ኣብ ጂኦ- ፖለቲክስ ረብሓ ዘለዎ ግድብ

ታሪኽ ከምዝሕብረልና ኣብ ዝተፈላለዩ እዋናት ዝነብሩ መራሕቲ ኢትዮጵያ ንሩባ ኣባይ ንምግዳብ ልዑል ድልየትን ፃዕሪን ነይርዎም ‘ዩ። ይኹን ‘ምበር ብድሩትነት ዓቅሚ ገንዘብ ብባዕሎም ክሰርሕዎ ኣይኸኣሉን። ንልዕሊ 50 ዓመታት ብናይ ደገ ልቃሕን ሓገዝን ንምግዳብ ብዙሕ ፃዕሪ እንተገበሩ ‘ውን ኣይኸኣሉን።

ምኽንያቱ ድማ ታሪኻዊት ተንሓናሒት ዝኾነት ሃገረ ግብፂ ካብ ኢትዮጵያ ብዝሐሸ መልክዕ ኣብ ዓለም ለኸ ማሕበረሰብ ልዑል ፅዕንቶ ናይ ምፍጣር ዓቅሚ ስለዝነብራ ብልቃሕን ሓገዝን ንከይስራሕ ዕንቅፋት ኮይና ከምዝፀንሐት ‘ዩ ዝግለፅ። ነዚ ክትገብር ዘኽአላ ድማ ስትራተጂካዊ ኣቀማምጣኣ ብዝፈጠረላ ዕድል ማለት ‘ውን ኣብ ሃገራት ማእኸላይ ምብራቕ ልዑል ጂኦ-ፖለቲካል ተፅዕኖ ናይ ምፍጣር ግደ ስለዘለዋን፤ ኣብቲ ከባቢ ካብ እስራኤል ቀፂላ ናይ ኣሜሪካ ስትራተጂካዊ መሓዛ ኮይና ክትስለፍ ስለዝኸኣለት ‘ዩ።

በዚ መንፅር ኣብ ሩባ ኣባይ ዝትለም ዝኾነ ይኹን ዓይነት ፕሮጀክት ግድብ “ግብፂ ከኽፍእ” ይኽእል ‘ዩ ተባሂሉ ስለዝሕሰብ ነዚ ዝኸውን ዝሕተት ናይ ደገ ልቃሕ ይኹን ሓገዝ ብነዊሕ ኢድ ፈተውታ ዝኾና ሓያላት ሃገራት ሕቶ ኢትዮጵያ ተቀባልነት ከይረክብ እናተገበረ ‘ዩ ፀኒሑ።

ነዚ ዝተረድኡ ነበር ቀዳማይ መለስ ዜናዊ ብደፋር ውሳነ፤ “ንህንፀት እዚ ፕሮጀክት ዝኸውን ልቃሕ ኾነ ሓገዝ ካብ ደገ ክንረክብ ከምዘይንኽእል ስለእንፈልጥ ብናይ ባዕልና ዓቅሚ ክንሃንፆ ኢና” ብምባል ኩሉ ኢትዮጵያውን ፈታዊ ኢትዮጵያን ዝኾነ ዘሳተፈ መሽጣ ቦንድን ሓገዝን ብዕሊ ንክጅመር ብምግባር ቅድሚ 13 ዓመት ስራሕቲ ህንፀት ግድብ ዓብይ ህዳሴ ኣባይ 24 መጋቢት 2003 ዓ.ም ብዕሊ ንክጅመር ሰረት እምኒ ብምቅማጥ ሀሃ ኢሉ ንክጅመር ከምዝተገበረ ዝፍለጥ ‘ዩ።

ነዚ ዓብይ ግድብ ህንፀቱ ንምዕዋት ብቀደምነት ህዝቢ ትግራይ ሓዊሱ ብዘይ ዝኾነ ኣፈላላይ ሃይማኖት፣ ብሄርን ፆታን ሕድ ሕድ ኢትዮጵያዊ ዓሽራኡ ዘንበረሉ ነባሪ ታሪኽ ህንፀት ፕሮጀክት ግድብ ዓብይ ህዳሴ ኣባይ ድሕሪ ዝተፈላለዩ ብድሆታት ፀላእቲ ሃገራትን ካልእን እንተተጓተተ ‘ውን፤ ኣብ መበል 13 ዓመቱ አፈፃፅማ እቲ ፕሮጀክት 95 ሚኢታዊ ምብፅሑ ቤት ፅሕፈት መተሓባበሪ ዓብይ ግድብ ህዳሰ ኣብ ቀረባ እዋን ገሊፁ ‘ዩ።

