“ትግራይ ብዙሕ ሃፍቲ ዝዓነዋ ምስ ምዃና ካብ ካልኦት ክልላት ፍልይ ዝበለን ተወሳኺ ትኹረትን ሓገዝን የድልያ” -ኣይተ ምኪኤል ምሩፅ

‹‹ኣብ ትግራይ በልጊ ተጠቀምቲ ዝኾና ከባቢታት ናብ 15 ሽሕ ሄክታር ክነልምዕ ተሊምና ንሰርሕ ኣለና። ክሳብ ሐዚ ናብ 2548 ሄክታር ዝኣክል ብዝተፈላልዩ ዓይነት ዝራእቲ ይለምዕ ኣሎ ‘ዩ። ካብዚ ብተወሳኺ ኣብ ናይ ልምዓት መስኖ ስራሕትና ‘ውን ብርክት ዝበሉ ዓይነታት ዘርኢ ክበቁሉ ብምግባር እቲ ቅድም ኢሉ ኣብቲ ናይ ክረምቲ መፍረይነት ዝሰኣናዮምን ምህርቲ ከም መመለኢ ተሓሳቢ ተገይሩ ይስራሕ ኣሎ።

ቅድሚ ሐዚ ብዝተፈላለየ ምኽንያት እታወታት መዳበርያ ድሒሩ ‘ዩ ዘምፅእ ነይሩ። ነቲ ሓረስታይ ‘ውን ዘንጊዑ ዝበፅሕ ስለዝነብረ ብዙሕ ኣብ ጥቅሚ ዘይወዓለሉ ኩነታት ነይሩ ‘ዩ። ሎሚ ዘበን ግን ብዝተፈለየ ብመንግስቲ ፌደራል ብፍሉይ ድማ ብሚኒስቴር ግብርና ቀዲምና ዘድልየና መዳበርያ ብዘውፅኦ ፕሮግራም መሰረት ኣብዚ ሐዚ ሰዓት ብርክት ዝበለ መዳበርያ ናብ ክልልና ኣትዩ ‘ዩ።

ከም ክልል በቢዓመቱ ልዕሊ 100 ሚሊዮን ፈልሲ ንተክል ነይርና ኢና። ኣብዝ ሐዚ እዋን ግና ከምኡ ዓይነት ዕድል የብልናን።›› ነዚ ዝበሉ ናይ ሎሚ ጋሻና ኣብ ቢሮ ሕርሻን ሃፍቲ ተፈጥሮን ክልል ትግራይ ዳይሬክተር ኮሙኒኬሽን ዝኾኑ ኣይተ ምኪኤል ምሩፅ ምስ ጋዜጣ ወጋሕታ ኣብ ዝገብርዎ ፃንሒት’ዩ። ኣብ ዛዕባ ሕርሻ ፅድያ ወይ በልጊ፣ ስራሕቲ ዕቀባ ሓመድን ማይን ከምኡ ‘ውን ኣብ መስኖን ቀረብ እታወታትን ዝኣመሰሉን ካልኦትን ከምዝ ዝስዕብ ኣቅሪብናዮ ኣለና ሰናይ ንባብ:-

ወጋሕታ:- ኣብዚ እዋን ምንቅስቃስ ሕርሻ ትግራይ ከመይ ይኸይድ ኣሎ? ዘለው ዕድላትን ፈተናታትን ብሓፂሩ እንታይ ይመስል?

