መንግስቲ ክልል ኣምሓራ ሰብኣዊ ሓገዝ ናብ ክልል ትግራይ ንክበፅሕ ናይ ምሕጋዝ’ምበር ናይ ምትዕንቓፍ ድልየት ከምዘይብሉ ገሊፁ

መሰረት ገ/ዮሃንስ

ኣዲስ ኣበባ፡- መንግስቲ ክልል ኣምሓራ ኣብ ክልል ትግራይ ሰብኣዊ ሓገዝ ዘድልዮም ዜጋታት ሰብኣዊ ሓገዝ ንክበፅሖም ሓገዝ ክህብ፤ይተሓባባር’ምበር ናይ ምትዕንቓፍ ድሌት ከምዘይብሉ ገሊፁ።

መግለፂ ብሄራዊ ክልላዊ መንግስቲ ኣምሓራ ፀሪሑ ኣምሓራ ሚድያ ኮርፖሬሽን(ኣሚኮ) ከምዝፀብፀቦ ሓደ ሓደ ሚድያታ ወፃእን ማሕበረሰብ ኣነቓቓሕትን መንግስቲ ክልል ኣምሓራ ናብ ክልል ትግራይ ሰብኣዊ ሓገዝ ንከይኣቱ እናገበረ እዩ ብዝብል ዝፍነው ዘሎ ፀብፃብ ፈፂሙ ናይቲ ክልል መንግስቲ ኾነ ህዝቢ ዘይውክልን ባህሪ መንግስቲ ዘይገልፅ እዩ ኢሉ።

ኾይኑ ግና ሰብኣዊ ሓገዝ ዘቕርቡ ትካላት ኾኑ ሃገራት ብሰብኣዊ ሓገዝ ስም ዘይተፈቐደሎምን ዘይሕጋዊ ዝኾኑ ናውቲ ንኣብነት ኣፅዋር ኲናት ፣ኣደንዘዝቲ እፅ፣ ኣዕነውቲ ኬሚካላትን ዝኣመሰሉ ጠቐምቲ ዘይኮኑ ንማሕበረሰብና ቕልውላው ዝፈጥሩ ዘኽእሉ ነገራት ንራዕዳዊ ህወሓት ከይበፅሕ ስግኣት ስለዘለና ክልል መንግስቲ ድማ ናይ ዜጋታት ደሕንነት ምሕላው ሓላፍነት ዘለዎ ብምዃኑ ብስም ሓገዝ ዝጓዓዙ ኣልማዕቲ ምግብታት ፣ምግቢ ካልኦት ናውቲ ከምዘይኾኑ ምርግጋፅ ኣድላይ ከምዝኾነ ሓቢሩ እዩ።

ስለዝኾነ ድማ ናይቲ ክልል መንግስቲ ምስ ፌደራል መንግስቲ ብሓባርን ብምዝርራብን እናሰርሐ ዘሎ ክልል ኣምሓራ ሓሊፉ ዝኸይድ ዝኾነ ሓገዝ ይኹን ሸቐጣት ንግዲ ብፍተሻ እናተፈተሸ ሕጋውን ዝተፈቐደን ናውቲ ምዃኑ ብምርግጋፅ ጥራሕ እዩ ኢሉ ።ካብዚ ወፃኢ ሰብኣዊ ሓገዝ ንከይበፅሕ ምድንቃፍ ድልየት የብሉን ክብል ኣመልኪቱ።

ትኽክለኛ ሰብኣዊ ሓገዝ እንኾይኑ ደሕንነቱ ተሓልዩ ንክበፅሕ እናገበረ እዩ ዝበለ መንግስቲ ክልል ኣምሓራ፣ ንቅድሚት’ውን ክግበር ዝኽእል እዚ ከምዝኾነ ክፍለጥ ኣለዎ ክብል ገሊፁ።

ብሰብኣዊ ሓገዝ ስም ዘይተፈቐደን ብሕጊ ሃገር መሰረት ንዜጋታት ስግኣት ዝኾነ ዝኾነ ዓይነት ናውቲ ናብ ኢትዮጵያ ኾነ ናብ ክልል ንከይኣቱ ዘይተገደበ ምሉእ ናይቲ ክልል ሓላፍነት ስለዝኾነ ናይ ውሽጥን ወፃእን ሓይሊ ፈቓድ ከየድለየና ምስ ፌደራል መንግስቲ ብምትሕብባር ንሓበራዊ ረብሓ ፍተሻ ምግባርና ኣጠናኺርና ንክቕፅል ኢና ክብል ኣፍሊጡ።

ካብዚ ወፃኢ ናይቲ ክልል መንግስቲ ንምንታይ ፍተሻ ይገብር ብዝብል ናይ ወፃኢ ሚድያታት ብዝተዛበዐ መገዲ ሰብኣዊ ሓገዝ ናብ ክልል ትግራይ ንከይበፅሕ እናገበረ እዩ ዝብል ምናልባት ‹‹ክበልዕዋ ዝደለዩ ኣሞራስ ጅግራ ይብልዋ›› ከምዝባሃል ብስም ሓገዝ ዘይሕጋዊ ኣፅዋር ኲናት ንግብረ ራዕዳዊ ህወሓት ንምብፃሕ ተዘይኾይኑ ፤ቀደሙ’ውን እንተኾነ ፍተሻ ኬላ ዝነበረን ድሕሪ ኸዚ’ውን ዝህሉ እዩ ክብል ገሊፁ።

ዝተዛበዐ ሓበሬታ ብዝፍንው ናይ ወፃኢ ሚድያታትን ብግብረ ራዕዳዊ ህወሓት ዕሱባት ማሕበራዊ ሚድያ ናይ ሕሶት ክሲታት መንግስቲ ስሩዕ ዝኾነ ስራሕ ደሕንነት ጠጠው ከምዘየብል ክነረጋግፅ ንፎቲ ኢሉ።

ኣብ ዝኾነ ዓለም ካብ ዝኾነ ዝግበር ምንቅስቃስ ኣብ ኬላ ከይተፈተሸ ከምዘይሓልፍን ትኽክኛ ሓገዝ እንተኾይኑ ብዘይ መንም ስግኣት ተፈቲሹ እንትሓልፍ ዝፅላእ ኣይኮነን ዝበለ እቲ ክልላዊ መንግስቲ፣ ናብቲ ክልል ዝመፁን ናብ ካልእ ክልል ዝሓልፉ ሓገዝ ይኹን ካልኦት ሕጋዊ ምቅስቓሳት ክንተሓባበርን ክንድግፍ ኢና ፤ ብኣንጻሩ ድማ ዘይተፈቐዱን ንሓደጋ ዘጋልፁን ምንቅስቓሳት ናይ ምክልኻል ሓላፍነት ከምዝወስድ ኣፍሊጡ።

ወጋሕታ 8 ሓምለ 2013 .

Recommended For You