹል ኣይኮነን።

ንጥዕና ክንዲ ኢትዮጵያ እተውፅእ ዝኾነት ጎረቤት ሃገር የላን። ግና ፕራቬት ሴክተርን ኤንጂኦን ከውፅኡ ይኽእሉ ‘ዮም። ኤንጅኦን ፕራቬት ሴክተርን ዝገብሮ ሕክምና ከመይ ገይርኩም ምስ ናይ መንግስቲ ተዋዳድሩ። ብኢንፍራስትራክቸር ‘ውን እንተኾነ ክንዲ ኢትዮጵያ ትኹረት ዝሃበትን ዝሰርሐትን ጎረቤት ሃገር የላን። በጀት ዓብዩ ‘ዩ ግና ድሌትና ኣየማለአን። እኹል ኣይኮነን።

ብዙሓት ህንፃታት ትካላት ጥዕና ተሃኒፆም ‘ዮም። ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ልዕሊ 6ሽሕ ሓደሽቲ ሆስፒታላትን ጥዕና ጣብያታትን ካልኦት ተተሓሓዝቲ ጉዳያትን ተሃኒፆም ‘ዮም። ቅድሚ ከባቢ 6 ዓመት ኣብ ናይ ውልቀ ሴክተር ከባቢ 30 ሽሕ ዝሰርሑ ሞያተኛታት ነይሮም፤ ሕዚ ግና ልዕሊ 120ሽሕ በፂሑ ኣሎ። በዙይ ልክዕ ኩሉ ነገር ዓብዩ ኣሎ ማለት ‘ዩ። ፀገማት ኣለዉ ‘ዮም፤ ኮይኑ ግና ኩሉ ነገር ተፃዊርና ሃገርና ክነሳጋግራ ኣለና። ኩሉ ንምቕያር ድልዋት ከንኸውን ኣለና።

መንግስቲ ብዙሕ ነገር እናሰርሐ ‘ዩ። ኣብ እዋን ኮሮና ኦክስጅን ቀንዲ ፀገም ‘ዩ ነይሩ፤ ሰለስተ ትካላት ጥራሕ ‘የን ነይረን ኦክስጅን ዘፍርያ፤ ብዙሕ ሕፅረት ነይሩ ‘ዩ ትፈልጡ ኢኹም፤ ሕዚ ግና ከባቢ 58 ትካላት ኦክስጅን የፍርያ ኣለዋ። ካብ 3 ናብ 58 እንተበፂሕና ኣብ ዝቕፅሉ ዓመታት ድማ ናብ 150፣ 250 እንተበፂሕና እቲ ፀገም እናተቐረፈ ይኸይድ። ገንዘብን ጉልበትን ፈሲስዎ ዝተሰርሐ ስራሕ ክነራኽሶ የብልናን።

ሕዚ ኩሉኹም ክፍሊት ናይ ሰርቪዝ ይንእስ ‘ዩ ኢልኩም ኣለኹም፤ ኣብ ማሕበረሰብ ከይድካ ከትጥይቕ እንተለኻ ድማ ክባር ‘ዩ ይብለካ፤ ኩሉኹም ደሞዝ ይወሰኸ ታክሲ ይቕረ ኢልኩም ኣለኹም፡፡ታክሲ እንተቐርዩ ደመወዝ ካበይ ይውሰኽ? ክልላት መንግስቲ ፌዴራል ይሸፍኖ ይብሉ፤ መንግስቲ ፌዴራል ካባይ ኣምፂኡ ‘ዩ ዝሽፍኖ? ፍልፍሉ ከንፈልጥ ኣለና።

ኢትዮጵያ ውሽጢ ኩሉ ክልል ካብ ፌዴራል ዝድጎም ‘ምበር ንፌዴራል ኣታዊ ዘፍስስ ክልል የለን። ንዓና ዘድልየና ብመንፅር በጀት እንተይኮነስ ፕራቬት ሴክተር እናጠናኸርና ሕዚ ፀገም ኢንፍራስትራክቸር ኮይኑ ዘሎ ብፍጥነት እናፈታሕና እንተኸይድና ብዙሕ ኣጃንዳ ኣይኸውንን።

