“ምዝታይ ዘድለየ እቲ ሰምምዕነት ናብ ምሉእነትን ካብኡ ንላዕልን ንምውሳድ ‘ዩ” – ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር)

 

 

ናይ ሎሚ እዋናዊ ዛዕባና ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ምስ ተወከልቲ ክፋል ማሕበረሰብ ክልል ትግራይ ኣብ ዝገብርዎ ዝተፈላለዩ ዛዕባታት ዝተሳለጠ ዘተ ካብ ተወከልቲ ንዝተልዓሉሎም ሕቶታትን ሓሳባት ካብ ዝሃብዎ መብርህ፣ ምላሽን መልእኽቲ ብውሱን መልክዑ ከምዚ ዝስዕብ ኣቅሪብናዮ ኣለና ሰናይ ንባብ:-

“ሎሚ ካብ ስምዒትን ወረን ወፂእና ከምቲ ወለዲ ዝብልዎ ለባም የሓስብ ናይ ዓመት ዓሻ ይሓስብ ናይ ዕለት፤ ከምዝብሃል ምናልባት ንቅድሚት እንሓሰቦ ዘለና ልማዓትን ዳገመ ህንፀትን ከምዘሕግዝ ገይረና ካብ ልብና እንተስሪሕና ናይ ትግራይ ጉዳይ ዝፍታሕ ይመሰለኒ። ዝኾነ ኾይኑ ኣብዚ ዘለው እማማን ኣባባን ዘልዓለዎ ሓሳብ ብጣዕሚ ይስምዐኒ ‘ዩ። ብምርኻብና ‘ውን በጣዕሚ ተሓጒሰ ‘የ።” ብምባል ብተሳተፍቲ ንዝቀረበሎም ዝተፈላለዩ ሓሳባትን ሕቶታትን ብምስማዕ ከምዚ ዝስዕብ መልሲ ሂቦም። :-

ስምምዕነት ፕሪቶርያ

ብመጀመርያ ድሕሪ ዕውት ስምምዕነት ፕሪቶሪያ ጀሚሩ ቀፂሉ ድማ ድሕሪ ኣፀጋሚ ኩነታት ትግራይን ኢትጵያን ንዝተረኽቡ ውፅኢታትን ውሕድ እንተኾኑ ‘ውን ጌታቸውን ግዝያዊ ምምሕዳር መንግስቲ ብሓላፍነት ስመዒት እናመርሑ ዘለው ኣመራርሓን ከመስግን ይፈቱ። ፀገማት ኣለው ‘ዮም። ይኹን ‘ምበር ኣብቲ ውሸጢ ተኾይኖም ‘ውን ዝፈተኑ ፃዕርታት ኣለው ‘ዮም። ምስ ህዝቢ ትግራይ ምዝታይ ህዝቢ ትግራይ እንታይ ከምዝሓስብ ብዝተወሰነ ደረጃ ይርድኣኒ ‘ዩ።

እቲ ህዘቢ ‘ውን ብዝተወሰነ ብርኪ ይፈልጦ ‘የ። ብሚድያ ዝብሃልን ኣብ መሬት ዘሎ ሓቅን ሓደ ኣይመስለንን። ይኹን ‘ምበር ከምዝብልኩሞን ቅድሚ ሐዚ ‘ውን ከምዝበለክዎ ካብ ህዝቢ ትግራይ ወፃኢ ኢትዮጵያ ዝብሃል የለን። እዚ ግልፂ ‘ዩ። ትግራይ ኣካል ኣምሳል ኢትዮጵያ ‘ያ። ነዚ ‘ውን ‘ዩ መዘከርታ ዓወት ዓድዋን ቤተመንግስቲ ዝረኣኹሞ። ኣብዚ ሙሉእ እምነት ኣለኒ።

