ዘተን ስልጠናን ንምድንፋዕ ምንቅስቃስ ቱሪዝም

ከምዝፍለጥ ኢትዮጵያ ብፍላይ ድማ ትግራይ ተፈጥራዊን ታሪኻውን ኣጣሚሩ ዝሓዘ መስሕባት ቱሪዝም ዝተዓደለት ዓዲ ‘ያ እንተተብሃለ ኩሉ ዝምስክሮ ሓቂ ‘ዩ። ካብቶም ብዙሓት ተፈጥሯዊን ታሪኻውን ኣጣሚሮም ዝሓዙ መስሕባት ቱሪዝም ድማ ከም ጎቦታት ገርዓልታን ኣደናቂ ምስልን ታሪኽን ዘለዎ ገዳም ኣቡነ ኣረጋዎን ዝኣምሰሉ ይጥቀሱ ‘ዮም።

እዞም ታሪኻዊ መስሕባት ቱሪዝም ነዊሕ ዘመናት ዘቑፀሩ ምስ ምዃኖም ድማ ብዓይኒ ዘፈር ቱሪዝም ልዑል ዋጋ ዝወሃቦም ምዃኖምን ብኡ መጠን ድማ ልዑል ቅርስነቶም ተዓቂቦም ንክፀንሑ ግቡእ ሓለዋን ምንክብካብን ዝጠልቡ ቦታታት ‘ዮም። ምስዚ ተተሓሒዙ ኣብዚ ሎሚ ቅነ ቀልቢ ብዙሓት ካብ ዝሰሓቡ ዛዕባታት ሓደ ጉዳይ ሊፍት ምስራሕ ኣብ ገዳም ደብረ ዳሞ ንምንታይ? ዝብልን ኣብቲ መስሕብ ቱሪዝም ዝኾነ ታሪኻዊ ገዳም ክስራሕ ዝተብሃለ ህንፃ ነቲ ገዳም ኣይፀልዎንዶ? ዝብሉ ሓሳባት ብፍላይ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢ ሓፋሽ ክንቀሳቀሱ ዝቀንዩ ሕቶታት ነይሮም ‘ዮም።

በዚ መሰረት ድማ ነዚ ሕቶ ንምምላስን ንምብራህን ሓላፊ ቢሮ ባህልን ቱሪዝምን ኣፅብሃ ገብረእግዚኣብሄር (ዶ/ር) ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢ ገፆም ከምዝገልፅዎ፤ እቲ ክህነፅ ዝተብሃለ ልዕሊ 7ዓመት ጀሚሩ ዝሕተት ዝነብረ ሕቶ እንትኾን ጥንታዊ ገዳም ደብረ ዳሞ ኣድሒንካ ካሊእ ተወሳኺ ግልጋሎት መውሃቢ ቤተ ክርስትያን ናይ ምስራሕ ሕቶ ‘ዩ።

እዚ ድማ ብልዑል ጥንቃቐ ንምትእንጋድ እናተሰርሐሉ ‘ዩ ዘሎ። ኣብ መንጎ ጥንታውን ሓዱሽን ዝኾነ ናይ ዲዛይን ቁመት እታወት ኣፈላላይ ከይህሉ እቲ ነባር ከይህሰ እናሰራሕና ኢና ዝበሉ እቶም ሃላፊ ቢሮ። ኣብዚ ልዑል ተሳትፎ ሰብሞያ ዩኒቨርሲቲን ቢሮ ባህልን ቱሪዝምን ሕድሕድ ምንቅስቃሱ ዝካታተልዋ ስራሕ ከምዝኾነ ኣብሪሆም ‘ዮም።

