‹‹ዓቅሚ ህዝቢ ትግራይ ኣብ እዋን ፀገም ጥራሕ እንተይኾነስ ኣብ እዋን ሰላም ‘ውን ክረአ ይግባእ ›› -ኣብርሃም በላይ(ዶ/ር) ሚኒስትር ምክልኻል ሃገር

ሚኒስትር ምክልኻል ሃገር ኣብርሃም በላይ(ዶ/ር) ኣብ እዋናዊ ኩነታት ትግራይ ኣድሂቦም ምስ ኢቲቪ መደብ ደሃይ ትግራይ ኣብ ዝነበሮም ፃንሒት ምስ ኣፈፃፅማ ውዕሊ ፕሪቶሪያ ብዝተደሓሓዘ ዘልዐልዎ ሓሳብ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ሕታምና ዓምዲ ዕዱም ጋሻ ኣቕሪብናልኩም ምንባርና ይዝከር።

ሎሚ ድማ ካብ መንጎ ዘልዐልዎም ዛዕባት ግደ ዳያስፖራ፣ጉዳያት ሰብ ሃፍቲ ትግራይ፣ኩነታት እሱራት ተጋሩ፣ጉዳይ መድረኽ ገምጋም ፕሪቶርያ፣ዉሑስ ሰላምን ሕውየት ትግራይን ኣብ ምርግጋፅ ኣብ ዝብል ዝሃብዎ መብርሂ ኣብ ዓምዲ እዋናዊ ዛዕባ ከምዝስዕብ ኣቕሪብናዮ ኣለና። ሰናይ ንባብ።

ግደ ዳያስፖራ

ትግራይ ሃፍታም ‘ያ ፤ትግራይ ብዙሕ ሓይሊ ሙህር ኣብ ዝተፈላለየ ዓለም ዝተበተነ ኣብ ዝተፈላለየ ስራሕ ተዋፊሩ ዝሰርሐ እሞ ድማ ከም ሓደ ተወዲቡ ክሰርሕ ዝኽእል ዓቕሚ ዘለዎ ዳያስፖራ ዝሓዘት ‘ያ። እዚ ኣብቲ እዋን ፀገም ሪእናዮ ኢና፤ኸዚ ‘ውን ብዝተወሰነ መለክዑ እናተርኣየ ‘ዩ። እዚ ዓቕሚ እዚ ኣብ ሕማቕ እዋን ዝረአ ድምፅን ዓቕምን እንተይኾነስ ኣብ እዋን ሰላም ‘ውን ሓድነት ድምፂ ክኾን ፤ ዓቕሚን ኣካልን ሕውየት ትግራይ ክኾን ግቡእ ዝኾነ ምዝርራብን ምምራሕን የድልዮ ‘ዩ።

እዚ ዓቕሚ ብዙሕ ዓቕሚ ‘ዩ ሒዙ ዘሎ ፤ ኣብ ትግራይ ዘለዉና ፀገማት ክፈትሕ ዝሕግዝ ኣለዎ ፤ ፀገም ኣተሓሳስባ የብሉን፤ ፀገም ፍልጠት የብሉን፣ ፀገም ዓቕሚ ኢኮኖሚ ‘ውን የብሉን። እዚኦም ደሚሩ ኣብቲ ህንፀት ሰላም እንድሕር ሓጊዝና፤ ኣብ ሕውየት ትግራይ እንድሕር ሓጊዝና ድምፂ ትግራይ ኣብ ፀገም እዋን ዝስማዕ ጥራሕ እንተይኾነስ ኣብ እዋን ሰላም ዝድመፅን ናይ ሰላምን ዕርቅን ድምፂ ኾይኑ ክሰርሕ ብዙሕ ፃዕርታት ክንገብር ከምዘለና ይኣምን።

