ወለድና ሓደ ነገር ኣሕፂሮም ንምግላፅ ምስላ ይጥቐሙ:: ሓደ ነገር ካባኻ ንታሕቲ ይኹን ኣይኹን ምንዓቕ ትኽክል ዋላ እንተዘይኮነ፣ ንምንዓቕ ግን ወይ ካብኡ ንላዕሎ ወይ ልሐሽካ ኮይንካ ከትርከብ ኣለካ::እንተዘይኮይኑ ድማ ማዕሪኡ ከትኸውን ይግባእ:: ገሊኡ ካብ መወዳድርቱ ኣዝዩ ትሒቱ እንደሃለወ ክንዕቕ ትሪኦ:: እዘ ድማ ክልተ ጌጋ ኣለዎ:: እቲ ሓደ ምንዓቕ ፍፁም ጌጋ ‘ዩ:: እቲ ካሊእ ድማ ንበዓልኻ ዘይተመሓየሽካ ንኻሊእ ካባኻ ንላዕሊ ንዝኾን ምንዓቕ ካልኣይ ጌጋ ይገብሮ:: ወለድና ‹‹ኣድጊያ ዘይብሉስ በቕሊ ይንዕቕ›› ኢሎም ክምስሉ እንተለዉ ረዚን መልእኽቲ ዘሕልፍ ‘ዩ::
እዙይ ክብል እንተለኹ መሲልካ እንታይ ኣምፀኣኻ ዝብል ሕቶ ዘይቐሪ ስለዝኾ ናብቲ ቐንዲ ሓሳበይ እንትኣቱ፣ ነዚ ምስላ እዚ ክጥቐም ዝኸኣልኩሉ ምኽንያት ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ሓደ ጎረቤትና ዝኾነ ሰብ ምስ ናይ ሃገሩ ቴሌቪዥን ጣብያ ቐሪቡ ቓለ መሕትት ኣብዝሃበሉ እዋን ብዛዕባ ጉዳይ ሃገሩ ገዲፉ ብኹለ መዳይ ካብ ሃገሩ ንዝሓሻ ከም ንኢትዮጵያ ሓዊሱ ንካልኦት ዓበይቲ ሃገራት ብኣሉታዊ ከልዕል ስለዝሰማዕኽዎ ‘የ::
እዚ ሰብ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ዝሃቦ ሰፊሕ ቃለ መሕትት ከም ፖለቲካዊ ተንታኒ ኣሕጉራውን ዞባውን ጉዳያት ኮይኑ ክትንትን ‘ዩ ፈቲኑ:: ብዛዕባ ሃገሩ ንኸባቢ 40 ደቒቓ ጥራሕ ብምዝራብ መብዛሕትኡ ኣብ ጉዳያት ኣሜሪካ፣ ሱዳንን ኢትዮጵያን ኣተኩሩ ‘ዩ ተዛሪቡ:: ኸባቢ ክልተ ሰዓት ዝወድአ ትንታነ ድማ ንፀገማት ሃገሩ ንምፍታሕ ከምዘይኮነ ግልፂ ነይሩ:: ኣብ ጉዳያት እታ ሃገሩ ኣድሂቡ ዝሃቦ መብርሂ 40 ደቓይቕ ዘይመልእ ጥራሕ ዘይኮነስ ካብ ‹‹ትሕተ ቕርፂ፣ዲጋ ዒላን›› ዘይሓለፈ መደረ ምዃኑ ድማ ኣዝዩ ዘሕፍር ’ዩ ነይሩ።
ናይ ሃገሩ ፀገም ምፍታሕ ገዲፉ ብዛዕባ ናይ ኢትዮጵያ ሕገመንግስትን ግድብ ህዳሰን ብኣሉታዊ ኩነታት ከልዕል ተሰሚዑ ‘ዩ:: ሕገ መንግስቲ ንሓንቲ ሃገር ኣድላይ ስለዝኾነ ኢትየጵያ ካብ ስርዓት ሃይለስላሴ ጀሚራ ብሕገ መንግስቲ እናተማሕደረት ዝመፀት ሃገር ‘ያ:: ብዛዕባ ሕገ መንግስቲ ፕሮፌሰር እንድርያስ ከምዚ ክብሉ ገሊፆም ነይሮም:: ‹‹ሕገ መንግስቲ እንተዘይሃልዩ ሓደ መንግስታዊ ኣካል ናይ ገዛእ ርእሱ ስልጣንን ረብሓን ብዝምልከት ‘ዩ ዝሓስብ:: ሓደ መንግስታዊ ኣካል ናይ በዓሉ ስልጣን ንምድልዳል ከም ዳኛ ኮፍ እንተኢሉ ንሃገር ዓብዪ ውድቐትን ፀገምን ዝፈጥር ‘ዩ::››
