ኣለሻ ወርቅታት ቅዱስ ያሬድ

ኣብ ዓለም ካብ ዝነበሩ ቀዳሞት ብስልጣነ ኣብ ልዑል ብራኸ ካብ ዝበፅሑን ብታሪኽ ካብ ዝፅውዑን ሃገርና ሓንቲ ‘ያ። ስልጣነ ሃገርና ሓፍ ኢሉ ካብ ዝተረኣየሉ እዋናት ድማ ሓደ ኣብ ሻድሻይ ክፍለ ዘመን ዝነበረ ብዙሓት ወርቃዊ ስራሕቲ ዝተረኣየሉ እዋን ‘ዩ ምባል ይከኣል። ብኪነ ጥበብ፤ ስነ ጥበብ፤ ብስነ ፅባቀን ስነ ፈለግን ተፈላጢት ካብ ዝገበርዋ ከም ስራሕቲ ጥበብ ቅዱስ ያሬድ ዝበሉ ተጠቀስቲ ‘ዮም።

እዞም ዓለም ዘደንቁ ብዙሓት ወርቃዊ ስራሕትታት ቅዱስ ያሬድ ኣብዚ እዋን ብግቡእ ተመርሚሮም ተፈሊጦም ተዓቂቦም ‘ዮም ክብሃሉ ኣይከኣልን። ስለዝኾነ ‘ውን ናይዚ ኽባርነት ዋጋ ዝተረድኡ ሓደ ሓደ ውልቀ ሰባትን ትካላትን ነዚ ወርቂ ዝኾኑ ስራሕቲ ንምትእልላሽ ምንቅስቃሳት ዝጅምሩ ኣለው ‘ዮም። ካብ ዚኦም ከም ወመዘክር ቤተ መዛግብትን ቤተ መፃሕፍትን ኢትዮጵያን ትካል ያሬዳዊ ጥበብ፤ ስነ ውበትን መበልፀጊ ክዋነ ጥበብን ኢትዮጵያን ዝጥቀሱ ‘ዮም።

እዞም ክልተ ትካላት ማለት ‘ውን ወመዘክር ቤተ መዛግብትን ቤተ መፃሕፍትን ኢትዮጵያን ትካል ያሬዳዊ ጥበብ፤ ስነ ውበትን መበልፀጊ ክዋነ ጥበብን ኢትዮጵያን ብሓደ ኮይኖም ብምትሕበባር ኣብ ቀረባ እዋን 21 ለካቲት 2016 ዓ.ም ሓደ ናይ ሓሳብ መተኣኻኸቢ መድረኽ ኣዳልዮም ነይሮም። ኣብዚ መድረኽ ንስራሕቲ ያሬዳዊ ጥበብ መዳርግቲ ኣካላት ዝኾኑ ምሁራት ኢትዮጵያ ኦርቶዶክስ ቤተክርስትያንን ከምኡ ‘ውን ብዙሓት ሰብ ሞያ ሙዚቃን ታሪኽን ኣብ ኣደራሽ ወመዘክር ተራኺቦም ዝተፈላለዩ ሓሳባት ብምልዓል ዘትዮም ‘ዮም።

ኣብዚ ኣደራሽ ካብ ዝተረኸቡ ዕዱማት ኣጋይሽ መጋቤ ምስጢር ኣፈወርቅ ተከለ ካብ ፍርያት ቅዱስ ያሬድ ዝኾኑ ስራሕቲ ብምዝኽኻር ስፍሕ ዝበለ ዳህሳስ ፅሑፍ ኣቕሪቦም ‘ዮም። ከምኡ ‘ውን ፀሓፊ ተውኔት ኣያልነህ ሙላት ያሬድ ክንድምንታይ ንፈለጦ? ብምባል መንነት ቅዱስ ያሬድ ነዚ ወለዶ ኣመልኪቶም ‘ዮም። ከምኡ ‘ውን ጋዜጠኛ ንጉሰ ኣክሊሉ ድማ ብሓዘል ወግዒ ሓሳቦም ብቅኔ ዜማ ነተዓዳሚ ጋሻ ኣቅሪቦም ‘ዮም። ተፈላጢ ዘኾነ ናይ ጥበብ ሰብ ሰርፀ ፍሬስበሃት ድማ ዜማ ቅዱስ ያሬድ እናስምዐ ብሞይኡ ብዛዕባ ዜማታት ያሬድ ትነታነ ሂቡ ‘ዩ።

ኣብዚ መድረኽ ዝተረኸቡ ዕዱማት ኣብዙይን ኣብ ካለኦትን ዛዕባታት ትኹረት ብምግባር ‘ቶም ዝጠፍኡ ወርቅታት ያሬድ ንምእላሽ ፃዕሪ ገይሮም ‘ዮም። ኣብቲ ዕለት ካብ ዝተገበሩ ኣለሻታት ድማ ኣብ ወመዝክር ዝረከቡ ጥንታዊ መፃሕፍቲ ግዕዝን ዓረበኛን መጉበናይ ነይሩ። ኣብዚ ድማ ካብ ዩኒቨርስቲ ጅማን ወልቅጤን ብዝመፅኡ ሙሁራን መተሓባበርቲ ኣብ ዙርያ እቲ ቅርሲ መብራሀርሂ ሂቦምሉ። ምስ ስእላዊ መግለፂ ኣብ መፃሕፍቲ ብራናታት ዘለው ስራሕቲ ኪነ ጥበባዊ ቀዳሞት ወለዲ ዘርኢ ‘ዩ ኢሎም።

