
ኣብ ዝሓለፉ ሰሙናት ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ምስ ዝተፈላላዩ ክፋል ማሕበረሰብ ዘተታት ኣካይዶም ‘ዮም። እቲ ዝተኻየደ ዘተ በቢዘፈሩ ንከኸውን ዝተደለየሉ ምኽንያቱ ድማ ብሰፊሑ ንምፍላጥን ንምርዳእን ስለዝተደለየ ከምዝኾነ ‘ውን ተሓቢሩ ‘ዩ።
ኣብ ዝሓለፉ ዝተገበሩ ዘተታት ኣብ ዝሓለፉ እዋናዊ ዓምድና ከምዝቀረቡ ኩሉ ናይ ሎሚ ዓምድና ድማ ካብ መላእ ኢትዮጵያ ዝተወፃፅኡ ናይ ህዝብን ውልቀን ሰብ ሞያ ሚድያ ኣብ ዝተገበረ ዘተ ካብ ዝተልዓሉ ሕቶታትን ሓሳባትን መሰረት ብምግባር ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ዝሓብዎ መልሲን መብርህን ከምዝስዕብ ኣቅሪብናዮ ኣለና።
“ንስኹም ‘ውን ደጋጊምኩም ከምዘልዐልኩሞ ሚድያ ኢንዱስትሪ ራብዓይ ኣካል መንግስቲ ‘ዩ ተባሂሉ ዝፅዋዕ ስለዝኾነ፤ ንሚዲያ ብግቡእ ተረዲእና ሓቢርና ክንሰርሕ እንተዘይክኢልና ልምዓትን ጥፍኣትን ከኸትል ይኽእል ‘ዩ።
ዝበሉ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ጥፍኣት ከየኸትል ንህንፀት ሃገር፣ ንሰላም፣ ንልምዓት ኣወንታዊ ግደ ዝፃወት፣ መሃያ ክኸፈል ከሎ ጥራሕ ዘይኮነስ ብቅዋሙ ‹ፐርሲስታንት› ዝኾነ፣ ንዘላቂ ረብሓ ሃገር ዝተግህን ናይ ሓባር ዝኾነ ኣተሓሳስብ ንክንሕዝ ተገይሩ ምፍጣር ከም ኢትዮጵያ ዝበሉ ገና ዘይተሃነፁ ሃገራት ብጣዕሚ ‘ዩ ዝሕግዝ ይብሉ።
እቲ ናይ ሓባር መትከልን ዝፀረየ ኣተሓሳስባን ንክህልወና፣ ኣብ እንፀልኦ ትኹረት ገይርና እንሰርሕ ዘይኮነስ ኣብ እንፈትዎ ንምሕላው ዝሰርሕ ከኸውን ገይርና እንተቀሪፅናዮ ዝኾነ ዓይነት ናይ ሚድያ ተልእኾ ክፍፅም ይኽእል ‘ዩ።
ተልእኾ ሚድያ ማሕበረሰባዊ ንቅሓት ምፍጣር ‘ዩ። ቶማስ ጀፈርስን ከምዝበሎ ዋጋ ነፃነት ኣብ ንቅሓት ብምስራሕ ‘ዩ ይብል። ዝነቀሐ ማሕበረሰብ ሃገራዊ ረብሕኡ ይፈልጥ። ፀላኢኡ፣ ፈታዊኡ፣ ድልየቱን ዓቅሙን ይፈልጥ። ናይ ባዕሉ ይፈልጥ ዓለም ‘ውን ይፈልጥ። ዘይነቅሐ ማሕበረሰብ ግና ክሓትት ክደሊ ይኽእል ‘ዩ።
እቲ ድልየቱ ዝትግበረሉ ግና ኩሉ ግዘ ዝተስተኻኸለ ኣይከውንን። ምሕታት ጥራሕ ዘይኮነስ መልሲ ንምርካብ ‘ውን ብሓባር ምስራሕ የድሊ ‘ዩ። ኩሉ ዓለም ለውጢ ይብል ‘ዩ። ኣብ ኢኮኖሚ፣ ኣብ ምሕደራ ዲሞክራሲ፣ ኣብ ሚድያ፣ ኣብ ከባቢ ዘይብል የለን።