ምሁራን ትግራይ ይመላለሱ ኣለዉ፤ ምይይጣት ይግበሩ ኣለዉ፤ ኣበይ ክሳተፉ ከምዘለዎም እንታይ ዓይነት ምስትኽኻላት ክግበሩ ከምዘለዎም ሓሳባት የቕርቡ ኣለዉ። እዚ ፅቡቕ ጅማሮ ‘ዩ ኢለ ይኣምን። ኣነ ‘ውን ብዝኻኣልከዎ ይሳተፍ ‘የ ሓሳባት ንለዋወጥ ኢና። እዚኦም ክቕፅሉ ምግባር ብጣዕሚ ኣድላይ ‘ዩ። እዚን ኣብዚ ሃገርና ዘሎ ዓቕሚ ደሚርና ትግራይ ኣብ ሓፂር እዋን እትሓውየሉን ናብራ ህዝቢ ትግራይ ናብ ዝሓሸ ብርኪ ንምምላስ ዘኽእል ዕድል ምፍጣር ይካኣል ‘ዩ። ፍሉይ ዓቕሚ ህዝቢ ትግራይ ‘ዩ ኢለ ‘የ ዝኣምን ።

ዓቕሚ ህዝቢ ትግራይ ብዙሕ ‘ዩ ፤ብዙሕ ዝተምሃረ ማሕበረሰብ ኣሎ፤ ብዙሕ ምሁራን ኣለዉ። እዚ ድማ ንምንታይ ናብ ፀገም ኣቲና? ድሕሪ ኸዚ ናብ ፀገም ንከይመልስ እንታይ ክንገብር ኣለና ? ሰላም ንክፀንዕ እንታይ ንሓግዝ? ተመሊስና ናብ ፀገም ዘእትዉና ዘለዉ ፀገማት ከመይ ኢና ንፈትሖም ? ኣየናይ ትኹረት ገይርና እንተሰሪሕና ኢና ህዝቢ ትግራይ ብቕልጡፍ ክድሕን ዝኽእል ሞያዊ ትንተና ክህቡን ኣብ ሕውየትተ ትግራይ ናይ ግደኦም ክገብሩ ይግባእ።

ከም መንግስቲ ፌደራል ድማ እዚ ኹሉ ንክግበር ንምሕጋዝ ድልዋት ኢና። ንሕውየት ኹሉ ከም ትግራዋይን ኣብ ሓላፍነት ከም ዘሎ ኣካል ፌደራልን ኹሉ ነገራት ክመቻችው በቲ እንኸዶ ዘለና ከይዲ ክቅፅለሉ ኢና ንሓስብ።

ጉዳያት ሰብሃፍቲ ትግራይ

ነጋዶ ሰብ ሃፍቲ ትግራይ ኣብ ትግራይ ውሽጢ ዘለዉ ጥራሕ እንተይኾኑስ ካብ ትግራይ ወፃኢ ዝነበሩ ተጋሩ ባዓል ሃፍቲ ዝበፅሖም ፀገም ኸቢድ ‘ዩ። ገገሊኦም ሃፍቶም በቲኖም ከይዶም ‘ዮም ፤ ገሊኦም ብጣዕሚ ብርካሽ ናብ ካሊእ ኣካል ክመሓላለፍ ገይሮም ‘ዮም ፤ሃፍቶም ዝዓነወ ድማ ኣሎ።

ጉዳይ ኢንቨስትመንት ከምዝፍለጥ ኹሉ ካብ ጁባኻ ዝስራሕ እንተይኾነስ ምስ ባንክታት ዝተድሓሓዘ ስለዝኾነ ፣ ዓመት እናወሰኸ ብዝኸደ ቁፅሪ ድማ እናጋደደ ‘ዩ ዝኸይድ፤ ኣድላይ ኽትትል እንድሕር ዘይተገይርሉ ኢንቨስትመንት ኸቢድ ‘ዩ ዝኾን። እዚ መሰረት ገይርና ፍታሓት ክኾኑ ዝኽእሉ ነገራት ሰርሒና ኢና። እቲ ፀገም ሰፊሕ ስለዝኾነ ሙሉእ ብሙሉእ ‘ኳ እንተዘይኾነ ብፌደራል መንግስቲ ክሕገዙ ንዘለዎም ምምሕያሻት ሕጊ ፤ ልቃሕ ንክናዋሕ ናይ ምግባር ስራሕቲ ምስራሕ ተሞኪሩ ‘ዩ።

