ኣብ ቅነ በዓላት ዝግበሩ ምትሕግጋዛት ኣብ ካሊእ እዋን ‘ውን ክቕፅሉ ይግባእ

ከምቲ ዘፍለጥ በዓል ልደት ኢየሱስ ክርስቶስ ብተኸተልቲ እምነት ክርስትና ካብ መንጎ ዝኽበሩ ዓበይቲ በዓላት ሓደ ‘ዩ፡፡ እዚ ሃይማኖታዊ በዓል እንትኸበር ዓርሱ ዝኽኣለ መፅሓፍ ቅዱሳዊ ታሪኽ ስዒቡ እዩ፡፡ ቁሩብ ንምጥቃስ ድማ ጎይታ ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ ቤተልሄም ኣብ ደምበ ከፍቲ ካብ ቅድስቲ ድንግል ማርያም ከም ዝተወለደ መፅሓፍ ቅዱስ ይሕብር፡፡

ኢየሱስ ክርስቶስ እንትውለድ 70 ሰገል ዝበሃሉ ሰብዓ ዝኾኑ ሰባት ናብ ኢየሩሳሌም ከምዝተጉዓዙን እንትጉዓዙ ድማ ብኮኾብ እናተመርሑ ኣፍቲ ኣብ ቤተልሄም በፂሖም ንጎይታ ኢየሱስ ክርስቶስ ዕጣንን ወርቅን ህያብ ብምብርካት ከምዝሰገዱሉ ድርሳናት ይሕብሩ፡፡

ነዚ ‘ውን ይመስል ብፍላይ ምዕራባውያን ኣብዚ በዓል ነኒባዕሎም ውህብቶታት ክወሃሃቡ ዝርኣይ። ኣብ ሃገርና ‘ውን እንተኾነ ኣብዚ በዓል ሓዊሱ መሰል ካልኦት በዓላት ኣብ ዝኽበሩሉ እዋን ተተሓሒዞም ካብ ዝመፅኡ ነገራት ሓደ ባህልን ልምምድን ምትሕግጋዝ ‘ዩ። ዘለዎ ንዘይብሉ ኣካል ማሕበረሰቡ ብምክፋል ኣብቲ በዓል ከየስተማሰለ ተሓጒሱ ንከሕልፎ ዝግበሩ ተግባራት ይርኣዩ ‘ዮም።

እቲ ተግባር ምትሕግጋዝ ኣብ ዝተፈላለዩ ሃይማኖታት ‘ውን ተግባራዊ ክኸውን ዝርኣይን ኣብ ተኸተልቲ ሃይማኖት እስልምና ዝበሉ ‘ውን ከም በዓላት ሮሞዳን ዝበሉ ብስፍሓት ብተግባር ዝረኣየሎም ‘ዮም ምባል ይክኣል። ኣብ ቀረባ ዓመታት ጀሚሩ ዝተፈላለዩ በዓላት ምኽንያት ብምግባር “መኣዲ ምክፋል” ተባሂሉ ብዝፍለጥ ተግባር ምሕጋዝ ዓቅሚ ዘይብሎም ዜጋታት ብፍላይ ኣብ ዝተፈላለዩ መንግስታዊ ትካላት ‘ውን ከይተረፈ እናተለመደ ዝመፅኣሉ ኩነታት ይርኣይ ‘ዩ።

ነዚ ተግባር “ምክፋል መኣዲ” ካብ ዘተግብሩ መንግስታዊ ትካላት ሓደ ድማ ቤት ፅሕፈት ቀዳማይ ሚኒስትርን ከምኡ ‘ውን ከንቲባ ምምሕዳር ኣዲስ ኣበባ ዝተፈላለዩ በዓላት ምኽንያት ብምግባር ኣብ ትሑት ኣታዊ ንዘለዎም ነበርቲ እታ ከተማ መኣዲ ዘካፍሉ እንትኾኑ፤ ብተወሳኺ ድማ ኩሉ በቢዘለዎ ዓቕሚ ንዝሰኣኑን ሓታቲ ንዘይብሎምን እናሓሰበ ነቲ በዓል ብፍቕሪን ብሓድነትን ነከሕልፎ ፃውዒት ከቅርቡ ምስማዕ ዳርጋ ልሙድ ‘ዩ።