ኣብ ትግራይ ኣብ ኢትዮጰያ ድኽነት ሓዱሸ ነገር ኣይኮነን ፤ድኽነት ዝነበረ ‘ዩ፡፡ግና ብዘኾነ ተሓጋጊዝና ፀገም ንክነፍትሖ ኣይምቸውን። ንኣብነት ፕሪቶርያ ድሕሪ ምስምዕማዕና እኒ ጌታቸው መንግስቲ ካብ ዘኾኑ ንደሓር ናብ ትግራይ መፂአ ምስ ህዝቢ ትግራይ ክዘራረብ ካብ ዝብል ዓመት ሓሊፉኒ ኣሎ። እዚ ጌታቸው ይፈልጥ ‘ዩ።

ፅባሕ ፅባሕ ‘ዮም ዝብሉኒ ከምቲ ዝትብልዎ ኣይኮነን። ካብ መጀመርያኡ ንምንታያ ‘ዩ ውግእ ተጀሚሩ? ንምነታይ ናብዚ ኣቲና ንዝብልኮ ስምዒት ኣይኮነን ዘድሊ ደው ኢልካ ምሕሳብ ፅቡቅ ‘ዩ። ብኣና ወገን ምስ ህወሓት ናይ ምፍላይ ድልየት ኣይነበረናን። ንስራሕ ፈፃሚ ህወሓት በጃኹም ግደፉ ኢለ ኣነ ባዕለይ ለሚነ ‘የ። ልምዲ እንተሃለዎም ‘ውን ኣነ ዝበልክዎ ጥራሕ ዝብል ድርቅነት ‘ውን ይህለው ‘ዩ።

ድሕሪ ስምምዕነት ፕሪቶሪያ ብዙሕ ነገር ረኺብና ብዙሕ ‘ውን ይተርፈና ‘ዩ። ንስኹም ልብኹም ከፊትኩም ነዚ ምርኣይ ሞክሩ ‘ዩ። ንኣብነት ድሕሪ ስምምዕነት ፕሪቶርያ ካበዚ ይኹን ካብቲ ሰብ ብጥይት ኣይሞተን እዚ ፅቡቅ ነገር ‘ዩ። ድሕሪ ስምምዕነት ፕሪቶሪያ እንተነኣሰ ናይ ምርግጋዕን መንግስቲ ናይ ምምስራትን ኣሸባሪ ‘ዩ ዝበልናዮ ኣሸባሪ ኣይኮነን ሕጋዊ መንግስቲ ‘ዩ ኢልና መሰጋገሪ መንግስቲ መሰሪትና በጀት፣ መብራህቲን ስልኪን ለቂቅና ኢና እዚ ፅቡቅ ነገር ‘ዩ።

ይኹን ‘ምበር እዚ እኹል ኣይኮነን። ምሳኹም ምዝታይ ዘድለየ ‘ውን እቲ ስምምዕነት ናብ ሙሉእነትን ካበኡ ንላዕልን ንምውሳድ ‘ዩ። ኣነ ካብ ልበይ ‘የ ዝነግረኩም ብኣና ወገን ትግራይ ዝትቅየረሉ ዝኾነ ይኹን ነገር እንተሃለዩ ካብ ዝኾነ ንላዕሊ ኣነ ሕጉስ ‘የ ድልየተይ ‘ዩ ። ካብ ትግራያ ወገን ‘ውን ከምዚ ዝበለ ምትሕብባር የድሊ ‘ዩ።

ልምዓት ብዝምልከት

ልምዓት ብዝምልከት ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝረኣኹሞ ኣብ ትግራይ ኣብ ካሊእ ክልል እንተዘይተደጊሙ ኣብዚ በይኑ እኹል ኣይኮነን ዝበልኩሞ ትኽክል ‘ዩ። ኣዲስ ኣበባ ‘ውን ገና ብዙሕ ክለምዕ ‘ዩ። ትግራይ ‘ውን ክለምዕ ‘ዩ። ይኹን ‘ምበር ኣብ ኣዲስ ኣበባ ይኹን ኣብ ትግራይ ዘልምዖ ሰብ ‘ዩ።