ብተወሳኺ እቶም ዝዓነዉ ኢንዱስትሪታት ፤ እቶም ፀገም ዝበፅሖም ኢንዱስትሪታት ቀልጢፎም ተፀጊኖም ናብ ስራሕ ክኣትዉ ብሄራዊ ባንኪ ናይ ባዓል ሃፍቲ ትግራይ ብፍሉይ ድጋፍ ክገብርን ንምድጋፍ ዘኽእሉ ኣሰራርሓታት ክዝርግሕ ብዙሕ ጉዕዞ ተጓዒዙ ‘ዩ። ምስቲ ዝበፅሐ ፀገም ኹሉ ነገር ዝፈትሕ ኣይኮነን ግና እተን ዋና ዋና ዝበሃላ እናተሰርሐ ኣብ ትግራይ ዝነበራ ኢንዱስትሪታት ናብ ስራሕ ክኣትዋ ዝተገበረ ምምዕርራይ ስለዝተገበረለን ‘ዩ።

ካብ ትግራይ ወፃኢ ዝነበሩ ሰብ ሃፍቲ ‘ውን ብዝተፈላለየ መገዲ ዝሳኣንዎ ሃፍቶም ናብ ካሊእ ተመሓላሊፉ ዝነበረ እንተኾነ ‘ውን ሕጊ ኣውፂእና ብዘይኾነ ዋጋ ተሸይጡ እንተነይሩ ዋግኡ ተገሚቱ ክምለሰሉ ብምግባር ተመሊሱ ናብ ዝነበረ ናብርኡ ንክምለስ ስራሕቲ ተሰሪሑ ‘ዩ።

ኸዚ ‘ውን እኹል ኣይኮነን ። ኣብ ትግራይ ዝተፈጠረ ፀገም ንግዲ ናብ ንቡር ይመለስ ማለት ኣይኮነን። ብዙሕ ስራሕ ‘ዩ ትፅቢት ዝግበር። እዚ ንምግባር እቶም ተጀሚሮም ዘለዉ እናወሰኽና እቶም ዝተረፉ ፅንዓት እናገበርና ንምኻድ ምሉእ ድልውነት ‘ዩ ዘለና። ፋብሪካታት ትግራይ ሲሚንቶ ፋብሪካ ሓዊሱ ካልኦት ፋብሪታት ናብ ስራሕ እናኣተዋ ዘለዋ ዝተፈላለየ ሓገዛት ዝተገበረለን ከምዝኾነ ምፍላጥ ብጣዕሚ ኣድላይ ‘ዩ።

ግና እቲ ማሕበረሰብ ንግዲ ሰፊሕ ስለዝኾነ እቲ ፀገም ‘ውን ሓደ ዓይነት ስለዘይኾነ ምስ ክልላት ዝተሓሓዝ ጉዳያት ‘ውን ስለዘለዎ እንተናኣሰ ግና በቲ ተፈጢሩ ዝነበረ ፀገም ጉድኣት ዝበፅሖም ሓገዝ ክግበረሎም ክልላት ‘ውን ዝተፈላለየ ሓገዛት እናተገበረሉ ‘ዩ። ኢንቨስተራት ብዙሕ ስራሕ ዝሰርሑ ንሳቶም ‘ዮም ፤ ዕድል ስራሕ ዝፈጥሩ ንሶም ‘ዮም እዚኦም ብዝተጠናኸረ መልክዕ ናብ ስራሕ እንተዘይእቲናዮም ሰላምን ምርግጋዕን ፈጢርና ናብ ስራሖም ንክኣትዉ ኸዚ’ውን ኣጠናኺርና ክንሰርሕ ኢና ።

ኩነታት እስሩት ተጋሩ

ትግራዋይ ኣብቲ እዋን ብጥርጣረ ዝራኣየሉ እዋን ‘ዩ ነይሩ ፤ ዝተዓጠቐ ሓይሊ እንድሕር ኾይኑ ድማ ብኸመይ ከምዝረአ ምፍላጥ የድሊ። እዚ ጥራሕ እንተይኾነ ዝተዓጠቐ ሓይሊ ከምዚ ዓይነት ክፍጠሩ ከለዉ እንታይ ‘ዩ ዝገብር? ዝብል ናይ ባዕሉ ወታደራዊ መስርሕ ኣለዎ፤ ከም ሲቪል ኣሰራርሓ ኣይኮነን ማለት ‘ዩ። እዚ ከምዚ ዓይነት ክፍጠር ከለዉ ንድሕንነት ሃገርን እቶም ኣባላትን ክባሃል ዝውሰኑ ውሳነታት ኣለዉ ‘ዮም።