ይስራሕ ኣሎ ዝተብሃለ ሊፍት ከዓ ቀዋሚ መደየቢ እቲ ገዳም ዘይኮነስ፤ እውናዊ ከበድቲ ኣቁሑ ህንፀት ንምድያብ ጥራሕ ዝውዕልን እቲ ስራሕ ምስተወድአ ድማ ተነቂሉ ዝድርበ ‘ዩ። እታ ጥንታዊት መደየቢ ገመድ ንኻሊእ ዕላማ ምውዓል ናይ ባዕሉ ሳዕቤን ስለዘለዎ። ንስራሕ ሊፍት ንምጥቃም ተመራፂ ክኸውን ተገይሩ ‘ዩ። ብተመሳሳሊ ኣብ ታሪኻዊ ገዳም ደብረ ዳሞ ዘንፀላለሉ ሓደጋታት ብርክት ዝበሉን ዘመናት ተሳጊሮም ዝመፁን እንትኾኑ መፍትሒ ንምንዳይ ብርክት ዝበሉ ምይይጣት ተኻይዶም ኣንፈት ‘ውን ከምዝተቀመጠሉ ተሓቢሩ ‘ዩ።

ከም መብርሂ ሓላፊ ቢሮ፤ ኣብ ቀረባ እዋን ዝተርኣዩ ኣሉታዊ ምዕባለታት ንምስትኽኻል ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ቢሮ ባህልን ቱሪዝምን ብዕለት 18/07/2016 ዓ.ም ኩነታት እቲ ገዳም ብኣካል ንምዕዛብን ፀገማት እቲ ገዳም ንምፍታሕን ብፍላይ ድማ ምዕቃብ ክብርታትን ዘይትከኡ ሓድግታትን እቲ ገዳም ፍሉይ ትኩረት ንክግበረሎምን ቢሮ ባህልን ቱሪዝምን ሙሁራት ዩኒቨርሲታት መቐለን ዓድግራትን ምስ ላዕለዎት ሓለፍትን ሰብ ሞያን ወረዳ ጉሎ-መኸዳ፣ ወረዳ ቤተ-ክህነት፣ ሃገረ-ስብከት ዞባ ምብራቕ ትግራይ፣ ኣመራርሓ ጣብያን ቁሸትን፣ ተወከልቲ ከባብያዊ መጎብነይቲ፣ ከምኡ ድማ ምስ ኣቦታት እቲ ገዳም ስፍሕ ዝበለ ዘተ ተኻይዱ ‘ዩ።

ኣብ ዙርያ ፅገና እቲ ጥንታዊ ገዳም፣ ወሰን ዋንነትን ምሕደራን እቲ ገዳም፣ ስራሕቲ መልግብ፣ ህንፀት ሓዱሽ ቤተክርስትያንን ካልኦት ፀገማትን እቲ ገዳም ኣንፈት ተቀሚጥሎም ‘ዩ። ኣብቲ ዝተጀመረ ዝነበረ ዘይተናበበ ጉዕዞ መልክዕ ክሕዝ ተገይሩ ። ብሰብሞያታት ተገምጊሙ ቅቡልነት ዝረኸበ ዲዛይን ጥራሕ ናብ መሬት ከምዝወርድ፣ ቅድሚ ኮሮና ዝተጀመሩ (ምዝገባ ዩኔስኮ እቲ ገዳም ዝፃብኡ) ህንፀት መልግብን ካልኦትን መልክዕ ክሕዙ፣ እቲ መደየቢ ከበድቲ ኣቁሑት ህንፃ ድሕሪ ግልጋሎቱ ተነቂሉ ክድርበ ከምዘለዎን ጥንቃቀ ዝተመልኦ ሰራሕ ክስራሕ እንተዘይኮይኑ ሓድጊ ኣብ ሓደጋ ዘውድቕ ዝኮነ ስራሕ ከምዘይፍቀድ ምርድዳእ ተፈጢሩ ‘ዩ። ኩሎም ዝተረኸቡ ኣካላት ‘ውን ንሓለዋን ክንክንን እቲ ጥንታዊ ሓድጊ እጃሞም ከም ዝፃወቱ ኣረጋጊፆም ‘ዮም።

