ፀገም ባልዓት ናብ ረብሓ ዶ ምተቐየረ?

ኣብዚ እዋን ሃገርና ብፍላይ ድማ ትግራይ ብሰንኪ ተደራራቢ ተፈጥሮኣውን ሰብ ስራሕን ፀገማት እናተፈተነት ከምዝትርከብ ዝፍለጥ ‘ዩ። ብፍላይ ድሕሪ እቲ ዝበፅሐ ጉድኣት ኲናት ተኸቲሉ ዝመፅአ ድርቂ ብተወሳኺ በቢተራ ዝርኣዩ ዘለው ዝተፈላለዩ ባልዓት ኣብ ኣብ ልዕሊ ድኽነተን ምራኽ ሞተን ከምዝብሃል፤ ድርቂ፣ ባልዓት ባርኖስ ኣሜሪካ፣ ኣምበጣን ሐዚ ከኣ ዕስለ ወራር ኣእዋፍ ይረኣያ ኣለዋ።

ሰብ ሞያ ዓውዲ ሕርሻ ከምዝብልዎ እንተኾይኑ ናይዚ ኹሉ መበገሲ ምዝባዕ ለውጢ ክሊማ ዓለም ከምዝኾነን፤ ብፍላይ ድማ ኣብ ትሑት ደረጃ ማሕበረ ቁጠባዊ ምዕባለ ንዘላ ኣፍሪቃ ብዝበልፀ ድማ ምብራቅ ኣፍሪቃ ተቓላዕነታ ከምዝዛይድ ይገልፁ። ኣብ ትሕቲ ከቢድ ፀገማት ድኽነት ዝነብሩ ሕብረተሰብ ድማ ካብቲ ዘጋጥም ሳዕቤናት ብቕልጡፍ ንክሓውዩ ዝኽእሉሉ ፀጋታት ሃፍቲ ስለዘይብሎም ንፅልዋታት ዝያዳ ተቓላዕነት የጋጥሞም።

ምዝባዕ ለውጢ ክሊማ ድማ ካብ ዘስዕቦ ድርቂ ብተወሳኺ ዝተፈላለዩ ኣዝርእቲ ዘጥቅዑ ባልዓት ከም ዕስለ ኣምበጣን ኣዕዋፍን ተጠቀስቲ ‘ዮም ።ምናልባት ሓረስቶት ብዛዕባ ኩሉ ዓይነት ኣዕዋፍ ምሉእ ብምሉእ ክሻቐሉ ኣየድልዮምን ይኸውን። ከምዝፍለጥ ብዙሓት ዓይነታት ኣዕዋፍ ንፍርያት ዝራእቲ ክጠቕማ ዝኽእላን ከም ገለ ባልዓት ኣዝርእቲ ዝበልዓ ኣዕዋፍ ብመንፅር ድሕነት ምግቢ ብዙሕ ሓደገኛ ዘይክኾና ይኽእላ ‘የን። ዝተወሰና ዓይነታት ኣዕዋፍ ድማ ካብ ካልኦት ንላዕሊ ንኣዝርእቲ ዝያዳ ሓደጋ ዘስዕባን ኣብ ድሕነት ምግቢ ፀገም ከምዝፈጥራን ሰብ ሞያ እቲ ዓውዲ የመላኽቱ።

ፉድ ሴፍቲ ኒውስ ኮም ዝብሃል መርበብ ሓበሬታ ከምዝሕብሮ ድማ ፤ ኣብ ልዕሊ ደቂ ሰባት ፀገም ዝፈጥሩ ከም ጣንጡ፣ ኣንበጣን ኣንጭዋታትን ዝበሉ ብምብላዕ ኣገዳሲ ግደ ዝፃወታ ኣዕዋፍ ከምዘለዋ ኩሉ፤ ብምጥፋእ ምህርቲ ኣእካል ‘ውን ብሓያል ምንካይ ከስዕባ ከም ዝኽእላን ኣብ ሕርሻ ፅዕንቶ ዘሕድራ ‘ውን ቀለልቲ ኣይኮናን። ኣብ ገለ ከባቢ ትግራይ ብፍላይ ኣብ ከባቢ ራያ ዓዘቦ ዝርኣያ ዘለዋ ዕስለ ወራር ኣእዕዋፍ ‘ድማ ሓደ ካፍተን ኣብ ሕርሻ ልዑል ፅዕንቶ ዝፈጥራ ኣለዋ ‘የን።