ኣብ ገበን ዝተሳተፈ በቲ ሕጊ ገበን ብአኡ ዝሕተተሉ ኩነታት ምፍጣር ‘ዩ፤ ኣብ ገበን ዘይተሳተፈ ግና ወይም ዝጥርጠር ኣብ ካምፕ ዝፀንሐሉ ኩነታት ክፍጠር ‘ዩ ተገይሩ። ስለዚ ኣብ ካምፕ ዝፀንሐሉ ግዜ ምችው ነይሩ ‘ዩ ዝብል እምነት የብለይን። በቢ ግዚኡ ‘ውን ይግምግም ስለዝገበርኩ። ገምጊምና ‘ውን ምምሕያሻት ስለዝገበርና ስለዝፍለጥ ‘ውን ፤ ምምሕያሻት ናብራ ገይርና ኢና ፤ ርክብ ቤተሰብ ንክመሓየሽ ገይርና ኢና ኣብቱ እዋን ኹናት ማለት ‘ዩ ።

ኣብ ከይዲ ድማ ውዕሊ ፕሪቶርያ ምስተፈፀመ ናይዚኦም ኣካላት ውሳነ ኣነ ስለዝኾንኩ ብናይ ባዕለይ ፊርማ ኣብ ከይዲ ዝነበሩ ክስታት ጠጠው ክብሉ ኣብ ካምፕ ዝነበሩ ኣካላት ስልጠና ወሲዶም ናብ ስራሕ ክምለሱ ሙሉእ ውሳነ ኢና ወሲና። እቶም ኣብ ካምፕ ዝፀንሑ ኣካላት ኸዚ ኣብ ስራሕ ‘ዮም ዘለዉ። .

በቲ ሕጊ መሰረት ጥሮታ ዝወፁ ጥሮታ ወፂኦም ናብ ስራሕ ዝምለሱ ድማ ናብ ስራሕ ተመሊሶም ‘ዮም ፤ ኣብ ካምፕ ዝተረፈ ሰብ የለን። ናይ ቕድም እናልዓልካ ፍታሕ ዘለዎ ስራሕ ከምዘይተሰርሐ ምግላፅ ጌጋ ‘ዩ። ሓሶት ‘ውን ‘ዩ ዝኸውን። ናይ ባዕለይ ውሳነ ‘ዩ ስለዝተፈፀመ ‘ውን ‘ዩ።

ኣብ መከለከያ ስራሕ ዘይብሉ ትግራዋይ የለን። ኣብ ኩሎም ዘፈር ስራሕ ተመሊሱ ‘ዩ። እቲ ሓደ ዝተረፈና ነገር እንተሃለወ ሕውስውስ እናበለ ስለዝኾነ ‘ዩ። ቅድሚ እቲ ኹነታት ‘ውን ብገበን ዝተኣሰረ ትግራዋይ ክህሉ ይኽእል ‘ዩ። ምስቲ ከይዲ ዝተኣሰረ ‘ውን ኣሎ ‘ዩ። ኣብ ከይዲ ድማ ብገበን ዝተኣሰረ ኣሎ ‘ዩ። ምፅራይ ግድን ‘ዩ።

በቲ ስምምዕነት ፕሪቶርያ ይቅርታ ተገይርሎም ክፍትሑ ዝግብኡ ኣየናይ ‘ዮም ብገበን ዝተኣሰሩ ፍርዲ ረኺቦም ክቕፅሉ ዘለዎም ዝብል ክፍለይ ኣለዎም። እዚ ብዘይፈሊ ምኽንያት ሕቶታት ዘረባታትን ‘ውን ስለዝለዓል። ሰላም ስለዝፈጠርናን ምስ እዚ ተደሓሒዙ ክፍትሑ ዘለዎም እናተፈለዩ ‘ዮም። ብዙሓት ኣብ ስራሖም ተረጋጊዖም ክምለሱ ተገይሩ ‘ዩ። እዚ ብምግባርና ፀገማት ኣቃሊልና ህይወት ሰብ ኣድሒና ኢና ዝብል እምነት ኣለኒ።