ስለዚ እቶም ፕሮፌሰር ከምዝገለፅዎ፣ ሕገ መንግስቲ ንሓደ መራሒ ሃገር ብዛዕበ ስልጣኑ ጥራሕ ከይሓስብ ዝገብርን ብዛዕባ ረብሓ ህዝቢ ክሓስብ ዝገብር ‘ዩ:: ስልጣን ንኻሊእ ክመሓላለፍ ከምዘለዎ ፈሊጡ ግዚኡ ንረብሓ ህዝቢ ከውዕል ዘገድድ ‘ዩ:: ሕገ መንግስቲ ከምዚ ጎረቤትና ዝኾነ ሰብ ብዛዕባ ስልጣኑን ረብሕኡን ጥራሕ ከይሓስብ ዝገብር ልጓም ‘ዩ::
ሐዚ ዘላ ኢትዮጵያ ንኹሎም ብሄራት ብሄረሰባትን ህዝብታትን ዝሓቝፍ ቅድሚ ሰላሳ ዓመታት ማለት 29 ሕዳር 1987 ዓ.ም ሕገ መንግስቲ ኣፅዲቓ ትመሓደር ዘላ ሃገር ‘ያ:: እዚ 11 ምዕራፋትን 106 ዓንቀፃትን ዝሓዘ ሕገመንግስቲ እዛ ሃገር ዋላ እኳ ሓደ ሓደ ንፖለተካዊ ከስቢ ክብሉ ብሕማቕ ዘልዕልዎ ኢትዮጵያውያን’ውን እንተሃለዉ:: ብዙሓት ሰባት ግና ፍፁም ቅኑዕ ኢሎም ክንእድዎ ኢኻ ትሰምዕ::ሕመቕ እውን እንተሃልይዎ ዝመሓየሸሉ ዓንቀፅ ኣለዎ::
እቲ ሕገ-መንግስቲ ኣብ ዝሓለፉ 30 ዓመታት እንታይ ዓወት ኣመዝጊቡ እንተይልና ብዙሓት ከም ግድብ ተከዘ፣ ግቤ1….፣ ግድብ ህዳሰ ወዘተ ክህነፁ ናይ በዓሉ ኣበርክቶ ገይሩ ‘ዩ:: ዋላ ፍፁም ኣይኹን ሽዱሽተ መረፃታት ተኻይዶም እንተውሓደ ሰለስተ ሰባት ቀዳማይ ሚኒስትር ኢትዮጵያ ኮይኖም እዮም::ካልኦት ረብሓታት አውን ኣለዎ፤ንምምሕያሽ ዝግብኦም ድማ ኣብ ሃገራዊ ምኽክር ኮሚሽን ኣጀንዳ ዘተ ዝኾኑሉ ዕድል ኣሎ::ምስቲ ልዕሊ 76 ብሄር ብሄረሰባት ምሓዛ መጠነኛ ዓሌት መሰረት ዝገበረ ጎንፅታትን ፖለቲካዊ ፀገምን ዋላ ይሃሉ፣ ኣብ ኢትዮጵያ ግና ዓለም ዝመስከሮ ለውጢ ተራእዩ ‘ዩ::
እዚ ከምዚ እነሃለወ እዚ ጎረቤትና ሰብኣይ ግና፣ መናእሰይ ፎቆድኡ ስደት ዝበተነ፤ሕገ መንግስቲ ኮነ መረፃ ዘይፈልጥ… ኮይኑ እናሃለወ ነቲ ኣብ ኢትዮጵያ ዘሎ ሕገ መንግስቲ ኾነ ልምዓት ኸናእስ ይውዕል:: ነታ ኣብ ከቢድ ድኽነት እትርከብ ሃገሩ ክጭነቕን ክዛረብን ኣይትሰምዖን ኢኻ:: እዚ ሰብ ሕገ መንግስቲን ዕቤትን ዘይብላ ሃገር እናመሓደረ “ሕገ-መንግስቲ ኢትዮጵያ ጠንቂ ወጥሪ ካብ ምዃን ሓሊፉ ህንፀትን ሓድነትን ሃገር ዘተባብዕ ኣይኰነን” ብምባል ብኣሉታ ምጥቓሱ ወይ ብዛዕባ እቲ ሕገ-መንግስቲ ኢትዮጵያ ብተደጋጋሚ ኣሉታዊ ርኢቶታት ክህብ እንከሎ ዝገርም ‘ዩ።
