ብሕብረት ኪኢልና!

ቅድሚ 13 ዓመታት 24 መጋቢት 2003 ዓ.ም ብነበር ቀዳማይ ሚኒስትር መለስ ዜናዊ እምነ ኩርናዕ ተቐሚጡ ስራሑ ዝጀመረ ግድብ ኣባይ ኣብ መዘዛዘሚ ምዕራፍ ይርከብ። እዚ ግድብ ብህዝብን መንግስት ከምዝስራሕ፤ዓቕሚ ውሽጢ ዓዲ ብምጥቃም ከምዝህነፅ፤ካብ ዝኾነ ኣካል ሓገዝን ደገፍን ከምዘይብሉ ተገሊፁ ህዝቢ ኣብ ዙርያ ህንፀት እቲ ግድብ ክረባረብ ፃዊዕት ከምተገበረ ይዝከር። በዚ’ውን ኩሉም ህዝብታት ኢትዮጵያ ብሕብረት ኣብቲ ግድብ ዓሻራኦም ኣንቢሮም’ዮም።

ህንፀት እቲ ግድብ እንትካየድ ህዝብን መንግስትን ብሕብረት ብዘካየድዎ ዘይኽለል ፃዕሪን ኣብ ከይዲ ኣጋጢምዎ ዝነበረ ፀገም’ውን ድሕሪ ለውጢ ዝመፅአ መንግስቲ ብዝሃቦ ውሳነንን ብዝወሰዶ ስጉምቲ ህንፀት እቲ ግድብ ንክቕፅልን ካብ ደውታን ፀገምን ንክወፅእን ብምግባር ሐዚ ኣብ ምዝዛም ምዕራፍ ንክበፅሕ ገይርዎ ኣሎ።

መንግስቲ ብዛዕባ እቲ ግድብ ኣብ ዲፕሎማቲክ ዘፈር’ውን ከቢድ ፅዕንቶ መኪቱ፤መትከል ኢትዮጵያ ዝኾነ ናይ ሓባር ተጠቃሚነት ስዒሩ ንክወፅእ ብምግባር ኣብ ጉዳይ እቲ ግድብ ይግባር ዝነበረ ድርድርን ዘተን ብሕብረት ኣፍሪካ’ምበር ብኻልኦት ከምዘይኮነ ብምግባር’ውን ዓብይ ዓወት ዘመዝገበሉ’ዩ። እዚ’ውን ሕብረት እንትህልው ዘይከኣል ነገር ከምዘየለ መረጋገፂ’ዩ።

እቲ ግድብ ሐዚ’ውን ብምትሕብባር መላእ ህዝቢ ኢትዮጵያ እናተሰርሐ ከምዝርከብ ዝፍለጥ ‘ዩ። ክሳብ ሐዚ ህዝቢ 19 ቢሊዮን ብር ሓገዝ ገይሩ’ዩ። ኣብዚ ሕዚ እዋን ድማ ህንፀቱ 95 ሚኢታዊ በፂሑ ኣሎ። ከፋፊልካ ክረአ እንተሎ እቲ ፕሮጀክት ዘካትቶ ከም ስራሕቲ ሲቪል ስራሕቲ፣ ኤሌክትሮ መካኒካልን ሃይድሮሊክ ስቲል ስትራክቸርን ህንፀት ዝመሳሰሉ ዝተፈላለዩ ስራሕቲ ኣለዉ። ሕዚ እቲ ህንፀት ኣብ ናይቲ ሲቪል ኢንጅነሪግ ናብ 98 ሚኢታዊ እናበፅሐ ‘ዩ።

ናይ ሃይድሮሊክን ካልኦት ስራሕትን ድማ ቐስ ብቐስ ብጥንቓቐ እናተሰርሑ ስለዝኾኑ እኒዚኦም ድማ ካብቶም ካልኦት ብተወሰነ ደረጃ ትሕት ኢሎም ከባቢ 80 ሚኢታዊ በፂሖም ይርከቡ። ኮይኑ ግና ብሓፈሻ ብማእኸላይ ክረአ እንተሎ 95 ሚኢታዊ በፂሑ ይርከብ። እዚ ውፅኢት ዝተረኸበ መላእ ህዝቢ ኢትዮጵያን መንግስትን ብሕብረት ስለዝሰርሑ ብምዃኑ እዚ ሕብረት ኣብ ካልኦት ስራሕቲ’ውን ተጠናኺሩ ክቕፅል’ዩ።

