ብ16ሽሕ ተሳተፍቲ ዝደመቐ ጉያ ቀዳምነት ንደቂ ኣንስትዮ

በቢዓመቱ ዝኽበር መዓልቲ ደቂ ኣንስትዮ (ማርች 8) ስዒቡ ብደቂ ኣንስትዮ ኢትዮጵያ ትፅቢት ካብ ዝግበረሎም ተሳትፎ እቲ ሓደ ዝኾነ ንደቂ ኣንስትዮ 5ኪሎ ሜትሮ ጉያ ‘ዩ።ኣብ ኢትዮጵያ ብዙሓት ናይ ጉያ ውድድራት ብምድላው ዝፍለጥ ዓብይ ጉያ ኣብ ኢትዮጵያ ዓመታዊ መርሃግብሪ እቲ ሓደ ዝኾነ እዚ ጉያ ሎሚ ዓመት ‘ውን ንመበል 21 ግዜ መልዓሊን መባፅሕን ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣትላስ ኸባቢ ብምባግባር ዝሓለፈ ሰንበት ብድምቐት ተኻይዱ ‘ዩ።

‹‹ዓቕሚ ደቂ ኣንስትዮ ንሓግዝ ፣ለውጢ ነፍጥን›› ዝብል መርህ ሓሳብ ሒዙ ዝተኻየደ እዚ ውድድር ብዝተፈላለየ ብርኪ ዕድመ ዝርከቡ ፣ብትምህርቲ ደረጀአን ፣ ብስረሐን ብካልኦት ዘፈራት ተኸፋፊለን ተሳቲፈን ‘የን። ኣብ ዝተፈላለየ ዘፈር ስራሕ ተዋፊረን ውፅኢታዊ ብምዃን ንካልኦት ኣብነት ክኾኑ ዝኽእሉ ደቂ ኣንስትዮ ‘ውን ኣካል ናይቲ ውድድር ኾይነን ‘የን።ቅድሚ 21 ዓመት እዚ ውድድር እንትጀምመር 4ሽሕን 500 ጎየይቲ ጥራሕ ዘሳተፈ እንትኾን ተፎታውነቱ ከምኡ ‘ውን ቁፅሪ ተሳተፍቲ እናዓበየ ብምምፅኡ ሎሚ ዓመት ብ16ሽሕ ተሳተፍቲ ክካየድ ኽኢሉ ‘ዩ።

ኣብቲ ውድድር ዓብይ ቁፅሪ ዘለወን ጎየይቲ ጥዕና ፣ ኣትሌታት ፣ኣካል ጉድኣት ፣ብስራሕ ኾነ ብዝተፈላለየ ምኽንያት ናብረአን ኣብ ኢትዮጵያ ዝገበራ ዜጋታታት ወፃኢ ዓዲ ተሳተፍቲ ኾይነን ‘የን።ርክብ ኢትዮ- ኣየርላንድ 30 ዓመት ምቑፃሩ ስዒቡ ናብ ኢትዮጵያ ዝመፃ 35 ተሳተፍቲ ናይቲ ውድድር ድምቀት ነይረን።ፃውዒት ዝተገበረሎም ኣጋይሽ ተኻፈልቲ ኾይኖም ‘ዮም።በዚ ድማ ካብ ስፖርት ዝርከብ ርክብ ካብ ምዕባይ ብዝሓለፈ ናይ ነፃነትን ደስታን ስምዒት ተንፀባሪቖም ‘ዮም።

ቅድሚያ ንደቂ ኣንስትዮ ብኣምባሳደር እናገልገለት እትርከብ ኣትሌት መሰረት ደፋር ‘ያ።መሰረት እዚ ውድድር እንትጅምር ብኣትሌትነት ተሳታፊት ዝነበረት እንትኾን እዚ ንቡዙሓት ደቂ ኣንስትዮ ኣትሌታት ኣብነት ካብ ምዃን ንላዕሊ ኣብቲ ጉያ ተሳተፍቲ ዝኾኑ ደቂ ኣንስትዮ ናይ ምንቅቃሕ ግደ ልዑል ‘ዩ ።

ኣትሌት መሰረት እዚ ጉያ ተሳፍትን ከምኡ ‘ውን ንዓኣ ከም ኣብነት ንዝሪኣኣ ኣትሌታት መልእኽቲ ኣሓላፋ ‘ያ።‹‹21 ዓመት ማለት ጓል ኣንስተይቲ ብዙሓት ውሳነታት እትውስነሉ ከምኡ ‘ውን ሕማቕ ካብ ፅቡቕ እትፈልየሉ ‘ዩ።መናእሰይ ህይወትኽን ፅቡቕ መንገድ ምድሓዝ እትኽእላሉ ‘ዩ።ጓል ኣንስተይት ምስራሕ ከምትኽእል እተርአየሉ ዕድመ ብምዃኑ ክትብርትዓን ክትጥንክራን ኣለክን ›› ክትብል መልእኽታ ኣመሓላሊፋ።

ኣብቲ ጉያ ደቂ ኣንስትዮ ካብ ምስታፍ ብዝዘለለ ተተካእቲ ኣትሌታ ኣብ ምፍጣር ዓብይ ግደ እናተፃወተ ይርከብ።ኣብቲ ውድድር ቀዳማይቲ ብምዃን ውድድራ ዝሰዓረት ኣትሌት ጉተኒ ሻንቆ እንትትኾን ፣ ኣትሌት ብርነሽ ደሴን መቅደስ ሽመልስን ተኻታቲለን ብምእታው ናይ ብሩርን ነሓስን ሜዳልያ ተሸለምቲ ኾይነን ‘የን፡፡

ዓሚ ኣብ ዱባይ ኣብ ዝተኻየደ ማራቶን ጉያ መበል ካልኣይ ኾይና ውድድራ ዝዛዘመት ኣትሌት ጉተኒ እቲ ውድድር ብዝምልከት ኣብ ዝሃበቶ ሓሳብ ‹‹ ፅቡቕ ውድድር ነይሩ ናይ ስረሐይ ውፅኢት ረኺበ ‘የ ኣብዚ ውድድር እንትካፈል እዚ ናይ መጀመርያይ እንተኾነ ‘ውን ውፅኢት ንምምፃእ እናተዳለኹ ነይረ ‘የ።

እዚ ናይ ደቂ ኣንስትዮ ጉያ ምድላዉ ንኹለን ደቂ ኣንስትዮ ጥቕሚ ዘለዎ እንተኾነ ‘ውን ንኣትሌት ደቂ ኣንስትዮ ድማ ተወሳኺ ዕድል ውድድር ዘርክብ ብምዃኑ ረብሕኡ ልዑል ‘ዩ።ንደቂ ኣንስትዮ ዓብይ ሞራል ዝኾን ውድድር ስለዝኾነ ብስፍሓት ክቕፅል ይግባእ ›› ክትብል ገሊፃ ‘ያ።

መሰረት ገብረዮሃንስ

ወጋሕታ 12 መጋቢት 2016 ዓ.ም

Recommended For You