‹‹ዳያስፖራ ንፅባሕ ዘይባሃል ዋኒን ከምዘለዎ ፈሊጡ ንትግራይ ክበፅሐላ ኣለዎ›› -ኣይተ ጎይቶኦም በርሀ

ኣብ ፓርቲ ብልፅግና ጨንፈር ክልል ትግራይ ሓላፊ ዘፈር ጉዳይ ፖለቲካ ምስ ዝኾኑ ኣይተ ጎይቶኦም በርሀ ምስ ጋዜጣ ወጋሕታ ኣብ ዝነበሮም ፃንሒት ኣብ ዘልዓልዎም ዓበይቲ ሓሳባት እቲ ሓደ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ቀዳማይ ሚኒስትርን ፌዴሪኢ ዶክተር ኣብይ ኣሕመድ ምስ ተወከልቲ ህዝቢ ትግራይ ዘካየድዎ ዘተ ተግባራውነት ውዕሊ ሰላም ፕሪቶርያ ዘጠናኽር ‘ዩ ኢሎም፤ ብዙሕ ቅሬታታት ዘለዎ ህዝቢ ‘ውን ስለዝነበረ ከምዚ ምስ መንግስቲ ኣብ ሓደ መድረኽ ተቐሚጥካ ፀገማትኻ ምዝርራብ ዓብይ ለውጢ ‘ዩ ተጠናኺሩ ድማ ክቕፅል ኣለዎ ይብሉ።

ተመዛበልቲ ‘ውን ናብ መረበቶም ክምለሱ ትኹረት ክግበረሉ ኣለዎ፤ እዚ ድማ መንግስቲ ፈደራልን ክልልን ትግራይን ናነይ ባዕሎም ገዛዕዮ ብምውሳድ ተግባራዊ ኣብ ምግባር እናተኻየደ ዘሎ ምንቅስቓስ ክጠናኸር ይግባእ ›› ክብሉ ገሊፆም ‘ዮም። ኣይተ ጎይቶኦም እዚኦምን ካልኦት ሓሳባትን ኣስፍሕ ኣቢሎም ዝገለፅሉ ሙሉእ ትሕዝቶ እቲ ቃለ መሕተት ከምዝስዕብ ኣቕሪብናልኩም ኣለና። ሰናይ ንባብ!

ወጋሕታ፡- ቀዳማይ ሚኒስትር ዶክተር ኣብይ ኣሕመድ ምስ ተወከልቲ ትግራይ ዘተ ምክያዶም ዘለዎ ረብሓ ከምይ ይገልፅዎ?

ኣይተ ጎይቶኦም፡- ከምዝፍለጥ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ተወከልቲ ትግራይ ልዕሊ ኽልተ ሚኢቲ ዝኾኑ ከምኡ ድማ ኣብ ትግራይን ኣዲስ ኣበባን ዝርከቡ ኣመራርሓ ተቃወምቲ ዉድባት ብሓፈሻ ናብ ሰለስተ ሚኢቲ ዝፅግዑ ተወከልቲ ምስ ዶክተር ኣብይ ኣሕመድ ኣብ ዝገበርዎ ዘተ ብጣዕሚ ውፅኢታዊ ‘ዩ ነይሩ።

ምኽንያቱ ከምዝፍለጥ ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ኣብ መንጎ ክልቲኦም ዝነበረ ጎንፅን ምቅሕሓርን ድሕሪ ስምምዕነት ሰላም ፕሪቶርያ ተሪፉ ናብዚ ምብቅዑ ሓደ ዓብይ ረብሓ ኣለዎ ‘የ ዝብል ዝኽእል ። ህዝቢ ትግራይ ኣካል ህዝቢ ኢትዮጵያ ስለዝኾነ ጎንፂ ፈጠርካ ‘ውን ኣብ ዝሓለፈ ስለዝረእናዮ ውፅኢቱ ‘ውን እንታይ ከምዘስዐበ ዝፍለጥ ‘ዩ። ኹናት ድማ መወዳትኡ ኣብ ጠረጴዛ ስለዝኾነ ድሕሪ እቲ ስምምዕነት ፕሪቶርያ ድማ እዚ ዓብይ ኣጀንዳ ተገይሩ ‘ዩ።