ሰብ ተቀራሪቡ ተስማዕሚዑ እንተዘይ ዘትዩ ሓደ እንተዘይኮይኑ ከመይ ኢሉ ይለምዕ። ኣንሕና ኣብ ዝሓለፉ ሓደን ሓደ ዓመትን ፈረቓን ድሕሪ ስምምዕነት ፕሪቶረያ ብካሽ 45 ቢሊዮን ብር፤ ብንዋታዊ ከም መኪና ኮምፒተር ዝበሉ ድማ 19 ቢሊየን ብር ሓጊዝና ኢና። እዚ ብበጀት ዝሕሰብ እንተኾይኑ ኣብዚ ኣይበፅሕን። በጀት ትግራይ 10 ቢሊየን ኣይበፅሕን ‘ዩ። እዚ እኹል ድዩ እንተይለና ኣይኮነን። ካብዚ ንላዕሊ ከይንገብር ዝገበረና ግና ብሓፈሻ ኢትዮጵያ ዘለዋ ምንኣስ ዓቅሚ ‘ምበር ድ ል የ ት ኣይኮነን።

ንኣብነት በጀት ብዝምለከት ጌታቸው ፕረዝደንት ዝኾነሉ ግዘ ኣብ ፍርቂ በጀት ዓመት ‘ዩ ነይሩ፤ ንጌታቸው ፀዊዕና ግና ዕርቂ ዝተፈፀመሉ ዋላ ኣብ ፍርቂ በጀት ይኹን ብቅድሚኡ ናይ ዝነበረ ካባ ሓምለ ጀሚርና ክንህበካ ኢና ኢለና ንድሕሪት ተመሊሰና ኢና ሂበናዮ። ብርግፅ ትግራይ ምስ ዘሎ ዕንወት ኣንፃር እዚ ቅርሺ ምንም አይኮነን ካብዚ ዕፅፊ ተዝመፅእ ‘ውን ኣብ ኢንዱስትሪ ዝልዓል ዘሎ ፀገም ክሽፍን ኣይኽእልን። ካሊእ ‘ውን ብቀዳማዊት እመቤት ቤት ትምህርቲ እንትስራሕ ኣብ ሸረ ቤት ትምህርቲ ንክስራሕ ብር 20 ሚሊዮን ብካሽ ናብ ናይ ትግራይ ኣካውንት ኣእቲና ኢና። ይኹን ‘ምበር ኣይተሰርሓን። ስለዚ እቲ ቤት ትምህርቲ ነቲ ህዝቢ ምስራሕ ወይ ገንዘብና ምምላስ ‘ዩ ዝግባእ።

ሐዚ ድማ ገበታ ንወለዶ ዝብሃል ኣብ ጎረጎራ ወንጪ እንትስራሕ ገርዓልታ ኢለና መፂእና ኢና። ኣብዚ ንጌታቸው ከመስግኖ ‘ምበር እዚ ንምጅማር ‘ውን ናብ ሽዱሽተ ሸውዓተ ወርሒ ‘ዩ ወሲዱና። ሐዚ ተጀሚሩ ኣሎ እንትውዳእ ፅቡቅ ከምዝኸውን ተስፋ እገብር። ንቀፃሊ ‘ውን ኣብ ኻሊእ ቦታ ዝገበር ልምዓት ንትግራይ ‘ውን ክተርፍ ኣይንደልን። ድልየትና ከምኡ ኣይኮነን ፡፡