ኮይኑ ግና ንባዕሉ ኣብ ዝሓለፉ ዓሰርተታ ዓመታት ዝምረሐሉ ሕገ-መንግስቲ ይኹን ዘመዝገቦ ዕቤት የለን። ሕገመንግስቲ የብሉን ጥራሕ ዘይኮነስ እኹል ሓይሊ መብራህቲ፣ ኢንተርኔትን መሰረተ ልምዓትን ዝመሳሰሉ የብሉን:: እዚ ሰብ ብዛዕባ ግድብ ህዳሰን ሕገ መንግስቲ ኢትዮጵያን ክኹንን ክወቕስን ሞራልን ብቕዓትን የብሉን:: ካሊእ ኣብ ኢትዮጵያ ወይ ኣብ ክልል ትግራይ ዝረአ ፖለቲካዊ ዘይምርድዳእ ኣድሂቡ ምዝራቡ ካሊእ ተወሳኺ ጌጋ ‘ዩ::
ትኽክል ኣይኮነን፤ ብሕገ መንግስቲን ብስርዓትን ኣብ ዝምራሕ ማሕበረሰብ ናይ ሓሳብ ኣፈላላይ ሒዝካ ምክርኻር ዘሎን ንቡርን ‘ዩ:: ሕገ መንግስቲ ኣብ ዘይብሉ ሃገር ግና ናይ ሓሳብ ኣፈላላይ ሒዝካ ምክርኻር ይቕረ ምሕሳብ ‘ውን ዝከኣል ኣይኮነን:: ብናይ ሓደ ሰብ ሓሳብ ጥራሕ ትዝወር እምበር ዲሞክራሲያዊ ምሕደራ ኣይህልውን::ስለዚ ስርዓት ምሕደራ ንዘለዎ ህዝብን ሃገርን ከመይ ገይርካ ከትወቕስን ከተናእስን ትሙክርን ?
እዚ ጎረቤትና ብዛዕባ ኢትዮጵያ ክዛረብ እንተሎ ግና እቲ ብሰንኪ ሰኣን ሰናይ ምምሓደርን መወዳእታ ዘይብሉ ሃገራዊ ግልጋሎትን ስዒቡ መንእሰያት ሃገሩ ንኣደዳ ስደትን ሞትን ተቓሊኦም ሽማግለ ዝበዝሖ ማሕበረሰብ ዝመርሕ ዘሎ ኣይመስልን። እኳ ደኣስ ኩሉ መሊኡ ዝተረፋን ቅስንቲ ዓዲ ብምምራሕ ፀገማት ጎረባብቲ ሃገራት ንምፍታሕ ላዕልን ታሕትን እትብል ዝብል ዘሎ ‘ዩ ዝመስል::
ብሓፈሻ እዙ ጎረቤትና ሰብኣይ ነዙይ ክብል እንተሎ ምዕብልትን ብልፅግትን ኢትዮጵያ ምርኣይ ስለዘይደሊ ‘ዩ::ሁከትን ዕግርግርን ደስ ስለዝብሎ’ዩ:: ስለዝኾነ ኣብ መንጎ ህወሓትን ፌደራል መንግስትን ሰላም ምፍጣሩ ስዒቡ ገፁ ናብ ኣንፃር ኢትዮጵያ ዝኾና ሃገራት መሊሱ ‘ዩ:: ናይ ኢትዮጵያ ሰላምን ዕቤትን ዝደሊ ተዝኾን ነይሩ እቲ ዝተረኽበ ሰላም ከሐጉሶ ነይሩ ‘ምበር ከጣዕሶ ኣይነበሮን:: ብፍላይ ኢትዮጵያ ምስ ሶማሊላንድ ኣፍደገ ባሕሪ ንምርካብ ስምምዕነት ዝያዳ ዓወፅወፅ ክብል ጀሚሩ ኣሎ:: ብዝኾነ ‹‹ኣድጊያ ዘይብሉ በቕሊ ይንዕቕ›› ከምዝበሃል::ፈለማ ኣድጊ ንክህልው ንክሰርሕ እምዕዶ፤ህዝቡ ሕቶ ክሓቶ ይግባእ::
እዚ ዓምዲ ኣብ ዝተፈላለዩ ፖለቲካዊ፣ ኢኮኖሚያዊን ማሕበራዊን ጉዳያት ዜጋታት ናፃ ሓሳቦም ዝህብሉ እዩ። ኣብዚ ዓምዲ ዝወፅኡ ፅሑፋት ናይ ክፍሊ ምስንዳእ ቅዋም አይኮኑን።
መኣርግ ገ/ሄር
ወጋሕታ 3 ታሕሳስ 2017 ዓ.ም