ፖለቲካዊ ዘይምርግጋዕ ዘጋደዶ ስደት መናእሰይ ትግራይ

ስራሕን ካልኦት ቁጠባዊ ዕድላትን ደልዮም ኣማኢት ኣሽሓት መንእሰያት ካብ ኢትዮጵያ ከም ዝስደዱ ፀብፃባት ዓለምለኻዊ ትካል ስደትን ኤጀንሲን ማእከላይ ስታቲስቲክ ኢትዮጵያ የመልክቱ። ካብዚኦም እቶም ኣብዝሓ ሚእታዊ ዝሕዙ ናብ ስዑዲ ዓረብ ዝኸዱ እንትኾኑ፣ ደቡብ ኣፍሪካ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ፣ ኣሜሪካን የመንን ብብዝሒ ዜጋታት ሃገርና ዝስደዱለን ሃገራት ‘የን።

ኣብዚ ከይዲ ስደተኛታት ደሃዮም ዘይፍለጠሉ ኣጋጣምታት ብዙሕ ‘ዩ። መብዛሕትኦም ድማ ደቂ ተባዕትዮ እንትኾኑ ኣብቲ ሓደገኛ ጉዕዞ መንገድን ባሕርን ጠፊኦም ወይ ሞይቶም ዝተርፍሉ ዕድል ብጣዕሚ ሰፊሕ ‘ዩ። ናብ ሃገሮም ኣብ ዝምለስሉ እዋን ’ውን ከምዝሓሰብዎ ስለዘይኾን ናብቲ ሕብረተሰቦም ዳግማይ ኣብ ምውህሃድ ዕንቅፋት ከም ዝኾኖም ይስማዕ ’ዩ። ዝሓሸ ናብራ ደልዮም ኣብ ውሽጢ እታ ሃገር ናብ ዝርከቡ ከባቢታትን ካብቲ ክልል ክወፁኡ እውን ይደልዩ።

ቅድም ክብል ኣብ ትግራይ ዝርከብ ስራሕቲ ብዙሓት መንእሰያት ዕድል ስራሕ ተፈጢሩ ኣብ ዝተፈላለዩ ሞያታት ተዋፊሮም እናሰርሑ ዝፀንሑ እንተነበረ ‘ውን ፤ ኣብዚ እዋን ግና ኩነታት ፖለቲካ ትግራይ ብስርዓት ይመሓደር ብዘይምህላዉ ህዝቢ ትግራይ ኣብ ሰንፈለል ይርከብ። እዚ ድማ ብፍላይ መንእሰያትን ሰብ ሙያን ኣብ ከባቢኦም ዘለው ፀጋታት ንኸይጥቀሙ ምኽንያት ብምዃኑ መማረፂ እናተገበረ ዘሎ ናብ ዝተፈላላዩ ሃገራት ስደት ምኻድ’ዩ።

ብተወሳኺ ድማ ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ኣብቲ ክልል ዝተኻየደ ኲናት ብርክት ዝበሉ ማሕበራዊን ቁጠባዊን በሰላታት ኣብፂሑ ’ዩ። ኣብዚ ብተወሳኺ ኣብ ትግራይ ተስፋ ዘቁርፁ ኩነታት እምበር ዝተረጋገዐ ከይዲ ፖለቲካዊ ስለዘየለ፤ሐዚ ኣብ ትግራይ ዝርኣይ ዘሎ ፖለቲካዊ ዘይምርግጋዕን ፖለቲከኛታት እቲ ክልል እውን ናብ ኣብ ምዑሩይ ፖለቲካዊ ኹነታት ስለዘየለውን ካልኦት ኢኮኖሚያዊ ፀገማት ተደሚሩ እቲ መንእሰይ ኣብ ፖለቲከኛታት ትግራይ ተስፋ ብምቑራፅ ናብ ካልኦት ቦታታት ንምኻድ ይደፍኦ ኣሎ ።

እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ዘይሕጋውያን ደላሎ እቲ መንእሰይ ካብ ሃገሩ ንክወፅእ ብዝገብርዎ ተደጋጋሚ ጎስጎስ እውን ዘይጭበጥ ተስፋ ብምድሓዝ ካብ ሃገሩ ሪሕቑ እንተኸደ ‘ውን ፤ ብዙሕ መከራ ኣሕሊፎም መንገዲ እንትጀመሩ ኣብ ዝኸደሉ ሃገር እውን ኣብ ኢድ ሸፋቱ ብምውዳቕ ኣደዳ ቤት ማእሰርቲን ባሕርን ብምዃን ኣብ ኸቢድ መከራን ስቃይን እንተኣትው ይስትውዐል ‘ዩ ።