ብተመሳስሊ ዓብዪ ግድብ ፕሮጀክት መፈልፈሊ ሓይሊ ኤሌክትሪክ ህንፀቱ ኣብ ዝቅፅሉ ሸውዓተ ኣዋርሕ ውሽጢ ክዛዘም ‘ዩ። ሕድ ሕድ ተርባይናት 375ሜጋ ዋት ሓይሊ ኤሌክትሪክ ናይ ምፍልፋል ዓቅሚ ዘለዎም ክልተ ዩኒታት ብዝተፈላለዩ እዋናት ከምዝተገጠሙን ፤ ‘ቶም ዝተረፉ ተርባይናት መመንጨዊ ሓይሊ ኤሌክትሪክ ኣብ ቐፃሊ ኣዋርሕ ተራ ብተራ ዝግጠሞም ብሓፈሻ ስራሕቲ ህንፀት ፕሮጀክት ዓብዪ ግድብ ህዳሰ ኣባይ ኣብ 2017 ዓ.ም ንምዝዛም ኣድላይ ዘበለ ፃዕሪ እናተገብረ ከምዝርከብ ዋና ስራሕ መካየዲ እቲ ፕሮጀክት ዝኾኑ ኢንጂነር ክፍሌ ሆሮ ኣፍሊጦም ‘ዮም። እዚ ድማ ንብዙሓት ኣብዚ ዝተሳተፉ ኢትዮጵያውያን ደስ ዝብል ዜና ‘ዩ።

ብዛዕባ ፕቶጀክት ዓብዪ ግድብ ህዳሰ ኣባይ እዚ ምስ በልኩ፤ ኣብዚ እቲ ዋና ከልዕሎ ዝደለኹ ጉዳይ ግና ካብዚ ንታሕቲ ዝገልፆ ‘ዩ።

ኣብዝሓ ሰብ ሙሁራት ሓዊሱ ካብ ዘረበኦም ከም ዝዕዘቦ ግብፂ ምስ ኢትዮጵያ ኣብ ጎንፂ ዘእትዋ ኣብ ሩባ ኣባይ ወይ ናይል ይግብኣኒ እትብሎ ረብሓ ማይ ሙሉእ ንሙሉእ ንምሕላው ጥራሕ ከምዝኾነ ጥራሕ ብዝመስል መልክዕ ኣብ ዛዕባ ማይን ግድብን ጥራሕ ትኹረት ገይሮም ‘ዮም ክዛረቡ ዝስማዕ፤ ይኹን ‘ምበር ከም ከማይ ግና ድልየት ግብፂ ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ዛዕባ ማይ ጥራሕ ዝተዓገተ ኣይከውንን ዝብል እምነት ኣለኒ ‘ዩ ዘለኒ።

ነዚ ሓሳብ ከም መበገሲ ዝኾነኒ ሓደ ድማ ሓደ እዋን ብስልጠና ምኽንያት ናብ ግብፂ ናይ ምኻድ ዕድል ኣብ ዘጋጠመኒ ቅድሚ ኣርባዕተ ዓመት ኣቢሉ ካብ ዝተዓዘብክዎን ኣብ ሓደ ሓደ ፅሑፋቶምን ካብ ዝገብርዎም ትኹረት ዛዕባታትን ‘ዩ። ግብፃውያን ንሃገሮም ካብ መጠን ንላዕሊ ዘፍቅርዋ።

ኣብ ጉዳይ ሃገሮም ዳርጋ ዝኾነ ኣፈላላይ የብሎምን ክብሃል ክሳብ ዘኽእል ብርኪ ብተመሳሳሊ ቅዋም ‘ዮም ብዛዕባ ሃገሮም ዘዕሉልኻ። ካልኦት ዜጋታት ‘ውን ንሃገሮም ከምዝፈትውን ከምዘፍቅሩን ግና ኣይረሳዕኹን። ካብ ምፍታዎም ዝተልዓለ ‘ ውን ንሃገሮም “ኡም ኣልዱንያ” ኢሎም ኣቆላሚጦም ‘ዮም ዝፅውዕዋ ብዓረብኛ ቋንቋ “ኡም” ማለት ኣዶ ‘ዩ። “ኣልዱንያ” ማለት ድማ እዛ እንነብረላ ዘለና ዓለም ማለት ‘ያ ስለዚ ሓፈሻዊ ትርጉሙ ግብፂ ኣዶ እዛ እንነብረላ ዘለና ዓለም ‘ያ ከም ማለት ‘ዩ።

ንምንታይ ከምኡ ኢሎም ከምዝፅውዕዋ እንትዛረቡ ድማ ግብፂ ኣዶ ዓለም ተባሂላ ዝትፅውዓሉ ምኽንያት ቅድሚ ኹሉ ስልጣነን ፅባቀን ዝተረኣያላ ስለዝኾነት፣ ንእስማዒል ንኣብርሃም መፅለሊት ነይራ ብፍላይ ንዓረብ ድማ ልቦም ማለት ‘ያ ወዘተርፈ እናበሉ ‘ዮም ዝንእድዋ። ናብቲ ዋና ጉዳየይ እንትምለስ፤ ኣብ ላዕሊ ከም ሓበርክዎ ብስልጠና ምኽንያት ናብ ግብፂ ኣብ ዝኸድኩሉ እዋን ኣብዝሓ ዝረኽቡኒ ግብፃውያን ብፅምኢ ክንመውት ድዩ ማይ ናይል ትግድብዎ ዘለኹም ኢሎም ይሓቱኒ።