ስለዝኾነ መፍራይነት ሕርሻ ውፅኢታዊ ንምግባር ድማ ጠቐምቲ ነፍሳት ብምዕቃብ እቶም መጥፈእቲ ባልዓት ድማ ምክልኻል ኣገዳሲ ‘ዩ። ዝራእቲ ካብ ወራርን ዕንወትን ንምክልኻል ካብ ባህላዊ መከላኽልታት ጀሚሩ ክሳብ ዝተፈላልዩ ከሚካላትን ካልኦት ውፂኢት ቴክኖሎጂታት ብምጥቃም ከምቲ በቢከባብኡ ዝግበር ዘሎ ምክልኻል ሜላ ብተወሳኺ ድማ ፀገማትና እንብሎም ባልዓት ናብ ረብሓ ብምውዓል እንከላኸለሎም ሜላታት ምንዳይ’ውን ኣገዳሲ ከይኮነ ኣይተርፍን።

ከምዝፍለጥ ኣብዝሓ ዓበይቲ ምህዞታት ዓለምና ንዘጋጠሙ ፀገማት ኢድ ብዘይ ምሃብ ዝግበር ኣለሻ መፍትሒታት ዝፍጠሩ ‘ዮም እንተተብሃለ ካብ ሓቂ ዝረሓቀ ኣይከውንን። ሓደ ዝኾነ ፀገም ንኻሊእ ረብሓ ዝኾነሉ ዕድል ከምዝሎ ከዓ ፍሉጥ ‘ዩ። ስለዝኾነ ከምባልዓት ዕስለ ወረርቲ ኣዕዋፍን ኣንበጣን ዝበሉ ፀገማት ንኻልኦት ከም እታወታት ተጠቂምካ ናብ ረብሓ ዝቀየረሉ ዕድል ዕፅው ኣይከውንን።

ኣብዚ ኣብነት ዝኾን ብዙሕ ምጥቃስ ይከኣል ‘ዩ። ሓደ ካብኦም ኣብዚ እዋን ንምግብነት ሰባት ክውዕል ዝኽእለሉ ዕድል እንተሃለወ ‘ውን ማሕበረሰብና ምስ ዘለዎ ባህሊ ኣመጋግባ ብቀሊሉ ነዚ ዝቅበል ክኸውን ስለዘይኽእል፤ ነዚ ገዲፍና ንቀለብ እንስሳት ግና ዘይኾነሉ ዕድል የለን። ብፍላይ ኣብ ምርባሕ ደራሁን መሰልን ዝተሰማረዩ ኣካላት ንቀለብ ደራሁን ብዝምችው ተዳልዩ ፍሩሽካ ብምግባር ካብ ምቁፅፃርን ምክልኻልን ባልዓት ብተወሳኺ ልዑል ኢኮኖሚያዊ ረብሓ ከርክብ ምኽኣለ።