ህወሓት ‘ውን እቲ ዝሎ ፖለቲካዊ ጭቅጭቅ ገዲፉ ምስባዕሉ ተዓሪቁ ሰኺኑ ንቀፃሊ ከመይ ኢለና ካበዚ ብላዕሊ ብሓባር ክንሰርሕ ኢሉ ተዝሓስብ ኢና ንደሊ። እንታይ ይገብረልና ነኒባዕለና ምብላዕ። ካብኡ ከዓ ዘይንፋለጥ እኮ ኣይኮነናን ከምቲ ዝትፈልጥዎ ብሓደ ኢና ነይረና ንፋለጥ ኢና። ኹናት ኣይንደልን ሐዚ ‘ውን እንተኾነ ብቕልጡፍ ናብ ሰላም መፂእና ዝበለፀ ክንሰርሕ ኢና ንደሊ።ሎምዓንቲ ንጌታቸው ባዕሉ 100 ቢልዮን ተዝወሃቦ ኣብ ትሕቲኡ ዘለው ኣብ ጎኑ ዘለው መሓዙቱን ንስኹምን እንተዘይሃጊዝኩሞ ገንዘብኮ ወረቀት ‘ዩ።

ብምትሕግጋዝ ‘ዩ ገንዘብ ናብ ልምዓት ዝቅየር። ሓደ ናይ ካሊእ እግሪ እናሰሓበ እንተኾይኑ ኣይኮንን፤ እዚ ምስ ፌደራል ምስ ዘሎ ጥራሕ ኣይኮነን፤ ኣብ ክልል ውሽጢ ‘ውን እንተኾነ ምትሕግጋዝ የድሊ ‘ዩ። ምኽንያቱ ድኻ ሃገር ‘ያ ዘላትና ድኻ ሃገር ሒዝና ቁሩብ ገንዘብ’ውን ሒዝና እንተዘይተደጋጊፍና ኣይኸውንን ‘ዩ። እሱራት ክትፈትሕ ኣለካ ንዝበሉኒ እሱራት ፈቲሐ ‘የ ስብሃት ንባዕሉ ፈቲሐዮዶ ኣለኹን።

መከላከያ ኣይፈልጥን ባዕሉ(ሚኒስትር ምክልኻል ኣብርሃም በላይ) ክነግርኩም ‘ዩ ፤ ዝተኣሰረ ከምዘሎ ኣይፈልጥን ካብ ስራሕ ደው ዘበልናዮም ተጋደልቲ ነይሮም ዕርቂ እንትፍፀም ምፍታሕ ጥራሕ ዘይኮነስ ነናብ ኣሃዱኦም ከይተረፈ ኢና መሊስናዮም። ብሌብነት ሰብ ቀቲሉ ዝተኣሰረ እንተሃልዮም ኣይፍልጥን። በቲ ውግእ ዝተኣሰሩ ግና ናብ መከላከያ ተመሊሶም ‘ዮም። ናይ ምእሳር ድልየት ‘ውን የብልናን። እንድያውም ኣንሕና እሱራት ስራሕ ፈፀምቲ ፈቲሕና እናሃለና ምስ ጌታቸው ግና ክሳብ ቀረባ እዋን ዝተረፉ እሱራት ነይሮም ‘ዮም። ንቀፃሊ ‘ውን ንምእሳር ብዙሕ ድልየት የብልናን።

ምምላስ ተመዛበልቲ

ተመዛበልቲ ብዝምልከት እቲ መሬት ናይ መን ‘ዩ ናይ ትግራይ ድዩ ዝብል ንግደፎሞ፤ ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ሰፈሩ ምንባር ስኢኑ ምምዝባሉ ብጣዕሚ ሕማቅ መሕፈሪ ነገር ‘ዩ። ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ጅማ በቢ ቦቱኡ እኮ ገዛ ዘለዎም ስራሕ ዘልዎም ተጋሩ ኣለው ‘ዮም። ኣብኡ ‘ውን ካብኡ ዝተፈለየ ነገር የለን። ገዝኦም ክምለሱ ኣለዎም።