እቲ ዝደልዮ ለውጢ ንክመፅእ ግና ዋጋ ክኸፍል ኣይደልን። ካብ ኣብ መንጎኹም ናይ ኢትዮጵያ ምጉስቃል ሪኡ ብፍላይ ናብ ወፃኢ ዓዲ ናይ ምኻድ ዕድል ዘለዎ ሰብ፤ ኣይቀንእን ኣይሓዘነን እንተኢልኩምኒ ኣነ ኣይኣምንን። ንምንታይ ንቀንእ ንስርሓዮ ክንብል ከለና ግና ፈተና ስለዘለዎ እቲ ዝቀንእ ለውጢ ዝደሊ ‘ውን ተፃራሪ ‘ዩ ዝኸውን።
ምልዋጥ ምድላይን ንዕኡ ምስኻዕን ነኒበይኖም ‘ዮም። ቅድም ሓወይ ከምዘልዐሎ ሓሳባት ምድማር እንትንገልፅ ሐዚ ንትግብሮም ዘለና ኢና ገሊፅና። ኩላኹም ብሓባር ከተማና እንፀቢቁ ሃገርና እንተተቀይሩ እማ ኢልኩም ብታሕጓስ ግብረ መልሲ ሂብኩም ኢኹም። ናብ ስራሕ ክንኣትው ከለና ግና ሓድነት ሃገር እንትንሕለው ግና ረብሓ ዝተወሰኑ ጉጅለ ክፃረር ይኽእል ‘ዩ። እዚኦም ክኹርዩ ‘ዮም።
ካብኡ ወፃኢ ክኹርዩ ዝብል ሓሳብ ግና ኣይነበረናን። ሃገር ምቅያር ምህናፅ ጥራሕ ዘይኮነስ ምፍራስ ‘ውን ዝሓትት ‘ዩ። እቲ ምፍራስ ደስ ግና ስለዘይብል ስለዘሕምም ኩላትና ኣይተቀበልናዮን። ዕላምኡ ሰብ ምጉስቃል ኣይኮነን ኢትዮጵያ ንምህናፅ ‘ዩ።
መበገሲኡ እንታይ ኣብ ውሽጢ ዘለና ድልየትን ዓቅምን ከም ሃገር ምፅናዕ ንደቅና ዘለዎ ረብሓ ማዕረ ስለዘይንርድኦ ‘ዩ።ንምንታይ እንተይልኩም ኢትዮጵያ ካብ ዓለም ተገሊላ ኣፍደገን ዶባን ዓፅያ ዝነበረት ዓዲ ‘ያ። እቲ ኣፍደገ እንትኽፈት ድማ ዓለምን ኣፍደገኣን ተመሓላላፈን።
ዓለም ኣብ ፍልጠት ኣብ ህንፀት ሃገር ‘ያ ዘላ። ኣንሕና ድማ ኣብ ካሊእ ቦታ ኢና ዘለና። እቲ ኣፍደገ ብምዕፃው ዘትረፍናዮም ጉዳያት ክህልው ‘ዮም። ዝሰኣናዮም ‘ውን ክህልው’ዮም። እቶም ዝሰኣናዮም ጉዳያት ንምክሕሓስ እንኸዶ መንገዲ ድማ ሰብእናና ዘስአነ ኮይኑ ኣሎ።
ዝጎደሎ ኣሎ ንፍልጥ ኢና ንዕኡ ንምምላስ እንኸደሉ መንገዲ ግና ፀገም ኣለዎ ‘ዩ። ተፈጥሮኣዊ ብዝኾነ መንገዲ ተንኽድ ብዙሕ ነገር ከምቲ ሐዚ እነልዕሎ ዘለና ኣይምኾነን። ኣብ ውሽጢ ኢትዮጵያ ኣፍደገና ዓፂና ዶብና ዓፂና ነይርና ሐዚ እንትኸፈትና ‘ውን እቲ ናይ ዕፅዋ ልምዲ ግና ገና ኣይሰደደናን።