ካልኦት ክልላት ‘ውን ምስ ክቡር ኣብይ ኣሕመድ ዘተ ኣካይደን ‘የን ። ካብ ትግራይ ዝመፅኡ ተወከልቲ ድማ ከምዚ ፊት ለፊት ተራኺቦም ትግራይ እንታይ ፀገም ኣለዋ? ዝብል መንግስቲ ፌደራል ንትግራይ እንታይ እንታይ ሓገዝ ከምዘድሊ ዘተ መድረኽ ብምፍጣር ፍታሕ ንክመፅእ ዝገብር ‘ዩ። ምኽንያቱ ኣብ ዝሓለፈ ዝነበረ ጎንፂ መሰረተ ልምዓት ፈሪሰን ‘የን ፤ብዙሓት መንግስታውን ናይ ውልቀን ትካላት ፈሪሰንን ተጎዲአንን እዚ ስዒቡ ድማ ብዙሕ ቅሬታታት ዘለዎ ህዝቢ ‘ውን ስለዝነበረ ከምዚ ምስ መንግስቲ ኣብ ሓደ መድረኽ ተቐሚጥካ ፀገማትኻ ምዝርራብ ዓብይ ለውጢ ‘ዩ።

መንግስቲ እንታይ ክሕግዝ ከምዘለዎ ህዝቢ ትግራይ ድማ ብኢትዮጵያውነቱ ኣሚኑ ናይ ሓደ ሓደ ትግራይ ሃገር ‘ያ ዝብል ኣዛራርባ ዘትረፈ ‘ዩ ዝመስለኒ። ስለዚ ቀዳማይ ሚኒስትር ዶክተር ኣብይ ዝገበርዎ ዘተ ውፅኢታ ‘ዩ፤ እዚ ክብል ከለኹ እቲ ዘተ ኣካል ካልኦት ክልላት ስዒቡ ዝመፀ ይኹን’ምበር በቲ ዝነበረ ኩነታት ትግራይ መንግሰቲ ፌደራል ፍሉይ ጠመተ ሂቡ ኣብዚ ክሰርሐሉ ኣለዎ።

ስዒቡ ድማ ካብ ዝርርብ ናብ ባይታ ክወርድ ክኽእል ኣለዎ። ዓቕምን ድልዉነትን ናይ ባዕሉ ሕቶታት ክህልዎ ይኽእል ‘ዩ፤ ግና ኣብቲ ዘተ እቲ ህዝቢ ዘልዕሎም ዝነበረ ፌደራል ምስቲ ከም ሓደ ገዛዕዮ ሒዙ ኣብ ተግባራውነቱ ‘ውን ክሰርሐሉ ይግባእ። ህዝቢ ተማዛቢሉ ‘ዩ፤ ካብ ምዕራብ ትግራይ ይኹን ክፋል ሰሜናዊ ምዕራብ ደቡብ ትግራይ ‘ውን እዚ ህዝቢ ናብቲ ዝነበሮ መረበቱ ንምምላስ ተዛራሪቦም ‘ዮም።

