ቅድሚ ክልተ ዓመታት ዝተፈጠረ ኵናት ንብዙሓት ንፁሃት ዜጋታት ሓዊሱ ናይቲ ኵናት ግዳይ ብምዃን ብዙሕ ሂወትን ንብረትን ድሕሪ ምብልዑ ኣብ ፕሪቶሪያ ብዝተፈረመ ተፃብኦ ጠጠው ናይ ምባል ውዕሊ ኣንፃራዊ ሰላም ዓሲሉ፣ ኣብ ከቢድ ፀገምን ስቓይን ዝነበረ ህዝቢ ‘ውን ብመጠኑ ትንፋስ ክረክብ ክኢሉን ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ‘ውን ተመስሪቱ ‘ዩ።
ካብ ቁልፊ ዕማማት እቲ ዝተመስረተ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ድማ ኣብ ውዕሊ ፕሪቶሪያ ዝተረኸቡ ዕድላት ብዝግባእ ብምጥቃም ነቲ ብኩናትን ሳዕቤናቱን ዝተሃሰየ ህዝቢ ናብ ንቡር ሰላማዊ ህይወቱ ንክምለስ ምስ መንግስቲ ኢትዮጵያን ማሕበረሰብ ዓለምን እናተላዘበን እናተመኻኸርካን ዝተማልአ ምንቅስቓስ ብምግባር ውሑስ ሰላም ብምርግጋፅን ድሕንነት ህዝቢ ምውሓስን ሓፈሻዊ ሕውየት ምምፃእን ካብ ቀንዲ ተልእኾ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ‘ዩ።
በዚ መሰረት ‘ውን ብዝተገብሩ ስራሕቲ መሰረታዊ ግልጋሎታት ከም ስልኪ፣ መብራህቲ መጎዓዓዝያን ሓዊሱ ካብ ራያን ፀለምትን ሓዊሱ ካብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ዝተመዛበሉ ወገናት ናብ መረበቶም ናይ ምምላስ ፅቡቕ ካብ ዝብሃሉ ፃዕርታት ተገይሮም ‘ዮም።
ንዝሓለፉ ክልተ ዓመታት ‘ውን ብዝተገበሩ ስራሕቲ ዋላ እኳ ቀሊል ዘይብሃል ነጥብታት ስምምዕነት ተግባራዊ እንተተገበሩ፤ ሐዚ ‘ውን ቀሊል ዘይብሃሉ ጥራሕ ዘይኮኑስ ግዜ ክወስዱ ዘይግበኦም ዝብሃሉ ከም ዝተረፉ ተመዛበልለቲ ናብ መረበቶም ምምላስ ዝኣምሰሉን ካልኦት መሰረታዊ ሕቶታት ህዝቢ ዛጊድ ኣይተመለሱን ዘለው።
ስምምዕ ፕሪቶሪያ ካብ ዝግበር ካልኣይ ዓመት ዝሓዘ እንተኾነ ‘ውን እቲ ውዕሊ ብዝተፈላለዩ ምኽንያታት ብፍላይ ኣብ መራሕቲ ውድብ ህወሓት መሪሕነታዊ ሓድነት ብዘይምፍጣሮም ኣብ ጉጅለታት ብምከፍፋል ፕሪቶሪያ ዝሓዞም ፀጋታት እናተሓንሸሹ ይኸዱ ኣለው። ኣብ ሞንጎ እዞም ጉጅለታት ዘሎ ጎንፂ ተወሳኺ ዕንቅፋት ምትግባር እቲ ውዕል ከምዘኾነ ‘ውን ብዝተፈላለዩ ኣካት ይዝረብ ኣሎ።