ሓደ ሓደ ሃበሬታት ከምዘማልክቶ ከም ኣምበጣ ዝበሉ ነፍሳትን ገለ ኣዕዋፍን ኣብ ሓደ ሓደ ሃገራት ዓረብን ሃገራት ምብራቅ ኣፍሪቃን ተፈታዊ ባህላዊ ምግቦም ከምዝኾነ ይግለፅ ‘ዩ። ንኣብነት ምግቢ ኣምበጣ መጠን ፕሮቲኑ ብሓፈሻ ክሳብ 70 ሚኢታዊ ክበፅሕ ይኽእል ‘ዩ ይብሉ፤ እዙይ ማለት ድማ ካብ 100 ግራም አምበጣ ካብ 30 ክሳብ 70 ግራም ዝኸውን ፕሮቲን -ሰውነት ዝሃንፁ ንጥረ ነገራት ክርከቦም ከምዝኽእል ኣብ ማእኸል ዓለምለኻዊ ምርምር ስነ- ምህዳር ነፍሳት ዝሰርሑ ገለ ሳይንቲስታት ይሕበሩ ።

ገለ ሓበሬታት ከምዘማላኽትዎ፤ ሓደ ሓደ ሃገራት ኣንበጣ ሰደድ ብምግባር ናይ ወፅኢ ሸርፊ ‘ውን ከምዝረኽባሉ ይግለፅ ‘ዩ። ንኣብነት ኣምበጣ ብደረጃ ቛንጣ ተዳልዩ ካብ ዩጋንዳ ናብ ኬኒያ ሰደድ ይግበር። ንሓደ ኪሎ ክሳብ 1500 ገንዘብ ኬኒያ (15 ዶላር) ድማ ዋጋ የውፅእ።

ብኻሊእ ወገን ከምዝፍለጥ ባልዓት ኣዝርእቲ ንምጥፋእ ብዙሕ ገንዘብን ጉልበትን ‘ዩ ዝፈስስ። ብዶላራት ተግዚኡ ብዝመፅእ ከሚካል ድማ ካብ ወፃኢኡ ብተወሳኺ ከም ኣናህብ ዝበሉን ካልኦት ጠቐምቲ ነፍሳት ሓቢሮም ንክጠፍኡ ስለዝግብር ኣፍራይነት ሕርሻ ይቕንስ። ስለዚ እቶም ብዙሓት ኣዝርእትና ዘጥፍዑ ባልዓት፣ ከም መረበብ ዝበሉ ወይ ካልእ ዓይነት መፅወድያ ብምሓዝ እንተስ ንምግብነት እንስሳት እንተስ ንሰደድ ብምውዓል ፀገማትና ናብ ረብሓ ብምልዋጥ ናይ ስራሕ ዕድል ከፈጥሩልና ዶ ኣይኽእሉን ትብሉ?

ብዙሕ ዘይተለመደ ነገር ንኻልኦት ኣእሚንካ ብቀሊሉ ኣብ ስራሕ ኣውዒልካ ካብ ፀገማት እንብሎም ተረባሒ ንምዃን ቁሩብ ዝፍትን ‘ኳ እንትኾነ፤ ኣብ ኸይዲ እዋን ግና እዚ ፀገም ናብ ረብሓና እንቅየረሉ ዕድል ዕፅው ኣይከውንን እሞ ክንቅይሮምን ክነትርፎምን ዘይንኽእል ወይ ልዑል ዋጋ ክፍሉና ዝኽእሉ ፀገማትን ፈተናታትን ብልሓት ምህዞ ብምጥቃም ካልኦት ናብ ረብሓ ናብ ፀጋ ክቅይርዎም ክኢሎም ‘ዮም። ኣንሕና ‘ውን ፀጋማትና ናብ ረብሓ ዘይንቅየረሎም ምኽንያት የለን ዝብል ሓሳብ ‘ዩ ዘለኒ ፡፡ወደሓንኩም።

እዚ ዓምዲ ኣብ ዝተፈላለዩ ፖለቲካዊ፣ ኢኮኖሚያዊን ማሕበራዊን ጉዳያት ዜጋታት ናፃ ሓሳቦም ዝህብሉ እዩ። ኣብዚ ዓምዲ ዝወፅኡ ፅሑፋት ናይ ክፍሊ ምስንዳእ ቅዋም አይኮኑን።

ኣብርሃ ሓጎስ

ወጋሕታ 12 መጋቢት 2016 ዓ.ም

Recommended For You