ከምዝፍለጥ ገዳም ደብረዳሞ ኣብ 537 ዓ.ም ብሃፀይ ንጉስ ገብረመስቀል ከም ዝተመስረተ ዝንገረሉ ኮይኑ፣ ኣብ ትግራይ ጥንታውያን ካብ ዝባሃሉ ገዳማት ‘ቲ ሓደ ‘ዩ። እዚ ገዳም ስፍሓቱ ካብ ሰሜን ምዕራብ ናብ ደቡብ ምብራቅ 1000 ሜትር ዝዝርጋሕ ስፍሓት ዘለዎ ገዳም ‘ዩ። ብገደላት ዝተኸበበን 15 ሜትር ንውሓት ኣብ ዘለዎ ጎቦ ዝባን ኣብ ዝርከብ ሜደ ዝርከብ ገዳም ‘ውን ‘ዩ።

ኣብ ዝባን ገዳም ደብረ ዳሞ ክልተ ቤተ ክርስትያናት ዘለዉ ኮይኖም ብኣኽሱማዊያን ኪነ ህንፃ ዝተሃነፁ ‘ዮም። እቲ ብሃፀይ ገብረ መስቀል ከም ዝተሃነፀ ዝንገረሉ ቤተ ክርስትያን ብዝተፀረቡ ዕንፀይትን መንደቕን ብምጥቃም ዝተሃነፀ ኮይኑ ብተለምዶ ሳንድች እናተባሃለ ዝፀዋዕ ኣኽሱማዊ ኪነ ህንፃ ዝወነነ ‘ዩ። ኣብ ውሽጢ እዚ ገዳም ብርክት ዝበሉ ሓድጊታት ይርከቡ። ካብ ኣቶም ገለ ንምጥቃስ ከባቢ 12 ዝኾኑ ናይ ወርቂ መስቀል፣ ብወርቅን ብርን ዝተሰርሑ ቅዱሳን መፃሕፍቲ፣ ናይ ሃወርያ ጳውሎስ ታሪኽ ዝገልፅ መፅሓፍን ካልኦት ምግላፅ ይከኣል።

ኣቡነ ኣረጋዊ ካብቶም 9 ቅዱሳን ሓደ ኮይኑ አብ ዞባ_ምብራቕ ትግራይ ጣብያ 70 ዳሞ (ሰብኣ ዳሞ) ዝርከብ እንትኸውን አብ ልዕሊ 60 ሜትሮ ንውሐት ዘለዎ እምባ ዝተመስረተ ‘ዩ። ከም ገመድ ዝተተንገ ምራን ብምጥቃም ንከባቢ 15ሜ ንውሓት ዝኣክል መደየቢ ኮይኑ የገልግል። እዚ ብባዕሉ ካብ ካልእ ገዳማት ፍልይ ዘብሎ እንትኸውን ትኹረት ብዙሕ ዑደተኛ ዝስሕብ ‘ዩ።

በኻሊእ ወገን ድማ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ካብ ዝተገበሩ ንጥፈታት ሓፈሻዊ ስልጠና ኸባቢያዊ መጎብነይቲ ትግራይ ‘ዩ።እዚ ዝተኻየደ ስልጠና ኣምባሳደራት ቱሪዝም ትግራይ ዝኾኑ ልዕሊ 100 ኸባቢያዊ መጎብነይቲ ትግራይ ሓፈሻዊ ምዕባለ ዓለምለኸ ቱሪዝም ቢዝነስ፣ ኩለመዳያዊ ፀለውቲ ሃገራውን ዓለምለኻውን ምዕባለታት፣ ኣድላይነት ምትእትታው ፈጠራ ማእኸል ዝገበረ ምህርቲ ቱሪዝም፣ ኣገዳስነት ኣጠቃቅማ ቴክኖሎጂ ንዝበለፀ ተወዳዳሪነት ቱሪዝም ትግራይ፣ ምዕሩይነት ኣወሃህባ ታሪኽ መስሕባት ትግራይ፣ ኣድላይነት ምዝማን ግልጋሎት ምጉብናይ ኣጋይሽን ተዛመድቲ ዋኒናትን ስልጠና ኣብ ከተማ ውቕሮ ከምዝተወሃበ ዝተገለተፀ ኮይኑ እዚ ድማ ተጠናኺሩ ክቅፅል ዘለዎ ጉዳይ ‘ዩ።

ኣብርሃ ሓጎስ

ወጋሕታ 26 መጋቢት 2016 ዓ.ም

Recommended For You