እዚ ብጣዕሚ ደስ ዝብል ‘ዩ፤ ቅድሚ ክረምቲ ምእታዉ ሕድሕድ ህዝቢ ናብታ ዝነበራ ገዝኡ ምስ መከላከያ እናተዘራረበ ብስርዓት ብሕግን ናብ ቦትኡ ንክኣቱ ክግበር ከምዘለዎ እቲ ህዝቢ ተዛሪቡ ‘ዩ። ናይ ዶክተር ኣብይ መልሲ ‘ውን ከምዚ ስለዝነበረ ነቲ ህዝቢ ንህይወቱ ካብ ዘስግእ ነገር ነፃ ብምግባር ናብ ቦትኡ ክምለስ ኣለዎ። እዚ ድማ ብህዝቢ ዝተልዓለ ጠለባት ኣብዚ ተወከልቲ ዝተረኸቡ ሽማግለታት ፣ ሃይማኖታዊ ኣቦታት ፣መናእሰይን ፣ምሁራንን ደቂ ኣንስትዮን ዝተኣከብሉን ኹሉ ዘሳተፈ ስለዝነበረን ናይዚ ማሕበረሰብ ስምዒት ሒዞም ‘ዮም ሕቶን ሓሳብን ሂቦም፤ ፅቡቕ መልሲ ድማ ተረኺቢ ‘ዩ እዚ ኣካይዳ ክልመድ ኣለዎ ።

ወጋሕታ ፡- ሕቶ ኢትዮጵያ ኣፍ ደገ ባሕሪ ከመይ ይሪእዎ?

ኣይተ ጎይቶኦም፡– ሃገርና ኢትዮጵያ ዓባይ ሃገር ‘ያ፤ ሰፊሕ ህዝቢ ዘለዋ ‘ያ። ብፍላይ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪካ ካብ ጥንቲ ጀሚሩ ናብ ባዕላ ወደብ ዝነበራ ሃገር ‘ያ። ናይ ታሪኽ ኣጋጣሚ ኾይኑ እዚ ወደብ ትስእኖ ክኢላ ‘ያ። በዚ መንፅር ኸዚ ‘ውን እቲ ኣልዒላቶ ዘላ ሕቶ ፍትሓዊ ‘ዩ። ከምዝፍለጥ ኣባይ ልዕሊ ሰማንያን ሓሙሽተን ሚኢታዊ ካባና ዝፈስስ ‘ዩ ግና እተን ናይ ኣባይ ተፋሰሳ ሃገራት ዝባሃላ ከም ኣጀንዳ ቆፂረን ዋላ ናትና ማይ እንተኾነ ንሰን ‘ውን ንክጥቀማሉ ኾይኑ ‘ዩ።

እዚ ዝኾነሉ ምኽንያት ናትና ስለዝኾነ ናይ ካልኦት ጎሮሮ ክዕፆ ኣለዎ ኢልካ ሕጋውነትን ሞራል ‘ውን ስለዘይብሉ ካብዚ መንፃር ድማ እዚ ወደብ ድማ ብሕጋዊ ተዝኾን ረብሕኡ ዓብይ ‘ዩ። ብጎንፂ ዘይኾን ነገር ‘ዩ ማሕበረሰብ ዓለም ‘ውን ዘይድግፎ ‘ዩ ፤ ምስ ጎረባብቲ ኢህንሚህን ተባሂልካ ኢትዮጵያ ኣፍ ደገ ባሕሪ ህክልዋ ብኽልቲያዊ ዝርርብ ክስራሕ ይካኣል ‘ዩ። እዚ ድማ ብኢኮኖሚያዊ ረብሓ ኣለዎ ፤ፖለቲካዊ ረብሓን ወታደራዊን ፀጥታን ረብሓ ‘ውን ኣለዎ።

ምኽንያቱ ኣብዚ ባሕሪ ብዙሓት ሃገራት ናይ ባዕልን ድልየት ንምምላእ ብዙሕ ርሕቐት ተጓዒዘን መፂአን ብዙሕ ስራሕ ‘ውን ይሰርሓሉ ኣለዋ፤ ኣንሕና ግና ኣብ ቀረባ ኾይና ከም ኣፍደገን ዘይብሉ ገዛ ኾይና ህዝብና ‘ውን ብኢኮኖሚ ፀገም እናተሓሰየ ክነብር ስለዘይኽእል ሕጋዊ ‘ውን ስለዝኾነ ብምዝርራብ ብዘተን ናይ ምርካብ መሰልና ሕልዉ ‘ዩ።

