
ሰሙን ዓምዲ እዋናዊ ዛዕባ ትኹረት ዝገበርናዮ ዝሓለፈ ሰሙን ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ምስ ካብ መላእ ኢትዮጵያ ዝተውፃእፅኡ መማህራንን ከምኡ ‘ውን ምስ ካብ መላእ ኢትዮጵያ ዝተውፃእፅኡ ተወከልቲ ማሕበረሰብ ኪነ ጥበብ ዘተታት ኣካይዶም ‘ዮም። ኣብቲ ዝገበርዎ ዘተ ዝተልዐሉ ሓሳባትን መልእኽታትን መሰረት ዝገበሩ ከምዚ ዝስዕብ ኣቅሪብናዮ ኣለና፡-
ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ካብ መላእ ኢትዮጵያ ምስ ዝተውፃእፅኡ መምህራን ኣብ ዘካየድዎ ዘተ ከምዝበሉዎ፤ መምህራን ንህንፀት ሃገር ኣድላይቲ ከምዝኾኑ ይእመን ነዚ ድማ እቲ ናይ ለውጢ መንግስቲ ኣብ ቅድሚ ፓርላማ ንመምህራን ኣፍልጦ ከምዝተውሃበ ብምዝኽኻር፤ ዋና ልኡኽቶ መምህራን ወለዶ ንምፍጣር ምስራሕን ምድካምን ‘ዩ። እዚ ድማ ብደመወዝ ክትመን ዘይኽእል ክቡር ዋጋ ‘ዩ።
ፍልጠትን ሓቂን መለክዒ ንኽኾኑ መምህራን ብዕቱብ ክሰርሑ ኣለዎም ዝበሉ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብይ (ዶ/ር)፣ሓዊን ፍልጠትን ፈታኒን ዋጋ ከምዘኽፍልን ብምብራህ፤ ሕዚ ዘለናሉ ዘበን ብዕቱብ ምርዳእ ከምዝግባእን ነቲ ዘበን እንተዘይተረዲእናዮ ድማ ወለዶ ክቕፅል ክንገብር ኣይንኽእልን ክብሉ ኣብሪሆም ‘ዮም። ብምቅፃል ዘለናሉ ዘበን ሓሶትን ኣውያትን ዝነገሰሉ ከምዝኾነ ብምግላፅ፤ ሓሶትን ኣውያትን ድማ ዝተሰርሐ ዘፍርሱ ‘ዮም። ድሕረ ሓቂን ዋና ዕላምኡ ዕላማ ዘይብሉን ካብ ዕለታዊ ዕንክሊል ኣሳጊርካ ክሓስብ ዘይኽእል ወለዶ ምፍጣር ከምዝኾነ ይገልፁ።
ብምውሳኽ መምህራን ሓቂን ፍልጠትን ኣብ ምፅራይ መሰረት ክኾኑ ከምዝግባእ ብምግላፅ፤ ነዚ ድማ ካብ ዝሓለፈ ታሪኽ ግቡእ ትምህርቲ ምውሳድ ከምዝግባእን ዘርኣዊነት ብብሄር ጥራሕ እንተይኮነስ በቢመንደሩ ዝተስፋሕፈሐ ኮይኑ ኣሎ። እዚ ከምዘሎ ከይኑ ኩሎም ኣፈላላያት ብምቕባል ሓደ ኣብ ዝገብሩና ትኹረት ብምግባር ሃገር ክንሰርሕ ኣለና ክብሉ ኣረዲኦም ‘ዮም።