ብዙሕ ሞያተኛ ‘ዩ ዘለና ሕድሕድ ሰብ ድማ ናይ በዓሉ ትካል እናፈጠረ እንተኸይዱ ምስ ክፍሊት ዘሎ ፀገም እናቀነሰ እንተኸይዱ ኣብ መንግስቲ ድማ ከባቢ 20 ሽሕ ዝኾኑ ትካላት ጥዕና ኣለዉ ኣብዚ ትሑት ኣታዊ ዘለዎም ሰባት እንተሓጊዝና እቲ ፀገም እናቐነሰ ‘ዩ ዝኸይድ።

ክልተ መማረፂ ኣለና፤ ብምግቢ ኢትዮጵያ ሉኣላውነታ ክተኽብር ኣለዋ ዝብል ስራሕ ማክሲማም ኣብ 2 ዓመት ናፃ ከንወፅእ ኢና። እዚ ክብል እንተለኹ ስርናይ ካብ ሰብ ኣይንደልን ማለት ‘ዩ። ልክዕ ከምዚ ኢትዮጵያ ብመድሓኒት ናፃ ከትወፅእ ኣለዋ ኢልና ወሲንና ክነትግብር ኣለና።

እናለመንካ ነኣሰ ዝበሃል ነገር ዋጋ የብሉን። ለማኒ ለማኒ ‘ዩ ዝተዋሃቦ ‘ዩ ስኽኢሉ ዝቕበል፤ ካብ ልመና ናፃ ንምውፃእ ከንውስን ኣለና። ነዚ ‘ዩ ኣብ ኢትዮጵያ መሰረታዊ ስራሕ ክስራሕ ኣለዎ ተባሂሉ ዝሕሰብ። ውሳነና ክኸውን ዘለዎ ድኽነት ከመይ ጌርና ንቐይሮ ‘ዩ። እንተናእሰ ቐፃሊ ወለዶ ካብ ድኽነት ናፃ ክወፅእ እንተዘይተሰሪሑ ዝተማለአ ነገር ክህሉ ኣይኽእልን።

ናብ ሕተኹም ክመፅእ እንተለኹ ብ3 ማዕቐፍ ከፊልና እንተንሪኦ፤ ቀዳማይ ብምንፅር ግዴታ፣ ካልኣይ ብምንፅር ሕጊ፣ ሳልሳይ ብመንፅር መሪሕነት ማሕበረሰብ ‘ዩ ክረኣይ ዘለዎ። ማሕበረሰብ መራሒ ክበሃል እንተሎ ኣነ ኣብዝዓበኽዎ ከባቢ ዘዋልዳ ሰባት ዝተኸበራ ‘የን።

ዓረቕቲ፣ መንገዲ ዘማላኽቱ ኣለዉ እዚኦም ቐለልቲ ሰባት ኣይኮኑን። ንስኻትኩም እኮ ክቡራት ኢኹም፤ ሕዚ እኮ ‘ዩ በቢቦትኡ ዶክተር ኮይኑ ‘ምበር ቅድሚ ሕዚ ኣይነበረን። እቲ ማሕበረሰብ ንሰብ ሞያ ዘራኽስ ኣይመስለንን። መብዛሕትኡ ዘመስግን ‘ዩ። ብኢድኩም ብዙሕ ሰብ ድሒኑ ‘ዩ፤ ብዙሕ ንብዓት ተፀሪጉ ‘ዩ። እቲ ማሕበረሰብ ናይኩም ናብራ ዝርስዕ ኣይኮነን።