ኣይተ ምክኤል:– ሕርሻ ትግራይ ኣብዚ ሐዚ ሰዓት ብፍላይ ከዓ ድሕሪ እቲ ኹናት ዝካየድ ዘሎ ምስ ምዃኑ ከቢድቲ ፈተና ዘለውዎን ናይ ሕርሻ ኩነታት ኢና ዘለና። ብሓፈሻ ምስቲ ዘሎ ናይ ሎጅስቲክን በጀትን ሕፅረት ቅድም ኢሉ ንሓያሎ ዓመታት ዝተሃንፀ ሕርሻን ኩለመዳይ ኢኮኖሚን ዝተጎድአን ዝዓነወን ምስ ምዃኑ ምኽንያት እቲ ሓረስታይ ሰብ ስራሕን ተፈጥሮኣውን ሓደጋታት ኣብ ዘጋጠምዎ ኮይኑ ዝልማዕ ‘ዩ ዘሎ።

ወጋሕታ:- ኣብቲ ክልል ባልዓት ዝራእቲ ይረኣዩ ኣለው ዝብሃሉ ኣሎ እሞ፤ ክሳብ ሐዚ ኣበይ ከባቢ ተራእዮም? ንዚኦም ንምክልኻልኸ እንታይ ስራሕቲ ይስራሕ ኣሎ?

ኣይተ ምክኤል:– ኣብዚ ሐዚ ሰዓት ብፍላይ ምስ ኦም ኣምበጣ ተተሓሒዙ ኣብ ዞባ ሰሜን ምዕራብ ትግራይ ኣብ ክልተ ወረዳታት ከባቢ ዝተርኣየ ኣሎ። ኣብዚ ዝተርኣየ ሐዚ ጥራሕ ዘይኮነስ ቅድም ኢሉ ‘ውን ተራእዩ ነይሩስ፤ ሰፊሕ ናይ ምክልኻል ስራሕቲ ተሰሪሑሉ ኣብ ቁፅፅር ክውዕል ተኻኢሉ ነይሩ’ዩ።

ይኹን ‘ምበር ኣብቲ እዋን ናይ ምክልኻል ክግበረሎም እንተሎ ኣብ ኣብዝሓ ንምክልኻል ዘይምቸው ከባቢታት ብፍላይ ካብ ኢድ ግዝያዊ መንግስቲ ትግራይ ወፃኢ ዘለው ከባብታት መሊኡ ዘይተሰረሐሉ ስለዝነበረ ካብቲ ከባብን ካብ ኤርትራን እናተፈልፈለ ‘ዩ ዝመፅእ ዘሎ።

እዚ ከምዝኸውን ቅድም ኢልና ‘ውን ንፈልጦ ነይርና ኢና። ምኽንያቱ ኣብቲ ከባቢ ኣቲኻ ናይ ምክልኻል ስራሕ ምስራሕ ስለ ዘይተኽኣለ ሐዚ ተጫጭሑ ዝመፅአሉ ኩነታት ተፈጢሩ ኣሎ። ከም ክልል ኣብዚ ሐዚ ሰዓት ጉጅለ ሰብ ሞያ ናብቲ ከባቢ ኸይዱ ምስቶም ኣብቲ ዞባን ወረዳታትን ዘለው ሰብ ሞያ ብሓባር ብሙዃን ናይ ምክልኻል ስራሕቲ ይስርሑ ኣለው።

ክሳብ ሐዚ ድማ ናብ 160 ሄክታር ዝኣክል መሬት ከሚካል ብምርጫው ናይ ምክልኻል ስራሕቲ ተኻይድሉ ኣሎ። ብተመሳሳሊ ብመንግስቲ ፌደራል ‘ውን መከላኸሊ ባልዕ መንፀጊ ኬሚካል መካይን ሊኢኹ ኣሎ። ንዕዑን ነቲ ናይ ምክልኻል ኣብ ግምት ዘእተወ ዝነብረና ከሚካል ‘ውን ተጠቂምና እቲ ማሕበረሰብ ኣተሕባቢርና ናይ ምክልኻል ስራሕ ንሰርሕ ኢና ዘለና።

ወጋሕታ:- ኣብ ትግራይ ዝግበሩ ዘለው ስራሕቲ ዕቀባ ሓመድን ማይን ከመይ ይኸይድ ኣሎ? ክሳብ ሐዚከ እንታይ ተሰሪሑ?

