ገዛእን ተናሓናሕቲ ፓርቲታት ከም ፀላኢ ዝረኣአይሉ ግዜ ምሕላፉ ተገሊፁ

መኣርግ ገ/ሄር

 ኣዲስ ኣበባ፡- ገዛኢ ተናሕናሕቲ ፓርቲታት ከም ፀላኢ ዝረኣአይሉ ግዜ ሓሊፉ ብሓሳብ ዝናሕንሕሉን ኣብ ሃገራዊ ጉዳያት ብሓባር ዝሰርሕሉ ሓዱሽ ናይ ፖለቲካ ምዕራፍ ተኸፊቱ እዩ ክብሉ ሓላፊ ቤት ፅሕፈት ፓርቲ ብልፅግና ኣዲስ ኣበባ ኣይተ መለሰ ኣለሙ ገሊፆም።ኣባላት ናይ ሓባር ቤት ምኽሪ ፖለቲካዊ ፓርቲታት ብሓባር ብምዃን ኣብ ሚሊኒየም ፓርክ ክፍለ ከተማ የካ ኣብ ፕሮግራም ሓምለዋይ ዓሻራ ተኽሊ ተኺሎም።

ኣብቲ ፕሮግራም ሓላፊ ቤት ፅሕፈት ፓርቲ ብልፅግና ኣዲስ ኣበባ ኣይተ መለሰ ኣለሙ፣ ኣብ ቤት ፅሕፈት ቐዳማይ ሚኒስትር መተሓባባሪ ዘፈር ትካላት ሲቪክን ፓርትታት ፖለቲካን ሚኒስትር ዶክተር ኣለሙ ስሜ፣ ቤት ምኽሪ ሓበራዊ ፖለቲካዊ ፓርትታት ሰብሳቢ ዶክተር ራሄል ባፌን ኣባላት ተናሕናሕቲ ፓርትታት ተሳቲፎም እዮም።

ኣብቲ እዋን ኣይተ መለሰ ኣለሙ ከምዝገለፅዎ፤ ገዛእን ተናሕናሕቲ ፓርቲታት ከም ፀላኢ ዝረኣአይሉ ግዜ ሓሊፉ ብሓሳብ ዝናሕንሕሉን ብሃገራዊ ጉዳያት ብሓባር ዝሰርሕሉን ሓዱሽ ናይ ፖለቲካ ምዕራፍ ተኸፊቱ እዩ።

ፓርትታት ፖለቲካ ነዚ ምዕራፍ ብምጥንኻር ሓበራዊ ኣብዝገብርዎም ጉዳያት ብምትሕብባር ብምስራሕ፣ ብሓሳብ ብምንሕናሕ ሃገር ናይ ምህናፅ ሓላፍነቶም ክዋፅኡ ፃውዐዒት ኣቕሪቦም።

እዞም ፖለቲካዊ ፓርትታት ዘካየድዎ ፕሮግራም ምትካል ተኽሊ ብደረጃ ሃገር ‹‹ንዑ ኢትዮጵያ ንኽደና›› ብዝብል ቴማ እናተኻየደ ዘሎ ምልዕዓል ሓምለዋይ ሓድጊ ብዝበለፀ ከምዘጠናኽር ተዛሪቦም።

ሰብሳቢት ሓበራዊ ቤት ምኽሪ ፖርትታት ፖለቲካ ዶክተር ራሄል ባፌ፣ ተናሕናሕቲ ፓርትታት ንዕቤት ዲሞክራሲ ዝገብርዎ ግደ ጉሉህ ምዃኑ ገሊፀን።ኣብ ዲሞክራስያዊ ንሕንሕ መንግስቲ ንምዃን ዘስዕር ይኹን ኣብቲ ንሕንሕ ናይ ተናሕናሕቲ ፓርትታት ንልምዓት ሃገር ግዲኦም ናይ ምውፃእ ሓላፍነት ኣጣናኺሮም ከምዝቕፅሉ ተዛሪበን።

ኣብ ፕሮግራም ተኽሊ ምትካል ዝተሳተፉ ኣባላት ፖለቲካዊ ፓርትታት ብግዲኦም ፕሮግራም ሓድጊ ሓምለዋይ ንሓደ ኣካል ዝግደፍ እንተይኮነስ ናይ ኩሉ ኢትዮጵያዊ ምትሕብባር ዝሓትት ምዃኑ ተዛሪቦም።

ኣብ ወፍሪ ሓምላዋይ ሓድጊ 6ቢልዮን ተኽሊ ኣብ ውሽጢ ሃገር ንምትካል 1ቢልዮን ተኽሊ ድማ ንጎረቤት ሃገራት ንምልኣኽ ትልሚ ተታሒዙ ምዃኑ ይዝከር።

ወጋሕታ 8 ሓምለ 2013 .

Recommended For You