እዛ ዝተረከብናያ ሃገር ዕዳ ፣ ድኽነት፣ ፀገም ዘለዋን ሓድነታ ዝተዳኸመትን ‘ያ ዘበሉ እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር፤ ኣብዚ ደጋጊምና እንተተዛረብና ‘ውን ለውጢ የብሉን፤ ካብዚ ንምውፃእ ግና ራኢን ትግሃትን የድሊ፤መምህራን ከዓ እቲ ዘሎ ፀገምን ዕድል ብደምቢ ክርድኡ ይግባእ። ነዚ ድማ ናይ ባዕሎም ሓገዝ ንኽገብሩን ንደቅና ዝሐሸት ኢትዮጵያ ንምውራስ ክሰርሑን ይግባእ ክብሉ የረድኡ።
ሕቶ መምህራን ብዝምልከት ምስ ካልኦት ሰራሕተኛታት እታ ሃገር ብምትእስሳር ብማዕቐፍ ፖሊሲ ኣብ ከይዲ ደረጃ ብደረጃንምፍታሕ ብትኹረት ከምዝስራሕን ንመምህራን ጥራሕ ብፍሉይ ኩነታት ወሰኽ መሃያ እንተገይሩ ግና እቲ ፀገም ኣይፍታሕን ብምባል፤ ብተወሳኺ ፀገም መምህራን ብወሰኽ መሃያ ጥራሕ ዝፍታሕ ከምዘይኮነ ምግንዛባ ይግባእ ይብሉ።
እዚ ከምዘሎ ኮይኑ መንግስቲ ሓባራዊ ተረኽ ንምህናፅ ስትራቴጅን ትልምን ኣዳሊዉ እናሰርሐ ከምዝኾነ ብምግላፅ፤ መማህራን እዚ ሰናይ ስራሕ ብኣግባቡ ተረዲኦም ክድግፉ ኣለዎም።ሓባራዊ ተረኽ ዕዉት ንምግባር ኣብ ኣብያተ ትምህርቲ ኩሉ ግዜ ምዝኽኻር ከምዝግባእ ብምሕባር፤ ነዚ ድማ መማህራን ብፂሒቶም ክዋፅኡ ኣለዎም ። መንግስቲ ዝፀንሑ ፀገማት ብሓሙሽተ ማዕቀፋት ንምፍታሕ ከምዝወሰነ ብምግላፅ፤ ፀገማት ብዘተን ምድምማፅን ንፍታሕ ብዝብል ኣብ ታሪኽ ኢትዮጵያ ንፈለማ እዋን ኮሚሽን ሃገራዊ ምኽክር ብምጥያሽ ናብ ተግባር ምእታዉ እቲ ሓደን ቀንድን መርኣያ ከምዝኾነ ‘ዮም ኣብሪሆም።
እቲ ካልኣይ ሳልሳይን ድማ ሽግግር ፍትሒ ብሄራዊ ተሃድሶን ኮይኖም ዝፀንሑ ፀገማት ብዘላቕነት፣ ብይቅርታን ፍትሕን ንምፍታሕ ሽግግር ፍትሒ ብምጥያሽ ዝተጀመረ ስራሕ ‘ዩ ብምባል፤ ከምኡ ‘ውን ኮሚሽን ብሄራዊ ተሃድሶ ብምጥያሽ ነበር ዕጡቓት ተሃድሶ ወሲዶም ብሰላማዊ መንገዲ ሂወቶም ንክመርሑ ኣብ ምግባር ‘ውን ዓብይ ስራሕ እናተሳለጠ ከምዝኾነ ኣረዲኦም ‘ዮም። ካሊእ ስምብራት ኢኮኖሚ እታ ሃገር ንምፅጋን ሃገር በቆል መመሓየሺ ብዝሕ ዘፈር ኢኮኖሚ ብምግባር ዓወታት ከምዝተመዝገቡ ብምሕባር፤ ስራሕቲ ህንፀት ጠንካራ ትካላትን ምምዕባል ኣገልግሎት መንግስትን ብትኹረት እናተሳለጡ ከምዝኾኑ ኣብሪሆም ‘ዮም።