ኣይተ ምክኤል:- ከምዝፍለጥ ትግራይ ኣብ ስራሕቲ ዕቀባ ሓመድን ማይን ንሓያሎ ዓመታት ንዝሓለፉ ሰለስተ ዓሰርተ ዓመታት ዝኣክል ከም ባህሊ ተተሒዙ እናተሰርሐ ዝመፅአ ኮይኑ፤ ይኹን ‘ምበር በቲ ዝተፈጠረ ኹናት ምኽንያት ንድሕሪት ዝተመለሱሉ ኩነታት ኣሎ። ነቲ ዕቀባ ኣብ ግምት ብምእታው ፈልሲ ምውሓድ ‘ውን ዝረኣየሉ ኣሎ።

ኣብቲ ዝሓለፈ እዋን ኲናት እቲ ሕብረተሰብና ኣብ ዕቀባ ሓመድን ማይን ብዙሕ ሰሪሑ ዝብሃል ኣይኮነን። ሎሚ ዘበን ግና ብፍሉይ ኩነታት በቢብርኩ ምስ ኣመራርሕታት ምርድዳእ ተገይሩ ከም ክልል ሰፊሕ ሽፋን ዘለዎ ንክስራሕ ‘ዩ ተተሊሙ። በዚ መሰረት ቅድም ክብል ካብ 28 ጥሪ ጀሚሩ ወፍሪ ሰማእታት ኢልና ኩሉ ግዜ በቢዓመቱ ‘ውን ስለዝኽበር ናይ ፈተነ ፕሮግራም ንሓሙሽተ ኣርባዕተ መዓልታት ዝኸውን ናይ ዕቀባ ስራሕቲ ሰሪሕና ኢና።

ካብኡ ድማ ናይ ሰብ ሓይልን ሰሌጠን ስራሕቲን ክግምገም ተገይሩ ዕላዊ ዝኾነ ስራሕ ካብ ኣርባዕተ ለካቲት ጀሚርናዮ ኣለና። እዚ ኣብ 4 ለካቲት ዝተጀመረ ስራሕ ክሳብ ሐዚ ናብ ዝተጀመረ ስራሕቲ ግና ብሰሌጠን ስራሕ ኣብ ኩሉ መዓልቲ ዝተሰርሐ ኣይኮነን። ምኽንያቱ እቲ ሕብረተሰብ በዓላት እናመኻነየ ዝተጓደለ ኣሎ ‘ዩ። ይኹን ‘ምበር እቲ ናብ ስራሕ ዝኣተወ ህዝቢ ካብ ልቡ ዝሰርሐሉ ኩነታት ኣሎ ‘ዩ።

ምስቲ ኣብ ልዕሊኡ ዘሎ ፀገማት ሓረስታይ ምስ ድርቅታትን ጥምየት ተተሓሒዙ ብፍላይ ኣብቲ መጀመርያ ከባቢ ብርክት ዝበሉ ፈተናታት ነይሮ ‘ዮም። ጥምየት እናሃለወ ከመይ ኢልካ ይሰራሕ ዝብል፤ይኹን ‘ምበር ነዚ ኹሉ ፀገማት ኢዱ ከይሃበ ሓደን ሓደን መዋፅኢ ፀገማትና ኣብዚ ምዃኑ ብምእማን ፅቡቅ ይሰርሕ ኣሎ። ምስቲ ዘሎ ሕፅረት መሳርሕታትን ሓይሊ ሰብን ርኢኻ ፅቡቅ ዝብሃል ስራሕቲ ኣሎ።

ብፍላይ ኣብተን ጥምየት ኣለወን ዝብሃላ ከባቢታት እቲ ሕብረተሰብ ብኒሕ ብዝበለፀ ዝሰርሐሉ ተርእዮታት ኣሎ። ኣብነት ንምግላፅ ዝኣክል ኣብ ኣፅቢ ከባቢ ምክኤል እምባ ዝኣምሰሉን ከምኡ ‘ውን ኣብ ከባቢታት ወጀራት ሓያል ጥምየት እናሃለወ ብዝኸኣልዎ ኹሉ ብስፍሓት ይንቀሳቀሱ ኣለው ‘ዮም። ብሓፈሻ ኣብ ስራሕቲ ዕቀባ ሓመድን ማይን ዘለና ገምጋም ምስቲ ዘለና ተደራራቢ ፅገማት እቲ ስራሕ ኣብ ፅቡቅ ኩነታት ‘ዩ ዘሎ ኢልና ኢና ንሓስብ።