ጉዳይ መድረኽ ገምጋም ፕሪቶሪያ እቲ መድረኽ ናይ ግዝያዊ ምምሕዳር ናይ ትሻዓንተ ወርሒ ግምገማ ስራሕ ‘ዩ። ግዝያዊ ምምሕዳር ማለት ተፀዋዕነቱ ንፌደራል መንግስቲ ‘ዩ። ፌደራል መንግስቲ እንተነዊሑ በቢ ሽድሽተ ወርሒ ገምጋም የካይድ ‘ዩ። ስለዚ ግዝያዊ ምምሕዳር ኣብ ሽድሽተ ወርሒ ሪፖርት ከቕርቡ ደሊና ነይራና። ኣ

ብ ትግራይ ብዙሓት ነገራት ተገዲፉ ናብ ኣኼባ ዝኣተወሉ ግዜ ስለዝነበረ በቲ ክንግምግም ዝነበረና ግዜ ኣይገምገምናን። እዚ ኣኼባ ምስ ወድኡን ናብ ስራሖም ምስተመለሱ ብቕልጡፍ እቲ ኣኼባ ክካየድ ተገይሩ ‘ዩ፤ ኣብ ዝሓለፈ ዝተሰርሑ ስራሕቲ ክቐርብን ክግምገምን ተገይሩ ፤ ካልእ ምንም ሃንደበታዊ ነገር የብሉን።

ምስ ምንም ነገር ዝደሓሓዝ ‘ውን ኣይኾነን ፤ንሕና ንሰላም ሙሉእ ንሙሉእ ልብና ሂብና ኢና ንስርሕ ምንም ዘስግአና ነገር የለን። ሰላም እንድሕር ኾይኑ ሰላም ‘ዩ ንጎኒ እንብለሉ ዕድል የለን። ኣብ ስግኣት ዘለና ኣካላት ኣይኮናን ። እቲ መድረኽ ግልፂ ዕላማ ዘለዎ ‘ዩ፤ እቲ ግልፂ ዕላማ ድማ ውፅኢታዉ ብዝኾነ መገዲ ዝገምገመ ‘ዩ።

እንታይ ‘ዮም ተወሲኖም ንዝብል እቲ ሓደ ብርኪ ኣፈፃፅማ ፕሪቶሪያ ኣበይ ብርኪ ‘ዩ ዘሎ? ዝብል ብግልፂ ክፍለጥ ኣለዎ። እቶም ተፈራረምቲ ኣፈራረምት ብህይወት ኣብ ዘለዉዎ ብዛዕባ ስምምዕነት ፕሪቶርያ ናንባዓልካ ሓሳብ ምግላፅ ኣይካኣልን። እንታይ ተሰሪሑ ዝብል ድማ ሕድሕድ ዝተሰርሐን ዘይተሰርሐን ምስ ምኽንያቱ ሪፖርት ከቕርቡ ኣንፈት ተቐሚጡ ‘ዩ።

ተመዛበልቲ ናብ መረበቶም ንክምለሱ እቲ ፌደራል ዘቕመጦ ኣንፈት ናብ መሬት ክወርድ ዝሓሸ እንድሕር ሃልዩ ድማ ንከቐርብ ኮሚቴ ተጣይሹ ናብ ስራሕ ንክኣቱን ቅድሚ ኽረምቲ ተመዛበልቲ ናብ መረበቶም ንምምላስ ኣንፈት ተቐሚጡ ‘ዩ። ሳልሳይ ጉዳይ ድርቂ ‘ዩ ፣ሓፈሻዊ ድርቂ ዘለዎ ኩነታትን ዘብፀሖ ዘሎ ሳዕቤናትን ሓገዛት ዝጠናኸርሉ መገድን ከመይ ዩ? ፤ ኣንፈት ተቐሚጡ ናብ ስራሕ ንክኣቱ ተገይሩ ‘ዩ።