ከምኡ ኣይኮነን ኣንሕና እንግድቦ ንዓኹም ንምፅማእ ዘይኮነስ ኣብዝሓ ህዝብና ክሳብ ሐዚ መብራህቲ ስለዝይብሉን ቀሊል ዘይብሃል ህዝብና ‘ውን ኣብ ትሕቲ ድኽነት ስለዘሎ ካብዚ ንምውፃእ ‘ዩ ኢለ ምስ መለስኩሎም፤ እሺ ይኹን ከሙኡ እንትኾይኑ ንምንታይ ክንዱዙይ ዝኣክል ገዚፍ ግድብ ምስራሕ ኣድልዩ በቢከባቢኡ ንምንታይ ኣንኣሽተይ ግድባት ዘይትሰርሑ? ። እዚ ዝብል ዘሎ ድማ ተራ ግለሰብ ዘይኮነስ ኣብ ከባቢ ምብራቅ ኣፍሪቃ ንብዙሕ ዓመታት ብዲፕሎማት ዝሰርሐን ኣብቲ እዋን ኣብ መፅናዕትታትን ስልጠናን እናነጠፈ ዝርከብ ዓብዪ ሰብ ‘ዩ።

ስለዚ ካብዚይን ካብ ካልኦትን ሓበሬታታት ብምብጋስ ዝመፅኣለይ ሓሳብ ጉዳዮም ናይ ማይ ጥራሕ ተዝኸውን ነይሩ ንምንታይ ዓብዪ ትሰርሑ ኣናእሽተይ ዘይትሰርሑ ኣይብሉን። ከምዝመስለኒ በቢ ከባቢኡ ካብ ዝግደቡ ብዙሕ ኣናእሽቲ ግድባት ኣብ ከባቢ ዶብ ዝህነፅ ንዕኦም ዝጠቅሞም ይመስለኒ። እዚ ኣብ ደንበር ዝህነፅ ግድብ ንመስኖ ስራሕቲ ስለዘይውዕል ኤሌክትሪክ ኣፈልፊሉ ቀጥታ ናብ ኦም ‘ዩ ዝኸድ።

በቢከባቢ ብዙሓት ግድባት እንተተሰሪሖም ግና ይንኣስ ይዕበይ ንመስኖ ‘ውን ክንጥቀመሉ ንኽእል ኢና። በዚ መንፅር ካብ ማንም ንላዕሊ ደስ ዘይበሎም ነገር ኣብ ኢትዮጵያ ክስራሕ ኣይክኣልን ዝብሃሉ ስራሕቲ ምስራሕ ምጅማሩ፣ ኢትዮጵያ ማእኸል ዲፕሎማሲ ካብ ምዃና ብተወሳኺ ማእኸል ኢንቨስትመንት ኢንዱስትሪ እናኾነት ምምፃእ ጀሚራ ምንባራ ‘ውን ተወሳኺ ሕማም ዝኾኖም ‘ዩ ዝመስለኒ።

ከምዝፍለጥ ግብፂ ናይ ነዊሕ ሕልማ ናይ ሃገራት ኣፍሪቃን ዓረብን ማእኸል ኢንዱስትሪን ዲፕሎማሲን ምዃን ‘ዩ ስለዚ ኣብዚ ክትወዳደራ ካብ ዝትኽል ድማ ሓንቲ ሃገርና ‘ያ። ካብ ናይ ማይ ድልየታ ብተወሳኺ ኢኮኖሚያዊ ዕብየትና ‘ውን ዘይትፈትወሉ ምኽንያት እዚ ‘ዩ።

በዚ መሰረት ህንፀት ፕሮጀክት ግድብ ዓብይ ህዳሴ ኣባይ እንተወዲእናስ ድሕሪ ሐዚ ዘጓንፅ ነገር ኣይህልወናን ዘብል ስለዘይኸውን፤ ንሓፈሻዊ ድልየትን ባህግን ሃገረ ግብፂ መሰረት ገይርካ ኣብ ምስራሕ ዝምልከቶ ኣካል ብቀፃልንት ክሰርሆ ዝግባእ ስራሕ ‘ዩ ዝኸውን እብል። ወደሓንኩም።

እዚ ዓምዲ ኣብ ዝተፈላለዩ ፖለቲካዊ፣ ኢኮኖሚያዊን ማሕበራዊን ጉዳያት ዜጋታት ናፃ ሓሳቦም ዝህብሉ እዩ። ኣብዚ ዓምዲ ዝወፅኡ ፅሑፋት ናይ ክፍሊ ምስንዳእ ቅዋም አይኮኑን።

ኣብርሃ ሓጎስ

ወጋሕታ 19 መጋቢት 2016 ዓ.ም

Recommended For You