ይኹን ‘ምበር በቲ ናይ 20 መዓልቲ ክውድኦ ዝሕሰብ ግና ክውዳእ ኣይኽእልን ዝተወሰነ መዓልቲ ከወስኸና ከምዘኽእል ተረዲኡና ኣሎ። ምስ ካብ ዞባታትን ወረዳታትን ዝተኣከቡ ኣመራርሓን ናትና ሰብ ሞያን ተዛትዮም ከምዝረኣይዎ፤ ንእሽተይ መዓልታት ወሲኽና ተንኸይድ እሞ እቲ ሕብረተሰብ ዘለዎ ዕማም ወዲኡ ካብኡ ናብ ፕሮግራም ሰፍቲኔት ክሳተፍን ናብ ካሊእ ናይ ሕርሻ ንጠፈታቱ ‘ውን ንክኸይድ ምኽክር ተገይሩ እናተወገነ ‘ዩ ዘሎ።

ወጋሕታ:- ሎሚ ዘበን ብፍሉይ ኩነታት ስራሕቲ ዕቀባ ሓመድን ማይን ይካየድ ኣሎ ዝበልዎስ ናይዚ ዓመት ስራሕቲ ዕቀባ ሓመድን ማይን ካብቲ ናይ ዝሓለፉ ዓመታት እንታይ ‘ዩ ዝፈልዮ?

ኣይተ ምክኤል:– ከምዝፍለጥ ከምቲ ቅድም ኢለ ክነግረካ ዝፈተንኩ ናይ 20 መዓልቲ ነፃ ጉልበት ንስራሕቲ ዕቀባ ሓመድን ማይን ዝብሃል ኣብ መላእ ዓለም ዘየለ ኣብ ትግራይ ግን ብዝተፈለየ እዋን በቢዓመቱ ንሰለስተ ዓሰርተ ዓመታት እናተኻየደ ፀኒሑ ‘ዩ።

ናይዚ ከም መርኣያ ድማ ሓደ ብብርኪ ዓለም መርኣያ ይኸውን ‘ዩ ተባሂሉ ዝተሸለምናሉን ዝተፈለጥናሉ ስራሕቲ ነይሩ ‘ዩ። እዚ ብበዝሒ ዘንቀስቕስ ስራሕቲ ንደቂ ኣነስትዮን መናእሰይን ብንህቢ ምርባሕን ብካሊእ ሕርሻ ልምዓትን ምርባሕ ሃፍቲ እንስሳን ተረባሒ ዝገብር መቀሎ ጎቦታት ዝነበረ ኣንፈት ፖሊሲ እቲ ኽልል ፍልይ ዝበለ ‘ዩ ነይሩ።

እዚ ናይ ሎሚ ዘበን ስራሕቲ ዕቀባ ሓመድን ማይን ፍልይ ዝገብሮ ግና ድሕሪ ምክያድ ሓያል ኲናት ምስ ምክያዱ ተተሓሒዙ ምጉዳል ጉልበት እቲ ሓረስታይን ዝነበርዎ መሳርሕታት ዝዓነውሉ ምስ ምዃኑ ፍሉይ ይገብሮ።  ካልኣይ እቲ ሕብረተሰብ ኣብ ሓያል ጥምየትን ዓፅቦን ኮይኑ ዝሰርሐሉ ዘሎ ምዃኑ፤ ምኽንያቱ ሰብኣዊ ሓገዛት ንኣዋርሕን ዓመትን ደው ዝበለሉን ብሓፈሻ ተደራረብቲ ሰብ ስራሕን ተፈጥሮኣውን ፀገማት ኣብ ዘለሉ ዝካየድ ምዃኑ ፍልይ ይገብሮ።

