ኣብ በዓል ትንሳኤ ንዝተፀገሙ ምሕጋዝን ንሰላምን ንስራሕ

በዓል ትንሳኤ ሰዓብቲ እምነት ክርስትና በብዓመቱ ካብዘኽብርዎም ዓበይቲ በዓላት ሓደ ‘ዩ። በዓል ትንሳኤ ናይ ሰዓብቲ እምነት ክርስትያን በዓል እንትኾን ናይቲ እምነት ተኸተልቲ ነቲ መድሓኒትና ኢየሱስ ክርስቶስ ሞት ስዒሩ ዝተሰአሉ መዓልቲ ብታሕጓስ ዘኽብሩላ ዕለት ‘ያ።

እቲ በዓል ‹‹ብርሃነ ትንሳኤሁ›› ተባሂሉ ዝፅዋዕ እንትኸውን እዚ በዓል እዚ በቢዓመቱ ብእምነት ተኸተልቲ ክርስትና ኣዝዩ ብድምቐትን ልዑል ታሕጓስን ዝኽበር በዓል ‘ዩ። ስለዚ እዚ በዓል እንትኽበር ንዝተፀገሙ ወገናት ም ሕጋዝ ይግባእ። በዓል ትንሳኤ ኣብ ዓለም ብሓደ መዓልቲ እንተይኮነስ ብዝተፈላለየ መዓልቲ ‘ዩ ተኸቢሩ ዝውዕል። በቢዓመቱ ኣብ ተመሳሳሊ መዓልቲ ኣይኽበርን።

ከም ልደት ወይ ጥምቐት ቑርፅ ዝበለ መዓልቲ የብሉን። ኮይኑ ግና ኩሉ ግዜ ካብ ዕለተ ሰንበት ኣይወፅእን። ቅድሚ እቲ በዓል ትንሳኤ ናይቲ እምነት ተኸተልቲ ናብ ቤተ ክርስትያን ብምኻድ ብምፅላይ፣ ብምስጋድ፣ ሃይማኖታዊ ትምህርታት ብምስማዕ የኽብርዎ።

እቲ ፀሎት ካብ ሰሙነ ሕማማት ተባሂሉ ዝፍለጥ ዝጅምር እንትኾን ኮይኑ ግና ካብቶም ዕለታት ሰሙነ ህማማት እቲ ወሳኒ ዝኾነ በዓል ካብ ስቕለት (ዓርቢ) ‘ዩ ዝጅምር። ዓርቢ ስቕለት ተባሂሉ ድማ ይፍለጥ። ስለዝኾነ ኣብ በዓል ትንሳኤ ብሰብ ስራሕን ብተፈጥሮን ሓደጋ ካብ መረበቶም ተመዛቢሎም ኣብ መዓስከር ስደተኛታት ዝርከቡን ካልኦት ፅጉማትን ብም ሕጋዝ እቲ ፆም ን ፀሎት ነክሰምር ምግባር የድሊ።

ካሊእ ወሳኒ ፀሎት ዝግበር ኣብ ትንሳኤ ለይቲ ማለት ናብ ሰንበት ዘውግሕ እንትኸውን ናይቲ እምነት ተኸተልቲ ኣብ ቤተክርስትያን ፀሎት ይገብሩ። ናይ ፀሎት መርሃ ግብር ምስተወደአ ድማ ኩሉ ነናብ ገዝኡ ብምኻድ ሕሩድ ብምድላው ምስ ስድራ ወይ ቤተሰብ ተኣኻኺቡ ብድምቐት የብዕሎ። ኣብዚ እዋን ድማ እቲ ዝተረኸበ ምግቢ በዓል ንፅጉማት መዓዲ ብምክፋል ንቲ በዓል ዝያዳ ፅቡቕ ክኸውን ብምግባር ሰናይ ተግባር ምፍፃም ካብ ኩሉ ዜጋ ትፅቢት ይግበር። እዚ ብምግባር ባህሊ ምትሕግጋዝ’ውን ተጠናኺሩ ክቕፅል ይግባእ።