ሕቶ ሓኻይም ዋላ ትኽክል ይኹን ኣተሓትትኡ ትኽክለኛ መንገዲ እንተዘይሒዙ ድምሩ ትኽክል ኣይኸውንን። ንሓተሉ መንገዲ ትኽክል ክኸውን ኣለዎ። ብዛዕባ ደመወዝ ከም ሕቶ ምልዓሉ ስሕተት ‘ዩ ኢለ ኣይኣምንን። ግን እቲ ሕቶ ንምንታይ ‘ዩ ከም ኩናት ኮይኑ ዝብል ግና ንስኹም ሕሰብሉ፤ ፀገም ጥዕና ሴክተር ንፍታሕ ኢልና ጥዕና ዘለዎ መንገዲ እንድሕር ዘይተኸቲልና ፀገም ፈታሕቲ እንተይኮናስ ፀገም መጋደድቲ ኢና ንኸውን።

ደሚርካ ክረኣይ እንተሎ ሕቶ ገዛ፣ ጥቕማ ጥቕሚ፣ ደመወዝ ናይ በዓልኹም ሕቶ ‘ዮም። ነቲ መፍትሒ መንገዲ ግና ካሊእ ወሲድዎ። ከምዝተባህለ ካሊእ ወሲድዎ ‘ዩ። ደመወዝ ወሲዶም ዘይፈልጡ ሰባት ዝዘዎርዎ ‘ዩ። ቤዚክ ሰርቪስ ሂቦም ዘይፈልጡ ሰባት ዘራመድዎ ‘ዩ። ሓኪም ንሰርቪስ ሂቡ ዘይፈልጥ ኣካል ሂቡ ብኻሊእ ክዝወር እንተፈቒዱ ማንም ኣይሰምዖን ተባላሽዩ ኣሎ ማለ ት ‘ዩ።

ኣነ ነቲ ሕቶ ኣብ ሰለስተ ከፊለ ‘የ ሪአዮ፤ እቲ ሓደ ጥዑያት ሞያተኛታት፣ ብቕንዕና ደኺሞም ፀገም ናብ ውሻጠኦም ስለዝኣተወ ንምንታይ ዘይንረኣይ ኢሎም ዘልዐልዎ ሕቶ ‘ዩ። ብዙሓት ምስኪናት ሰባት ኣለዉ 24 ሰዓት እናገልገሉ ናብራ ዝኸበዶም ከንርኣይ ኣለና ኢሎም ዘልዐልዎ ሕቶ ቀዳማይ ሕቶ ‘ዩ።

ካልኣይ ናይ ፖለቲካ ክሳራ ዝገጠሞም ሰርቪስ እንታይ ከምዝኾ ዘይፈልጡ፤ ኔሽን ብዩልዲንግ እንታይ ከምዝኾነ ዘይፈልጡ፤ ሳይንስ ሙዝየም ይኹን ሃይስኩል ኩሉ ምስ ደመወዝ ዘተሓሕዙ፤ ካብ ግዝያዊ ቁርሲ ዝሓለፈ ካሊእ ሓሳብ ዘይብሎም ሰባት ዝጠለፍዎ ‘ዩ።

ሳልሳይ ሓኪም መሰል ፖለቲከኛታት፣ ጋቦን ለበስ ፖለቲከኛታት፤ ካብ ሕክምና ዓመታዊ ዕረፍቲ ወሲዶም ነቲ ጉዳይ ናይ ፌስ ቡክ ሽም ቐይሮም ዘለዓዕሉ ሰባት ብዝግባእ ንፈልጦም ኢና። ካብ ካልኦት ከተማ ዕረፍቲ ወሲዶም መፂኦም ኣብዚ የለዓዕሉ ከምዝነበሩ ንፈልጥ ኢና። እዚኦም ሓኻይም ኣይኮኑን፤ ኮይኑ ግና ሃንደበት ጋቦን ለቢሶም ክኾኑ ይኽእሉ ‘ዮም።