ካብ ሶማል ዝመፀ ሓወይ ከምዝበሎ ብሶማል ቋንቋ ዝዛረቡ ብሚልዮን ዝቁፀሩ ኣብ ኢትዮጵያ እናሃለው ኣብ ጎረቤት ሃገር ፅዕንቶ ክግብር ዝኽእል ሚድያ ግና የብልናን። ጋዜጠኛ ይእሰር ‘ዩ ክብሃል ብዙሕ ይስማዕ ‘ዩ። ናባኹም ክመፅእ ከሎ ግና ከምኡ ክኸውን የብሉን።
ብሓደ ናይ መንግስቲ ሹመኛ ሕመቅ ዝበፅሕ ዘየድሊ ነገር እንተሃልዩ፤ እመኑኒ ብዝፈለጥናዮ ቁፅሪ ክንፈትሕ ኢና። ኣብዚ ዘጠራጥር ሕቶ የብሉን። ነሃትና ድልየትን ፀገምን ንሱ ኣይኮንን። ጋዜጠኝነት ውሽጥና ብግቡእ ከይተረድአናን ብሄራዊ ድልየትና ዝንባለና ከይፈለጥና፤ ብምውዕዋዕ ናይ ንግዲ መሳርሒ ምግባርና ‘ዩ ፀገም ኮይኑ ዘሎ።
ሓሳባትና ኣብ ሰለስተ ኸፊለ ንምርኣይ ክመኩር ‘የ። መብዛሕቲኹም ግደ መንግስቲ ኢልኩም ብዝተፈላለየ መንገዲ ገሊፅኩም ኢኹም። ካልኣይ ድማ ሓበሬታ ስርጭት ኣክሰስ ናይ ምግባርን እቲ ብሕጊ ዝፀደቀ መሰል ናይ ምጥቃም ጉዳይ ‘ዩ።
ሳልሳይ ድማ ነዓኹም ናይ ትካልት ሚድያን ናይ ማሕበረሰብ ጉዳይ ብዝምልከት ብሰለስተ ከፊለ ንምርኣይ ክፍትን ‘የ። ናሃትና ግደ ሚድያ ብዝምልከት ፖሊሲና ሓሳብና ፕራግማቲዝም ‘ዩ። ብናሃትና ኩነታት ፕራግማቲስት ክንኸውን ኣለና።
ነሃትና ኩነታት ዝፈለጠ፣ ዝተረድአ ነሃትና ፀገምን ድኻምን ዝተረድአን ድኻምና ‘ውን ኣንጢሩ ዘውፅእ ክኸውን ኣለዎ ዝብል ኣብ መደመር ‘ውን ሰፊሩ ‘ዩ። ኣብ ፅሑፋትና ‘ውን ሰፊሩ ‘ዩ ኣብ ስለጠናታትና ‘ውን ኣሎ ‘ዩ። እዚ እንታይ ማለት ‘ዩ? ኢትዮጵያ ተሰሪሓ ዘይተወደአት ዝትህነፅ ሃገር ‘ያ።
ነሃትና ትኹረት ክገብሮ ዘለዎ በቢመዓልቱ ኣብ ዘለና ትልሚ እሱ ንምስኻዕ እንኸዶ መንገዲ ብዝተረኸበ ውፅኢት ልክዕ ‘ዩ ክኸውን ዘለዎ። እዚ ኣብ ጋዜጠኛታትና ኣሎዶ እንተይልኩምኒ ዘሎ ኣይመስለንን ። ጋዜጠኝነት ድልየት ኢትዮጵያ ፈሊጡ ንምስራሕ ዝተግህ ኮይኑ እናሃለወ፤ ብመንግስቲ ወገን ድማ ድኽመት እንትህልው ደረጃ ብደረጃ ንፍትሕ ኢና። ንኣብነት ሳተላይት ኢልኩም ኣለኹም።
እዚ እናተሓሰበሉ ‘ዩ ዘሎ። ንእሽተይ ናይ ቀዳምነት ጉዳይ ‘ዩ ቁሩብ ሒዝና ስለዘሎ ‘ምበር እቲ ገንዘብ ክመፅእ ከሎ ክንሰርሖ ኢና። ከምቲ ዝበልኩሞ የድልየና ‘ዩ። ወረቀት ኢልኩም ኣለኹም። ብጣዕሚ ትኽክል ኢኹም የድሊ ‘ዩ። ናይ ሕትመት ስራሕቲ እናጠፍኡ ‘ዮም ዘለው ክሕገዙ ኣለዎም።