እቲ ግድብ ከባቢ 42 ቢልዮን ሜትር ኪዩብ ማይ ሒዙ ይርከብ። እዚ ካብቲ ዝተተለመ 74 ቢልዮን ሜትር ኪዩብ መብዛሕትኡ መጠን እቲ ማይ ተታሒዙ ኣሎ። ክልተ ተርባይናት ኣብ ስራሕ ‘ዮም ዝርከቡ። ኣብ ቀረባ እዋን ድማ ከባቢ ሓሙሽተ ተርባይናት ስራሕ ክጅምሩ ‘ዮም።

እዚ ኤሌክትሪክ ንመላእ ኢትዮጵያ ዝኸውን ኮይኑ ገሊኡ ድማ ናብ ጎረቤት ሃገራት ሱዳን፣ ኬንያን ጁብቲን ዝመሳሰላ ሃገራት እናተለኣኸ ‘ዩ። እቲ መስመር ኣብ ምዝርጋሕ ስለ ዝርከብ ናብ ታንዛንያን ደቡብ ኣፍሪካን ዝበላ ሃገራት ‘ውን ንምልኣኽ ትልሚ ኣሎ። ስለዚ እዚ ግድብ ዘለዎ ረብሓ ዓዝዩ ዓብይ ምዃኑ ምርዳእ ይግባእ።

ህዝቢ ካብ ብገንዘብ ካብ ዝገበሮ ሓገዝ ብተወሳኺ ኣብ ሓምላዋይ ዓሻራ ‘ውን እቲ ግድብ ብደለል ከይመልእ ብሰፊሑ እናተንቐሳቀሰ መፂኡ ‘ዩ። እዚ ስራሕ እዚ ብብርኪ ዓለምለኸ ሽልማት ‘ውን ዝተረኸበሉ ‘ዩ። ዕድመ እቲ ግድብ ነዊሕ ክኸውን ወይ ንመፃኢ ወለዶ ዝሰጋገር ክኸውን ናይ ምግባር ስራሕቲ እናተሰርሐ’ዩ ።

እዚ ግድብ እዚ ካብ ፀልማት ናብ ብርሃን ዘሳጋግር ‘ዩ፤ ብዙሕ ኢኮኖሚያዊ፣ ፖለቲካዊን ማሕበራዊን ረብሓ ዘለዎ ‘ዩ። ነዚ ተሓሳቢ ብምግባር ‘ዩ ብትኹረት ዝስራሕ ዘሎ። ቐንዲ ቑልፊ ነገር ድማ ሓድነትን ሕብረትን ህዝቢ ‘ዩ። ብሕብረት እንተተሰሪሑ ዝተደለየ ውፅኢት ወይ ዕቤት ንምምፃእ ዝኸብድ ኣይኮነን። ካብ ድሕረትን ድኽነትን ከንወፅእ ንኽእል ኢና።

ሳላ ብሕብረት እናሰራሕና ዝመፃእና ክሳብ ሐዚ ዘሎ ውፅኢት ‘ውን ብዓይንና እናረኣና ኢና። ህዝቢ ብናይ በዓሉ ዓቕሚ ብዘይ ምንም ልቃሕ ኣብዚ ብርኪ እዚ ከብፀሖ ክኢሉ ‘ዩ። ህዝቢ ተተሓባቢሩ ሃገርና ናብ ዝለዓለ ደረጃ ንምብፃሕ ዘፅግም ኣይኮነን። ሐዚ ድማ እቲ ዝቐረየ ሙሉእ ብሙሉእ ክዛዘም ህዝቢን መንግስቲን ብኹሉ መዳይ ምትሕብባሩ ኣጣናኺሩ ክቕፅል ይግባእ።

ወጋሕታ 19 መጋቢት 2016 ዓ.ም

Recommended For You