ከምዚ ኮይኑ እቲ ሕብረተሰብና ኣብዝኾነ ይኹን እዋን ዋላ ‘ውን ኣብቲ ዝመረረ እዋን ‘ውን ስራሕቲ ምሕዋይ ተፈጥሮ ሃፍቲ ከም ባህሪ ገይሩ ዝወነኖን ምዃኑ ኣብዚ ብዓብዪ ተማሂርና ኣለና። ሓደ መግለፂ ናይዚ ድማ እንታይ ‘ዩ፤ እቲ ሕብረተሰብ ካብ ዘለዎ ቅርሺ እናዋፅአ ‘ውን ነዚ ስራሕ ዝሕግዝ ማሽነሪታት ከይተረፈ ተኻርዩ ዝሰርሓሉ ተራእዩ ‘ዩ።

ኣብ ገለ ከባቢ ‘ውን ዋላ ዝተባባዕ ኣይኹን ጉልበት ሰብ ከይተረፈ ተኻርዮም ብሽቃሊ ዝስርሑ ኣለው ‘ዮም። እቲ ሕብረተሰብ ክንዲ ዝኹሉ ተገዲሱ ተፈጥሮ ሃፍቲ ክነሕዊ ኣለና መዋፅኢና ‘ውን እዚ ‘ዩ ኢሉ ብምእማን ዝገብሮ ምዃኑ እዚን ካልእን ፍሉይ ይገብሮ።

ወጋሕታ:- ኣብዚ ዝካየድ ዘሎ ወፍሪ ስራሕቲ ዕቀባ ሓመድን ማይን ክንደይ ዝኣክል ሰብ ይሳተፍ ኣሎ? ክንደይ ዝኣክል ስፍሕት መሬት ተሰሪሑ?

ኣይተ ምክኤል:– ከም ክልል ክስራሕ መደብ ዝተትሕዘ ኣብ ኩለን ዞባታት ናብ 53 ሽሕ ሄክታር ንምሽፋን ‘ዩ። ሐዚ ተሰሪሑ ዘሎ ስለዘይዓቀንና ክንድዚ ተሰሪሑ ኣሎ ንማለት ይኸብደና ‘ዩ። ምኽንያቱ ኣብ ኩሉ ጣብያታት ዝተሰርሐ ዕቀባ ሓመድን ማይን ዝዕቀን ብጅፒ ኤስ ስለዝኾነ ብበዓል ሞያ ተለኪዑ ነዚ መኣክቢ መረዳእታ ዝኸውን ሶፍትዌር ተኣኪቡ ፕሮሰስ ምስተገበረ ‘ዩ ክንድዚ ዝኣክል ሽፋን ብኪሎ ሜትር ወይ ብሄክታር ተሰሪሑ ተባሂሉ ‘የ ዝወፅእ። ስለዚ እዚ ኣብ ቀፃሊ ምስተሰርሐ ንገልፆ ኢና ንኸውን። ኣብዚ ወፍሪ ብርክት ዝበለ ሕብረተሰብ ኩሉ ክሰርሕ ዓቅሚ ዘለዎ ክሳተፍ ትፅቢት ዝግበር። ኣብዚ ካብ 20 ክሳብ 25 ሚእታዊ ዝኸውን ነባሪ እቲ ሕብረተሰብ ክሰርሕ ተሓሳቢ ዝገብረ ‘ዩ።

ወጋሕታ፡- ምስዚ ተተሓሒዙ ኣብዚ ስራሕቲ ዕቀባ ሓመድን ማይን ዝካየደሉ ዘሎ ከባቢን ካልኦት ከባብታትን ከምቲ ኩሉ ግዜ ዝግበር ስራሕቲ ፈልሲ ንምትኻል ዝግበር ምድላዋት ኣሎ ዶ?

