ውፅኢት ሻድሻይ ሃገራዊ መረፃ

ኣዲስ ኣበባ፡-ውፅኢት ኣብ 14 ሰነ 2013 ዝተኻየደ ሻድሻይ ሃገራዊ መረፃ ቤት ምኽሪ ተወከልቲ ህዝቢ ፌዴሪኢን ክልልን ዕላዊ ተገይሩ።

ቦርድ መረፃ ኢትዮጵያ ኣብ ዝሓለፈ ቐዳም ዕላዊ ኣብ ዝገበሮ ውፂኢት ፓርቲ ብልፅግና 410፣ ኣብን 5፣ ኢዜማ 4፣ ናይ ውልቀ ተወዳደርቲ 4፣ ናይ ጌድዮ ህዝቢ ዲሞክራሲያዊ ፓርቲ 2 መቐመጢ ንቤት ምኽሪ ተወከልቲ ህዝቢ ፌዴሪኢ ስዒሮም።

ኣብ ቤት ምኽሪ ክልላት’ውን ብልፅግና ዝሰዓረ እንትኾን ኣብ ኣዲስ ኣበባ 138 ፣ኣብ ዓፋር 51፣ ኣብ ኣምሓራ 128፣ ኣብ ቤኒሻንጉል ጉምዝ 22፣ ኣብ ድሬዳዋ 189፣ ኣብ ጋምቤላ149፣ ኣብ ኦሮሚያ 513፣ ኣብ ሲዳማ 190፣ ኣብ ህዝብታት ደቡብ ብሄር ብሄረ ሰባት 245 መቐመጢ ስዒሩ ኣሎ።

ካብ ተፎኻኸርቲ ድማ ኣብ ክልል ዓፋር ውድብ ናይ ኣርጎባ ህዝብታት ዴሞክራሲያዊ 3፣ ኣብ ክልል ኣምሓራ ኣብን 13፣ ኣብ ጋምቤላ ጋህነን 7፣ ኣብ ክልል ብሄር ብሄረሰባትን ህዝብታት ደቡብ ኢዜማ 10፣ ናይ ጌድዮ ህዝቢ ዴሞክራሲያዊ ፓርቲ 6 መቐመጢ ስዒሮም ኣለዉ።

እቲ ቦርዲ ናይ 436 መረፃ ክልላት ዕላዊ ናይ ቤት ምኽሪ ተወከልቲ 3 መረፃ ክልል ድጋሚ ቐፀራ ከምዝካየድ፣ ከምኡ’ውን 10 መረፃ ክልላት ድማ ድጋሚ መረፃ ከምዝካየድ ኣመልኪቱ እዩ።ኣብ ቤት ምኽሪ ክልል ድማ ኣብ 9 መረፃ ክልላት ድጋሚ ቖፀራ፣ኣብ 7 መረፃ ክልላት ድማ ድጋሚ መረፃ ከምዝካየድ ኣፍሊጡ ኣሎ።

ወጋሕታ 8 ሓምለ 2013 .

Recommended For You