ግን ሰለዘይሰራሕና ኣይኮንናን። ክልተ ሰለስተ ናይ ወረቀት ኢንዱስትሪ ከፊትና ኢና። ክልተ ሰለስተ ዝኾኑ ሰብ ሃፍቲ ኣምፂእና መሬት ብነፃ ሂብና ፋብሪካ ወረቀት ንክስራሕ ገይርና ኢና። ይኹን ‘ምበር ፋብሪካ ወረቀት ከሳብ መወዳእታ ክድገፉ ኣለዎም። እቲ ሓሳብ ተቀቢለዮ ኣለኹ ክንሰርሓሉ ኢና።
ስልጠና ተፈታቲኑ ‘ዩ። ምናልባት ነሃትና ፀገም ዝመስለኒ ኣብ ናይ መንግስቲ ትኹረት ገይርና ኣብቲ ናይ ካሊእ ገዲፍና ንኸውን ይኾን። ሐዚ ኣነ ዘለኒ ምኽሪ ንግዝኡ ናይ ወልቀ ሚድያ ተጎጅሎም ካሪክለም ኣዳልዮም ክልተ ሰለስተ መዓልቲ ጋዜጠኛ ክነሰልጥን ኢና እነተይሎም ንግዚኡ ኣብ ኣፍሌክሰ ኣትዮም ይሰልጥኑ። ግዚኡ ክበፅሕ ከሎ ድማ ኣነን ንስኹምን ሓቢርና ንስረሖ።
ኣብ ፌዴራልን ኣብ ክልልን ፀገም ኣሎ ሓቂ ‘ዩ። ኣመሓይሽና ኢና ዝተረፈ ድማ እናረአና ክንፈትሖ ኢና። ፋይናንስ ብዝምለከት ብጣዕሚ ብዙሓት ኢኹም። ሚድያ በቢመዓልቲ ስለዝቅየር ‘ውን ቁሩብ ኣፀጋሚ ‘ዩ። ከድገፍ ከምዘለዎ ግን ይእመን ‘ዩ። ናይ ክልል ሚድያ ምስ ኣመራርሓ ክንዛራረብ ኢና።
ኣብዚ ኣብ ፌዴራል ዘለኹም ድማ ምስ ሚኒስትር ኮሚንኬሽን ክንዘራረብ ኢና። ብጅምላ ንኹላኹም ክሕግዝ ኢለ ቃል ኣይኣትወልኩምን ፤ይኹን ‘ምበር ከምስራሕ ባህርይኩምን ከም ትሕዝቶኹምን ከይትወድቁ ሓገዝ ንምግባር ክንፍትን ኢና።
ዝትሰርሕዎ ድማ ዓሰርተ ይኹን ሓሙሽተ ሚኢታዊ ከከም ትካሉ ዝፈላለይ አንተኾነ ‘ውን ዘይሩ ዘይሩ ንረብሓ ሃገር ስለዝኾነ፤ ሃገር ስለዝተንቅሑ ብዝተኸኣለ ንምሕጋዝ ፃዕሪ ክግበር ‘ዩ። ሚድያት ጥንክር ኢሎም ካብ ልመናን ካብ ተሓጋዝነትን ወፂኦም ኣብ መትከል ደው ኢሎም ምስራሕ ንክኽእሉ ንምሕጋዝ ክፍተን ‘ዩ።
ምስ ዝርገሐ ሓበሬታ ብዝተኣሳሰረ ፀገም ኣሎ ከምዝበለኩሞ በቢመዓልቱ ኩሎም ሓለፍቲ ስራሕ ብማሕበራዊ ሚድያ ፖስት ይገብሩ ‘ዮም። ካብኡ ሓሊፉ ዝበለፀ ከምርምሩ ንዝደልዩ ኣይረኽቡን ‘ዮም። ብሄራዊ ረብሓ ንዘለዎም ሚድያት እንትሓቱ ኣብ ሓቂ ዝተመስረተ ዝሓቱ እንተኾይኖም ፀገም የለን። ንቀፃሊ ሚኒስትር ጉዳያ ኮሙኒኬሽን እናፃረየ ከቅርበለይ ከሎ ክእሪኦ ኢና።
ነሃትና ሚድያ ኣተሓሳሳቢ ጉዳይን ክንሰርሐሉ ዝግባእ ናይ ሰፈር ሚድያ ምዃኑ ‘ዩ። ካሊእ ቋንቋ ተሪፉ ኣብዚ ኣብ ከባቢና ዘለው ኣሕትና ጎረቤት ህዝብታት ዝግልገልሎም ቋንቋ ታት ካብ ካሊእ ተዋሒስና ዘይኮነስ ትግርኛ፣ ዓፋርኛ ፣ ሶማልኛን ሃረርኛን ኩሎም ኣብዚ ምሳና ዘለው ‘ዮም። ስለዚ ተጠቂምና ኣብ ምስራሕ ውስንንት ኣሎ ‘ዩ። ብኣና ወገን ኣብ ቀረባ ዝጀመርናዮ ስራሕ ኣሎ ‘ዩ ግና ክጠናኸር ኣለዎ። ኣብ ደገ ፅዕንቶ ምግባር እንተዘይጀሚርና፤ ካብ ወፃኢ ጥራሕ እናቀዳሕና ብዙሕ ርሕቀት ኣይንኸድን።