ብመሰረት እቲ ውዕሊ ተመዛበልቲ መሊኦም ክምለሱ ብዘይምኽኣሎም ተመዛበልትን ስደተኛታትን ንከቢድ ማሕበረ ቁጠባዊ ፀገማት ተሳጢሖም ይርከቡ ጥራሕ ዘይኮነስ ብሰንኪ ምጉታት ዘተረፉ ውዕላት እቲ ውዕልን ውሽጣዊ ጎንፅታት እቲ ውድብን ኣብ ህዝቢ ከቢድ ተስፋ ምቑራፅ እናስዐበ ከምዝርከብ ዘሎን፣ ዋልታን ማእገርን ህዝቢ ትግራይ ዝኾነ መንእሰይ እግሩ ናብ ዝመርሖ ይስደድ ከምዘሎን እንትስደድ ከዓ ግዳይ ዘይሕጋውያን ኣዛዋወርቲ ሰባትን ቀለብ ዓሳታት ባሕሪን እናኾኑን እቶም ዝተረፉ ድማ ብሕሱም ናብራ ሂወቶም ይቕፅሉ ኣለው።
ይኹን እምበር ነዚ ዝርኣይ ዘሎ ብቃላት ንምግላፅ ዝኸብድ ዓብይ ኪሳራ ሓላፍነት ወሲዱ ብዕሊ ይቕርታ ዝሓትትን ኾነ ዝእርም ኣካል ብግልፂ ኣይረኣይን ዘሎ። ስለዝኾነ እዚ ዘሎ ፀገም ዘብቐዐሉ እዋን ስለዘይፍለጥን እዋን ብዝወሰደ መጠን ‘ውን እናተሓላለኸ እቶም ናይ መጀመርያ ፀገማት ከይተፈትሑ ብካልኦት ሓደሽቲ ብዝፍጠሩ ፀገማት እናተረስዑን ሰዓቤናቶም ‘ውን እናሰፍሑ ይቕፅሉ ኣለው።
ብፍላይ ብሰንኪ ኣብ ሞነጎ ፍንጫላት ሓደ ውድብ ዘሎ ኣፈላላያት እናሰፍሐ ብምኻዱ በቢወገኖም ናይ ባዕሎም ሹመኛ ብምሻምን ብምልዓልን ቤት ዕዮታት ብምዕፃውን ማህተም ብምሕባእን እቲ ሕብረተሰብ ካብ ትካላት መንግስቲ ክረኽቦ ዝግባእ ግልጋሎት ‘ውን ክስተኣጓል ይርኣይ ኣሎ። እዚ ተርእዮ ኣብ ከተማ መቐለ ሓዊሱ ኣብ ዝተፈላለያ ዞባታት ዝረኣየሉ ኩነታት ‘ዩ ዘሎ ኮይኑ እዚ ድማ ስእነት ሰናይ ምምሕዳር እናሰፍሐ ዝኸደሉ ኩነታት ‘ዩ ዘሎ።
እቶም ነዚ ፀገም ኣብ ምፍጣርን ኣብ ምፍታሕን ዓብይ ግደ ኣለዎም ዝበሃሉ ኣመራርሓታት ፖለቲካ ‘ውን እንተኾነ እቲ ዘሎ ገዚፍ ፀገም ካብ ፀገም ውልቆምን ጉጅልአምን ገዚፉ ኣየተረኣዮምን። ነዚ ‘ውን ‘ዩ ገለ ኣመራርሓ ቅድሚ ምምላስ ተመዛበልቲ ሕውየት ውደቦም ከምዝቕድም ብዕሊ ክዛረቡ ዝተሰምዑ።