ዝተፈላለዩ መራሕቲ ሃይሞኖት ‘ውን ቅዱስ መፅሓፎም ዝብሎ ብምፅራሕ ተግባራት ምርድዳኣትን ምትሕግጋዛትን ብፈጣሪ ዝፍተው ተግባር ከምዝኾነን ምእመናቶም ‘ውን ነዚ ቅዱስ ተግባር ክትግበሩ ከምዕዱን መሰል ተግባራት ኣካል ማሕበራዊ ምትእስሳር ክኾኑ ከምዝግባእ መልእኽቲ ከመሓላልፉ ‘ውን ይረኣዩ ‘ዮም።

ስለዝኾነ ኩሉ በቢከባቢኡ ኣብ ፀገም ዘሎ ሕብረተሰቡ ንምሕጋዝ ካብዚ እዋን ንላዕሊ ትኽክለኛ ግዜ ስለዘየሎ ብዝተኽኣሎ ንምሕጋዝ ክትንቀሳቀስ ከምዘለዎ ‘ውን ‘ዩ ዝመክር። ምኽንያቱ ኣብ ተግባራት ምሕጋዝ ብዙሓት ረብሓታት ‘ውን ስለዘለዎ። ማሕበረሰብ ክተገልግልን ክትሕግዝን ከለኻ፤ ህይወት ካልኦት ሰባት ትቕይር ጥራይ ዘይኮነስ ንህይወትካ’ውን ትቕይሮ ኢኻ። ስራሕትኻ ከም መስትያት ኮይኑ ይሰርሕ፣ ብኻልእ ኣገባብ ዘይረኣኻዮም ክፋላት ገዛእ ርእስኻ የርእየካን ብምባል ገለ ሙሁራት ይገልፁ።

ኣብ ልዕሊ ካልኦት እትገብሮ ሰናይ ተግባር ናብ ባዕልኻ ተመሊሱ ዘንፀባረቕ ብርሃን ከምዘሎን በዚ ምኽንያት ብዙሕ ነገር ክትመሃር፣ ክትዓቢን ንዓለም ብሓድሽ ዓይኒ ንክትርእን ንውልቃዊ ሓጎስን ዕግበትን ኣበርክቶ ከምዝገብርን ንኻልኦት ምሕጋዝ ንዓኻ ‘ውን ሓጐስ ከም ዝህበካ ‘ውን ይገልፁ ‘ዮም።

እዚ ከምዘሎ ኮይኑ ዝተፀገመ ሓውካ፣ ጎረቤትካን ማሕበረሰብካን ብቀጥታ ካብ ምሕጋዝ ብተወሳኺ ኣብዚ ቕነ በዓላት ብፍላይ ኣብ ንግዲ ዝተዋፈሩ ወገናት በዓላት ምኽንያት ብምግባር ሸቐጣት ብምሕባእ ኣብ ዕዳጋ ድማ ሕፅረት ንክፍጠር ብምግባር ሸቐጣት ካብ ግቡእ ንላዕሊ ንክኸብሩ ብምግባር ግብኡ ዘይኾነ ትርፊ ንምርካብ ብገለ ስሱዓት ነጋዶ ዝግበሩ ፈተናታት ትኽክል ስለዘይኮነ ደው ክብል ኣለዎ። ነዚ ተግባር ደው ንምባል ድማ ብምትሕብባር እቲ ማሕበረሰብን ትካላት ኣኸበርቲ ሕጊ ኣድላይ ስጉምቲ ክወስዱ ይግባእ።

ካብ ምቁፅፃር ዘይፍትሓዊ ንግዲ ጎና ጎኒ ኣብ ዕዳጋታት እኹል ኣቕርቦት ሸቐጣታት ንክህልው ብምግባር፤ ካብ መጠን ንላዒሊ ወሰኽ ከይህሉ ብትኹረት ምስራሕ ኣገዳሲ ‘ዩ። ብፍላይ ከምቲ ቅድሚ ሓዚ ‘ውን ክግበር ዝርኣይ ኣፍረይትን ተጠቀምትን ብቐጥታ ንክራኸቡ ብምሕጋዝ ብክልቲኡ ወገን ተረባሒ ዝኾነሉ ዕድል ኣብ ምፍጣር ብትኹረት ክስርሓሉ ምግባር ንፅባሕ ዘይብሃል ስራሕ ‘ዩ።

