ጥንታዊ ጥበባት የሓ

ደቂ ሰባት ካብ ጥንቲ ጀሚሮም ዋላ ዘመናዊ ትምህርቲ ኣይንበሮም ናይ በዓሎም ፍልጠትን ጥበብን ነይርዎም ‘ዩ:: ፊደላትን ቑፅርታትን ከይፈለጡ ሓሳቦም ብስእልታት ይገልፁ ነይሮም ‘ዮም::

ኣብ ትግራይ እንተወሲድና ኣብ ተፈላላዩ እዋናትን ቦታትን ዝተሰኣሉ ስእልታት ኣለዉ:: ብዝተፈላለዩ ስነ-ጥበባውያን ኣብ ዝተፈላለየ እዋናት ዝተሳኣሉ ብፍላይ ኣብ ቤተ ክርስትያናት ብበዝሒ ይርከቡ:: ከምኡ ‘ውን ዝተፈላለዩ ቕርፅታት ቐሪፆም ብምቕማጥ ሓሳቦም ይገልፁ ነይሮም ‘ዮም::

ንኣብነት ኣብ የሓ ቅድሚ ልደተ ክርስቶስ ከም ኣይቤክስ ስእልታትን ካብ ናይ ነሓስ ዝተሰርሑ ማሕተማትን ኣለዉ። እዚኣቶም ምስቲ ናይቲ እዋን ጥበብ ከትሪኦ እንተለኻ ኣዝዩ ሰሓባይ ‘ዩ:: ብቐለም ዝተሰኣሉ ጥንታውያን ስእልታት ‘ውን ኣብቲ ቤተክርስትያን ኣለዉ::

ብፍላይ ደሞ እቲ ቐለም ክሳብ ሕዚ ምፅንሑ ናይ ቀደም ሰባት ክንደይ ዝኣክል ብልሓትን ጥበብን ከምዝነበሮም ዘማላኽት ‘ዩ:: እቲ ቀለም ካብዝተፈላላዩ ቖፅላመፅሊ ዝተቀመመ ምዃኑ ሙሁራን ይዛረቡ:: እዚ ንበዓሉ ዓብዪ ጥበብ ‘ዩ:: እዚኦም ንሃገር ብመዳይ ቱሪዝምን ትምህርቲ ንምቕሳምን ዘለዎም ግደ ኣዝዩ ልዑል ‘ዩ:: ኮይኑ ግና ግቡእ ምንክብኻብ እናተገበረሎም ኣይኮነን::

ናይ ቀደም ስእልታት መብዛሕትኦም ኣብ መንደቕ ቤተክርስትያን ዝተሳእሉ ኮይኖም ኮይኑ ግና ግቡእ ምንክብኻብ ስለ ዘይግበረሎም ጉድኣት እናበፅሖም ይርከብ:: ብፍላይ ኣብ ኣካውሕ ዝተሳእሉ ብራህድን ሙቐትን ናብ ሓደጋ እናተቓልዑ ይርከቡ:: ሕብሮምን ቕርፆምን እናሃሰሰ ስለ ዝኸይድ ካብ ጥቕሚ ወፃኢ እናኾኑ ይርከቡ::

ኣብ ትግራይ ብዙሓት ብስእሊ ዝተቐመጡ ጥንታውያን ጥበባት ኣለዉ:: ብፍላይ ኣብ ቤተክርስትያናት ኣብ ጀዲድ ይኹን ኣብ መንደቅ ዝተሳእሉ ብዙሓት ‘ዮም:: ሓደ ካብቶም ጥንታውያን ገዳማት ኣብ ይሓ ዝርከብ ኣቡነ ኣፍፄ ምርኣይ ይከኣል ‘ዩ:: ኣቡነ ኣፍፄ ኣብ ሻዱሻይ ክፍለ ዘመን ድሕሪ ልደተ ክርስቶስ ካብቶም ትሻዓተ ቅዱሳን ካብ ኤውሮፓን ካብ ማእኸላይ ምብራቅን ናብ ኢትዮጵያ ትግራይ ዝመፁ ሓደ ‘ዮም::

እቲ ቤተክርስትያን ገዳም ኣቡነ ኣፍፄ ዝበሃል ኮይኑ ናብቲ ቦታ ምስ ምምፀኦም ተተሓሒዙ ኣብ 6ይ ክፍለ ዘመን ዝተመስረተ ‘ዩ:: ኣብቲ እዋን ዝተሳእሉ ስእልታት ሕዚ ‘ውን ኣለዉ:: እቲ ቦታ ብዙሓት ቕርስታት ዝሓዘ ‘ዩ:: ብፍላይ ከም ዓብዪ ቤተ መቕደስ የሓን ክልተ ካብ ከውሒ ተፀሪቦም ዝተሰርሑ መቓብራትን ይርከብዎ:: እዞም ጥንታዊ ጥበባት ወይ ቅርስታት ገሊኦም ቕድሚ 6ይ ክፍለ ዘመን ወይ ቅድሚ ልደተ ክርስቶስ ዝተቐረፁ ‘ዮም:: እዞም ጥበባት መስሕብ ቱሪስት ኮይኖም እናገልገሉ ይርከቡ::