ኣይተ ምክኤል:- ቅድሚ ሐዚ ዝነበራና ብርክት ዝበላ ጣብያታት ፈልሲ ናብ 90 ሚእታዊ ዝኾና በቲ ዝነብረ ኹናት ዓንየን ‘የን። ሐዚ ከም ክልል እንገብሮ ዘለና ኣብዚ እዋን ካብ 8 ክሳብ 9 ሚሊዮን ዝኾና ፈልስታት ጥራሕ ‘ዩ ዝህልወና ስለዚ እዚ ፈልሲ እዚ ኣብ ቀፃሊ ክረምቲ ዝትከል ኾይኑ፤ ኣብዚ ሐዚ ሰዓት ‘ውን ዕቀባ ሓመድን ማይን ከልምዑ ከለው ብተመሳሳሊ ባዮሎጅካል ወይ ከዓ ስነ ሂወታዊ ዝብሃል መደባት ኣቢሉ ዝተፈላለዩ ብማይ ከይሽርሸር ሓመድ ክሕዙ ዝኽእሉ ተኽልታት እናተተኸለ ‘ዩ ዝርከብ ዘሎ።

ነቲ ናይ ክረምቲ ስራሕትና ግና ነቲ ተኸላ ፈልሲ ዝሕግዙ ስራሕቲ ጉድ ጓድ ምድላው ዝበሉ ክስራሕ ‘ዩ። ቅድሚ ሐዚ ከም ክልል በቢዓመቱ ልዕሊ100 ሚሊዮን ፈልሲ ንተክል ነይርና ኢና። ኣብዝ ሐዚ እዋን ግና ከምኡ ዓይነት ዕድል የብልናን። መብዛሕትኡ እቶም ፈልስታት እንረኽቦም ካብ ጣብያ ፈልስታትና ዘይኮነስ፤ ገሊኡ ካብ ማሕበራት ገሊኡ ከዓ ብውልቀ ሓረስቶትን ዝተወደቡ መናእሰያትን ‘ዩ። ኣብተን ዘለዋና ጣብያታት ፈልሲ ግና እተን ዝገለፅክወን ቁፅሪ ፈልስታት ኣሎ (8- 9ሚሊዮን) ።

ካሊእ ከም ብርኪ ሃገር ተታሒዙ ዘሎ ፕርግራም ግሪን ለጋሲ ተተሓሒዙ ድማ ክልልና ‘ውን ክንዲ ዓቅማ ዝፈቅዶ ክንሰርሕ ንንቀሳቐስ ኣለና ኢና። ምስ ኣካላት መንግስቲ ፌዴራል ‘ውን በቢ እዋኑ ፅቡቅ ርክብ እናተገበረ ‘ዩ ዘሎ። ምስ ሓደ ሓደ ፕሮጀክታት ተፈጥሮ ምሕዋይ ተተሓሒዙ ምስ እኒ ‹‹ዊ ፎሮስት›› ዝበሉ ተሓጋጊዝና እንሰርሖ ስራሕቲ ኣሎ ‘ዩ። ብዋናት ከኣ ኣብ ቀዋሚ ተኽሊ ፈልስታት ጥራሕ ዘይኮነስ፤ ኣብተን ሐዚ ዝርከባ ናይ ፈልሲ ጣብያታት ዝብልዑ ተኽልታት ብምብዛሕ ኣብ ከተማታት ከባቢ ንምትካል ንሰርሕ ኣለና ኢና።

ወጋሕታ:-ንሕርሻ በልጊን ከምኡ ውን ንክረምታዊ ስራሕቲ ሕርሻ ዝግበሩ ምድላዋት እንታይ ይመስሉ? ብፍላይ ኣብ ቀረብ መዳበርያ፣ ምሩፅ ዘርእን ከሚካላትን እንታይ ተተሊሙ ይስራሕ ኣሎ?

ኣይተ ምክኤል:– በልጊ ካብቲ ሐዚ ዘሎ ጉድለት ምህርቲ መዋፅኢ ክኸውን ካብ ዝሓዝናዮም ሓደ ኣንፈት ‘ዩ። ከምዝፍለጥ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ሰለስተ ዞባታት ዝነብረ ምቁራፅ ዝናብን ውሕጅን ካብኡ ብተወሳኺ ዝተፈላለዩ ባልዕን ተወሲኽዎ ጉድለት ምህርቲ ኣጋጢሙ ‘ዩ።

ስለዝኾነ ናይ በልጊ ተጠቀምቲ ዝኾና ከባቢታት ብፍላይ ብበዝሒ ተጠቀምቲ ዝረከባሉ ከባቢታት ደቡብ ብምዝርራብ ብስፍሕት ንምስራሕ ብሓፈሻ ኣብ በልጊ ተጠቀምቲ ዝኾና ከባቢታት ናብ 15 ሽሕ ሄክታር ክነልምዕ ተሊምና ንሰርሕ ኣለና። ክሳብ ሐዚ ናብ 2548 ሄክታር ዝኣክል ብዝተፈላልዩ ዓይነት ዝራእቲ ይለምዕ ኣሎ ‘ዩ።

ካብዚ ብተወሳኺ ኣብ ናይ ልምዓት መስኖ ስራሕትና ‘ውን ብርክት ዝበሉ ዓይነታት ዘርኢ ከም ዓይነታት ዘርኢ ኣዕታር ዝበሉ ክበቁሉ ብምግባር እቲ ቅድም ኢሉ ኣብቲ ናይ ክረምቲ መፍረይነት ዝሰኣናዮምን ዝጎደሉናን ምህርቲ ከም መመለኢ ተሓሳቢ ተገይሩ ውሕስና ምግቢ ሕብረተሰብ ንምምላእ ክንሰርሕ ኣለና ኢልና ሓሲብና ካብ ዝራእቲ ኣሕምልቲ ብዝዘለል ኣብ ዝተፈላለዩ ዓይነታት ዝራእቲ እኽሊ ዝዝረአሉ ኩነታት ኣሎ ‘ዩ።

ምስ ቀረብ መሰረታዊ እታወታት ተተሓሒዙ ድማ ንሕና ከም ክልል ኣብዚ እዋን ምሩፅ ዘርኢ ናይ ምርባሕ ስራሕቲ ኣብ ዝተፈላለያ ናይ ማሕብራትን ውልቀ ሰብ ሃፍትን ከምኡ ‘ውን ሞዴል ውልቀ ሓረስቶትን ዝተፈላለየ ዘርኢ ስርናይን ጣፍን ክራባሕ ተርገይሩ ንቀፃሊ ናይ ዘርኢ ቀረብ ውሕስ ክግበር ‘ዩ።

ኣብዝ ሐዚ ሰዓት እዞም ዝተዘርኡ ምሩፅ ዘርእታት ኣብ ፅቡቅ ብቁለት ኩነታት ከምዘለው ‘ቶም ተቆፃፀርቲ ኣካላት ከምዝረኣይዎን እዚ ከዓ ክእከብ ከምዝኽእል ኢና ተስፋ ንገብር ዘለና። እዚኦም ኣኪብና ከዓ ኣብ ቀፃሊ ንዘርኢ ክንጥቀመሎም ኢና። ኣብ ቀረብ መዳበርያ ብዝምልከት ድማ ካብቲ ናይ ቅድሚ ሐዚ ብዝተፈላለየ ምኽንያት እታወታት መዳበርያ ድሒሩ ‘ዩ ዝመፅእ ነይሩ።

