«ንደቂ ኣነስትዮ ነብቅዕ፤ልምዓትን ሰላምን ነረጋግፅ»

በቢ ዓመቱ ዝኽበር በዓል ደቂ ኣንስትዮ(ማርች8) ዋና ዕላማ ንደቂ ኣንስትዮ ኩል ግዜ ተዋሂብዎንን ትኹረት ተገይሩለን ኩለመዳዊ ፀገመን ንክፍታት ፖሊሲ ኣውፃእትን መንግስታትን ረብሓን መሰልን ደቂ ኣነስትዮ ንከኽብሩ፤እቲ ካሊእ ሕብረተሰብ ድማ ባህላዊን ማሕበራዊን ወፅዓ ከይገብረለን ንምዝኽኻር’ዩ።

ኣብ ዓለም ቅድሚ 113 ዓመት ኣትሒዙ መሰል ደቂ ኣነስትዮ ንክኽበር ዓብይ ቓልሲ ተኻይዱ’ዩ።ንማዕረ ክፍሊት፣ፖለቲካዊን ሰብኣዊን መሰል ንምኽባር ፣ኣብ ፖለቲካዊ ስልጣንን መረፃን ተሳታፊ ንምዃን…ወዘተ ዓበይቲ ቓልስታት ተኻይዶም’ዮም።በዚ ድማ ዓወታትን ለውጥታትን ዋላ ይረኸቡ ሐዚ’ውን ግና ዝቐሪ ስራሕቲ ኣሎ።

ዓለም ብፍላይ ኣብ እዋን ጎንፂ ንደቂ ኣነስትዮን ህፃናትን ዝያዳ ትጉድእ፣ሰላም እንትኾን ድማ ዋላ ኹሉ ተጠቃሚ ይኹን ደቂ ኣነስትዮ ዝያዳ ተጠቀምቲ’የን።ስለዚ ሰላም ምፍጣር ኣብኡ እነሃለው ንደቂ ኣንስትዮ ምችው ኹነታት ምፍጣርን ዝተረጋግዐ ህይወት ንክህልወን ምግባር’ዩ።እዚ ድማ ካብ ኣሕዋተን በዓል ገዘአን ዝኾኑ ደቂ ተባዕትዮ ትፅቢት ዝግበር ስራሕ’ዩ።ደቂ ተባዕትዮ ንሓፍቶም፣ በዓልቲ ገዛኦምን ደቆም ክሓልዩን ክሕልውን ከብቅዑን ድማ ይግባእ።

ደቂ ኣንስትዮ ትግራይ ንረብሐአንን መሰለንን ይቃለሳ’የን። ኮይኑ ድሕሪ ዓወት ኣብ ፖለቲካዊ ስልጣን እኹል ተሳትፎ ኣይነበረንን።ኣብ ስልጣን ዝነበረ ሓይሊ ንውሑዳት’ምበር ንሓፋሽ ህዝቢ ብፍላይ ድማ ንደቂ ኣነስትዮ ዝረብሕ ስራሕ ብዘይ ምስርሑ ደቂ ኣነስትዮ ትግራይ ነዊሕ መንገዲ ተጓዒዘን ማይ ንክቐድሓ፣እህሊ ንከጥሕና፣ዕንፀይቲ ንከኣርያ ተገዲደን’የን።

ኣብ ቀረባ ድማ ንዝሓለፉ ክልተ ዓመታት ኣብ ዝነበረ ኹናት ዝበለፀ ዝተጎድኣን ዝተመዛበላን ደቂ ኣነስትዮ’የን።ዓብይ ኢኮኖሚያዊን ማሕበራዊን ጉድኣት በፂሒዎን ‘ዩ።ሐዚ ድማ እቲ ኹሉ ፀገም ሓሊፉ ኣብ እዋን ሰላም ይርከባ።እዚ ሰላም ውሑስ ንክኸውን ልምዓት ንክረጋገፅን ድማ ኩሉ ክሰርሕ ኣለዎ።ግደ ደቂ ኣንስትዮ ድማ ዕዙዝ’ዩ።

ኣብ ትግራይ ዝነበረ ኹናት ብዙሕ ጉድኣት ኣብፅሒኡ ኣሎ።ካብ ተመዛባልቲ እተን ዝበዝሓ ደቂ ኣንስትዮን ህፃናትን ‘የን።ካብዚ ምርዳእ ዝከኣል ኣብ እዋን ኹናት ከቢድ ጉድኣት ዝበፅሐን ከምዝኾነ’ዩ።ደቂ ኣነስትዮ ትግራይ ኹናት ክንደየናይ መዕነዊ ምዃኑ በተደጋጋሚ ሪአን ኣለዋ።ስለዚ ድሕሪ ሐዚ ንሰላምን ልምዓትን ከሰርሓ ይግባእ።እቲ ስምምዕነት ሰላም ዕውት ክኸውንን ሙሉእ ንሙሉእ ንክፈፀምም ኣበርቲዐን ክሰርሓ ኣለዎን።