እቲ ዝተስማዕማዕናዮ ‘ውን ብተደጋጋሚ ገሊፀዮ ‘የ። ብሓፂሩ ግና ካብ ትግራይ ኣይተ ጌታቸው ካብ ኣምሓራ ክልል ኣይተ ኣረጋ ዘለውዎ ኮሚቴ ተመስሪቱ ካብ ፌደራል ሓለፍቲ ዘለውዎ ኣብዚ ሰሙን ክዛተዩ ‘ዮም። ነሃትና ድልየት መጀመርያ ኩሎም ዝተመዛበሉ ሚእቲ ብሚእቲ ገዝኦም ምምላስ ‘ዩ። እዚ ብተደጋጋሚ ኢልና ኢና ሐዚ ‘ውን ኣብ ዝኾነ ሰዓት ናብ ሑመራ ዘሎ ገዛይ ክምለስ ‘የ እንተኢሎም ፅባሕ ንምምላስ ድልዋት ኢና። ንምከላኸሊ ሰራዊት ዝተውሃቦ ስራሕ ‘ውን እዚ ‘ዩ።

በቢከባቢኡ መከላኸሊ ሃገር ‘ምበር ናይ ትግራይ ይኹን ናይ ኣምሓራ ዝብሃል ሓይሊ ፀጥታ ከይህልው ተባሂሉ ‘ዩ። ሰባት ነኒባዕሎም ይፋለጡ ‘ዮም። ናይ መን ገዛ ናይ መን ሕርሻ ከምዝኾነ ይፍለጥ ‘ዩ ፀገም የብሉን። መጀመርያ ገዝኡ ይመለስ ቀፂሉ ባዕሉ እቲ ህዝቢ የመሓድረኒ ‘ዩ ዝብሎ ካብ ደቁ ይመርፅ። ብደቁ እናተመሃደረ ፀኒሁ ምስተረጋግአ ዓለም እናረኣዮ ሪፈረንደም ገይሩ ኣነ ትግራዋይ ‘የ ኣነ ኣምሓራይ ‘የ ይበል። ቀዲምና ግና ኣንሕና ኣይነበል።

መጀመርያ ግና ናብ ገዝኡ ናብ ሕርሽኡ ይእተው፡፡ኣብ መቐለ ኣብ ሽረ ምቅማጥ ኣየድልዮን። ኣድላይ ዝብሃል ድጋፍ ክንገብረልኩም ኢና ናብ ቦታኹም ተመለሱ ምስተመለስኩም ርግፀኛ ‘የ ምስ ጎረቤትኩም ተራኺኩም ከምክትባኸዩ ኢኹም (ብናፍቆት)።ምሕዛንኩም ኣይተርፍን ንስኹም ምጉናፁ ኣይደለኹሞን ናይ ፖለቲካ ሓሳብ ‘ምበር ነሃትኩም ኣይኮነን፤ ስለዚ ተዘራሪብኩም ዝኾነኩም ሰብ መሪፅኩም ብደቅኹም ክትመሓደደሩ ትኽእሉ ኢኹም እዚ ‘ዩ ነሃትና ኣቋም።

ኣብዚ ተንትሓጋገዝ ፅቡቅ ‘ዩ። ክረምቲ ከይመፀ ናብ ሕርሽኡ ክምለስ ኣለዎ። ብመንግስቲ ፌደራል ወገን ካብ ዝትብልዎ ብላዕሊ ፈቃደኛታት ኢና ምድላዋቱ ውን ኣሎ ‘ዩ። ካብ ሃገር ወፂኡ ወፃኢ ዓዲ ዘሎ በዓል ሃፍቲ እንተሃልዩ ‘ውን ይመለስ። ካብ ጥምየት ካብ ሕፅረት መድሓኒት ተተሓሒዙ ብዙሕ ሓገዝ እኽሊ ንምልኣኽ ተሞኪሩ ‘ዩ። ብሓፂሩ ግና ኢትዮጵያ ወይ ኣካል ኢትዮጵያ ዝኾነ ቦታ በሊዑ እናሓደረ ንስኹም ኣይትጠምዩን።