ኣብ በዓል ትንሳኤ ፅልእን ቕርሕንትን ዝተወገደሉ ናይ መንፈስ ይቕሬታ፣ሓድነትን ሰላምን በዓል ‘ዩ። ስለዚ ንሕና ኢትዮጵያውያን በዓል ትንሳኤ ከነብዕል ከለና ካብ ምትሕግጋዝ ብተወሳኺ ሰላምና ብምርግጋፅ ክኸውን ይግባእ። ኣብ ሃገርና ብሰንኪ ስእነት ሰላም ዘጋጥሙ ዘለዉ ምምዝባልን ካልኦት ፀገማትን ብዙሓት ‘ዮም። እዚኦም መዕለቢ ንክረኽቡ ክንሰርሕ ይግባእ። ንሰላም ትኹረትን ዋጋን ክንህብ አለና።

ኣብ ሃገርና ብዝተፈላለየ መገዲ ዘጋጥሙ ፀገማት ክውገዱ እንተኾይኖም ሰላም የድሊ። ነዚ ድማ ኩሉ ናይ በዓሉ ግደ ክፃወት ኣለዎ። ኩሉ ሰብ ብዘይ ምንም ፀገም ተንቐሳቒሱ ክሰርሕን ብሰላም ወፊሩ ብሰላም ክኣቱን እንተኾይኑ ሰላም ወሳኒ ስለዝኾነ ነዚ ድማ ኩልና ሰላም ንምስፋን እጃምና ክነብርክት ይግባእ።

በዓል ትንሳኤ ከነብዕል ከለና ካብ መረበቶም ተመዛቢሎም ኣብ መዕቆቢ ቦታታት ዝርከቡ ወገናትና ከንርስዖም የብልናን። መከራን ስቓይን ናይዞም ወገናትና ከብቅዕን ዳግማይ ኣብ ኢትዮጵያ ጎንፂ ከይህሉን ንሰላምን ከንሰርሕ ይግባእ።ንዚ ድማ ውግእ፣ ስደት፣ ምምዝባል ጠጠው ክብል ልብኻ ንይቕሬታ ክፍቲ ምግባር የድሊ።

ሎሚ በዓል ፋሲካ ከነብዕል ከለና ነቲ ኣብ በዓል ፋሲካ ዝረኸብናዮ ፀጋን በረከትን፣ ሰላም፣ ታሕጓስ፣ ይቕሬታ፣ ብርሃንን ዝረኸብናዮ መድሓኒትና ኢየሱስ ክርስቶስ ዋጋ ዝኸፈለሉ ምዃኑ ብምርዳእ ኣብ ዕለታዊ ህይወትና ንምትግባር ክንፅዕር ይግበአና።

ልዕሊ ኩሉ እቲ በዓል ናይ ሰላም በዓል ኮይኑ ክሓልፍ ኩሉ ንሰላም ጠጠው ክብል ኣለዎ። መንፈሳዊ ትሕዝቶ እቲ በዓል ብግቡእ ብምርዳእ ምስቲ ጭቡጥ ሃገራዊ ኩነታት ብምትዕራቕ ንሰላም ሃገር ምስርሓን ምዝማርን የድሊ።

እዚ ከምዘለዎ ኮይኑ እቲ ሃይማኖት ብዝእዝዞ መሰረት ነንርእስና ብምድግጋፍን ብምትሕልላይን ብፍላይ ንዝተፀገሙ ወገናትና ብምሕጋዝ ክነሕልፎ ይግባእ። እቲ በዓል ከምዚ እንተኾይኑ በዓል ፋሲካ ሃይማኖታዊ እሴቱ ዝተላበሰ ኮይኑ ይሓልፍ።

ንመላእ ተኸተልቲ እምነት ክርስትና ርሑስ በዓል ፋሲካ!

ወጋሕታ 24 ሚያዝያ 2016 ዓ.ም

Recommended For You