ከምኡ ‘ውን መንግስቲ ኣብ ኢትዮጵያ ሰላም ንምርግጋፅ ዘሳልጦም ዘለዉ ስራሕቲ ኣመልኪቶም መብራህርሂ ከምዝሃብዎ፤ መንግስቲ ጉዳይ ሰላም ብትካል ንስራሕ ብዝብል ሚኒስቴር ሰላም ምጥያሹ ብምግላፅ፤ ካብቲ ትካል ብተወሳኺ ምስ ዕጡቓት ሓይልታት ፀገማት ንምፍታሕ ዘይሕለል ፃዕሪ ከምዝገበረ ብምብራህ፤ ይኹን ‘ምበር መንግስቲ ንሰላም ዘቕረቦ ፃውዒት ናብ ጎኒ ብምግዳፍ ሓይሊ ከም ኣማራፂ ዝጥቀሙ ዘለዉ ኣካላት ከምዘለዉን ካብ ዘተን ዝርርብን ወፃኢ ሰላም ከምፅእ ዝኽእል ካሊእ ኣማራፂ ከምዘየለ ክርድኡ ይግባእ ኢሎም።
ነቲ ፃውዒት ተቐቢሎም ብሰላማዊ መንገዲ ኢዶም ንዝሃቡ ዕጡቓት ካብ ምቕባል ሓሊፉ ኣብ ውሽጢ ፖለቲካ ኢትዮጵያ ተሳትፎ ንክህልዎም ኣብ ምግባር ‘ውን መንግስቲ ንሰላም ዘለዎ ቆራፅነት ብግልፂ ከምዘርኣየ ብምርዳእ፤ንሰላም ኢትዮጵያ ክበሃል ፀገማት ብዘተ ምፍታሕ ንዝደልን ዝሓሸ ሓሳብ ኣለኒ ንዝበለን ዝኾነ ኣካል መንግስቲ ኩሉ ግዜ በሩ ክፍቲ ‘ዩ ክብሉ ‘ውን ገሊፆም። መንግስቲ ኣብ ልዕሊ ፃውዒት ሰላም ንጎኒ ብምግዳፍ ሰብ ምዕጋትን ኣብያት ትምህርቲ ምዕፃውን ሓዊሱ ኣማራፂ ሓይሊ ዝጥቀሙ ሓይልታት ስጉምቲ ምኽባር ሕጊ እናወሰደ ከምዝኾነን ስምምዕ ሰላም ፕሪቶሪያ መንግስቲ ንሰላም ዘለዎ ቆራፅነት ብተግባር ዘረጋገፀሉ ‘ዩ ኢሎም።
ብተወሳኺ ከም መብርሂ እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር፤ መማህራን ታሪኽ ትማሊ ብምፍላጥ፣ ናይ ሎሚ ብምርዳእን ፅባሕ ብምግንዛብን ዝሓሸት ኢትዮጵያ ንቐፃሊ ወለዶ ኣብ ምርካብ ርኡይ እጃም ከምዘለዎም ብምግላፅ፤ ኢትዮጵያ ካብ ፀገም፣ድኽነት፣ምክፍፋልን ልመናን ንምውፃእ ኣብ ዝግበር ፃዕሪ መማህራን እጃሞም ዝለዓለ ከምዝኾነ ኣብሪሆም ‘ዮም።
እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ካብቶም መማህራን ንዝተልዓሉ ሕቶታት ኣብ ዝሃብዎ ምላሽ፤ መማህራን ኣብ ሓቅን ፍልጠትን መሰረት ዝገበሩ ስለዝኾኑ ሓሳቦም ንእታዎት ፖሊሲ ከምዝውዕል ብምሕባር፤ ኣብ ውሽጢ ኢትዮጵያ ፍልጠትን ሓቅን መለክዒ ንክኾኑ መማህራን ተጊሆም ክሰርሑ ከምዘለዎም ብምሕባር፤ ሓቅን ፍልጠትን ፈተንትን ዋጋ ዘኽፍሉን ምዃኖም ብምግላፅ፤ ብዙሓት መንገዲ ጥፍኣት ዝኾነ ዝቐለለን ኣቋራፅን መንገዲ ‘ዮም ዝኽተሉ ኢሎም።