እዚ ክኾን ዘለዎ ብዘተ ‘ዩ፣ ጎንፂ ኣይኾንን፤ ጎንፂ ንዓና ካብ ታሪኽ ‘ውን ዝተምሃርናዮ ነገር ስለዘሎ ብዘተ ግና ክኾን ይኽእል ‘ዩ። ንቀፃሊ ‘ውን ቁፅሪ ህዝቢ ኢትዮጵያ እናወሰኸ ስለዝመፅእ እዚ ኣጋጣሚ ብምጥቃም ዓብይ ስራሕ ክስራሕ ኣለዎ። እዚ ድማ ካብ ውልቀ ክሳብ ዓበይቲ ትካላት ኣብዚ ስራሕቲ ዲፕሎማሲ ተሳትፎ ከርኣ ኣለዎን።

ወጋሕታ፡- ዉዕሊ ሰላም ፕሪቶሪያን ከይዲ ኣፈፃፅምኡን ከመይ ይገልፅዎ ?

ኣይተ ጎይቶኦም፡- እዚ ኣብ ኽልተ ኣካላት ዝተፈጠረ ጎንፂ ንኽልተ ዓመታት ፀኒሑ ኣብ ህይወት ወዲሰብን ንብረትን ዕንወት ከምዘብፀሐ ዝዝከር ‘ዩ። እዚ ድማ ከም ህዝቢ ሃገርን ኸሲርና ኢና ። ድሕሪ ብዙሕ ጎንፂ ድማ ናብ ዉዕሊ ሰላም ፕሪቶርያ ተኣትዩ። ዉዕሊ ፕሪቶሪያ ብዙሕ ትርጉም ዘለዎን ፍትሓውን ታሪኻውን ‘ዩ።

ምኽንያቱ ነዞም ኣሓት ህዝብታት ካብ ምቅሕሓርን ጎንፅታትን ብዙሕ ምጥፋእ ህይወት ወዲ ሰብ ዘድሐነ ‘ዩ። እዚ ዝርርብ ድማ ዘይተለመደ ‘ዩ። ኣፍሪካውያን ብኣፍሪካያን ብዝብል ቴማ ኣብ ኣተገባብርኡ ብዙሕ ስራሕ እናተሰርሐ ‘ዩ። እዚ ድማ ከምዝፍለጥ ኣብ መንጎ ፌደራልን ህወሓትን ቀስ ብቀስ ደረጃ ብደረጃ ስራሕቲ እናተሰርሐ ‘ዩ።

ብፍላይ ሰብኣዊ ሓገዛት ኣብ ምሃብ ትካላት ፌደራል ኣብ ትግራይ መፂአን ብማተርያል ይኾን ብገንዘብ ሓገዛት ይገብራ ‘የን ። ስራሕቲ ትራንስፖርት ህዝቢ ብነፃነት ክጓዓዝ ተሰሪሑ ‘ዩ እናሰርሐ ‘ውን ይርከብ። እዚ እንታይ ‘ዩ ውዕሊ ፕሪቶርያ ዘምፀኦ ፀጋ ‘ዩ ። ህዝቢ ከይፈርሐ ካብ ቦታ ናብ ቦታ ጉዳይ ንግዱ የንቀሳቕስ ኣሎ። ኣብ ሰራዊት ትግራይ ዕጥቂ ምፍታሕ ዝብል ድማ ኣብ ናይ መጀመርያ ዕጥቁ ፈቲሑ ሰርቲፍከኬት ተዋሂቡ ናብ ዓዱ ክምለስ ተገይሩ ‘ዩ።