መላእ ህዝቢ ትግራይን ብፍላይ ድማ ደቂ ኣነስትዮ ድሕሪ ሐዚ ኹናት ከይድገምን ናብ ካሊእ ኹናት ከይእተውን ክሰርሓን ፅዕንቶ ከሕድራን ኣለወን።ደቂ ተባዕትዮ ፖለቲካኛታት ‘ውን ኹናት ክደየናይ ኣዕናዊ ከምዝኾነ ተረዲኦም ንሰላም ቀዳምነት ብምሃብ ፀገም ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ምቅላልን ምፍታሕን እጃምኩም ክትዋፅኡ ግድን ይኸውን።

ኣብ ሐዚ እዋን ብመሰረት ስምምዕነት ሰላም ፕሪቶሪያ ኣብ ትግራይ ኣንፃራዊ ሰላም ኣሎ።እዚ ሰላም ዋላኳ ድሕሪ ብዙሕ ሰብኣዊ ኺሳራን ዕንወት ዝመፅአ እንትኾነ ንመላእ ህዝቢ ትግራይ ብፍላይ ድማ ንደቂ ኣነስትዮ ዓብይ ራህዋን ቅሳትን ፈጢሩ ኣሎ።

ብመሰረት እቲ ስምምዕነት ሰላም ብወገን መንግስቲ ፌደራል ዘድሊ ሰብኣዊ ሓገዝ፣ናውቲ ሕክምናን መድሓኒት ብዘይ ዓይቀፍቀፍ ንከኣቱ ብምግባር ፀገም ህዝቢ ትግራይ ብሓፈሻ ፤ብፍላይ ድማ ፀገም ደቂ ኣንስትዮ እናቃለለ ይርከብ።ካልኦት መሰረታዊ ግልጋሎታት ብምጅማሮም’ውን ኹናት ፈጢርዎ ዝነበረ ማህሰይትን ስነ ልቦናዊ ፀቕጢ ንክቃለል ሓገዙ’ዩ። እቲ ዝተረፈ’ውን እቲ ስምምዕነት ሰላም ሙሉእ ንሙሉእ እናተተግበረ እንትኸድ እናተፈትሐን እናተቓለለን ከምዝኸይድ ምርዳእ ይከኣል።ስለዚ ደቂ ኣነስትዮ ትግራይ ንተፈፃምነት ስምምዕነት ሰላም ክሰርሓ ኣለዎን።

ሰላም ንኹሉ ዝጠቅም እንተኾነ’ውን ንደቂ ኣነስትዮ ግና ዝያደ ጠቓሚ ስለዝኾነ እዚ ተጀሚሩ ዘሎ ከይዲ ሰላም ሙሉ ንክኸውን ኩሉ ክረባረብን ክሰርሕን ይግባእ።ብፍላይ ድማ ደቂ ኣነስትዮ ትግራይ ካብ ሰላም ዝበለፀ ተረባሕቲ ስለዝኾና እቲ ስምምዕነት ሰላም ሙሉእ ንሙሉእ ተተጊቢሩ ኣብ ትግራይ ዘላቂ ሰላም ንክፍጠርን ዳግመ ሕውየት ትግራይ ዕውት ንክኸውን እጃመን ከበርክታ ይግባእ።

ናይ ሎሚ ዘበን በዓል በዓለም ደረጃ ን113 ግዜ ብሃገርና ድማ ንመበል 48 ግዜ ‹‹ንደቂ ኣነስትዮ ነብቅዕ፤ልምዓትን ሰላምን ነረጋግፅ›› ብዝብል ቴማ ዝኸበር እንትኾን ኣብ ልዕሊ ደቂ ኣንስትዮ ዝበፅሑ ጥሕሰት ሰብኣዊ መሰላት ጠጠው ንክብሉ ፖለቲካዊ፣ኢኮኖሚያዊን ማህበራዊን ተጠቃሚነት ንምርግጋፅ ኩላትን ሓላፍነትና ብምውፃእ ክኸውን ስለዝግብኦ ንዚ ድማ ደቂ ኣንስትዮ ብምቃዕን፤ሰላምን ልምዓትን ብምርግጋፅ ክኸውን ኣለዎ።

ወጋሕታ 28 ለካቲት 2016 ዓ.ም

Recommended For You

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *