ኢትዮጵያ ኣብ መበል 13 መላእ ፀወታታት ኣፍሪካ

መርኣያ ፓን ኣፍሪካ ካብ ዝኾኑ ውድድራት ስፖርት ሓደን ዋናን ፀወታታት መላእ ኣፍሪካ ከም ኣቆፃፅራ ኣውሮፓ 1965 ንመጀመርያ እዋን ብኣደላውነት ኮንጎ ‘ዩ ነይሩ ዝተኻየደ።

ኣብ ኦሎምፒክ መርህን ስርዓትን በቢ ኣርባዕተ ዓመቱ ዝካየድ እዚ ውድድር ብሕብረት ኣፍሪካ ፣ ብብሄራዊ ኦሎምፒክ ኮሚቴታት ከምኡ ‘ውን ብኣፍሪካ ናይ ስፖርት ኮንፌዴሬሽን ብሓባር ዝምራሕ ‘ዩ። ካብ ግዜ ናብ ግዜ እናዓበየን እናሰፍሐን ብምምፃእ ንኦሎምፒክ ከም መፃረይ ውድድር ክሳብ ምጥቃም ዝበፅሐ ግደ ‘ውን ኣለዎ።

ኣዋርሕ ዝተረፍዎ ናይ ፓሪስ 2024 ኦሎምፒክ ስዒቡ መላእ ፀወታታት ኣፍሪካ ብኣዳላውነት ጋና ንመበል 13 ግዜ ምክያድ ካብ ዝጅምር መዓልትታት ተቖፂሮም ‘ዮም። ምዕራብ ኣፍሪካዊት ሃገር እቲ ውድድር ኣብ ዋና ከተማ ኣክራ ከምኡ ‘ውን ካልኦት ከተማታት እናዳለወት ‘ያ። 3

በቲ ምድላው ድማ 145 ሚልየን ዶላር ወፃኢ ብምግባር እቲ ኦሎምፒክ ብርኪ ብዝሓለወ መዘውተሪ ስፖርት ከምዝሃነፀት ኣፍሊጣ ‘ያ። ንሰለስተ ሰሙን ንዝፀንሕ በዚ ውድድር ካብ 54 ሃገራት ኣፍሪካ ዝተውፃፅኡ ብኣሽሓት ዝቑፀሩ ኣትሌታት ብ30 ዓይነት ስፖርት ውድድር ንሰዓርነት ዝወዳደሩ ‘ዮም።

ቅድሚ ዉሑዳት መዓልትታት እቲ ውድድር ዝተጀመረሉ እዋን ዝተኻየደ ጠረንጴዛ ቴኒስ ግብፂ ብኽልቲኡ ፆታ ሰዓሪት ኾይና ‘ያ። በዚ ውድድር ዝተሳተፈ ብሄራዊ ጋንታ ኢትዮጵያ ኣይተሳኸዐሉን። ናይ ደቂ ኣንስትዮ ብሄራዊ ጋንታ ናብ ፍርቂ ፍፃመ ንምሕላፍ ዘኽለን ፀወታ ብናይጀርያ 3ን0 ተሳዒረን ‘የን። ናይ ደቂ ተባዕትዮ ጉጅለ ድማ ናይ መጀመርያ ዙር ፀወታ ካብ ም ድቡ ምሕላፍ ኣይካኣለን።

ኢትዮጵያ ኣብ መላእ ኣፍሪካ ፀወታታት ዝተሳተፈትሉ ካልእ ውድድር ድማ ሓመሳ ማይ እንትኾን ፤ ብደቂ ኣንስትዮ ብ100 ሜትሮ ንፍርቂ ፍፃመ ሓሊፋ ‘ያ። ብኽልቲኡ ፆታ ናይ ቢራቢሮ ቐዘፋ ሓመሳን ሚኢትን ሜትሮ ውድድራት ዝተኻየደ እንተኾን ‘ውን ኣብቲ ውድድር ሃገራ ብምውካል ዝተሳተፈት ብርሃን ደመቀ ብምሕላፋ ንሳ ጥራሕ ውድድር ፍፃመ ከምትካፈል ተፈሊጡ ‘ዩ።

ኣብ መላእ ፀወታታት ኣፍሪካ ውድድር ዝካየደሎም ስፖርት እቶም 7 ስፖርትታት ኦሎምፒክ ‘ዮም። ካብዚኦም ኢትዮጵያ እቶም ሓሙሽተ ( ኣትሌቲክስ ፣ብስክሌት ፣ ሓመሳ ማይ ፣ጠረጴዛን ሜዳን ቴኒስ ) ውፅኢት ንምምፃእ ተሊማ ‘ያ። ብሓፈሻ 149 ኣትሌታት ዝሓቁፍ እቲ ጉጅለ ብኣትሌቲክስ ፣ ኩዕሶ እግሪ ፣ቦክስ ፣ ብስክሌት ፣ ወርልድ ቴኳንዶ ፣ ሜዳ ቴኒስ ፣ ጠረጴዛ ቴኒስ ፣ሓመሳ ማይን ኩዕሶ ስክዒትን ስፖርት ክትፎኻኸር ‘ያ።

በዚ መድረኽ ውድድር ብዙሓት ሜዳልያታት ብምምዝጋብ ቀዳማይቲ ዝኾነት ግብፂ እንትትኸውን ፤ 1ሽሕን 635 ሜዳልያታት ኣቁፂራ ‘ያ። ናይጀርያን ደቡብ ኣፍሪካን ድማ ካልኣይን ሳልሳይን ብርኪ ብምሓዝ ተኸተልቲ ኾይነን ‘የን። 174 ሜዳልያ ዘለዋ ኢትዮጵያ ድማ ኣብ መበል 7 ብርኪ እንትርከብ ፤ ካብዚኦም ውሽጢ እቶም 45 ናይ ወርቂ ፣ እቶም 54 ናይ ብሩር ከምኡ ‘ውን 75 ነሓስ ሜዳልያታ ‘ዮም።

መሰረት ገብረዮሃንስ

ወጋሕታ  5 መጋቢት 2016 ዓ.ም

Recommended For You