ጋቦን ተኸዲኖም ነቲ ጋቦን መሳርሒ ፖለቲካ ዝገበሩ ሰባት ኣለዉ ‘ዮም። ጋቦን ክኽበር ኣለዎ፤ ግና ሓኻይም ክለብስዎ እንተለዉ ‘ዩ ክብሪ ዘለዎ። ሓኪም መሳሊ ፖለቲከኛ እንተተኸዲንዎ ክብሪ የብሉን። ‹‹ዶክተር ኤክስ ‘የ ዝበሃል›› ኢሉ ኣክቲቪስት እንተተኸዲንዎን ንፖለቲካ እንተውዒልዎን ክብሪ የብሉን። ነዚ ኩልና ክነፅርዮ ኣለና፤

ኩሉ ጋቦን ዝተኸደነ ክኽበር ኣለዎ እንተይኮነስ፤ ጋቦን ተኸዲኑ ኣብ ውሽጥና ኮይኑ ዘጭበርብር ክወፅእ ኣለዎ፤ ዘጥፍእ ኣካል ከንፈልዮ ኣለና። ሓደ ቫይረስ ናብ ውሽጢ ወዲሰብ ኣትዩ ጥዕዓት ንምፍፃም ናይ መጀመርታ ምንቕስቓሱ መእተዊ መንገዲ ‘ዩ ዝእልሽ። ቐንዲ ቃልሱ እዚ ‘ዩ።

ተሳኺዕሉ ብዝኾነ መንገዲ እንተኣትዩ ኣበይ ክልጠፍ ከምዘለዎ ይፈልጥ ‘ዩ። ናባኹም ዝተለጠፉ ቐንዲ ሰንሲቲቭ ሕተኹም ደሞዝ ምዃኑ ስለዝፈልጡ እቲ ኩሉ ትገብርዎ ሂወት ሰብ ምድሓን ፀለሎ ለኽየሞ ‘ዮም። ሕቶኹም እማ ከመይ ኢሉ ጌጋ ክኸውን ይኽእል።

ሕቶ ምቕራቡ ትኽክል ‘ዩ፤ ቫይረስ ግና ኣይተፅግዑ፤ ምቅራቡ ‘ውን ስሕተት የብሉን። ሕቶኹም ግና ብስምዒት እንተይኮነስ ብምኽንያት ምስላሕ እንትጅመር ተቖንጢሩ ዋላ እንተኾነ መፍትሒ ይግበረሉ። ስለዚ ንእሽተይ ኮንስሽየሽ ኮይና ንኺድ፤ ሓኻይም ዝፅገሙላ፣ ሕቶ ደመወዝ ዘልዕሉላ ኢትዮጵያ ከይትፍጠር እንተደሊና መሰረታዊ ስራሕ ንስራሕ፤ እዚ ክስራሕ እንተሎ ኣነን ንስኹሙን እሺ ንፀገም፤ ደቅና ግና ኣይፅገሙን።

ካባኹም ብዙሕ ‘ዩ ትፅቢት ዝግበር፤ ከትሕክሙ ጥራሕ እንተይኮነስ ማሕበረሰብ ክተንቕሑ ‘ውን ኣለኩም። ፖሊስታት ተረዲእኹም ንሕብረሰብ ክተረድኡ ትፅቢት ይግበረልኩም፤ ንስኹም እንተዘይ ሓጊዝኩም ደኣ መን ክሕግዝ። ዘድሊ ምትሕግጋዝ ‘ዩ። ንስኻትኩም ሰብ ንምድሓን ንሕና ድማ ንኢትዮጵያ ንምድሓን ኢና ንሰርሕ ዘለና። ኢትዮጵያ እናበልፀገት ‘ያ ዘላ፤ እዚ ክቕፅል ‘ዩ፤ ሓቢርና ተሓጋጊዝና ጠንኪርና ብምስራሕ ሃገርና ከንቕይር ኣለና።

መኣርግ ገ/ሄር

ወጋሕታ 19 ሰነ 2017 ዓ.ም

Recommended For You