እዚ ከምዘሎ ኮይኑ ገለ ኣመራርሓ ፖለቲከኛታት ውዕሊ ፕሪቶሪያ ኣብ ምትግባር ዝባኸኑ ክልተ ዓመታት ንምክሕሓስ ዘኽእል መስርሕ ብምዝርጋሕ ንተግባራውነቱ ከምዝሰርሑ ብምኽንያት ካልኣይ ዓመት ስምምዕነት ሰላም ፕሪቶሪያ ኣብ ዘውፅእዎ መግለፂ እነተገለፁ ‘ውን ክሳብ ሐዚ እዚ ዝብሃል ኣብ ተግባር ዝተርኣየ የለን ጥራሕ ዘይኮነስ፤ እቲ ብሰንኪ ውዕሊ መሊኡ ዘይምፍፃሙ ሐዚ ‘ውን ኣብ ስቃይ ንኽቅፅሉ ተገዲዶም ዝርከቡ ብዙሓት ወገናት ዝዝክርዎም ‘ውን ኣይመስሉን ዘለው።
ዘለውሉ ሕማቕ ሂወት ዝዝክሩ ተዝኾኑ ነይሮም እንተነኣሰ ኣብ ዝገብርዎ ኣኼባታት እኳ ኣጀንዳ ገይሮም ክዝትይሎምን መፍትሒ ‘ ውን ክገብርሎም ነይሮም ‘ዮም። እቲ ብሓደ ሓደ ውልቀ ሰባት ዝስማዕ፤ ተመዛበልቲ ናብ መረበቶም ከይምለሱ ገለ ጉጅለታት እቲ ውድብ ከም መትሐዚን መጥቀሚ ፖለቲካ ይገብርዎም ከምዘለው ዝግለፅ ሓቂ ዶ ይኾን ኢልካ ንክትጠራጠርን ክትሓትትን ዝገብር ‘ውን ‘ዩ። ነዚ ተኸቲሉ ‘ውን ዝተፈላለዩ ተናሓናሕቲ ውድባትን ሲቪክ ማሕበራት ሓዊሱ ኣብ ጉዳይ ትግራይ የእትወኒ ዝብሉ ኣካላት እቶም ኣብ መሬት ዝረኣዩ ዘለው ፀገማትን መፍትሒ ዝበልዎም ሓሳባትን እናገለፁ ይርከቡ ‘ዮም።
ካብዚኦም ድማ ኣብ ሞንጎ መሪሕነት ህወሓት ዝተፈጠረ ኣፈላላይ ርግዓትን ስምረትን ህዝቢ እንዳሓመሰን ምሕደራ ትግራይ እንዳጎዘየን ልዕሊ ክልተ ዓመት ከምዘቑፆረን እዚ ጨና ሓልዮት ህዝቢ ዘይብሉ ናይ መን ሰዓረ ትርጉም ኣልቦ ግጥም ክምለሱ ዘለዎም ሕቶታት ህዝቢ ከይምለሱን፣ ሰላምን ደሕንነትን ህዝቢ ኣብ ሓደጋ ክወድቕን ብሓፈሻ ውዕሊ ፕሪቶሪያ ከይፍፀምን ቀንዲ ምኽንያት ኾይኑ ከምዘሎ ክገልፁ ይስማዕ ኣሎ።
እዚ ውድቀት መሪሕነት ትግራይ ካብ ዝኾነ ግዜ ብላዕሊ ኣብ ናይ ህልውና ሓደጋ ክትኣቲ ገይርዋ ከምዘሎን ኣብ ዝሓለፈ ክልተ ዓመታት እዚ ሓደገኛን ዕሙትን ፖለቲካዊ ንሕንሕ ብሰላም ንምፍታሕ መራሕቲ ሃይማኖት፣ መራሕቲ ሲቪክን ቢዝነስን ትካላትን ትግራይ ዝገበርዎ ዘይተሓለለ ፃዕሪ ከመዘይሰመረን በዚ መሰረት እዚ ህዝባዊ ምኽንያት ዘይብሉ ፖለቲካዊ ቅልውላው ኣብ ምፍታሕን መፃኢ ዕድል ትግራይ ኣብ ምስማርን ግቡእ ኹሉ ስለዝኾነ ብንጥፈት ክሰርሕ ‘ውን ይልዓል ‘ዩ።