እቲ ኣብ ከባቢ 7ይ ክፍለ ዘመን ቅድሚ ልደተ ክርስቶስ ብዝገርም ጥበብ ዝተሃነፀ ቤተ መቕደስ የሓ ‘ውን ኣሎ ‘ዩ:: እዚ ንኣምልኾ ተባሂሉ ዝተሰርሐ ከምዝኾነ ብመፅናዕቲ ዘረጋገፁ ሙሁራን ይዛረቡ:: እዚ ንእሽተይ ብርኽ ኣብ ዝበለ ቦታ ብዝገርም ምህንድስናዊ ጥበብ ዝተሰርሐ ‘ዩ::

ብኣዝዮም ዓበይቲ ዝተፀርቡ ኣእማን ዝተሰርሐ ‘ዩ:: ብዝገርም ፅርበት ዝተሃንፀ ‘ዩ። እቲ ህንፃ ጎኑ 18.5 ብ 15 ሜትር ዝዓቐኑ ትርብዒት ቕርፂ ዘለዎ ‘ዩ:: ከባቢ 14 ሜትር ቁመት ዘለዎ ኮይኑ ሓደ መእተዊ ኣለዎ። እቶም ኣእማን ነዋሕቲ ርቡዕ ኩርናዕ ቕርፂ ዘለዎም ‘ዮም:: ክሳብ 3 ሜትር ዝንውሓቱ ኣእማን ብምጥቓም ብዘይ መጣበቒ ማተርያል ዝተሃነፀ ‘ዩ::

መጋጥም እቶም መስመራት ብጥንቓቐ ዝተሰርሑ ‘ዮም:: ምንም ዓይነት ክፍትት የብሎምን:: ደጋዊ ይኹን ውሽጣዊ ገፅ እቲ ህንፃ ከትሪኦ እንተለኻ ኣዝዩ ጦውላህታ ዝፈጥር ‘ዩ:: ደጋዊ ገፅን ኩርናዓትን ከቢድ ኣቓልቦ ተዋሂቡዎ ዝተሰርሐ ‘ዩ። መንደቅ እቲ ቤተ መቕደስ ከትሪኦ እንተለኻ ኣብቲ ዘመን ንሱ ዝተሰርሐ ኣይመስልን:: ውሽጣዊ ክፍሊ ናይቲ ህንፃ መንደቕ ከትሪኦ እንተለኻ ዘገርም ጥበባዊ ኣሰራርሓ ቕርፂ ዘለዎ ህንፃ ‘ዩ::

ንጥንካረ ተባሂሉ ጠቕላላ ርጉዶም እቶም ኣእማን ኣስታት 60 ሴንቲ ሜተር ‘ዮም:: ኣብ ነንሕድሕዶም ተኣሳሲሮም ዝተሰርሑ ‘ዮም:: እቲ ምድር ቤት ‘ውን ብረጎድትን ፀፋሕትን ኣእማን ዝተሰርሐ ‘ዩ:: እቶም ንፃፍ ኣእማን ዝተፀረቡ ኮይኖም ዝተፈላለየ ስፍሓት ዘለዎም ‘ዮም፤ ገሊኦም 1 ሜትሮ ብ 50 ሴንቲ ሜትሮ፣ ገሊኦም 1 ሜትሮ ብ1ሜትር፣ 50 ሴንቲ ሜትሮ ብ50 ሴንቲ ሜትሮ ዝዓቐነኖም ‘ዮም።

እቲ ቤተ መቕደስ ኣብ 6ይ ክፍለ ዘመን ድሕሪ ልደተ ክርስቶስ ናብ ገዳም ዝተቐየረ ምንባሩ ምሁራን ይገልፁ:: ነዚ ከም መረዳእታ ዝጥቀምሉ ድማ ኣብ ውሽጢ እቲ ቤተ መቕደስ ዝርከብ ንመጥመቒ ዝጥቐምሉ ዝነበሩ ጉድጉድ ዝበለ ቕርፂ ‘ዩ:: እቲ ህንፃ ሕዚ ከም መስሕብ ቱሪዝም ኮይኑ እናገልገለ ይርከብ:: በዚ ድማ ብኢትዮጵያውያን ከም ቅዱስ ቦታ፣ ምልክት ሃገራዊ ኩርዓትን ባህላዊ መንነትን ዝቑፀር ኮይኑ ኣብ ታሪኽ ኢትዮጵያ ብፍላይ ድማ ኣብ ትግራይ ዓብዩ ቦታ ዘለዎ ‘ዩ::

መኣርግ ገ/ሄር

ወጋሕታ 03 ሚያዝያ 2016 ዓ.ም

Recommended For You