ዝኾነ ይኹን ፕሮጀክት ደው ይብል ‘ምበር ኣብ ትግራይ ጥምየት እናሃለወ ኣብ ካሊእ ደቡብ ኦሮምያ ፀጊቡ ጥራሕ ኣይሓድርን። ፀገም ዝኾን ዘሎ ግና ጥምየት ፖለቲካ ኣይንግበሮ ዝብል ‘ዩ። ንጌታቸው’ውን በዚ ወቂሰዮ ነይረ ‘የ። ጥምየት እንተሃልዩ ናባይ ምድዋል ‘ዩ ኣምፅኡ ሓግዙ ማለት ‘ዩ። ብቲዊተር እንትኾይኑ ግና ኣንሕና ብትዊተር ኣይንዘራረብን ኢለዮ ‘የ። ንኻልኦት ኢኻ ተዛሪብካ ‘ምበር ነዓይ ኣይነገርካንን ኢለዮ ‘የ።

ጉጅለ ኣዋቂርና ኣለና፤ኣብ መሬት ዘሎ ክንሪኢ ኢና። ከረጋግፀልኩም ዝደሊ ካሊእ ከባቢ ፀጊቡ ትግራይ ኣትጠምይን። ኣብዚ እዋን ኢትዮጵያ ዋላ እንተዘይፀገብት በሊዓኻ ንምሕዳር ግና ተኣክል ‘ያ። ብዙሕ ስግኣት ኣይሕደርኩም ፖለቲካ ግና ኣይንግበሮ ጥምየት ፀገም ኣይትበሉ፡፡ ትራክተር መዳበርያ ኣእቲና እቲ ህዝቢ ናብ ስራሕ ንምእታው ንሕግዝ ኣለና ኢና ካብኡ ዝተረፈ ድማ እናረአና ተሓጋጊዝና ክንሓልፎ ኢና። ጥምየት ኩሉ ግዜ የለን ኣብ ዝኾነ እዋን መፂኡ ዝኸድ ‘ዩ።

መሰረተ ልምዓት

መሰረተ ልምዓት ድሕሪ ስምምዕነት ፕሪቶርያ ብዙሕ ሓጊዝና ኢና። ብመብራሕቲ፣ ብቴሌኮሙኒኬሽን፣ ብትምህርቲን ብጥዕናን ብኹሉ ንረባረብ ኣለና ኢና። ይኹን ‘ምበር ኹሉ ዝተመለሰ እኹል ድዩ እንተይልና ግና እኹል ኣይኮነን። ንዕኡ ምፅጋን ጥራሕ ዘይኮነስ በቲ ዘሎ ህዝቢ ልክዕ እናሰራሕኻ ምኻድ የድሊ ‘ዩ። ክሳብ ሐዚ ዝገብርናዮ ምስ ካልኦት ብምዃን ብሓባር ክንግምግም ኢና ቅድም ኢልና’ውን ገምጊምና ኢና ብዝተኽኣለ መጠን ድማ እናሓገዝና ክንኸድ ኢና።

ኣብዚ ክፍለጥ ዘለዎ ነገር ግና ስርዓት ፌደራል ከምዝትፈልጥዎ ዝፈቅደልና ምትእስሳራት ፖለቲካን ኢኮኖሚን ኣሎ፤ዘይፈቅደልና ውን ኣሎ። ንኣብነት በጀት ብፓርላማ ፀዲቁ ንኹሉ ክልላት ‘ዩ ዝከፋፈል። ነዚ ዘመሓዳድሩ ድማ ክልላት ‘ዮም።

መንግስቲ ፌደራል ፓርላማ ካብ ዘፅደቆ ወፃኢ ዝተፈልየ ዘንቀሳቅሶ ሃፍቲ የብሉን። ብኡ ‘ዩ ክፍታሕ ዝሙኮር። ብፖለቲካዊ ነፃ ንኹን ባዕልና ነመሓዳድር ከምዝበልኩሞ ኢኮኖሚ ባህርዩ ከምኡ ‘ዩ። ከምዝደለናይ ክንገብር ኣይንኽእልን ኢና።ሐዚ በዚ ዘጋጠመና ነገር ኢና ብዝተፈልየ ክንኸይድ እንሙክር ዘለና።