ኣብ ውሽጢ ሃገር ዘሎ ሚድያ ብዩቱብ ይኹን ብማሕበራዊ ብሮድ ካስት ዝገብሩ ሚድያታት ካብ ሰፈርን መንደርን ዘይወፅን ምንም ቁምነገር ዘይረከበሎም ምዃኖም ጥራሕ ዘይኮኑስ፤ ኣብ ወፃኢ ኣሎ ዝብሃል ዓቅሚ ዘለዎ፣ ናይ ወፃኢ ሚድያ ዝከታተል ከይተረፈ እቲ ዝጎደለና ፍልጠት ዝመልእ ዘይኮነስ ዘለና ዝዘርግ ‘ዩ። ጎዶለታት ኣለው ‘ዮም ግና ዘሎ ጉድለት ዝመልእ ኣይኮነን።
ንሚዲያታት ዘለኒ ምኽሪ ብኣብዝሓ ዝትወድቁን ንቀፃሊ ‘ውን ውድቀት ዘምፅአልኩም ኢለ ዝሓስቦ፤ ኣብ ሓደ ትካል ሚእቲ ሰራሕተኛ ዘለዎ እንተሃልይዎ እንተነኣሰ ስልሳ ሰብ “ሪሰርቸር” ሓበሬታ ዘምፅእ ‘ዩ ክኸውን ዘለዎ። ሓበሬታ እናሽተቱ ዘምፅኡ ‘ዮም ክኾኑ ዘለዎም። ክልተ ወይ እንተበዝሐ ሰለስተ ሰብ ‘ዩ እቲ ዝመፅአ ዝተኣከበ ሓበሬታ ከቅርብ ዘለዎ።
ነሃትና ሚድያ ግና ኩሉ ጋዜጠኛ ‘ዩ ዝእክቦ። ከምኡ ክኸውን የብሉን። ዝተለመደ ኣፀሓሕፋ ኣሎ። ዋና መዳለውቲ ዝኾኑ ሰባት ብዙሕ ምድካም ኣይፅበዮምን። ቁሩብ እንተሰሚዖም ክፅሕፉ ይኽእሉ ‘ዮም። ዜናታት እንተቀርቡ ብውሽጢ ክርኣይ ዘለዎ፤ እንታይ ፅዕንቶ ኣለዎም ተባሂሉ ክርኣይ ዘለዎ። ናይ መንግስቲ ሚድያ ይኹን ናይ ውልቀ ኣብዚ እንተኣትኵርና ብዙሕ እትወድቁ ኣይመስለንን።
ክትፍልጥዎ ዘለኩም ነገር “ፍሪኬንሲ” ሞጎድ ክባር ዝኾነ ሃፍቲ ‘ዩ። እዚ ኽባር ሃፍቲ ከም ኢትዮጵያ ዘበለት ድኻ ሃገር ንልምዓትን ንምንቃሕን ምጥቃም እናተገብኦ፤ ንዘይኮነ ዘይረብሕ ወረ እንተኣባኺንዎ ወርቂ ገንዘብ ከም ምብኻን ‘ዩ ዝቁፀር። በዚ ፍሪኮንሲ ዝመሓላላፉ ሓበሬታታት ክልተ ፀገም ኣለዎም።
ሚድያ ሓሳዊ ‘ዩ ይትረፈና ኣይንሰምዕን ኣይነዳምፅን እንተይሎም ሓበሬታ ዘይብልና ይገብረልና፤ ፍልጠት ክንረኽበሎም ኢና ነዳምፆም ክንብል ከለና ድማ እቲ ዝመፅእ ወረን ሓበሬታን ዝተዛብዐ ይኸውን። ስለዚ ሓቀኛ ሚድያ ‘ዩ ኢልና ንክንኽተሎ ሓቂን ሓሶትን ምግላፅን ምፍላይ ዝኽእል ክኸውን ኣለዎ። ንሓደ ሓደ ሓሶት እንጀረኦም ‘ዩ ነዓኹም ግን እንታይ ይገብረልኩም። በቲ መገዲ ከይድኻ ዝብላዕ እንጀራ ከኸውን የብሉን።