እዞም ብርክት ዝበሉ መናእሰይ ብዘይ ቐባሪ ኣብ በረኻታት ይተርፉ ከምዘለውን ኻልኦት ድማ ሐዝውን ኣደዳ ሕማምን ስቃይን ኾይኖም ፎቖዶ ቤት ማእሰርቲ ተዓጒሮም ይርከብ። እዚ ዝኾነሉ ምኽንያት ድማ እቲ መንእሰይ ዝንገሮ እንበር እቲ ኣብ መሬት ዘሎ ሓቂ ዘይምግንዛቡ ‘ዩ።

እቲ ኣብ ትግራይ ዘሎ ኹነታት ተስፋ ስለዘቑረፆን ብዝተፈላለዩ ደላላ ዝንገሮ ሓበሬታን ሓሳብን ዘይጭበጥ ተስፋ ደኣምበር እቲ ሓቂ ግን ብኣንፃሩ ስለዝኾነ ኣብ መብዛሕትኡ ኸባብታት ትግራይ ስደት ከም ኣማረፂ ገይሩ ናብ ስደት እናተጉዓዘ ይርከብ። ኮይኑ ግና መንእሰይ ካብዚ ተግባር ክቑጠብ ይግባእ ።ንዚ ድማ ፖለቲከኛታት ትግራይ ኣብቲ ክልል ተስፋ ንክልው ዘኽእል ስራሕ ክሰርሑ ይግባእ። ቀዳምነት ንህዝቢ ሂቦም ተስፋ ዘለዋ ክልል ክትኸውን ክሰርሑ ኣለዎም። ህዝቢ ብፍላይ መንእሰይ ዘይብሉ ስልጣን ትርጉም የብሉን።

እቲ ኹነታት ሰብሙያ ዝኾኑ መናእሰያት ‘ውን ናብ ስደት ንክኸዱ እናገበረ ይርከብ። ብፍላይ ሰብ ሙያ ጥዕናን ካልኦትን ተጠቀስቲ እቶም ብኣሽሓት ዝቑፀሩ ሰብ ሙያ ጥዕና ሓዊሱ ካልኦት ኣብ ትግራይ ብዘሎ ኹነታት ተስፋ ቖሪፆም ሕርያዎም ስደት ኮይኑ ኣሎ። እዚ ኣዝዩ ብጣዕሚ ሓደገኛ ኹነታት ስለዝኾነ መፍትሒ ዘድልዩ ጉዳይ እዩ።

እዚ ንምክልኻል እቲ ዓብይ ፍታሕ ክኾን ዝግበኦ ቀዳምነት ኣብ ትግራይ ዘሎ ፖለቲካዊ ቅልውላው መዕለቢ ክረክብ ኣለዎ። መወዳእታ ዘይብሎ ኣኼባን መግለፅን ተስፋ ዝህቡ ኣይኮኑን። ዝተረጋገፀ ፖለቲካ ዘይብሉ ክልል ማሕበራዊን ኢኮኖሚያዊ ስራሕቲ ሰሪሑ ነቲ መንእሰይ ዕድል ስራሕ ክፈጠር ኣይኽእልን። እቲ መንእሰይ እውን ስደት ተፀይፉ ኣብ ምምዕራይ ክልላዊ ኹነታት እጃሙ ክዋፃእ ኣለዎ። ብተወሳኺ አውን ኣብ ሃገሩ/ክልሉ ሰሪሑ ንክቕየር ዝገብሩ ዕድላት ብመንግስትን መዳርግቲ ኣካላትን ስራሕቲ ክፍጠሩ ግድን ‘ዩ።

ስደት መንእሰያት ዓብይ ትኹረት ዘድልዮ ጉዳይ ‘ዩ። ሃገር ተረካቢ ዝባሃል ወለዶ እንትበታተን ሱቕ ኢልካ ምርኣይ ፅባሕ ዓብይ ዋጋ ዘኽፍል ‘ዩ። ካብ ዝምልከቶ ኣካል ብዝሓለፈ ባዕሉ እቲ መንእሰይ ‘ውን ከስተውዕ ይግባእ። እቲ ሓዚ ዘሎ ኹነታት ምቕያሩ ኣይተርፍን፤ብደላሎ ዝንገሮ እውን ክኣምን የብሉን ። ዝተፃረየ ሓበሬታ ሒዙ ክጓዓዝ ይግባእ።