ኣፍልጦ ህወሓት ብዝምልከት ከምዘልዐዎ ናይ መረፃ ቦርድ ጉዳይ ‘ዩ። ብኣና ወገን ግና ክወሃብ ኣለዎ ኢና ንኣናምን። ኣብ ቀረባ ግዘ ኣዘራሪብናዮም ነይርና ኢና ዝፍታሕ ድማ ይመስለኒ ብዙሕ ከቢድ ዝኾነ ጉዳይ ኣይኮነን። ልቓሕ ባንኪ ብዝምልከት ከምዝትፈልጥዎ ቁሩብ ውስብስብ ዝበለ ጉዳይ ስለዝኾነ ኣብዚ ንምዝራብ ይኸብደኒ ‘ዩ።

ዝሐሸ ግና ካብ ቢሮ ክልተ ኣማኸርቲ ኣለው እኒ ኣይተ ግርማ እኒ ኣይተ ተክለወልድ ኣይተ ኣብርሃም ጌታቸው ‘ውን ግዜ እንተሃልይዎ ኸይድኹም ገዛኢ ባንኪ ፣ሚኒስትር ኢንዱስትሪ፣ ሚኒስትር ንግዲን ሚኒስትር ልምዓትን ፋይነንስን ኮይንኹም ተዘራርቡሉ እሞ ዝክኣል ነገር እንተል ዩ ንምሕጋዝ ፀገም የለን።

ዋና ጉዳይ ብኣና ወገን ሰላም ብጥዓዕሚ ኢና ንደልዮ። ይኣኽለና እዚ ኹሉ መፂእና ዘሎ ፀገም በዚ ‘ዩ። ሐዚ ‘ውን ግና ካብ ዝሓለፈ ዘይተምሃሩ ውግእ ዝደልዩ ሰባት ኣለው ‘ዮም ይኣኽለኩም ክበሃሉ ኣለዎም። ፀገማት እንተሃልዮም ከምዚ እናተመኻኸርና ተንፈትሖ ይሃይሸ።

ብኤርትራ ዝተተሓዘ መሬት

ምስ ኤርትራ መንግስቲ ተተሓሒዙ መሬት ተታሒዙና ኣብ ዝብል ኣብ ቀረባ እዋን ምስ እኒ ጌታቸው ኣብ ዝነብረና ግምገማ ኣልዒሎሞ ነይሮም ‘ዮም። ካባናን ካብ ክልል ትግራይን ናይ ሓባር ኮሚቴ ተዋቂሮም ነቲ ቦታ ሪኦም ካብ ኣልጀርስ ስምምዕነት ወፃኢ ዝኾነ እንተሃልዩ እቲ ሪፖርት እንትመፅእ ንሪኦ ኢና። ዝኾነ ናይ ዝኾነ ቦታ ብሓይሊ ሒዙ ንዘለኣለም ክነብር ኣይኽእልን።

ከይንዋጋእ ካልኣይ ጎንፂ ከይፍጠር ትርፊ ዝኸደ ነገር እንትሃልዩ ርኢና ብዕላዊ ይስተኻኸል ኢልና ክንዛረብ ንኽእል ኢና። ብሓፈሻ ከም ኣገላልፃ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብይ፤ እቲ ዝነበረ ዘተና፥ እቲ ዝተገለፀ ሓበራዊ ዕላማና ንምዕዋት ዝበለፀ ደገፍ ዝህብ ነይሩ ብምባል፤ ኣብ ክልል ትግራይ ሰላምን ልምዓትን ንምንጋስ ዘለና ቁርፀኝነት ኩሉ ግዘ ፅኑዕ ‘ዩ ክብሉ ኣፅንኦት ሂቦም።

ኣብርሃ ሓጎስ

ወጋሕታ 12 መጋቢት 2016 ዓ.ም

Recommended For You