ጋዜጠኝነት ዜግነት ከምዘይብሉ ዝተሓስቡ እንተሃሊኹም ተጋጊኹም ኢኹም። ጋዜጠኝነት ልክዕ ከም ዶክተር ፣ሓኪም፣ ኢንጅነር፣ ወታደር፣ መምህርን ከም ሰራሕተኛ ድሕንነት ጋዜጠኛ ‘ውን ዜግነት ኣለዎ ‘ዩ። ጋዜጠኝነት ሃገራዊ ድልየትን ደው ዝብለሉ ሃገርን ባህልን ኣለዎ።
ሱቅ ኢሉ ጋዜጠኝነት ዝብሃል ነገር የለን። ነዚ እናሓሰብና ንሓቂ ደው ኢልና ክንሰርሕ ኣለና። ነሃትና ሕማም ኣብ ሃገራዊ ረብሓ ደው ዘይምባል ምዃኑ ክንርኢ ኣለና። ኣብ መፅሓፍ ኣብ ስነሓሳብ ሚድያ ውግንንኡ ንሓቂ ‘ዩ። ሓቂ ከይሕባእ ይሰርሕ ‘ዩ። እቲ ሓቂ እንተርኢናዮ ግና ክልተ መልክዕ ኣሎ። ፍፁማዊ ሓቂን ኣንፃራዊ ሓቂን። ንምንታይ ኣንፃራዊ ሓቂ እንተይልና ድማ ሃገራዊ ረብሓ ስለዘለና።
ኣብ ዘበነ ድሕረ ሓቅን ዲጂታልን ሓቂ ምምፃእ ፈታኒ ‘ዩ። ሰብ ብተፈጥርኡ ሰናይ ሰናዩ ምርኣይ ኣይደልን ነዚ ድማ እንትፅሕፍን እንዛረብን ሰባት ሎሚ ጥራሕ ዘይኮነስ ናይ ፅባሕ ወለዶ ‘ውን ከምነጥፍእ ክንሓስብ ኣለና። ስለዚ ስምዒታዊ ክትኸውን ከለኻ ቀለምኻን ሽጉጥካን ክተልዕል የብልካን። ሽጉጥካ እንተልዒለካ ሰብ ክትቀትል ኢኻ። ቀለምኻ እንተልዒለካ ድማ ወለዶ ክትቀትል ኢኻ።
ሚድያ ውግንንኡ ብሄራዊ ረብሓ ዘቐደመ ኣንፃራዊ ሓቂ ክኸውን ዝግባእ። ትጉህ ጋዜጠኛ ካብ ዝተውሃቦ ሓበሬታ ወሲኹ ዝርኢ፣ንብሄራዊ ረብሓ ጠጠው ዝብልን ንክስን ወቐሳን ዘይሃፀፀን ክኸውን ኣለዎ።ዝኾነ ስልኪ ዘለዎ ሰብ ዝደለዮ ዝዛረበሉ ዘበን ስለዝኾነ ሚድያ እዚ ብምትዕራቕ ንሕብረተሰብ ከንቅሕ ይግባእ።
ናይ ሚድያ ሰባት ብትምህርቶምን ልምዶምን ዝነቕሑ ክኾኑ ኣለዎም። ጋዜጠኝነት ካብ ዝዝረቦምን ዝሰምዕዎን ብተወሳኺ ካሊእ ፈቲሾም ምርኣይ እንተዘይክኢሎም ጥፍኣት የምፅእ ‘ዩ። ንቐፉና፣ሕተቱና ግና ኣይትሓሽዉ ። መራኸብቲ ሓፋሽ ማሕበራዊ ንቕሓት ብምፍጣር ንሃገራዊ ሓባራዊ ጉዳያትን ረብሓታትን ንክተሓባበር ናይ ምግባር ስራሕ ብዝተጠናኸረ መልክዑ ከሳልጡ ይግባእ።
ትጉህ ጋዜጠኛ ካብ ዝተውሃቦ ሓበሬታ ወሲኹ ዝርኢ፣ ንብሄራዊ ረብሓ ጠጠው ዝብልን ንክስን ወቐሳን ዘይሃፀፀን ‘ዩ ብተፃራሪ ድማ ሰነፍ ጋዜጠኛ ካብቲ ዝሰምዖ ዘይሓልፍ፣ንድምዳመ፣ክስን ወቐሳን ዝሃፅፅን ‘ዩ።
ኣብርሃ ሓጎስ
ወጋሕታ 26 ሰነ 2017 ዓ.ም