ካብ ሃገርካ ምስዳድ ከምቲ ዝዝረብ ቐሊል ኣይኮነን፤ ክሳብ ህይወት መስዋእትነት ዝኸፈሎ ከቢድ ጉዕዞ ከምዝኾነ ነቲ መንእሰይ ብዝተፈላለየ መራኸቢ ሓፋሽ ኾነ መድረኻት ብምፍጣር ግንዛብኡ ከዕቢ ምግባር ናይ ኹሉ ሓላፍነት ክኾን ይግባእ። ፖለቲከኛታት ድማ ፖለቲከኦም ከቐርዩ ይግባእ።

ሐዚ መንእሰይ ትግራይ ኣብ ከቢድ ኹነታት ‘ዩ ዝርከብ። ምስቲ ዝነበረ ኹነታት ተደሚሩ ስእነት ስራሕ ብምስፍሑ ኣብዝሓ መንእሰይ ስደት እናሓሰበ ጥራሕ እንተይኾነስ ተግባራዊ ገይርዎ ብርክት ዝበለ መንእሰይ ሕጋዊ ኾነ ብዘይ ሕጋዊ መንገዲ ካብቲ ክልል እናተሰደደ ይርከብ። እዚ ጠጠው ምባል እንድሕር ዘይተኻኢሉ ኣብቲ ክልል ኣፍራይ ዝባሃል ሓይሊ ጠፊኡ ናብ ዝበኣሰ ፀገም ዘውርድ ‘ዩ።

ኣብዚ ሐዚ እዋን ድልየት መንእሰይ ትግራይ እንተርኢና ድማ ቅድሚ እቲ ኹናት ናብ ዝነበሮም ስራሕ ተመሊሱ ዓርሱን ቤተሰቡን ክቕይር ዓብይ ሃንቀውታ ኣለዎ ፤ ናይዞም መናእሰይ ዘሐሸ መማረፂ ድማ ኣብ ኸባቢኻ ብዘሎ ሃፍቲ ሰሪሕኻ ምልዋጥ ‘ዩ።እዚ ኣብ ኸባቢኦም ዘሎ ሃፍቲ ንክጥቀሙ ምችው ዝኾነ ሰላማውን ዝተረጋገዐን ክልል ከምኡ ድማ መልዓሊ ካፒታልን ክትትልን የድልዮም።

መንእሰይ ትግራይ ብዘይሕጋዊ መንገዲ ንኽስደድ ዝሰርሑ ዘለዉ ዘይሕጋውያን ደላሎ ‘ውን ግቡእ ስጉምቲ ተወሲድሎም ናብ ሕጊ ኽቀርቡ ይግባእ። እቲ መንእሰይ ትግራይ ኣብ ዝኾነ እዋን ዘይሕጋዊ ዝኾነ ስደት መማረፂ ኸም ዘይኾነ ብዝግባእ ክግንዘብ ኣለዎ፤ ዓርሱ ድማ ካብ ኸምዚ ዝኣመሰለ ጎዳኢ ተግባር ክቑጠብ ይግባእ።

ኣብዚ ሐዚ እዋን ኩለመዳያዊ ትኹረት ዝተገብረሉ ዝተምሃረ ዝበሃል፣ ዝሓሸ ዓቕሚ ዘለዎን ሃገር ክሃንፅ ‘ዩ ተባሂሉ ተስፋ ዝተውሃቦ መንእሰይ ‘ዩ ዝስደድ ዘሎ። መንግስቲን ፖለቲከኛታት ትግራይን ምንቋት ገዲፎም ንቲ መንእሰይ ዝግባእ ስልጠናታት፣ ልቓሕን መስርሕን መሸጥን ቦታታት ክዳለውሉ ዝኽእሉሉ ቁመና ክህልዎም ግድን ‘ዩ። ብፍላይ ድማ ኣብ ትግራይ መንእሰይ ዘለዎ ኩነታት እንድሕር ምችው ዘይኾይኑ ምስቲ ዝነበረ ስነልቦናውዊ ቅልውላው ዓብይ ሓደጋ ከብፅሕ ከምዝኽእል ኣቐዲምካ ምግማት ይካኣል።

 እዚ ዓምዲ ኣብ ዝተፈላለዩ ፖለቲካዊ፣ ኢኮኖሚያዊን ማሕበራዊን ጉዳያት ዜጋታት ናፃ ሓሳቦም ዝህብሉ እዩ። ኣብዚ ዓምዲ ዝወፅኡ ፅሑፋት ናይ ክፍሊ ምስንዳእ ቅዋም አይኮኑን።

መሰረት ገ/ዮሃንስ

ወጋሕታ 17 ታሕሳስ 2017 ዓ.ም

Recommended For You