ካብ ሰራዊት ምክልኻል ወፃኢ ዘለው ዕጡቓት ብሙሉእ ግዝኣት ትግራይ ክወፁ ይግባእ። ሉኣላውነት ክልላት ‘ውን ክሕሎ ኣለዎ። ተመዛበልቲ ‘ውን ናብ መረበቶም ክምለሱ ዓብይ ስራሕቲ ክስርሑ ኣለዎም፤ እዚ ድማ ኣብ ቀረባ ፌደራል መንግስቲ ትኹረት ብምግባር ክሰርሐሉ ‘የ ዝብል ኣንፈት ኣቕሚጡ ‘ዩ። ኣብ መንጎ ፌደራልን ህወሓትን ኸዚ ኣብ ቀረባ ድማ በቶም ኣደራደርቲ ወገናት ዘተ እናተኸየደ ‘ዩ እዚ ፅቡቕ ውፅኢት ‘ዩ።

እዚ ድማ ኣብ ኽልቲኦም ሰግኣት ንከይህሉ ዘፅርይ ‘ዩ።ኽልቲኦም ኣካላት ብምትሕብባርን እምነት ብምሕዳርን እዚ ስግኣት ንሓንሳብን ንሓዋርን ክዉገድ ኣለዎ። እቲ ውዕሊ ፕሪቶርያ ሕገመንግስቲ መሰረት ‘ውን ዝገበረ ስለዝኾነ እቲ ሕገመንግስቲ ኣብ መላእ ኢትዮጵያ ከምዝሰርሕ ኹሉ ኣብ ትግራይ ድማ ክሰርሕ ይግባእ።

እዚ ድማ መንግስቲ ፈደራልን ክልል ትግራይን ነናይ ባዕሎም ገዛዕዮ ብምውሳድ ተግባራዊ ኣብ ምግባር እናተኸደ ዘሎ ምቅስቃስ ክጠናኸር ይግባእ። ኾይኑ ግና ጉዳይ ተመዛበልቲ ናብ ቦተኦም ናይ ምምላስ ስራሕቲ ግና ንፅባሕ ዝባሃል ጉዳይ ኣይኮነን።

ሓደ ሓደ ሰባት ወይ ኣካላት ውዕል ፕሪቶሪያ ፈሪሱ ‘ዩ ይብሉ እዚ ጌጋ ኣተሓሳስባ ‘ዩ፤ ነዚ ጉጉይ ኣተሓሳስባ ዘንፀባርቁ ዘለዉ ኣካላት ግን ነቲ ኣብ መንጎ መንግስቲ ኢትዮጵያን ህወሓትን ዝተፈጠረ ናይ ሰላም ስምምዕነት ዳግም ፈሪሱ ነቲ ኣዕናዊ ኹናት ክቅፅል ብዘለዎም ኣሉታዊ ድሌት ብምዃኑ ህዝቢ ብኣጋ ክነቅሓሎም ይግባእ ይብል።

ወጋሕታ፡- ኣብ ዳግመ ህፀት ትግራይ ግደ ዳያስፖራ ትግራይ እንታይ ክኸውን ኣለዎ?

ኣይተ ጎይቶኦም፡- ግደ ዳያስፖራ ኣብ ህንፀት ትግራይ ዓብይ ግደ ከምዘለዎ ዝፍለጥ ‘ዩ። ኣብ ወፃኢ ዘሎ ተወላዲ ኢትዮጵያ ኾነ ትግራይ ኣብ ዝነበረ ነይሩ ናብ ሃገርይ ኢሉ መፂኡ ዝዓርፈሉ ‘ዩ። ደገ ናይ ዕዳጋ ህይወት ‘ዩ። ዕዳጋ ኢኮኖሚኻ ንክተደንፍዕ ናይ ግድን ተሰዲድኻ ብዙሕ ነገር ክትግበር ትኽእል ኢኻ። ኾይኑ ግና ኣብ ዓድኻ እትቕበረላ መሬትኻ ድማ ግድን እጃም ክህልወካ ይግባእ።