ራብዓይ ኣብዚ ሰዓት እዚ ካብ ፌደራል መንግስትን ግዝያዊ ምምሕዳር ጥራሕ እንተይኾነስ ሓገዝ ኹሉ ትግራዋይ የድሊ ‘ዩ። ንካልኣይ እዋን ንህዝቢ ትግራይ ሓገዝ ዝግበረሉ ክፍጠር ኣለዎ። እዚ ንምግባር ድማ ካብ ፌደራልን ክልልን ዝተውፃፅአ ኮሚቴ ተጣይሹ ‘ዩ። ኣብ ዝቕፅል ዕላዊ መብርሂ ክህብ ‘ዩ። ስለዚ እቲ መድረኽ ከምዚኦም ዝበሉ ኣንፈት ዘቕመጠ ብጣዕሚ ወሳንን ኣድላይንን ግልፂ ዕላማ ዝሓዘን ከምዝኾነ ከረጋግፀልኹም ይፎቲ።

ዉሑስ ሰላምን ሕውየት ትግራይን ኣብ ምርግጋፅ

ህዝቢ ትግራይ ፍትሒ ክረጋገፀሉ ይደሊ ፤ ዕርቂ ክፍጠረሉን ሰላም ፀኒዕሉን ናብ ቀፃሊ ዝተረጋገዐ ናብራ ዝሰጋገር ድልየት ስለዝኾነ እዚ ነገር ክረጋግፀሉ ክንሰርሕ ይግባእ ይብል። ትግራይ ኣብዚ ሰዓት እዚ ንፅረት ሓሳብ የድልያ። ንብረት ዝኾነ ኣካል ወይም ዉድብ ኣይኮነትን። ኣብ ትግራይ ሰፋሕቲ ዘተ ዝካየድሉ ዝሓሸ ሓሳባት ዝወፅሉ ንምፍጣር ክንሰርሕ ኣለና። .

ብዙሕ ዝሓሸ ሓሳብ ኣናምፅኡ ንምቕድሚት ክወስድ ዝኽእል ትግራዋይ ኣሎ። ነዚኦም ዘደዓናቕፍ ኣካል ክህሉ ኣይኽእሉን። ሓሳብ ‘ዩ ካብ ፀገም ዘውፅእ። እዞም ከምዚ ክንኾን ዝገበርና ሓሳባትን ተግባራትን ክቕየር ዝኽእል ዝተፈለየ ሓሳብ እንድሕር መፂኡ ‘ዩ። ኣብ ትግራይ ኣብዚ ሰዓት ክህሉ ዝግባእ ነገር እንተሃልዩ መድረኻት ሓሳብ ‘ዩ። ኣብዚ ዝሳተፉ ዘለው ምሁራን ፣ ፖለቲካ ፓርትታት ከየድነቕኹ ክሓልፍ ኣይደልን።

ካልእ ትኹረት ክዋሃሉ ዝግባእ ኣብ ትግራይ ሰላም ምፅናዕ ‘ዩ። ሰላም ኣብ ኢድና እናሃለወ ብኣናእሽተን ነገራት ሰላም እንድሕር ተደናቒፋ እቲ ዝመፅእ ፀገም ንኹሉ ‘ዩ ዝልክም። እቲ ሰላም ዝዘርግ ኣካል መውፅኢኡ ይፈልጥ ‘ዩ። ስለዚ ኹላትና ተጋሩ እታ ረኺብናያ ዘለና ሰላም ሓሊና ሰላም ክፀንዕን ናብ መሬት ወሪዱ ሙሉእ ክኾንን፤ ደጊምና ዕሽሽ ምባል ናብ ፀገም ከይንኣቱ ንኹሉ ትግራዋይ ሓደራ ክብል ይፎቲ።

ድሕሪ ኸዚ ኣብ ትግራይ ዝትኮስ ጥይትን ብጥይት ዝመውት ሰብ ንከይህሉ ክንሰርሕ ይግባእ። ምፍልላይ ሓሳባት ማለት ፅልኢት ከምዘይኾነ ዕድላት ዝረከብሉን ሓሳባት ዝንሸራሽረሉን ኩነታት ምፍጣር የድሊ። ሓድነትና ክጠናኸር ሰላምና ክነፅዕ ኹላትና ብዝካኣለና ንሰላም ንሕውየትን ክንሰርሕ በዚ ኣጋጣሚ ፃውዒተይ ከቕርብ ይደሊ።

መሰረት ገብረዮሃንስ

ወጋሕታ  5 መጋቢት 2016 ዓ.ም

Recommended For You