‹‹ህዝቢ ትግራይ ኸዚ ንዘጋጠሞ ፀገም ተሓታቲ ግብረ ራዕዳዊ ህወሓት ከምዝኾነ ክግንዘብ ኣለዎ›› ሌተናል ኮሎኔል ፍስሃ በርሀ

መሰረት ገ/ዮሃንስ

ኣዲስ ኣበባ ፡- ህዝቢ ትግራይ ኸዚ ንዘጋጠሞ ፀገማት ኹሉ ዋና ተሓታቲ እቲ ክልል ኾነ ሃገር እናመሓደረ ዝነበረ ግብረ ራዕዳዊ ህወሓት ከምዝኾነ ክግንዘብ ከምዝግባእ ኣብ ግዚያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ዋና ዳይሬክተር ኢንስቲትዩት ምርምር ጥዕና ሌተናል ኮሎኔል ፍስሃ በርሀ ኣፍሊጦም። እቲ ህዝቢ ብግዝያዊ ስምዒት ተላዓዒሉ ንዝሓልፍ እዋን ሰይጣናዊ ውድብ ክድግፍ ከምዘይብሉ ኣገንዚቦም።

ሌተናል ኮሎኔል ፍስሃ በርሀ ንጋዜጣ ኣዲስ ዘመን ከምዘፍለጥዎ፤ግብረ ራዕዳዊ ጉጅለ ህወሓት እቲ ክልል ኾነ ሃገር ብልዕለይ ማንም የለን ብዝብልን ብግፍዕን እናመርሐ ፀኒሑ ፤እዚ ኣይኣኽልን ኢሎዎ ህዝቢ ትግራይ ምስ ካልኦት ማሕበረሰብ ንምንፃል ሓሰተኛ ፕሮፖጋንዳ ብስፍሓት እናሰራጨወ እዩ። እቲ ህዝቢ ብጉጅለ ግብረ ራዕዳዊ ሃገርን ህዝብን ንምፅላእ ዝጥቀሙ ፕሮፖጋንዳ ናብ ጎኒ ብምግዳፍ ሃገር ናይ ምብታን ተንኮል ከጋልፅን ክቃወም ይግባእ።

ግብረ ራዕዳዊ ህወሓት ትርፊ ፖለቲካ ንምርካብ ክብል ጥራሕ ህዝቢ ንኽፅገም ብምግባር ሓሰተኛ ፕሮፖጋንዳ ብምስርጫው ናይ ህዝቢ ኣመላኻኽታ ናይ ምቕያር ዝነበረ  ባህሊ ዘለዎ እዩ። ኣብ በረኻ ኣብ ዝነበረሉ እዋን ንህዝቢ ተባሂሉ ዝመፅእ ረድኤት ወሲዱ ኣፅዋር ኲናት እዩ ዝገዝኣሉ ክብሉ ገሊፆም። ንህዝቢ ከም ከውሊ ብምጥቃምን ናብ ህዝቢ ብምእታውን ንክጭፍጨፉ ብምግባር ብዝሞተ ህዝቢ ዝንግድ ወድብ እዩ። ፈፂሙ ካብ ባህሪ ሰብ ይኹን ካብ ኢትዮጵያ ባህሊ ብዝወፀ ተግባሩ ናይቲ ክልል ህዝቢ ስነ ልቦና ቀውስ ንክኣቱ ገይርዎ እዩ ኢሎም።

ግብረ ራዕዳዊ ህወሓት ኣብዚ ኸዚ ፌደራል መንግስቲ ንህዝቢ ዝተውሃቦ እዋን ፅሞና ብምጥቃም ህዝቢ ትግራይ ብማሕበራውን ኢኮኖምያውን ፀገማት ምንግልትዑ ከይተርፍ ብሓሰተኛ ወረ ነኒባዕሉ ከይስማዕማዕን ከይረጋጋዕን እናገበረ እዩ ክብሉ ገሊፆም።

ኹሉ ህዝቢ ትግራይ ተንኮል ህወሓት ኣይተረደአን፤ብተንኮል ዝተመርሐ ኣካይድኡ ኣይተረደአን ኢልካ ምሕሳብ ጌጋ ከምዝኾነ ገሊፆም። ኣብዝሓ ህዝቢ ስምዒት ኢትዮጵያውነቱ ተዓፊኑ ዝተቐመጠ እዩ፤ እዚ ተዓፊኑ ዘሎ ህዝቢ ቦታ ክወሃቦ ይግባእ ኢሎም።

ሓሰተኛ ፕሮፖጋንዳ ስዒቡ ምስቲ ጉጅለ እናወገነ ዘሎ ሕብረተሰብ ከስተውዕል ከምዝግባእ ዘመልከቱ ሌተናል ኮሎኔል ፍስሃ፤ እቲ ህዝቢ ኩነታት ብፅሞና ክፍትሽ ይግባእ ኢሎም። ብግዚያዊ ስምዒት እናተጉዓዘ ኣብዝሓ ህዝቢ ናብ ዘይኾነ መስመር ምእታው ከምዘይግባእ ኣገንዚቦም እዮም።

እቲ ህዝቢ ንዝሓልፍ እዋን ምስ ሰይጣናዊ ውድብ ክውግን ኣይግባእን ኸዚ ንዘለዉ ኹሉ ፀገማት ተሓታቲ ግብረ ራዕዳዊ ህወሓት ከምዝኾነ ህዝቢ ትግራይ ክግንዘብ ከምዘለዎ ገሊፆም። ናይቲ ጉጅለ ተንኮል በምግላፅ ምስ ካልኦት ኢትዮጵያውያን ብሰላምን ፍቕርን ምንባር ከምዘለዎ ኣተሓሳሲቦም።

እቲ ህዝቢ ብዝተኽኣለ መጠን ግብረ ራዕዳዊ ህወሓት ክቃዎም ከምዘለዎ ዝተዛረቡ እቶም ዋና ዳይሬክተር ፤ብፍላይ ደቁ ተዓፊኖም እንትውሰድዎ ፣እንትቅተልዎ ፣ክጠምን ክዝረፍን ከሎ ንቲ ጉጅለ ክሓትን ከቃልዕን ኣለዎ፤ግብረ ራዕዳዊ ህወሓት ህዝባዊ ኣተሓሳስባ ዘይብሉ ህዝቢ ሒዙ ንምጥፋእ ዝተዳለወ ውድብ ከምዝኾነ ክርዳ ኣለዎ ክብሉ ሚዒዶም።

ወጋሕታ 8 ሓምለ 2013 .

Recommended For You