ዳያስፖራ ትግራይ ቅድሚ ኸዚ ፅቡቕ ስራሕ ይሰርሕ ነይሩ ‘ዩ ፤ ኸዚ ኣብ ዳግመ ህንፀት ድማ ዕዙዝ እጅም ከወፍይ ከምዘለዎ ርድኡ ‘ዩ። ምኽንያቱ ሃፍቲ ኣለዎ ፣ፍልጠት ኣለዎ ኣብቲ ዝነብሉ ቦታ ብዙሕ ተሞክሮታት ‘ዩ ዘለዎ እዚ ድማ ኣብ ህንፀት ሃገሩን ክልሉን ብዝግባእ እንታይ ክሰርሐ? እንታይ ‘የ ሰሪሐላ? ኢሉ ክሰርሕ ይግባእ።

ሓኪም እንተኾይኑ ብሞይኡ ንህዝቡ ክረብሕ ፤ ባዓል ሞያ ቴክኖሎጂ እንተኾይኑ ብሞይኡ ፣ ነጋዳይ ድማ ብንግዱ ብታ ዘላቶ ፀጋ ንህዝቡን ክልልን ዝጠቅም መድረኽ ኢና ዘለና። ዳያስፖራ ንፅባሕ ዘይባሃል ዋኒን ከምዘለዎ ፈሊጡ ኣብዚ ሐዚ ንትግራይ ክበፅሐላ ኣለዎ።

ኣፈላላይ ፖለቲካን ኣፈላላይ ሓሳብን ክህሉ ይኽእል ‘ዩ፤ ግና ንተጋሩ ሓደ ዝገብረና ብዘተ ኢህንሚህን ብምባል ንሃገርና እንጥቅመሉ ግዜ ኢና ዘለና። ምፍልላይ ፖለቲካና ንኻልእ እዋን ‘ዩ። ኸዚ ትግራይ ኸሲራ ‘ያ ዘላ ፤ እዚ ኪሳራ ከመይ ገይርና ኢና ነካሓሕሶ ? ናይቲ ዝነበረ ፅቡቕ ግዜ ክንምልሶ እንኽእል ብምባል ዘተ ብምክያድ ኣብዚ ኸዚ እዋን ብፍሉይ ትኹረት ኣብ ትግራይ ክገብር ኣለዎ ይብል።

ወጋሕታ፡- ውልቀ ሰብ ሃፍቲን ምሁራንን ትግራይ ከ?

ኣይተ ጎይቶኦም፡– ግደ ሰብ ሃፍቲ ተጋሩ ብፍሉይ ኣብዚ ሐዚ እዋን ‘ዮም ክሰርሑ ዝግበኦም። ሃፍቲ ሒዝካ እንድሕር ህዝቢ ዘየለ ሃፍቲ ሒዝኻ መረበትካ ዓንዩ በይንኻ ተሪፍካ እቲ ሃፍቲ ‘ውን ዋጋ የብሉን። ሃፍቲ ስለዘለካ ክትኸበር ኣይትኽእልን። ኣብ ዓዱ መፂኡ ግና ብዙሕ ስራሕቲ ክሰርሕ ይኽእል ‘ዩ።

ኣብ ዘፈር ኮንስትራክሽን ድዩ ፣ ቤት ትምህርቲ ኣብ ምስራሕ ግልጋሎት ኣብ ምሃብን ኣብ ዝተፈላለየ ምቅስቃሳት ተሳትፎ ብምግባር ክሕግዝ ከምዘለዎ ይስመዓኒ። ምኽንያቱ ፅባሕ ሃገር ኣላትኒ እንድሕር ትብል ኮይንካ ሎሚ ነዛ ሃገርን ህዝብን መሬትን እንድሕር ዘየድሒንካዮ ናትካ ሃፍቲ ምንም ኣይኮነን ‘ዩ ማለት ‘ዩ።