ከምኡ ‘ውን ኣብ ዝተፈላለዩ ክፋላት ሃገርና ብፍላይ ኣብ ክልል ትግራይ ከሳብ ሐዚ ናብ መረበቶም ዘይተመለሱ ኣብ ፀሓይ፣ ንፋስን ጥምየትን ሕማምን ዘለው ወገናት ስቓዮምን መከረኦምን ከብቕዕ ኩሉ ናይ ባዕሉ እጃም ካብ ምፅዋት ብተወሳኺ ከምዚ ዝበሉ በዓላት እንትመፅኡ ፍሉይ ትኹረት ብምግባር ኣብቲ በዓል ዝፍጠር ታሕጓስ ተኻፈልቲ ንክኾኑ ኣብ ወፃእን ኣብ ውሽጢ ዓዲ ዝረከቡ ዝተፈላለዩ ትካላት ገበርቲ ሰናይ፣ ሰብ ሃፍትን ግደኦም ክዋፅኡ ኣለዎም።

እዞም ብሰንኪ ስእነት ሰላምን ካልኦት ፀገማትን ብፍላይ ካብ መረበቶም ተመዛቢሎም ኣብ መዕቆቢ ቦታት ዝርከቡ ወገናትና ኣብ ዝተፈላለዩ በዓላት ከነብዕል ከለና ክንርስዖም የብልናን ጥራሕ ዘይኮነስ ካብዚ ብዝሓለፈ ዝተፈላለዩ ፀገማታቶም ብዘላቅነት ንክፍታሕ ክንጉስጉስን ክንሰርሕ ይግባእ።

ዝተፈላለዩ ሃይማኖታውን ባህላውን በዓላት ከነብዕል ከለና ብፍላይ ከምዚ ተምሳሌት ውህብቶ ዝኾነ በዓል ልደት እንርኽቦ ፀጋን በረከትን፣ ሰላም፣ ታሕጓስ፣ ፍሉይ ትርጉም ዘለዎ ብምዃኑ ብምርዳእ እዞም ፀጋታት ምትሕግጋዝን ምትሕብባርን ኣብ ዕለታዊ ህይወትና ‘ውን ንምትግባር ክንለማመዶምን ይግባእ።

ብሓፈሻ በዓል ልደት ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ብሰብኣ ሰገል ወህብቶ እንትቀርበሉ ተምሳሌት ምሃብ ‘ውን ስለዝኸውን፤ ከምኡ ‘ውን ኣብ ቅነ በዓላት ዝግበሩ ምትሕግጋዛት ኣካል ሓደ ባህላዊ ፀጋታትና ‘ዮም ምባል ይክኣል ‘ዩ።ከምዚ ዝበለ ፅቡቅ ናይ ምትሕግጋዝ ልምዲ ከምዘሎ ኮይኑ ግና እዚ ተግባር ምትሕግጋዝ በዓላት እናተፀበኻ ዝግበር ጥራሕ ዘይኮነስ ኣብ ካልኦት እዋናት ‘ውን ክቕፅል ዝግባእን ከምኡ ‘ውን ነቶም ድጋፍ ዘድልዮም ወገናት ብዘላቕነት ካብ ተፀባይነት ክወፅእሉ ዝኽእሉ ድጋፍ ምግባር ብስፍሓት ክልመድ ዝግባእ ተግባር ክኸውን ኣለዎ።

ምስ ኣቕርቦት ሸቐጣታት ተተሓሒዙ ካብ ምቁፅፃር ዘይፍትሓዊ ንግዲ ጎናጎኒ ኣብ ዕዳጋታት እኹል ኣቕርቦት ሸቐጣታት ንክህልው ብምግባር፤ ካብ መጠን ንላዒሊ ወሰኽ ከይህሉ ብትኹረት ምስራሕን ኣፍረይትን ተጠቀምትን ብቐጥታ ንክራኸቡ ብምሕጋዝ ‘ውን ኣገዳሲ ‘ዩ።

እዚ ዓምዲ ኣብ ዝተፈላለዩ ፖለቲካዊ፣ ኢኮኖሚያዊን ማሕበራዊን ጉዳያት ዜጋታት ናፃ ሓሳቦም ዝህብሉ እዩ። ኣብዚ ዓምዲ ዝወፅኡ ፅሑፋት ናይ ክፍሊ ምስንዳእ ቅዋም አይኮኑን።

ኣብረሃ ሓጎስ

ወጋሕታ 24 ታሕሳስ 2017 ዓ.ም

Recommended For You