‹‹ኩለመዳዊ ብልፅግና ንምርግጋፅ ቅድሚ ኩሉ ሓድነት ህዝቢታት ኣብ ምጥንኻር መንግስቲ ቆላሕታ ሂቡ ክሰርሕ ይግባእ›› ዶክተር ኣረጋዊ በርሀ

መኣርግ ገ/ሄር

ኣዲስ ኣበባ፡- ሕዚ ስዒሩ ዝኒሀ ፓርቲ ኩለመዳዊ ብልፅግና ንምርግጋፅ ቅድሚ ኩሉ ሓድነት ህዝቢታት ወሳኒ ብምዃኑ ቆላሕታ ሂቡ ክሰርሕ ይግባእ ክብሉ ኣቦ ወንበር ትግራይ ዲሞክራቲክ ፓርቲን ዋና ዳይሬክተር መተሓባበሪ ቤት ፅሕፈት ህዝባዊ ተሳትፎ ዓብይ ግድብ ህዳሰ ኢትዮጵያ ዶክተር ኣረጋዊ በርሀ ገሊፆም።ህዝቢ ትግራይ ኣብ ከቢድ መከራ ከምዘሎ ኣመልኪቶም።

ዶክተር ኣረጋዊ ንጋዜጣ ወጋሕታ ከምዝገለፅዎ፣ሓድነት ህዝቢታት ተጠናኺሩ ክቕፅል ኣብ ምግባር ፓርቲ ብልፅግና ፀቒፁ ክሰርሕ ይግበኦ።ፓርቲ ብልፅግና ካብ ናይ ቅድሚ ሕዚ ብዝበለፀ ሓድነትህዝቢታት ብምጥንኻር ንህዝቢ ቓል ብዝኣተዎ መሰረት ክሰርሕ ይግበኦ።

ረብሓ ሓድነት ብዙሕ እዩ ዝበሉ ዶክተር ኣረጋዊ፣ ነዚ መርኣያ ዝኸውን ሳላ ሓድነት ህዝቢታት ሽትኡ ክወቕዕ ዝኻኣለ ዓወት ዓድዋን ግድብ ህዳሰን እዩ ኢሎም።

ዕቤት ሃገር ንምርግጋፅ ሓድነት ህዝቢታት ምጥንኻር ወሳኒ እዩ፤ ህዝቢ ብዛዕባ ረብሓ ሓድነት ተረዲኡ ኣብ ጎኒ ዝመረፆ መንግስቲ ኮይኑ ሓድነቱ ኣስጢሙ ኣብ ልምዓት፣ ሰላምን ሓድነትን ኣብ ምርግጋፅ ክረባራብ ይግባእ ኢሎም።

መንግስቲ ብፍላይ ድሕሪ ለውጢ ልምዓትን ሰላምን ንምርግጋፅ እናተንቐሳቐሰ ምዃኑ ዝሓበሩ ዶክትር ኣረጋዊ፣ መንግስቲ ቃል ንዘኣተዎ ንምትግባር ምስ ህዝቢ ኢድን ጓንትን ኮይኑ ቓል ዝኣተዎ ምትግባር ትፅቢት ከምዝግበረሉ ገሊፆም።

ብልፅግና ፓርቲ ተስፋ ገይሩ ዝመረፆ ይኹን ዘይመረፆ ህዝቢ ንምኽሓስ ኣበርቲዑ ኣብ ዝንቐሳቐሰሉ እዋን፣ ብዘይ ሰላምን ፀጥታን ብልፅግና ምርግጋፅ ስለዘይከኣል ህዝቢ ኣብዚ ጉዳይ እዚ ብንቐሓት ተሓባባሪ ክኸውን ከምዝግበኦ ተዛሪቦም።ልምዓት ብዘይ ሰላም ክመፅእ ስለዘይኽእል ኣብ ተፈላለዩ ከባቢታት ዝስትውዐሉ ናይ ፀጥታ ፀገም ንምቕራፍ ህዝቢ ኣብ ጎኒ መንግስቲ ኮይኑ ብዕቱብ ክሰርሐሉ ይግባእ ኢሎም።

ኣብ ናይ ለብዘበን መረፃ ሕንፍሽፍሽ ከይለዓል ህዝቢ ስግኣት ነይርዎ እዩ ዝበሉ ዶክተር ኣረጋዊ፣ ይኹን’ምበር መንግስትን ህዝብን ሳላ ተናቢቦም ዝሰርሑ ብዘይምንም ፀገም ክሓልፍ ክኢሉ እዩ፤ ናይ ለብዘበን መረፃ ሰላማዊ፣ ዲሞክራስያዊን ፍትሓውን ብምንባሩ ታሪኻዊ መረፃ ኮይኑ ክሓልፍ ብምኽኣሉ ዓብዪ ታሕጓስ ፈጢሩ እዩ ኢሎም። ኣብዚ ታሪኻዊ መረፃ እዚ ፓርቲ ብልፅግና ምስዓሩ ህዝቢ ሰላም ፣ ብልፅግና፣ ሓድነትን ዲሞክራስን ክረጋገፀሉ ተስፋ ኣሕዲሩ እዩ።ህዝቢ ንብልፅግና ድምፁ ክህቦ ዝኸኣለ ኩለመዳያዊ ብልፅግና ክረጋገፀሉ ተስፋ ብምግባር ከምዝኾነ ገሊፆም።

ብኻሊእ ወገን ኣብ ትግራይ ዘሎ ኩነታት ፀጥታ ብጣዕሚ ዘሕዝን እዩ።ህዝቢ ኣብ ከቢድ መከራ እዩ ዘሎ።እዚ ፀገም እዚ ካብ ትግራይ ሓሊፉ ንመላእ እዛ ሃገር ፀገም ፈጢሩ እዩ።ኣብ ትግራይ ዘለዉ ተረፍ መረፍ ህወሓት ብሓይሊ ዝኣምኑ እዮም፤ ስለዝኾነ መንግስቲ ምስ ህዝብን ፖለቲካዊ ፓርትታትን ተሓባቢሩ እቲ ጎንፂ መፍትሒ ንኽረክብ ሙሉእ ትኹረት ሂቡ ክንቐሳቐስ ይግባእ ክብሉ ኣተሓሳሲቦም።

ህዝቢ ትግራይ ንብዙሕ ዘመናት ተጨቚኑ ሓሊፉ እዩ ዝበሉ ዶክተር ኣረጋዊ፣ ናይ ባዕሉ ዕድል ብዓሉ ወሳኒ ንኸኸውን ተሓባቢሩ ስልጣን ኣብ ኢዱ ከአቱ ከምዘለዎ ኣገንዚቦም።ህዝቢ ትግራይ ክሳብ ሕዚ ክሓልፈሉ ዘይከኣለ ብታሪኽ ከምዝፍለጥ ፖለቲካዊ ሓይልታት ብፍላይ መራሕቲ ህወሓት ንስልጣኖም’ምብር ንህዝቢ ዘይሓስቡ ብምዃኖም ኢዩ ክብሉ ተዛሪቦም።ህዝቢ ትግራይ ለውጢ ንዘየምፀአሉ ፓርቲ ዕድል ክህቦ የብሉን፤ተወዲቡ ብንቕሓት ተቓሊሱ ካብ ድኽነትን ጭቖናን ነፃ ክወፅእ ኣለዎ ኢሎም።

ወጋሕታ 8 ሓምለ 2013 .

Recommended For You