ኣብ ታሪኽ ኢትዮጵያ ውሽጢ ዘመነ መንግስቲ ኣኽሱም ክርስትና ናብ ልዑል ብርኪ ሓፍ ዝበለሉ እዋን ከምዝነበረ ይዛረቡ፤ ኣብቲ ዘመን ካብ ዝነበሩ ኾኾባት ቅዱስ ያሬድ ሓደን ዋናን ‘ዩ ነይሩ። ይኹን ‘ምበር ኣብቲ እዋን በይኑ ዘይኮነ ነይሩስ፤ ከም ሃፀይ ገብረመስቀልን ኣቡነ ኣርጋዊን ዝበሉ ከምዘነበሩ ይሕብሩ።

ሎሚ ኣለሻ ወፂእናሉ ዘለና ወርቂታት ቅዱስ ያሬድ ብእዋኑ ንክወፀኡን ዓለም ክፈልጦም ብዘይምገባረና ሎሚ ብዙሕ ነገር ኢና ስኢንና ዘለና ይብሉ ገለ ሙሁራት። ንኣብነት ብብርኪ ዓለም ዝፍለጥ ዘመናዊ ኖታ ዝተፍለጠ ብ10ይ ክፍለ ዘመን ብጣልያናዊ ናይ ሙዚቃ ሊቅ ዘኾነ ጊዶ ኣሪዞ ከምዝኾነ ‘ዩ። ዓለም’ውን ዝትፈልጦ ናይ መጀመርያ መሃዚ ኖታ እዚ ጣልያናዊ ‘ዩ። ዓለም ከምዚ እንተበለት ውን እቲ ዋና ሓቂ ግና ቅድሚኡ ሓሙሽተ ክፍለ ዘመን ቅድም ኣቢሉ ኣኽሱማዊ ቅዱስ ያሬድ ኖታ ምሂዙ ከምዝነበረ ‘ዩ።

ቅዱስ ያሬድ ኣብ ሻድሻይ ክፍለ ዘመን ዝተርኣየ ናይ ሙዚቃ ሊቅ ‘ዩ ነየሩ። ኣብ ሞንጎ ክልቲኦም ዘሎ ኣፈላላይ ናይ ዘመን ርሕቐት ፈፂሙ ዝራኸብ ኣይኮነን። እቲ ሓቂ ከምዚ ኮይኑ ግና ክሳብ ሐዚ ብሱቅታ ዝተቀበለናዮ ንምንታይ ይኾን፤ ናይ ያሬድ ኖታ ብዙሓት ከምዘኾኑ እንተተገለተፀ ‘ውን ብወናነት ግና ድርሰት ዜማታቱ ምስ ኖታኦም ዘለው ግና ሓሙሽተ ‘ዮም።

ናይ ያሬድ ጥበብ መንፈሳዊ ጥራሕ ከምዘኾነ እንሓስብ ብዙሓት ኢና። ብውስን መልክዑ ሓቂ እንትኾነ ‘ውን ሙሉእ ግና ኣይኮነን። ምኽንያቱ ኣርባዕተ ቅኒት ሙዚቃ ኢትዮጵያ እንተርኢና ካብ ያሬድ ሙዚቃ ዝወፅኡ ከምዘኾኑ ኢና ንርዳእ። ብፍላይ ፅንሕ ዝበሉ ሙዚቃታት ኢትዮጰያ ያሬዳዊ ስልቲ ሙዚቃ ብንፁር ‘ዩ ዝርአይ።

ብምተሕብባር ወመዘክር ቤተ መዛግብትን ቤተ መፃሕፍትን ኢትዮጵያን ትካል ያሬዳዊ ጥበብ፤ ስነ ውበትን መበልፀጊ ክዋነ ጥበብን ኢትዮጵያ ዝገበረዎ ፅቡቅ ተበገሶ ኣለሻ ወርቅታት ቅዱስ ያሬድ እዚ ዝጠፍአ ወርቅታት ንምርካብ ከምዝተበገስዎ ካልኦት ‘ውን ኣሰሮም ብምስዓብ ነቲ ዝጠፍአ ኣሊሾም ረኺቦም ብግቡእ ኣፋሊጦም ንክዕቀብዎ ዝገበርዎ ፃዕሪ ይበል ዘብልን ዝበረታታዕን ‘ዩ በዚ ‘ውን ቀፅሉሉ ክንብል ንፈቱ።

ኣብርሃ ሓጎስ

ወጋሕታ  5 መጋቢት 2016 ዓ.ም

Recommended For You