ነቲ ሓረስታይ ‘ውን ዘንጊዑ ዝበፅሕ ስለዝነብረ ብዙሕ ኣብ ጥቅሚ ዘይወዓለሉ ኩነታት ነይሩ ‘ዩ። ሎሚ ዘበን ግን ብዝተፈለየ ብመንግስቲ ፌደራል ብፍሉይ ድማ ብሚኒስቴር ሕርሻ ቀዲምና ዘድልየና መዳበርያ ብዘውፅኦ ፕሮግራም መሰረት ኣብዚ ሐዚ ሰዓት ብርክት ዝበለ መዳበርያ ናብ ክልልና ኣትዩ ‘ዩ። ብዝጠለብንናዮ መዳበርያ መሰረት ንክበፅሐና ምሉእ ተስፋ ኣለና። ናይ መስኖ ብዝምልከት ድማ ኣብዝ ሐዚ ሰዓት ናይ መዳበርያ ቀረብ ሓቲትና እቲ ሓረስታይ ‘ውን በቲ መስኖ ከልምዐሉ ዝኽእል ዓቀን ዝረኽበሉ እናተዳለና ንርከብ።

ወጋሕታ:- ምስ መሳርሕቲ ሕርሻ ተተሓሒዙ ካብ መንግስቲ ፌደራል ዝተረኸባ ናብ 500 ዝኾና ትራክተራት ንትግራይ ብፍሉይ ተገዚአን ኣለዋ ተባሂሉ ነይሩ እሞ፤ ብዛዕበን እንታይ ዝብልዎ ነገር ኣሎ?

ኣይተ ምክኤል:- ብዛዕባ እዚ ዝህበካ ሓበሬታ የለን፤ ምኽንያቱ ክሳብ ሐዚ ኣብ ኢድና ዝኣተወ ነገር ስለ ዘየሎ። ኣብ ኢድና ምስ ኣተዋ ግና ኣትየን ኣለዋ ክንብል ኢና።

ወጋሕታ:- ብወገነይ ንግዝኡ ሒዘዮ ዝነበርኩ ሕቶታት ወዲአ ኣለኹ ኣብዚ ክግለፅ ዘለዎ ዘይተገለፀ እንተሃልዩ ናይ መወዳእታ ዕድል ክሕቦም?

ኣይተ ምክኤል:– እቲ ዝተልዓለ እኹል ‘ዩ። ነቲ ዝተልዓለ ተሓሳቢ ገይርካ ድማ ኣብቲ ዘለና ዝተፈላለዩ ናይ እታወታት ሕፅረት ከም ንምክልኻል ባልዓት ዝውዕሉ ኬሚካል ናይ ክትባታት መድሓኒት ዝበሉ ሕፅረታት ክሕግዙና ዝኽእሉ ኣካላት ክሕግዙ ንሓትት። ከምዝፍለጥ ትግራይ ብዙሕ ዝነብራ ሃፍቲ ዝዓነዋ ምስ ምዃና ካብ ናይ ካልኦት ክልላት ፍልይ ብዝበለ ተወሳኺ ትኹረትን ሓገዝ ዘድልያ ክልል ‘ያ።

ስለዚ መንግስቲ ፌደራል ብባጀት ይኹን ብካሊእ ሓገዛት ዝበለፀ ትኹረት ሂቡ ዝሪአሉ ኩነታት ተዝፍጠር። ከምኡ ‘ውን ምስ ግሪን ለጋሲ ተተሓሒዙ ክልልና ቅድሚ ሐዚ ዘለና ሓፍቲ ኣንቀሳቂስና ኣብዚ ፕሮጀክት ብምፍሳስ መርአያ ዝኾነ ስራሕቲ እናሰራሕና ፀኒሕና ኢና ሐዚ ግና ዝጎዳደሉ ነገራት ስለዘለው ኣብዚ ክሕግዙና ዝኽእሉ ድጋፍ ወሃብቲ ኣካላት ከተባብዑልና ይግባእ።

ወጋሕታ:-ስለ ዝሃብኩምና መብርሂ የቐንየልና።

ኣይተ ምክኤል:– ኣነ ውን የቐንየለይ።

አብርሃ ሓጎስ

ወጋሕታ  5 መጋቢት 2016 ዓ.ም

Recommended For You