ሃፍቲ ብዘይ ሃገር ምንም ዋጋ የብሉን። እቲ ዝተረኸበ ሃፍቲ ክኸበር እንድሕር ኾይኑ ኣብ ህዝብኻን መሬትኻን ክውዕል ከሎ ‘ዩ። ስለዚ ሰብ ሃፍቲ ኣብ ህንፀት ትግራይ ዓብይ እጃም ከምዘለዎም ‘ዩ ክሕብር ዝኽእል። ሃፍቶም ኣፍሲሶም ብዙሓት ስራሕቲ ክሰርሑ ይኽእሉ ‘ዮም።

ብፍላይ ኸዚ ዝዓነወ ቤት ትምህረቲ፣ ዝዓነወ ጥዕና ጣብያ ፣ኣብ ገጠር ዝርከብ ኣደታታ ብምዝካር ፤ ብሰንኪ ሕፅረት ኣምቡላን ሕሙማትን ሓራሳትን ናብ ቕድም ባህላዊ ኣሰራርሓ ብምምላስ እዚን ከምዚን ዝበሉ ፀገማት ኣብ ምቕራፍ እቶም ሰብ ሃፍቲ ናብ ምስራሕ ዓቕሚ ኣለዎም ‘ዩ ክሰርሑ ድማ ትፅቢት ይግበር ።

ወጋሕታ፡- ጉዳይ ፀጥታን ትግራይን መፍትሒኡን ብኸመይ ይገልፅዎ ?

ኣይተ ጎይቶኦም፡– ኣብ ጉዳይ ፀጥታ ብዝምልከት ቅድሚ እቲ ኹናት ዝነበረ ክኾን ትፅቢት ኣይግበርን ፤ ምኽንያቱም ኣብቲ ዝነበረ ኹናት ብዙሕ ነገራት ስለዝተበላሸወ ኸዚ ምሉእ ብሙሉእ ኣይተቐረፈን። ሰባት ብነፃነት ምንቅስቓሶም ተገዲቡ ‘ዩ ፣ ብቐትሪ ዘረፋ ይካየድ ኣሎ ‘ዩ። እዚ ድማ ጉዳይ ፀጥታ ናብ ንቡር ክሳብ ዝምለስ ብዙሕ ስራሕቲ ‘ዩ ክስራሕ ዝግበኦ።

ፌደራል መንግስቲ ድማ ነቲ ጉዳይ ፀጥታ ትኹረት ብምግባር እቲ ዘሎ ፀገም ምቅላል ይኽእል ‘ዩ። እዚ በይንኻ እትሰርሖ ስራሕ ‘ውን ኣይኮነን ፣ ምኽንያቱ ብዙሕ ዝተበላሸወ ነገራት ‘ውን ስለዘሎ ። ስርዓት ኣልበኝነት ኣሎ ፣ብጉጅለ ኾይንካ ናይ ሰብ ሃፍቲ ንብረት ምዝራፍ ኣሎ ።እዚን ከምዚን ዝበሉ ምስ ፌደራል ተሓባቢሪርካ ምስራሕ ከምዝግባእ ‘የ ክሕብር ዝኽእል።

እዚ ‘ውን ከም ሃገር ዘደንግፅ ‘ዩ። ኸዚ ብቀሊሉ ዝተጀመረ ነገር እንድሕር ብእዋኑ ፍታሕ ተዘይተገይርሉ ባዕሉ ዝኻኣለ ናይ ሽብር ዓይነት ስራሕ ክስራሕ ይኽእል ‘ዩ። እዚ ድማ ህዝቢ ብነፃነት ተንቀሳቒሱ ንከይሰርሕ ዓብይ ስግኣት ዝፈጥር ‘ዩ። ስለዚ እዚ ፌደራል መንግስቲ ምስ ክልል ተሓጋጊዙ ፍታሕ ዝኾኑ መንገዲ ከምፅኡ ይግባእ።

ወጋሕታ፡ ንዝነበረና ፃንሒት የመስግን።

ኣይተ ጎይቶኦም ፡- ኣነ ‘ውን የመስግን።

መሰረት ገብረዮሃንስ

ወጋሕታ 12 መጋቢት 2016 ዓ.ም

Recommended For You