ብተመሳሳሊ ቀዳማይ ሚኒስትር ዓቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ምስ ካብ መላእ ኢትዮጵያ ዝተውፃእፅኡ ተወከልቲ ማሕበረሰብ ኪነ ጥበብ ኣብ ዝዘተዩሉ እዋን ኣብቲ ዘተ ካብቶም ተወከልቲ ንዝተልዓልሎም ሕቶታት ኣብ ዝሃብዎ ምላሽን መብራህርህን ከምዝበልዎ፤ ሰብ ሞያ ኪነ ጥበብ ፀገም ጥራሕ ዘይኮነስ ተስፋ ኣብ ዘርእዩ ስራሕቲ ጠመተ ክገብሩ ይግባእ። ብተወሳኺ ሰብ ሞያ ኪነ -ጥበብ ካብ ኣብ ፖለቲካ ኣብ ማሕበራዊ ጉዳይ ብትኹረት ብምስራሕ ዝሓስብዎ ምስኻዕ ከምዝኽእሉ ‘ውን ተገሊፁ ‘ዩ።
እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያ ገፆም ኣብ ዘመሓላለፉዎ ፅሑፍ ከምዝገለፅዎ፤ ጥበባት ንመንነት ሃገርን ዕቤትን ቁልፊ ከምዝኾኑን ባህላዊ ሃፍቲ ሓሊዮም ዘፅንሑ ከምዝኾኑን ብምምልካት፤ ጥበባት ንማሕበራዊ ሓድነት ኣጠናኺሮም ብምስራሕ ብዙሕነት ንዘለዎም ማሕበረሰባት ድምፂ ይኾኑ ‘ዮም። ብመዳይ ትምህርቲ ድማ ፈጠራን ምኽንያታዊ ኣተሓሳስባን የስዕብ ‘ዩ።
ካብዚ ብተወሳኺ ጥበባት ኣብ ኢኮኖሚ ፈጠራ፣ ቱሪዝምን ፈጠራ ዕድል ስራሕን ናይ ምምራሕ ዓቕሚ ከምዘለዎም ብምምልካት፤ እቶም ተወከልቲ ብዝተፈላለየ ብርኪ እናተኻየደ ኣብ ዝመፅአን ኣብቲ ዓውዲ ዘለዉ ቁልፊ ጉዳያትን ንምፍላይ ኣብ ዝሕግዝ ሰፊሕ መርሃ ግብሪ ዘተ ዝተሳተፉ ከምዝኾኑ ተገሊፁ ‘ዩ። እቲ መድረኽ ዘተ ዝተረኸቡ እታወታት ብምጥንኻር ናይ ላዕለዎት ኣመራርሓ ትኹረትን መፍትሒ ዝጠልቡ ከምኡ ‘ውን ኣብዚ መዳይ ዝተዋፈሩ ኣካላት ግደኦም ዝዋፅኡሎም ጉዳያት ኣብ ምፍላይ ዘድሀበ ከምዝነበረ ‘ውን ተሓቢሩ ‘ዩ።
ኢትዮጵያ ብዙሕ ባህሊ ዘለዋ ሃገር ከምዝኾነት ዝገለፁ እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር፤ ኪነ -ጥበብ ኢትዮጵያ ማዕቢሉ ኣብ ኣፍሪካን ዓለምን ዝረአ ነገር ምፍጣሩ ከምዘይተርፍ ብምግላፅ፤ ኣብዚ ዘፈር ሰሪሐን ውፅኢት ዘምፅኣ ሃገራት ብፍላይ ኣብ ኢንዱስትሪ ፊልም ቱርክ፣ህንድን ኮርያን ከም ኣብነት ብምፅራሕ ይኹን ‘ምበር ኪነ -ጥበብ ብመንግስቲ ጥራሕ ዘይኮነስ በቲ በዓል ሞያ ግቡእ ትኹረት ተዋሂብዎ ክስራሕ ከምዘለዎን እቲ ኢንዱስትሪ ንክዓቢ ኢትዮጵያ ክትዓቢ ከምዘለዋን እውን ሓቢሮም ‘ዮም።
ብፍላይ ሰብ ሞያ ኪነ -ጥበብ ብዋናነት ኣብ ኣመለኻኽታ ክሰርሑ ከምዝግባእ ብምትሕስሳብ፤ ኪነ- ጥበብ መዘናግዒ ጥራሕ ዘይኮነስ ሽቶን ልኡኽቶን ዘለዎ ክኸውን ከምዘለዎ ‘ውን ብምርዳእ፤ ብተወሳኺ ኪነ -ጥበብ ሓቛፍን ወለዶ ኣብ ዝሃንፅን ሓባራዊ ተረኽ ዝሰርሕ ምዃኑ ምርግጋፅ ይግባእ። ኣርቲስት ፅቡቅ ቋንቋ ዘለዎ እንተኾነ ‘ውን ኣክቲቪስት ምዃን እንተደልዩ ግና ካባን ክብርን ኣርቲስትነት እናወደቐ ‘ዩ ከምዝኸይድ ይገልፁ።
“ኢትዮጵያ ተስፋ ኣለዋ፤ ክትምዕብል ‘ያ። እዚ ግምት ዘይኮነስ ዓቕሚ ስለ ዘለዋ ‘ዩ” ዝብሉ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብይ ኣሕመድ(ዶ/ር)፤ “ዝትምዕብል ወይ ዝትብልፅ ግና ፀገም ንምቕባል ድሉው እንተኾይንና ‘ዩ” ብምባል ብልፅግና ሪኦም ካብ ዝነብርሉን ካብ ዝካፈሉዎን ሰባት ዘይክኸውን ይኽእል ‘የ ይኹን ‘ምበር መሰረት ብልፅግና ኣንቢሮም ካብ ዝሓልፉ ሰባት ሓደ ‘የ” ኢሎም።
ኣብ ራዕይ ኢትዮጵያን ኣብ እዋን ፀገምን ንዝተሳተፉ ሰብ ሞያ እቲ ዓውዲ ምስጋና ዘቕረቡ እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር፤ “እንትንምዕብል ሽምኩም ብኣሰር ወርቂ ዝተፅሓፈ ክኸውን ‘ዩ” ብተፃራሪኡ ድማ”ኣብቲ እዋን እንትንደልየኩም ዝኸዳዕኹምና ይቅርታ ገይርናልኩም ኢና” ብምባል፤ “ኢትዮጵያ ኣይትኸሓዱ ኢትዮጵያ ክሒድካ ሃፍታም ካብ ምዃን እንተዝተርፍ ይሓይሽ”ክብሉ ‘ውን መልእኽቲ ኣመሓላሊፎም ‘ዮም።
ብሓፈሻ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ካብ መላእ ኢትዮጵያ ምስ ዝተውፃእፅኡ መምህራን ሰብ ሞያ ኪነ ጥበብን ኣብ ዘካየዱዎ ሕቶ መምህራን ምስ ሰራሕተኛታት እታ ሃገር ብምትእስሳር ብማዕቀፍ ፖሊሲ ኣብ ከይዲ ደረጃ ብደረጃን ምፍታሕ ብትኹረት ከምዝስራሕን ንመምህራን ጥራሕ ብፍሉይ ኩነታት ወሰኽ መሃያ እንተገይሩ ግና እቲ ፀገም ስለዘይፍታሕን እቲ ዘሎ ፀገም ብወሰኽ መሃያ ጥራሕ ዝፍታሕ ከምዘይኮነ ምግንዛባ ከምዝግባእን እዚ ከምዘሎ ከይኑ እቲ መድረኻት ዘተ ዝተረኸቡ እታወታት ብምጥንኻር ናይ ላዕለዎት ኣመራርሓ ትኹረትን መፍትሒ ዝጠልቡን ከምኡ ‘ውን ኣብዚ መዳይ ዝተዋፈሩ ኣካላት ግደኦም ዝዋፅኡሎም ጉዳያት ኣብ ምፍላይ ዘድሀበ ከምዝነበረ ‘ውን ተሓቢሩ ‘ዩ።
ኣብርሃ ሓጎስ
ወጋሕታ 12 ሰነ 2017 ዓ.ም