ዝፈሰሰ ማይ ኣይሕፈስን ከምዝበሃል ዝሓለፈ ሕመቅ ክምልስ እንተዘይከኣለን እንተረፈደን እቲ ዝሓለፈ ስሕተት ብተመሳሳሊ ክቕፅል ስለዘይግባእ፤ ሐዚ ‘ውን እሂን ምሂን ብምባል ቅድሚ ዝኾነ ይኹን ረብሓ ውልቀን ጉጅለን ረብሓ ህዝቢ ብምቅዳም ንሓባራዊ ረብሓ ህዝቢ ክብሃል ምስ ኩሉ ዝምልከቶ ኣካል ብሓባር ብምስራሕ፤ በቲ ሎሚ ቕነ ተጀሚሩ ዘሎ ማለት ‘ውን ኣብቲ ክልል ዘሎ ሓፈሻዊ ምምሕዳር ፀጥታን ፖለቲካን፣ ከምኡ ‘ውን ካልኦት ተመሳሰልቲ ዛዕባታት ኣመልኪቱ ምስ ፖለቲካውን መንግስታዊ ኣመራርሓን፣ ሓለፍቲ ደሕንነትን ፀጥታን ክልል ትግራይን ኣመራርሓ ፌደራል መንግስትን ሰፊሕ ምይይጥ ብምግባር ኣብ ክልል ትግራይ ዝረኣዩ ዘለዉ ፀገማት ብሕብረት ክፍትሐሉ ዝግበአሉን ዝከኣለሉን ነጥብታት ተላዒሎም ብዕምቆት ከምዝተዘተየሎምን ብፍሉይ ቆላሕታ ክስረሐሉ ከምዝግባእን ኣብ ምርድዳእ ‘ውን ከምዝተበፀሐሎም ዝግለፅ ዘሎ ተፈጢሩ ዘሎ ፖለቲካዊ ዘይምርድዳእ ብእሂን ምሂን ብምፍታሕ ሕውየትን ድሕነትን ህዝቢ ዝረጋገፀሉ ንክኸውን ብዕቱብ ክስራሕ ይግባእ።
ብናይ ሓቂ ዝባኸኑ ዓመታት ንምክሕሓስ ብዘኽእል ዝተመዛበሉ ወገናት ናብ መረበቶም ዝምለስሉ፣ ብሰንኪ ስእነት ሰናይ ምምሕዳርን ስእነት ስራሕን ናብ እግሩ ዘምርሐሉ ዝስደድ ዘሎ መንእሰይ ኣብ ዓዱ ሰሪሑ ዝቕየረሉ ናይ ከባቢኡ ዘሎ ሃፍቲ ብፍትሓዊነት ንክጥቀም ዕድል ብምፍጣርን ምስ ዝተፈላለዩ ገበርቲ ሰናይ ብምትሕብባር ምምችቻው፣ ሰላምን ድሕንነትን ውሕስ ብምግባር ሰብ ከምልቡ ብዘይስክፋት ኣብ ዝደለዮ እዋንን ቦታን ተንቐሳቂሱ ንክሰርሕ ዘኸእለሉ ምጥንኻርን ብሰንኪ እቲ ኹናት ግዳይ ንዝኾኑ ዝተፈላለዩ ኣካላት ነባር ዕጡቃት ሓዊሱ ኣድላይ ገንዘባውን ሓሳባውን ሓገዝን ብምግባር ናብ ንቡር ሂዎቶም ክምለሱ ብምግባር ሰላምን ራህዋን ዝዓሰላ ቁጠባዊ፣ ማሕበራዊ ሕውየታ ዘረጋገፀት ትግራይ ንምህናፅ ካብ እኩብ ዓቕሚ ህዝቢ ወፃኢ ስለዘይከውን ኩሉ ደላይ ሰላም ትግራዋይን ፈታዊ ትግራይን ብዝኽእሎ ዓቕሚ ክረባረብን ንረብሓ ውልቆምን ጉጅለኦም ክብሉ ረብሓ ህዝቢ ዘዐንቕፉ ‘ውን የኣክል ክብሎም ይግባእ።
እዚ ዓምዲ ኣብ ዝተፈላለዩ ፖለቲካዊ፣ ኢኮኖሚያዊን ማሕበራዊን ጉዳያት ዜጋታት ናፃ ሓሳቦም ዝህብሉ እዩ። ኣብዚ ዓምዲ ዝወፅኡ ፅሑፋት ናይ ክፍሊ ምስንዳእ ቅዋም አይኮኑን።
ኣብርሃ ሓጎስ
ወጋሕታ 10 ታሕሳስ 2017 ዓ.ም